ንብረት ምጥርቓም ስነ ኣእምሮኣዊ ጸገም ምዃኑ ትፈልጡ'ዶ?

ዝተኣከቡ ኣቑሑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እስከ፡ ሓንሳብ ንመንበሪ ገዛኹም ተመልከቱ። ወይ ክኣ ብዛዕባ ኣብ ቀረባ መዓልታት ዝበጻሕኩምሉ መንበሪ መሓዛ ወይ ስድራ ቤት ሕሰቡ።

ኩሉ ኣቕሓ ቦታ ቦታኡ'ዶ ሒዙ ኣሎ? ዘየድልኹም ነገራት ብኣጋ'ዶ ተወግዱ? ወይስ ትዓቑሩ?

እዚ፡ ናይ ሻሂ ብርጭቈ፣ ዝኣረገ ፔርሙዝ፣ ታኒካ ወዲ ታኒካ፣ ፕላስቲካት፣ ሲዲታት . . . ክኸውን ይኽእል'ዩ።

ናብ መንበሪ ገዛ ኤድዋርድ ብራውን እንተኸይድኹም ኩሉ ክትረኽቡዎ ኢኹም።

ንሱ፡ ኣብ ህይወቱ ዘጠራቐሞም ነገራት ኩሎም ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ተቘሊሎም፡ እታ መንበሪ ገዝኡ ንክትነብረላ እተጸግም ገይሮምዋ ኣለው።

“ሰብ ናብ ገዛይ እንተመጺኡ ፍሒት መበሊ የብሉን” ይብል ወዲ 60 ዓመት ብራውን።

ንሱ፡ ኣብ ሰሜን ኢንግሊዝ ኣብ እትርከብ ከተማ ብላክበርን እዩ ዝነብር።

ብራውን ምስ'ዚ ብዝተሓሓዝ ጸገም ከም ዘለዎ ይርድኦ እዩ፤ ግን ክኣ እዚ ጸገም ንምጽዋር ምስ ነብሱ ይቃለስ'ዩ ዘሎ።

እዚ ውልቀሰብ፡ ንኻልኦት ሰባት ንኡሽቶ ሓገዝ ክህቡ ዝኽእሉ ነገራት እንከይተረፈ ክተወግዶም ናይ ዘይምድላይ ዝዀነ ብናይ ኢንግሊዘኛ ኣገላልጽኡ 'hoarding disorder' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ስነ ኣእምሮኣዊ ጉዳይ ኣለዎ።

“እዚ ጸገም፡ መንበሪ ገዛኻ መርገጺ እግሪ ኣስኢኑ ጋሕመጥመጥ ናብ ዝበለ ኩነታት ከምርሕ ይኽእል’ዩ” ይብል ክኢላ ስነ ልቦናን ሓጋዚ ፕሮፌሰር ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኢሊኖይስ ግሪጎሪ ቻሶን።

እዚኦም፡ “እቲ እትነብረሉ ገዛ ንዝተሓሰበሉ ዕላማ ከይውዕል’ዮም ዝገብሩ። በዚ ምኽንያት ክሽነ መግቢ ንምድላው፡ መደቀሲ ክፍልኻ ድማ ንመደቀሲ ከተውዕሎም ትጽገም” ኢሉ።

መንበሪ ገዛ ኤድዋርድ ብራውን

ካብ ጋዜጣታት፣ መጽሄት፣ ናይ መግቢ መዐሸጊ ታኒካታት፣ ጫማ፣ ናይ ሞባይል ስልክን ካልእን ቻርጀራት ጀሚሩ ክሳብ ሓደሽቲ ይኹኑ ዝኣረጉ ጽላላት ወይ ጠራሙዝ፣ ዘይትኽደኖም ክዳውንትን ካልእን ኣገደስቲ ስለ ዝመስሉኻ ትዓቑሮም።

ነገራት ናይ ምጥርቓም ልምዲ፡ ብጾታ፣ ባህሊ ወይ ማሕበረ ቁጠባዊ ደረጃታት ዝፍለ ኣይኰነን። ኣብ ኩልና ኣሎ።

እዚ፡ ልዕሊ 2.5 ሚኢታዊት ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ዘጥቅዕ ኣእምሮኣዊ ጸገም ኰይኑ፡ ብሰፊሑ ዕድሚኦም ልዕሊ 60 ዓመት ኣብ ዝዀኑ ሰባትን ከም ጭንቀትን ቃዝኖትን ዝበሉ ኣእምሮኣዊ ጸገማት ዘለዎምን ከም ዝርኣይ ማሕበር ስነ ልቦና ኣመሪካ የመልክት።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2021 ጆርናል ኦፍ ሳይካትሪ ዝሓተሞ ሓደ መጽናዕቲ ከም ዘርእዮ፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከበድቲ ምልክታት እዚ ሕማም “ኣዝዮም ወሲዀም” ነይሮም።

ስምዒታዊ ምትእስሳር

ካልእ ኣገዳሲ ምኽንያት ባህሪ ምጥርቓም ኣቑሑ ዘለዎም ሰባት፡ እቲ ኣቕሓ ንምሓዝ ዝሓድሮም ውሽጣዊ ጸቕጢ’ዩ።

“ብሰንኩ ተፈጢሩ እንሪኦ ዕግርግር ጥራይ ዘይኰነ፡ ተወሳኺ ነገራት ንምግዛእ ዘሎ ድልየት ወይ ብዝዀነ ኣጋጣሚ ዝመጽኡልካ ኣቑሑ ኩሎም ክትእክቦም ናይ ምድላይ ዘሎ ውሽጣዊ ድፍኢት’ዩ” ትብል ሓገዚት ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ብሪትሽ ኮሎምቢያ ክሪስቲና ብራቲቲስ።

ወሲኻ፡ “ሰባት ነቶም ነገራት ብዘለዎም እምነት ወይ ጠንካራ ስምዒታዊ ምትእስሳር ምኽንያት ዘለዎም ኩሉ ክዕቅቡዎ ይደልዩ” ብምባል ተረድእ።

ገለ ሕክምናዊ ክትትል እትገብረሎም ሰባት “እዚ ኣቕሓ እኰ ንዓይ ልክዕ ከም ሓፍተይ’ዩ፤ ነዚ ምግዳፍ ዳርጋ ምስ ሓፍተይ ዘለኒ ርክን ምብታኽ እዩ” ከም ዝብሉዋ ትዛረብ።

ካብዚ ብዝብገስ፡ እዞም ነገራት ኣካል መንነቶም ገይሮም ከም ዝወስዱዎም ሓቢራ።

ሳዕቤን ምጥርቓም ኣቑሑ

በዚ ምኽንያት ዝመጽኡ ዝተፈላለዩ ጥዕናዊ ጸገማት ኣለው፤ ገሊኦም ካብቲ ንዓና ዝመስለና ንላዕሊ ኣጸገምቲ ክዀኑ ይኽእሉ።

እዚ ካብ ኣካላዊ ጸገማት ዝጅምር እዩ።

ንኣብነት፡ “ቀሳቢ ምጥርቓም ኣቑሑ ንኩሉ ዓይነት ሓደጋታት ከቃልዕ ይኽእል፥ መጉዳእቲ፣ ሓዊ፣ ከምኡ’ውን ከም ኣዝማ ንዝበሉ ሕማማት ከቃልዑ ዝኽእሉ ብርክት ዝበሉ ጸገማት” ይብል ግሪጎሪ ቻሶን።

ብመዳይ ጥዕና ኣእምሮ ድማ፡ ንማሕበራዊ ተነጽሎ ከቃልዑ ንዝኽእሉ ጸቕጥታት ከሳጥሕ ተኽእሎ ኣለዎ።

ክሪስቲና ብራቲቲስ ብወገና፡ ከምዚኦም ዝበሉ ነገራት፡ “እቲ ሕብረተሰብ ካብ ትህኪት ወይ ምውሓድ እርኑብ ውልቃዊ ስብእና ዝብገሱ’ዮም ኢሉ ስለ ዝሓስብ፡ ምስ ጥዕና ኣእምሮ ዝትሓሓዙ ጉዳያት’ዮም ዝብል ኣረዳድኣ የብሉን” ትብል።

መብዛሕትና፡ ማንም ክምጉቶ ዘይኽእል ምኽንያት ብምቕራብ ዝተፈላለዩ ነገራት ንዓቁር ኢና።

እዚ፡ ብመንጽር ፍልቀታዊ ኣተሓሳስባ፡ ሰባት ሃዲንና እንእክብ ፍጥረት ኢና፤ ስለዚ ዝዀኑ ነገራት ናብ ህይወትና ብምምጻእ ምሳና ክጸንሑ ንደሊ።

ይኹን’ምበር፡ እዚ ቀሳቢ ናይ ምጥርቓም ባህሪ ከነዕቢ ኣይገብረናን።

ብዛዕባ እዚ ክትሓስቡ እንከለኹም፡ ምስሊ ክንዲ እምባ ብዝዀኑ ዝተቘለሎ ዝተፈላለዩ ነገራት ዝመልአ ገዛ ናብ ርእስኹም ይመጽእ ይህሉ።

እዚ እቲ ኣዝዩ ዝብኣሰ ጸገም ኰይኑ፡ ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ክኣ እዮም ኣዘራረብቲ ዝዀኑ።

ስእላዊ መብርሂ

ምንጪ ስእሊ, Frost RO, Steketee G, Tolin DF, Renaud S

እዚ፡ ተመራመርtኢ ኣቑሑ ምጥርቓም ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ድዩ ዝብል ንምፍላጥ ካብ ሞንጐ ዝተጠቐሙሎም ስእልታት ሓደ እዩ።

ኣብ ሓደ መንበሪ ገዛ ዝተወስዱ ትሸዓተ ስእልታት ብሓደ ለጊቦም ኣለው። ትሸዓተ ስእሊ ክሽነ፣ ትሸዓተ ስእሊ መደገሲ ክፍሊ ኰይኑ፡ ካብ ሓደ ክሳብ ትሸዓተ መጠን ዝተኣከቡ ኣቑሑ የርእዩ።

ስእሊ ሓደ፡ ነቲ ጋሕመጥመጥ ዝበለ ኩነታት ከርኢ እንከሎ ስእሊ ትሸዓተ ድማ፡ ደረጃ እቲ ጸገም ኣዝዩ ዝኸፍአ ምዃኑ የርኢ።

እዚኦም፡ ብ2008 ጆርናል ኦፍ ሳይኮፓቶሎጅን መጽናዕቲ ባህርን ዘውጽኦ መጽናዕቲ ዝተሓትሙ እዮም።

ናይዚ ምኽንያት እንታይ እዩ?

ዝተፈላለዩ ኣቑሑ ብዝኣከብና ቑጽሪ፡ ፎቘድኡ ኣቕሓ ዝርኣየሉ ቦታ ምፍጣርና ኣይተርፍን።

እዚ፡ ውሳነ ንምሃብ ዝጽገም ዓይነት ሰብ ካብ ምዃንካ፣ ፍጹም ሰብ’ዩ ንክትብሃል ካብ እተማዕብሎ ባህርን ዝዀነ ነገር ጽባሕ ክኣልዮ’የ ወይ ክሰርሖ እየ ካብ ዝብል ባህርን ዝምንጪ’ዩ።መበገሲ እዚ ጸገም ክኸውን ዝኽእል ዋላ ሓደ ምኽንያት ግን የለን።

“ፍልቀታዊ ስነ ህይወት ጥራይ ኣይኰነን፣ ጀነቲካዊ ጥራይ ኣይኰነን፣ ስነ ኣእምሮኣዊ ጥራይ ኣይኰነን፤ ኩሎም ግን ተራ ክህልዎም ይኽእል፡ ትብል እታ ተመራማሪት።

እዚ ጸገም፡ ብብዝሒ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ምስ እትበጽሕ ዝጅምር ኰይኑ፡ ኣብ እዋን ቁልዕነትን ናይ ንእስነት ግዜን’ውን ግን ክምዕብል ይኽእል እዩ።

“መጽናዕታት፡ ልዕሊ 50 ሚኢታዊት ምንጪ እዚ ጸገም ካብ 11 ክሳብ 20 ዓመት ኣብ ዘሎ ክሊ ዕድመ ዝጅምር ምዃኑ የርእዩ” ትብል ብራቲቲስ።

ኣቑሑ ናይ ምጥርቓም ባህሪ ዘንጊዑ ዝፍለጠሉ ምኽንያት፡ ቈልዑ ጽርየቶም ዝሕልዉሎም ሰባት ስለ ዘለዎምን ክሳብ ልቢ ገይሮም፣ ዓብዮም ናይ ምኽዛን ባህሪ ዘርእዩ ከምኡ ዓይነት ዝንባለ ስለ ዘይርኣዮምን ምዃኑ ድማ ግሪጎሪ።

ሕክምና ኣለዎ’ዶ?

ክሳብ ሕጂ ነዘ ዝወሃብ ሕክምና የለን። ግን ክኣ ‘Cognitive-Behavioural Therapy’ (CBT) ብዝተባህለ ስነ ልቦናዊ ሓገዝ ክፍወስ ዝኽእል ምዃኑ ይእመን።

እዚ፡ ሰባት ባህሪያቶምን ስምዒቶምን ንምምሕያሽ ኣተሓሳስብኦም ንምቕያር ዕላማ ዝገበረ እዩ።

ናይዚ ውጽኢት ማእከላይ ኰይኑ ከም ዝተራእየ እትገልጽ ብራቶቲስ፡ ሙሉእ ንሙሉእ ግን ውጽኢታዊ እዩ ክብሃል ከም ዘይኽእል ትገልጽ።

ቻሰን ብወገኑ፡ ዓቐኑ ዝሓለፈ ኣቕሓ ናይ ምጥርቓም ባህሪን ሳዕቤናቱን ንምንካይ ዝውሰዱ ስጉምታት፡ ህይወት ሰባት ኣብ ምምሕያሽ ሓገዚ ተራ ከም ዘለዎም ተዛሩቡ።

ካብዚ ሓሊፉ ግን፡ ከምዚ ዓይነት ባህሪ ንዘለዎም ሰባት፡ “ኣብዚ ገዛ ከምዚ ኢልካ ምንባርካ የጨንቐኒ እዩ፤ እቲ ተኣኪቡ ዘሎ ነገራት ቦታ ሒዙ ስለ ዘሎ ከይትጉዳእ ይሰግእ እየ” ዝዓይነቱ ልዝብ ዝበለ ርኢይቶ ክትህቦም ይምከር።