ኣብ ቓዛ ክንደይ ዕጡቓት ጕጅለ ኣለዉ? በዓል መን ከ እዮም?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ላዕለዋይ መራሒ ሓማስ ሙሳ ኣቡ መርዙቕ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለ፡ ሕማስ ንዅሎም እቶም ናብ ቓዛ ጅሆ ዝተወስዱ ሰባት ንበይኑ ከምዘይሓዘ ሓቢሩ።
ገለ ካብቶም ጅሆ ዝተወስዱ፡ በቶም ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተሳተፉ "ዝተፈላለዩ ጕጅለታት" ተታሒዞም ከምዘለዉ ወሲኹ ኣረዲኡ።
ክፍሊ ምርግጋጽ ሓበሬታ ‘ቢቢሲ ቨሪፋይ’፡ ኣብ ጐድኒ ሓማስ ብምስላፍ፡ ሓሙሽተ ጕጅለታት ኣብቲ መጥቃዕቲ ከምዝተሳተፉ ኣረጋጊጹ።
እዞም ጕጅለታት ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዘለዎም ድልውነት ሓደ እኳ እንተዀነ፡ መጻኢ መንግስቲ ፍልስጤም ብኸመይ ክመሓደር እዩ፣ ተራ ሃይማኖት ከ እንታይ ይዅን ኣብ ዝብሉ ኣውራ ጉዳያት ግን ከም ዝፈላለዩ ይንገር።
ኣብ ቓዛ ክንደይ ዕጡቓት ጕጅለታት ከምዘለዉ ልክዕ ቍጽሪ ንምሃብ ኣጸጋሚ ኰይኑ፣ ብዛዕባ እቶም ፍሉጣት ግን ብከምዚ ዝስዕብ ይቐርብ፤

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሓማስ / ብርጌድ ኣልቐሳም
ብርጌድ ዕዘ’ዲን ኣልቐሳም ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ኰይኑ፡ ካብ 2007 ኣትሒዙ ንቓዛ ዝመርሕ ዘሎ ሓይሊ እዩ።
ስም እዚ ወተሃደራዊ ክንፊ፡ ካብ ስም ናይቲ ከም ትእምርቲ ተቓውሞ ፍልስጤማውያን ዝውሰድ መራሒ ሃይማኖት ዝነበረ ዝተወስደ እዩ።
ሓማስ ኣንጻር እስራኤል ሓያሎ ውግኣት ከምዘካየደ፡ ከምኡ’ውን ንእስራኤላውያን ብሓያለ ነብሰ ቅትለታዊ ቦምባታትን ኣሽሓት ሮኬታትን ከም ዘጥቅዐ ይፍለጥ።
ሓማስ፡ ምስቲ ኣብ ግብጺ ኣብ 1920 ዝተመስረተ፣ እስላማዊ ስነ-ምግባርን ሰናይ ተግባራትን ንምዝርጋሕ ዝዓለመ ምንቅስቓስ ኣሕዋት ኣስላም ዝተኣሳሰር ኰይኑ፡ ድሒሩ ግን ኣብ ፖለቲካ ከምዝተጸምደ ይፍለጥ።
ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዕላማታት ምንቅስቓስ ኣሕዋት ኣስላም ብእስላማዊ ሕጊ - ሸሪዓ እትመሓደር ሃገር ምፍጣር እዩ።
ሓማስ፡ ኣብ 2017 ምስ ኣሕዋት ኣስላም ዝነበሮ ርክብ ከምዘቋረጸ’ኳ እንተገለጸ፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ዓረብ ፈራስ ኪላኒ ግን ብዙሓት ኣብቲ ዞባ፡ እዚ ገጽ መቐየሪ ጥራይ ምዃኑ ከምዝኣምኑን፡ እቲ ዝምድና ግን ብድሕሪ መጋረጃ ከም ቀደሙ ከምዘሎን ይገልጽ።
እቲ ብእስራኤል፣ ኣመሪካ፣ ብሪጣንያ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ካልኦትን ከም ግብረሽበራዊ ምንቅስቓስ ዝተበየነ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ካብ 20 ክሳብ 30 ሽሕ ተቓለስቲ ከምዘለውዎ ዝግመት ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ፡ ነቲ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝመርሐን ዘወሃሃደን ሓይሊ እዩ።
ኣብ ፍልስጤም፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓያል ኣካይዳ ዘለዎ ጕጅለ የለን።
ኢራን ንሓማስ ብምድጋፍ፡ ገንዘባዊ ምወላ፡ ኣጽዋርን ስልጠናን ትህብ፤ መራሕቲ ሓማስ ድማ ኢራን ንዝገበረቶ ደገፍ ብዙሕ ግዜ ብወግዒ ከመስግኑ ተሰሚዖም እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እስላማዊ ጅሃድ ፍልስጤም / ብርጌድ ኣልቕዱስ
እዚ ብርጌድ ካልኣይ ዝዓበየ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ቓዛ ተባሂሉ ይግለጽ።
እዚ ጕጅለ ኣብ 1980ታት ወተሃደራዊ ክንፊ ምንቅስቓስ እስላማዊ ጅሃድ ኰይኑ ዝተመስረተ ኰይኑ ከም ካልኦት ጉጅለታት፡ ብምዕራባውያን ሃገራት ግብረሽበራዊ ተባሂሉ ዝተሰምየ እዩ።
እዚ ብዓረብኛ ንእየሩሳሌም ዘመልክት ሽም ዝሓዘ ጕጅለ፡ በቲ ኣብ 2002 ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ጀኒን ምስ ሓይልታት እስራኤል ዘካየዶ ከቢድ ውግእ ዝያዳ ተፈላጥነት ረኺቡ።
ኣልቕዱስ ኣስታት 2000 ዕጡቓት ተጋደልቲ ከምዘለውዎ ዝንገር ኰይኑ፡ ምስ ኢራን ዘለዎ ርክብ ድማ ልዕሊ ናይ ሓማስ ዝሓየለ ምዃኑ ይገልጽ።
ክልቲኦም ጕጅለታት እስልምና ኣብ መንግስትነት ሃገረ ፍልስጤም ኣገዳሲ ተራ ክህልዎ ክደልዩ እንከለዉ፡ እቲ ናይ እስላማዊ ጅሃድ ግን ዝያዳ ተሪር ሃይማኖታዊ መንግስቲ ክምስረት እዩ ዝደሊ።
ሓደ ካብ መራሕቲ እዚ ጕጅለ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ኣልጀዚራ ዓረብኛ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ብ7 ጥቅምቲ ካብ እስራኤል 30 ሰባት ጅሆ ሒዞም ከም ዝወሰዱ ብምእማን፡ ሕጂ ግን ነቶም ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም ሰባት ከምዝመለሱ ገሊጹ።
እቲ ላዕለዋይ መራሒ፡ ኣብዚ እዋን ክንደይ ጅሆ ዝተትሓዙ ከምዘለዉ ክነግር ግን ፍቓደኛ ኣይኰነን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ፍልስጤም / ብርጌድ ኣቡ ዓሊ ሙስጠፋ
ኣቐዲሙ ብህዝባዊ ሓይልታት ተቓውሞ ዝፍለጥ ዝነበረ ብርጌድ ኣቡ ዓሊ ሙስጠፋ፡ ወተሃደራዊ ክንፊ ናይቲ ማርክሳዊ-ሌኒናዊ ወይ ኮሚኒስታዊ ውድብ ፒኤፍኤልፒ እዩ።
እዚ ሓይሊ ብፍላይ ኣብ 1960ታትን- 70ታትን ብጭውያ ነፈርቲን ካልእ ዓበይቲ ዓለማዊ ስርሒታትን ልዑል ሽም ዘጥረየ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ እዩ።
ሓማስ ከም ሓደ ምንቅስቓስ ሓዪሉ ቅድሚ ምውጽኡ ኸኣ ካልኣይ ዝዓበየ ጕጅለ ፍልስጤም እዩ ነይሩ።
እዚ ጕጅለ ጅሆ ሒዙ ከምዘሎ ገለ ጸብጻባት እኳ እንተገለጹ፡ ቢቢሲ ግን ብናጻ ወገን ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
ብርጌድ ኣ’ናስር ሳላሕ ኣ’ዲን
እዚ ኣብ 2000 ዝተመስረተ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ኣብ 2006 ንወተሃደር እስራኤል ጊላድ ሻሊት ዝተጨውየሉ ስርሒት ዝርከቦ ምስ ሓማስ ሓያለ ሓባራዊ መጥቃዕቲታት ከምዘካየደ ይንገር።
እዚ ሳልሳይ ዝዓበየ ውድብ ቓዛ ዝዀነን ቀንዲ መሻርኽቲ ሓማስን እስላማዊ ጅሃድን ዝዀነ ጕጅለ፡ ሓይሊ ፖሊስ ቓዛ ንምቛም ኣባላቱ ኣበርኪቱ እዩ።
ብርጌድ ኣ’ናስር ርእሱ ክኢሉ ሮኬታት ናብ እስራኤል ክትትኩስ ዝጸንሐ ክኸውን እንከሎ፡ ብ7 ጥቅምቲ ሓያሎ ወተሃደራት እስራኤል ከም ዝሓዘት ገሊጹ ነይሩ። እንተዀነ ዝዀነ መርትዖ ኣየቕረበን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብርጌድ ሰማእታት ኣልኣቕሳ
እዚ ጕጅለ፡ ዋላ’ኳ ብቐጥታ ብውድብ ፋታሕ ዝድገፍ እንተዘይኾነ ምስቲ ውድብ ዝተኣሳሰር ዕጡቕ ጕጅለ ምዃኑ እዩ ዝፍለጥ።
ፋታሕ፡ ንዝተጐበጠ ምዕራባዊ ገማግም ዘመሓድር በዓል መዚ ፍልስጤም ኰይኑ፡ ዓለማዊ -ሰኲላር- ፖለቲካዊ ጕጅለ እዩ።
ኣብ 2006 ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ተሳዒሩ፡ ምምሕዳር ወሽመጥ ቓዛ ንሓማስ ከረክብ እንከሎ፡ ኣብ ዝቐጸለ ዓመት ብሓማስ ካብቲ መሬት ብሓይሊ ክወጽእ ተገዲዱ እዩ።
ዝተፈላለዩ ጕጅለታት ብርጌድ ሰማእታት ኣልኣቕሳ፡ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ፋታሕ ዝተኣሳሰሩ ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣብ ቓዛ ግን ኣብዚ እዋን ጽልዋኡ ውሑድ እዩ።
እዚ ውሱን ሓይሎም እዚ ግን ኣባላት እዚ ጕጅለ ኣብ መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ ካብ ምስታፍ ከምዘይዓገቶም ክፍሊ ምጽራይ ሓበሬታ ቢቢሲ የረጋግጽ።
ቢቢሲ፡ ኣብታ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመላ መዓልቲ ይዅን ቅድመኡ፡ ምስ ካልኦት ጕጅለታት ፍልስጤም ዝገበርዎ ልምምድ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ረኺቡ እዩ።
ጋዜጠኛ ቢቢሲ ፈራስ ኪላኒ፡ ‘እዚ ግን እቲ ጕጅለ ክሳተፍ ዝወሰዶ ውሳነ ድዩ ወይስ ምርጫ ውልቀሰባት’ ምዃኑ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ እዩ ይብል።
ብርጌድ ሙጃሂዲን
መሰረቱ ካብ ውድብ ፋታሕ ኰይኑ፡ ምስ እስላማዊ ጅሃድን ኣኽራሪ ሃይማኖታዊ ስነ-ሓሳብን ምትእስሳር ኣለዎ።
እዚ ሓይሊ’ዚ እውን፡ ብ7 ጥቅምቲ ካብ ዝተወስዱ ጅሆ ሒዘ ኣለኹ ዝብል ካልእ ጕጅለ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







