ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንብዙሓት ዘጥቅዕ ዘሎ እንታይነቱ ዘይተፈልጠ 'ሰዓል'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንብዙሓት ሰባት ዘጥቅዕ ዘሎ ሰዓል ቫይረስ ኢንፍሉዌንዛ፡ ኮቪድ ወይ ድማ ስርዓተ ምስትንፋስ ዘጥቅዕ ተመሳሳሊ ሕማም ክኸውን ልዑል ተኽእሎ ከም ዘሎ ተገሊጹ።
ካብ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ቁፅሪ ጉንፋዕ ዝመስል ሕማማት ሒዞም ናብ ትካላት ጥዕና ዝመፁ ሰባት ብ6 ሚኢታዊት ከም ዝወሰኸ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ሙሉጌታ እንዳለ ንቢቢሲ ገሊጹ።
እቶም ናብ ሕክምና ዝመጹ ሰባት ከም ሰዓል፣ ረስኒ፣ ምጉዳል ሸውሃት፣ ምጭብባጥ፣ ቃንዛ መላግቦን ሕማም ርእስን ከምኡ’ውን ኣብ ህጻናት ሕማም ከብድን ንፍጢን ዝኣመሰሉ ምልክታት ከም ዘለዎምን፡ እንታይነት እቲ ሕማም ንምርግጋጽ ድማ ናይ 178 ሰባት ቅምሶ ተወሲዱ መርመራ ከም ዝተገበረን እቲ ዶክተር ሓቢሩ።
ብመሰረት እቲ ዝተረኸበ ውፅኢት፡ 5 ሰባት ብኮቪድ ዝተለኸፉ ክዀኑ እንከለዉ ካብቶም ዝተመርመሩ ቅምሶታት ኣብ 13 ሚእታዊት ቫይረስ ኢንፍሉዌንዛ ከም ዝተረኸበ ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብ ኣርባዕተ ሚእታዊት ድማ ስርዓተ ምስትንፋስ ዘጥቅዕ ቫይረስ ኰይኑ ተረኺቡ ኣሎ።
“ቅምሶ ካብ ናብ ትካላት ጥዕና ዝመጹ ሰባት ተወሲዱ እዩ። ብሓፈሻ ካብቶም ምልክት ሕማም ርእዮም ዝመፁ 20 ሚኢታዊ ብኮቪድ፣ ቫይረስ ኢንፍሉዌንዛ ወይ ቫይረስ ስርዓተ ምስትንፋስ ከም ዝተለኸፉ ተረጋጊፁ" ኢሉ።
እዚ ንብዙሓት ሰባት ዘጥቅዕ ጉንፋዕ ዝመስል ሕማም ኣብ ወርሒ ሚያዝያን ግንቦትን ከም ዘጋጥም ብምግላፅ፡ እቲ ሕማም ዘስዕቦ ጉድኣት ከቢድ ከም ዘይኰነ እውን ሓቢሩ።
ቁጽሪ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ምልክታት ዘለዎም ሰባት ግን ምስቲ ቅድሚ ወርሒ ጥቅምቲ ዝነበሩ ኣዋርሕ ክነጻጸር እንከሎ ብሽዱሽተ ሚእታዊት ከም ዝወሰኸ ይሕብር።
ዶክተር ሙሉጌታ፡ እቶም ሰዓል ዝመስሉ ሕማማት፡ ንብዙሓት ሰባት ወቕቲ እናተጸበዩ ዘጥቅዑሉ ምኽንያት፡ ንምርባሕን ምትሕልላፍን ምቹእ ወቕቲ ስለዘለዎም ምዃኑ ይገልጽ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ህዝባዊ ንጥፈታት ከም ምኽፋት ኣብያተ ትምህርቲ ዝኣመሰለ ለውጢ፡ እቲ ሕማም ንኽላባዕ ዕድል ዝፈጥር እዩ ይብል።
ዶክተር ሙሉጌታ፡ ሰባት ካብ ጉንፋዕ ዝመስሉ ሕማማት ንምክልኻል ውልቃዊ ፅሬት ብፍላይ ድማ ፅሬት ኣእዳው ክሕልዉ ከም ዘለዎም ይምዕድ።
ኣብ ጽዑቕ ቦታታት ኣብ እንዀነሉ እዋን፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባር፡ ንገዛእ ርእስናን ንኻልኦትን ካብ ሕማማት ስርዓተ ምስትንፋስ ንምክልኻል ኣማራጺፅቡቕ ምዃኑ ድማ ይዛረብ።
ኣረጋውያንን ተዛማዲ ፀገም ጥዕና ዘለዎም ሰባትን፡ ዝያዳ ጥንቃቐ ክገብሩን ሕማም እንተጋጢሙ ድማ ብቕልጡፍ ናብ ማእከላት ጥዕና ክኸዱን ከም ዘድልዮም ይጠቅስ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







