ሜሮን ተሾመን ቢንያም ግርማይን ኣብ በበይኑ ውድድራት ካልኣይን ሳልሳይን ወጺኦም

ሜሮን ተሾመ ካልኣይ ዝወጽኣሉ ራብዓይ መድረኽ ዙር ጋቦን

ምንጪ ስእሊ, Tropicale Amissa Bongo

መግለጺ ስእሊ, ሜሮን ተሾመ ካልኣይ ዝወጽኣሉ ራብዓይ መድረኽ ዙር ጋቦን

ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሜሮን ተሾመ ኣብ ራብዓይ መድረኽ ዙር ጋቦን ንኣልጀርያዊ ዕዘዲን ላዕቓብ ተኸቲሉ ካልኣይ ክኣቱ እንከሎ፡ ቢንያም ግርማይ ኣብ ስጳኛ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ሳልሳይ ወጺኡ።

ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን መድረኽ ቀዳማይ ዝወጽእ ፈረንሳዊ ተቐዳዳማይ ቶታል ኢነርጂ ጃሶን ቴሶን ሳልሳይ ብምእታው ትማሊ ዝተረከባ ብጫ ማልያ ኣውሒሱ።

ራብዓይ መድረኽ ዙር ጋቦን ለ ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ እቲ ዝነወሐ መድረኽ ኰይኑ ካብ ማዉላ ናብ ላምበርን ዝዝርጋሕ 193.5 ኪሎ ሜተር ዝነበሮ’ዩ።

ሚሮን ተሾመን ኣልጀርያ ዕዘዲን ላዕቓብን ካብ እክብቲ ጕጅለ ሃዲሞም ብምውጻእ ናይ 19 ካልኢት ፍልልይ ብምንጻፍ’ዮም ውድድሮም ዛዚሞም።

ካብታ ድሒራ ዝመጽአት ዓባይ ጕጅለ፡ ፈረንሳዊ ጃሶን ቴሶን መበል ሳልሰይ ክወጽእ እንከሎ፡ ካብ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ካብ ቀዳማይ ብ19 ካልኢት ድሒሮም ምስ ቱርካዊት ጋንታ በይኮዝ ዝወዳደር ናይ 2014 ዕዉት ዙር ጋቦን ናትናኤል ብርሃን መበል 13፡ ሚኪኤል ሃብቶም መበል 15፡ ኤፍሬም ገብረህይወት መበል 19፡ ሄኖክ ምሉብርሃን መበል 21፡ ዳዊት የማነ መበል 26፡ ክወጽኡ እንከለዉ፡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ካብ ቀዳማይ ብ24 ካልኢት ድሒሩ መበል 33 መጺኡ።

ኣብ ብጫ ማልያ ካብ ቀዳመይ ክሳብ ራብዓይ ብፈረንሳውያን’ዩ ተባሒቱ ኣሎ።

ጃሶን ቴሶን ክሳብ ሕጂ ንዝተኻደ ርሕቐት ብ12 ሰዓት፡ 30 ደቒቕን 49 ካልኢትን ብምዝዛም ብጫ ማልያ ክውንን እንከሎ፡ ንቀዳማይ መድረኽ እዚ ውድድር ዝተዓወተሉ ጀፍሪ ሱፐ ብ7 ካልኢት ድሒሩ ካልኣይ ኣሎ፡ ስሪል ብርረዝን ኢሚለን ጀነሬን ከኣ ሳልሳይን ራብዓይን ተሰሪዖም ኣለወ።

ሄኖክ ምሉብርሃን ኣብ ብጫ ማልያ ካብ ቀዳማይ ብ20 ካልኢት ድሒሩ ኣብ ሻድሻይ ክስራዕ እንከሎ ናትናኤል ብርሃን መበል ዓስራይ፡ ብሓፈሻ ኣብ ብጫ ማልያ 5 ኤርትራውያን ምስ ቀዳሞት 20 ኣለዉ።

ኣብ ናይ ሎሚ ንመንእሰይ እትውሃብ ማልያ ለቦሱ ዝተወዳደረ ሄኖክ ምሉብርሃን ብቤልጂማዊ ልዊስ ብሎወ ብማዕረ ግዜ ብመዓልቲ ተበሊጹ ናብ ካልኣይ ወሪዱ ኣሎ።

ወናኒ ብጫ ማልያ ጃሶን ቴሶን 102 ነጥቢ ብምውህላል ወናኒ ናይ ነጥቢ ማልያ ክኸውን እንከሎ ሄኖክ ሙሉብርሃን ብ55 ነጥቢ ኣብ መበል ሻዱሻይ ተሰሪዑ ይርከብ።

ንኣንበሳ ዓቐብ ኣብ እትውሃብ ማልያ ቤልጂማዊ ለነርት ተውገለስ ብ8 ነጥቢ ክውንና እንከሎ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ብ6 ነጥቢ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ይርከብ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ 2023 ምስ ጋንታ ቤልጂማዊት ኢንተርማረቸ ብምዃን ናይ መጀመርታ ጸወታኡ ዘካየደ ቢንያም ግርማይ ሳልሳይ ብምውጻእ ድሙቕ ዓወት ኣመዝጊቡ።

ቢንያም ኣብቲ ሎሚ ኣብ ስጳኛ ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ትረፍዮ ኣለሱዳ ሳልሳይ ብምውጻእ ናይዚ ዓመት ውድድሩ ብዓወት ጀሚሩ።

ቢንያም ግርማይ ነቲ 158.6 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ ውድድር ንሆላንዳዊ ቫን ደን በርግን ንብሪጣንያዊ ኢታን ቨርኖን ተኸቲሉ’ዩ ሳልሳይ ወጺኡ።