ዙር ጋቦን 2023፡ ሄኖክ ዝበለጸ መንእሰይ ኮይኑ፡ ጃሰን ቴሶን ብጫ ማልያ ወኒኑ

ተቐዳዳማይ ክለብ ቶታል ኢነርጂ ፈረንሳዊ ጃሰን ቴሶን ንሳልሳይ መድረኽ ኣብ ዝተዓወተሉ

ምንጪ ስእሊ, La Tropicale Amissa Bongo

መግለጺ ስእሊ, ተቐዳዳማይ ክለብ ቶታል ኢነርጂ ፈረንሳዊ ጃሰን ቴሶን ንሳልሳይ መድረኽ ኣብ ዝተዓወተሉ

ሎሚ ካብ ለባማ ናብ ማውላ ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ጋቦን ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ፡ ንኻልኣይ መድረኽ ዝተዓወተሉ ፈረንሳዊ ተቐዳዳማይ ዳይረክት ኢነርጂ ጃሰን ቴሶን ደጊሙ ቀዳማይ ብምውጻእ ብጫ ማልያ ካብ ወዲ ጋንትኡ ጀፍሪ ሱፐ ተረኪቡ።

ኣብቲ 113 ኪሎ ሜተር ዝሸፈነ መድረኽ ተቐዳደምቲ ዳይረክት ኢነርጂ ዓብላልነቶም ዘርኣይሉ ውድድር’ዩ ነይሩ። ክሳብ ሕጂ ንዝተኻየደ ሰለስተ መድረኻት ንሰልስቲኡ ክዕወትሉ ክኢሎምን ጃሰን ቴሶን ከኣ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን መድረኻት ብምዕዋት ዝያዳ ኹሎም ደሚቑ'ሎ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ መድረኽ፡ ትማሊ ሳልሳይ ዝወጽአ ዴንማርካዊ ኣሌክሳንደር ሳላቢ ካልኣይ ክወጽእ እንከሎ፡ ዕዉት ቀዳማይ መድረኽን ወናኒ ብጫ ማልያን ጀፍሪ ሱፐ ሳልሳይ ኮይኑ።

ምስ ጋንታ ኢኤፍ ኢድኬሽን ዝጻወት ቻምፕዮን ኢትዮጵያ ኪያ ሮጋራ’ውን ምስቶም ቅጽበታዊ ውድድር ዘካየዱ ልዕሊ 25 ተቐዳደምቲ ብምውድዳር ሻዱሻይ ኮይኑ ኣትዩ።

ኣብ ናይ ሎሚ መድረኽ ግዜ ከይከሰረ መበል 14 ዝኣተወ ሄኖክ ሙሉብርሃን ወናኒ ናይታ ንመንእሰይ እትውሃብ ማልያ ክኸውን ክኢሉ ኣሎ። ሄኖክ ብዘይካ እዚ ኣብ ብጫ ማልያ’ውን ካብ ቀዳማይ ብ16 ካልኢት ድሒሩ ደረጅኡ ካብ ሻውዓይ ናብ ራብዓይ ክብ ኣቢሉ።

ሄኖክ ብነጥቢ’ውን ነቲ ብ77 ነጥቢ ኣብ ቀዳማይ ዘሎ ጃሰን ቴሶንን ንጀፍሪ ሱፐን ተኸቲሉ ብ53 ነጥቢ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ይርከብ።

ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ካብ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኤፍሬም ገብረህይወት ግዜ ከይከሰረ መበል 17፡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ዳዊት የማነን ብተመሳሳሊ ግዜ ተኸታቲሎም መበል 24ን 29ን ወጺኦም።

ሜሮን ተሾመ ካብ ቀዳማይ ብ7 ካልኢት ድሒሩ፡ መበል 36፡ ሚኢኬል ሃብቶም ከኣ ብ1 ደቒቕን 32 ካልኢትን ድሒሩ መበል 64 ኮይኖም ኣለዉ።

ንኣንበሳ ዓቐብ ኣብ እትውሃብ ማልያ ተቐዳዳማይ ጋንታ ቢንጎል ቤልጂማዊ ለነርት ተውግለስ ብ8 ነጥቢ ክውንና እንከሎ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ብ6 ነጥቢ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዑ ኣሎ።

ናይ ሎሚ ውድድር ተቐዳዳምቲ ን113 ኪሎሜተር ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ሰዓት 45.9 ኪሎ ሜተር እናዘወሩ’ዮም ዛሚመሞ።

ጽባሕ ዝካየድ ራብዓይ መድረኽ እቲ ዝነወሐ መድረኽ ነይዚ ውድድር ኮይኑ፡ ተቐዳደምቲ ካብ ማውላ ናብ ላምባርነ ዝዝርጋሕ 193.5 ኪሎሜተር ክዝውሩ’ዮም።

ቅድሚ ሕጂ ነዚ ውድድር ዝተዓወትሉ ተቐዳደምቲ

2022- ብምኽንያት ኮሮና ኣይተኻየደን

2021- ብምኽንያት ኮሮና ኣይተኻየደን

2020- ፈረንሳዊ ጆርዳን ለቫሱር

2019- ኢጣልያዊ ቦኒፌዞ ኒኮሎ

2018- ርዋንዳዊ ኣረሩያ ጆሴፍ

2017- ፈረንሳዊ ጀን ዮሃን

2016- ፈረንሳዊ ፐቲት ኣድርያን

2015- ቱኒዝያዊ ጊቶይ ራፌ

2014- ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ

2013- ፈረንሳዊ ጀን ዮሃን

2012- ፈረንሳዊ ቻርትዩ ኣንቶኒ

2011- ፈረንሳዊ ቻርትዩ ኣንቶኒ

2010- ፈረንሳዊ ቻርትዩ ኣንቶኒ