ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ንህዝብን ልሂቃንን ትግራይ ዘመሓላለፎ 'ለበዋ'

ኣቢይ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, EBC/fb

መግለጺ ስእሊ, ኣቢይ ኣሕመድ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ትግራይ ዘካየዶ ኲናት ኣብቲ ክልል ዝነበሮ ደገፍ ህዝቢ ከሲሩዎ'ዩ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ትግራይ ሰፊኑ ዘሎ ወጥሪ ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕ ተማሕጺኑ።

"ለበዋ ንህዝቢ ትግራይ፡ ብፍላይ ድማ ንልሂቃን ትግራይ" ብዝብል ኣርእስቲ ብቋንቋ ትግርኛ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ፡ ህዝቢ ትግራይ ካብ ተደጋጋሚ ኲናትን ግጭትን ዝረኸቦ መኽሰብ ከምዘየለ ጠቒሱ።

"እቲ ዘሕዝን ህዝቢ ትግራይ ናይ ትማሊ ቁስሉ ከይሓወየ ገና ሕዚውን ሰላምን ራህዋን ረኺቡ ሰሪሑ ከይኣቱን ከይለምዕን ኣብ ፍርሕን ራዕድን ወረ ውግእ[ን] ተሸሚሙ ዝነብር ዘሎ ምዃኑ እዩ።"

ኣብ ትግራይ ኣብ መንጐ ኣዘዝቲ ሓይልታት ጸጥታን ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳርን ተፈጢሩ ዘሎ ምትፍናን ኣብቲ ክልልን ሃገርን ስግኣት ፈጢሩ ምህላዉ ይግለጽ።

ጠንቂ ናይቲ ወጥሪ፡ እቲ ኣብ መንጐ ላዕለዎት መራሕቲ ውድብ ህወሓት ዝተፈጥረ ምግምማዕ እዩ። እንተዀነ ግን ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓያለ ቀንዲ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ናይቲ ኣብቲ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት ዝተዋቐረ ኣማኢት ኣሽሓት ኣባላት ዘለውዎ ሓይልታት ትግራይ ነቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ወገን ከምዝድግፉ ምፍላጦም ውግእ-ሓድሕድ ከይፍጠር ኣብ ህዝቢ ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።

ኣቢይ ኣብዚ እዋን'ዚ ነዚ መልእኽቲ ብትግርኛ ከውጽእ ምውሳኑ፡ እቲ ኵነታት ንዕኡ'ውን ከምዘሻቐሎ ዘርኢ ከይኰነ ኣይተርፍን፤ ህወሓት ናብ ክልተ ወገን ካብ ዝግማዕ ንፈለማ እዋን'ዩ ብትግርኛ መግለጺ ሂቡ ዘሎ።

እቲ ንፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ከምዝድግፍ ዝፍለጥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ዘውጽኦ ለበዋ፡ "ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ብኸመይ ክእለ ይከኣል ዝብል ብህድኣት ዝርርብ ዘድልዮ ጉዳይ ምዃኑ ንለባም ዝስወሮ ኣይኰነን" ኢሉ'ሎ።

"ኣብ ፖለቲካ፡ ንግዲ፡ ጸጥታ፡ ኣካዳምን ሚዲያን ካልኦት ጽላታት እትነጥፉ ዘሎኹም ልሂቃት ተጋሩ ወገናትን መላእ ህዝቢ ትግራይን ክሳብ ሕዚ ዝኸፈሎ ዋጋ ይኣኽሎ፡ ካብ ኲናት ዝርከብ ከስቢ የለን ኢልኩም ፈለማ፡ ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ ኣፈላላይ ኢሂን ሚሂን ኢልኩም ጉዳይኩም ብሰላምን ብምርድዳእን ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ብዘረጋግፅ መንገድን ክትውድኡ ይሓትት፡" ኢሉ።

"ካብኡ ቀጺሉ ድማ ምስ መንግስቲ ፈዴራል ኰነ ካልኦት ሓይልታት ዘለኩም ኣፈላላያት ብሕገ መንግስቲ ሃገርናን ብዲሞክራሲያዊ መገድን ብምርድዳእ ንምፍታሕ ድልዋት ክትኮኑ እላቦ" ክብል ኣቢይ ተማሕጺኑ።

ኣብዚ እዋን'ዚ እቶም ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ እቲ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ጥቡቕ ዝምድና ኣለዎ ክብሉ ዝኸስዎ ጌታቸው ረዳን ደገፍቱን ካብ ስልጣን ክእለዩ ብቕሉዕ ክጕስጉሱ ይስምዑ ኣለዉ።

ጌታቸው ብወገኑ፡ ነቲ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዘውጽእዎ ወግዓዊ መግለጺ ብምዅናን "ዕልዋ መንግስቲ ዝኣወጀ" ብምባል ከምዝተቓወሞ ይዝከር።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቀንዲ ካብቶም ኣዘዝቲ ሰራዊት ዘልዕልዎም ጉዳያት፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ፈጺሙ ክትግበር፡ ብኡ መሰረት ምምላስ ኣካል ትግራይ ዝነበረ ምዕራብ ትግራይን ካልኦት ከባቢታትን፡ ምምላስ ተፈናቐልቲን፡ ከምኡ'ውን ጌታቸው ካብቲ ጉባኤ ዝገበረ ብደብረጽዮን ዝምራሕ ወገን ህወሃት ብምእጋዱ ዘይግብኦ ስልጣን ሒዙ ኣሎ ዝብልን ይርከብዎ።

እቲ ሎሚ ዝተዘርግሐ ለበዋ፡ "ብወገን መንግስቲ ፌደራል ኣብ ኩሉ ጉዳያት ንምዝርራብ፡ ኣፈላላያት ሓሳብ ድማ ከም ኣፈላላይ ሓሳብ ብምውሳድ ነገር ግን፡ ኣብ ዘረዳድኡና ሃገራዊ ጉዳያት ብስኒት ክንሰርሕ ዘኽእለና ኩነታት ምህላዉ ብምግንዛብ ህዝቢ ካብ ስግኣት፡ ኣዴታት ድቃስ ካብ ምስኣን፡ መናእሰይ ድማ ካብ ስደት ኣብ ምድሓን ክትሰርሑ ልዕሊ ኩሉ ግን ህዝቢ ናብ ልምዓቱን ሕውየቱን ክምለስ ሓቢርና ክንሰርሕ ደጊመ እላቦ፡" ይብል።

ኣብ ሓምለ 2020፡ ሒደት ኣዋርሕ ኲናት ትግራይ ቅድሚ ምውልዑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ብትግርኛ ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ቃለመሕትት ምስ ክልል ትግራይ ናይ ምውጋእ መደብ እንተለዎ ምስ ተሓተተ'ውን፡ "ናይ ዕብዳን ዘረባ'ዩ፡ ካብ [ባሃሊኡ] ደጋሚኡ" ክብል ብቝጠዐ ነጺግዎ ነይሩ።

እንተኾነ፡ እቲ ኣብቲ ዓመት ሽልማት ኖበል ሰላም ዝተቐበለ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ልዕሊ ህወሓት ኲናት ብምእዋጅ ነታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ደማዊ ግጭት ሸሚሙ፡ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝነበሮ ደገፍ ዳርጋ ከሲሩዎ'ዩ።

እቲ ኲናት ኣብ ክልል ትግራይ ክሳብ ሕጂ ዘይሓወየ ከቢድ ሰብኣዊ፡ ማሕበረ-ቍጠባዊ ፖለቲካውን ጸጥታውን ቅልውላውን ከምዘስዓበ ይፍለጥ።

ብቀዋሚ ምቍራጽ ተጻብኦታት ውግእ ደው ድሕሪ ምባሉን፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ደብረጽዮን ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክመርሕ ብህወሓት ንዝቐረበ እማመ ብምንጻግ ንጌታቸው ከምዝተቐበሎ'ዩ ዝግለጽ። እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ'ቲ ውድብ ምግምማዕ ፈጢሩ።