እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'እንተ ተዛሪብካ ጥይት ኣብ ግንባርካ'
ሶራን ብሕርቓን ኢዱ እናወዛወዘ፡ “እንተተዛሪብካ ብጥይት’ዮም ግንባርካ ዝሃርሙኻ” ኢሉኒ።
ኣብታ ብዓበይቲ እምባታት ዝተኸበበት፡ ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ኩርዲስታን እትርከብ ምስ ኢራን እትዳወብ ዒራቓዊት ከተማ ፑንጅወን ኢና ዘለና።
እዚ ዘለናዮ መዋፈሪ ኣውቶቡሳት ካብ ኢራን ብዝመጽኡ ሰባት መሊኡ ኣሎ፡ ገለ ይወርዱ ገለ ይሳፈሩ ገለ ኸኣ ሻሂ ይሰትዩ፡ እቶም ዝበዝሑ ግን ናብተን ናብ ዒራቃዊት ከተማ ሱለይማንያ ዝወስዳ ሚኒባሳት’ዮም ዝጓየዩ ዘለዉ።
ሶራን ክዛረብ እንከሎ፡ ብኢዱን ብእግሩን ምልክታት እንሓወሰ’ዩ ዘረድእ፤ ኣካላት ጸጥታ ኢራን ከመይ ገይሮም ከምዝሃረምዎ ንኸርእየኒ ወስታታት ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣይተጋደፈንን።
“እዚ ቅድሚ ቅሩብ መዓልታት ንሰለማዊ ሰልፊ ምስ ወጻእኩ’ዩ ኣጋጢሙኒ” ድሕሪ ምባል፡ “ሰራዊት መንግስቲ ብበትሪ ፖሊስ ገይሮም ኣብ ሕቘይ ሃሪሞምኒ፡ ንዓርከይን ንኻልኦትን ብጥይት ሃሪሞምዎም፡ እዚ ዅሉ ኸኣ ኣብ ሰለማዊ ሰልፊ ስለዝተሳተፍና’ዩ”
ሶራን ወዲ 32 ዓመት ኰይኑ ኣብ ከተማ ሳኩዝ’ዩ ዝነበር።
ከተማ ሳኩዝ እታ መበገሲ እዚ ዅሉ ተቓውሞታት ዝዀነት፡ ጓል 22 ዓመት ማሕሳ ኣሚኒ ትነብረላ ዝነበረት ከተማ ኰይና፡ እዛ ኩርዳዊት መንእሰይ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከላ ድሕሪ ምማታ’ዩ ህዝቢ ኣንጻር መንግስቲ ስሙር ሰለማዊ ሰልፊ ጀሚሩ።
ሶራን፡ ናብ ዒራቓዊት ከተማ ኩርዲስታን ብስራሕ’ዩ መጺኡ፡ ናብ ሃገሩ ክምለስ ድዩ ኣይምለስን ግን መልሲ ዘይተረኸቦ ሕቶ’ዩ።
እቲ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣቢሉ ዝጀመረ ሰለማዊ ሰልፊ ኢራናውያን እናበኣሰ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ።
ኣብታ ሃገር ናብራ መዓልታዊ እናኸረረ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ፣ መንግስቲ’ውን ህዝቢ ንሓድሕዱ መልእኽቲ ንኸይለዋወጥ ኣገልግሎት ኢንተርነት ደው ኣቢልዎ እዩ።
“ቅድሚ ሕጂ ንመንግስቲ ንፈርሖ ኔርና ኢና፡ ሕጂ ግን መንደቕ ፍርሒ ዓነውነው ኣቢልናዮ ኢና። ሕጂ ንመንግስቲ ዝፈርሕ ኢራናዊ የለን” ይብል ሶራን።
እዚ ሕጂ ተላዒሉ ዘሎ ህዝባዊ ቍጠዐ ነቲ እስላማዊ መንግስቲ ኢራን ከውድቘ ይኽእል ድዩ ንዝብል ሕቶ መልሲ ሶራን ንጹር’ዩ፤ “ኣይፋሉን፡ እቲ ስርዓት ኣይዓኑን’ዩ ዝቕየር’ውን ኣይኰነን። ሓያል’ዩ፡ ሰብ ምቕታል ደው ዘብል ስርዓት ኣይኰነን፡ ንሕና ኸኣ ዋላ እናቐተሉና ደው ኣይክንብልን ኢና”
“ብልሹው ስርዓት እዩ፣ ብዛዕባ ሰብ ዝግደስ ኣይኰነን፡ መዓልታዊ ንሳቐን ንቕተልን ኣለና።”
ኣብቲ መዋፈሪ ሚኒባስ፡ ሰባት፡ ልክዕ ከም ዕስለ ተዃሉ፡ እክብ ኢሎም ይርኣዩ። ብዘይካ ሓደ ኣብ ማእከሎም ዘሎ ኢራናዊ፡ ኵሎም ዒኣራቓውያን ኰይኖም፡ እቲ ኢራናዊ’ዩ ብዛዕባ ህይወቱ ዝገልጸሎም ነይሩ።
ወዲ 36 ዓመት ፈርዳህ ካብታ ኣዝዩ ጽዑቕ ሰላማዊ ሰልፊ ዝካየደላ ዘሎ ከተማ ሳናንዳጅ’ዩ መጺኡ።
ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኩርዲ፡ ኣባታ ከተማ 32 ሰባት ከምዝተቐተሉን 1,540 ከምዝተወግኡን ዝገልጽ ጸብጻብ ኣውጺኡ ነይሩ። ፈርሳህ ግን ቍጽሪ ምውታት ካብቲ ዝተገለጸ ኣዝዩ ከምዝዛይድ’ዩ ምስክርነቱ ዝህብ።
“ትማሊ ምሸት ጥራይ 20 ሰባት ተቐቲሎም” እናበለ’ዩ ነቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ዒራቓውያን ዝነግሮም ነይሩ፤ ኣስዒቡ፡ “ገለ ሰባት’ውን እቶም ዝተቐተሉ 40 ከምዝዀኑ’ዮም ዝገልጹ፡ 70 ዝዀኑ’ውን ተኣሲሮም ኣለዉ። እንተዀነ ብዛዕባ እቶም ዝተቐተሉ እንተተዛሪብና ክንቅተል ኢና። ኣካላት ጸጥታ ኢራን፡ ስርሖም ተሓቢኦም ነቶም ዝዛረቡ ምስኣልን ምቕታልን’ዩ። ንሓወይ’ውን ብፖለቲካ ኣሳቢቦም ኣሲረሞ ኣለዉ”
“እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ዝገብር ሰብ ብዝሑ ይውስኽ ኣሎ፤ እንተዀነ ክንዲ ዝበዛሕና እንተበዛሕና፡ ነቲ ስርዓት ክንኣልዮ ኣይንኽእልን ኢና፣ ሓያል'ዩ፡ በዚ ነቕነቕ ዝብል ኣይኰነን።”
ትዋና ሓደ ካብቶም መኪና ክስቀሉ ሪጋ ሒዞም ዘለዉ ኢራናውያን እዩ። ሕጂ ኣብ ዶብ ኢራን ኣብ እትርከብ ዒራቓዊት ከተማ እዩ ዝነብር ዘሎ። እንተዀነ ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ኣብ ኢራን እዩ ክነብር ጸኒሑ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ሰሙን ከኣ ሓንሳብ ብስራሕ ናብ ኢራን ይኣቱ።
ኣብ ዝሓለፈ ዉሑዳት ሳምንታት ኣብ ኢራን ዝርአ ዘሎ ለውጥታት ቅልጡፍ ምዃኑ ኸኣ ይገልጽ።
“ኣብ ዶብ ዒራቕ ብዙሓት ሰራዊት ኢራን ዓሪዶም ኣለዉ፣ ምናልባት ምልሻ ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም።”
ኣስዒቡ፡ “ብዙሓት መካይን መንእሰያት ጽዒነን ኣብ ዶብ የራግፋኦም ኣለዋ፣ ካብ ካልእ ክፋል ኢራን ብምምጻእ እዮም ኣብዚ መሬት ኩርዳውያን ዘራግፋኦም ዘለዋ። ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ኣይነበረን ሕጂ ግን ቍጽሮም ኣዝዩ በዚሑ’ሎ።”
ትዋና ካልእ ዝተዓዘቦ ነገር፡ ቍጽሪ ናይቶም ካብ ኢራን ናብ ዒራቕ ዝሰግሩ ሰባት ምውሓዱ’ዩ።
“እቲ ቝጽሪ ኣዝዩ ውሒዱ’ሎ፡ ሕጂ ብስራሕ ዝንቀሳቐሱ ሰባት ጥራይ’ዮም ናብ ዒራቕ ዝሰግሩ ዘለዉ፡ ናብ ዒራቕ እንድሕር ሰጊርና ኣካል ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ኢኹም ወይ’ውን ሰለይቲ ኢኹም ክንበሃልን ኣደራዕ ክወርደናን’ዩ፡ ዝብል ስግኣት ኣብ ብዙሕ ሰብ ዓሲሉ ኣሎ።”
“ብሓቂ ኢራናውያን ናይ ግዳም ሓገዝ የድልየና ኣሎ፡ ክሳብ ሕጂ ዝዀነ ሓገዝ ኣይረኸብናን” ይብል ትዋና።
መንግስቲ፡ ሕሳብ ባንክ ናይቶም ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ተሳቲፎም ኣለዉ ዝበሎም ሰባት፡ ጥራዩ የትርፎ ወይ የደስክሎ ከምዘሎ ትዋና ይሕብር።
ሳሩህ ተመሃራይ ቴህራን ኰይኑ ብምኽንያት ስራሕ’ዩ ናብ ዒራቕ ዝንቀሳቐስ’ዩ።
“ኣብ ቴህራን ዝርከቡ ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ይሳተፉ ኣለዉ፣ ኣነ’ውን ክሳተፍ ጸኒሐ’የ። እንተዀነ 80 ሚእታዊት ካብቶም ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ዘለዉ ተመሃሮ፡ መንግስቲ ብጥይት ሰላማውያን ሰባት ክቐትል ዋላ እናርኣዩ ሕጕሳት’ዮም”
እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ብደቂ ኣንስትዮ ዝጀመረ’ኳ እንተዀነ፡ ኣብቲ ዶብ ቃላ ክትህበኒ እትኽእል ጓል ኣንስተይቲ ክረክብ ኣይከኣልኩን።
ምስቶም ተጓዓዝቲ’ውን ኣዝየን ውሑዳት ደቂ ኣንስትዮ’የን ነይረን።
ናብ ሓንቲ ዓባይ ሰበይቲ ቅርብ ኢለ፡ ከመይ ውዒልክን ኢለ ዘረባ ኣብ ዝጀመርክሉ፡ ምስአን ዝነበረ ወደን ኣብ መንጐና እትው ኢሉ ንኣደኡ፡ “ዝዀነ ነገር ከይትዛረቢ” ኢሉ ገኒሕወን።
እተን ሰበይቲ’ውን ዘረባ ወደን ሰሚዐን፡ ነቲ ኣብ እግረን ዝነበረ መሸማዕ ኣልዒለን ፍሽኽ ጥራይ ኢለናኒ፣ ናብታ ክጽበያኣ ዝጸንሓ ሚኒባስ ተሰቕላ።