እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጋዜጠኛ ሲኤንኤን፡ ጸጉርኺ ተሸፈኒ ስለዝተባህለት ምስ መራሒ ኢራን ዝነበራ ቃለ መሕትት ሰሪዛ
ውርይቲ ጋዜጠኛ ሲኤንኤን፡ ክርስቲያን አማንፑር፡ ንፕረዚደንት ኢራን ቃለ መሕትት ንኽትገብረሉ፡ ጸጕራ ክትሽፈን ስለዝተሓተተት ነቲ መደብ ቃለ መሕትት ሰሪዛቶ።
እታ ተወላዲት ኢራን ዝዀነት ጋዜጠኛ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢራን ኢብራሂም ራይሲ ኣብ ኒው ዮርክ ተታሒዙ ዝነበረ ናይ ቃለ መሕትት ቆጸራ፡ ፕሮቶኮል እቲ ፕረዚደንት ጸጕራ ክትሽፈን ምስሓተቱዋ “እዚ ኢራን ኣይኮነን” ብምባል እያ ነቲ ቃለ መሕትት ሰሪዛቶ።
እታ ጋዜጠኛ ቅድሚ ሕጂ ምስ መራሕቲ ኢራን፡ ካብ ሃገሮም ወጻኢ ኣብ እትገብሮ ዝነበረት ቃለ መሕትት ጸጕራ ክትሽፈን ተሓቲታ ከምዘይትፈልጥ ተዛሪባ።
ተሓጋጋዚ እቲ ፕረዚደንት፡ ብምኽንያት እቲ ኣብዚ እዋን ኣብታ ሃገር ብሰንኪ “ምሽፋን ጸጕሪ ርእስን ሕጃብን” ዝተላዕለ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ነታ ጋዜጠኛ ጸጕራ ክትሽፈን ከምዝሓተታ ሓቢራ።
ኣብ ኢራን ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ መዓልቲ ማህሳ አሚኒ ዝተባህለት ጓል 22 ዓመት መንእሰይ “ጸጕርኺ ኣይተሸፍንክን” ብዝብል ንሃይማኖታዊ ጉዳይ ዝከታተሉ ፖሊስ ምስ ኣሰሩዋ ብምማታ ኣብ ኣስታት 80 ከተማታት እታ ሃገር ብዝተወልዐ ህዝበዊ ናዕቢ ክሳብ ሕጂ 17 ሰባት ሞይቶም ኣለው።
እታ መንእሰይ ብተኸታተልቲ ስነ ምግባር ፖሊስ፡ ምስተታሕዘት አእምሮኣ ስሒታ ክትወድቕ እንከላ ዘርኢ ብኣባላት ጸጥታ ዝተቐርጸ ቪድዮ ናብ መላእ ዓለም ምስተዘርገሐ እዩ እቲ ህዝባዊ ዓመጽ ተባሪዑ።
ብድሕሪኡ ፖሊስ ናብ ሕክምና እኳ እንተወሰድዋ ብህይወት ክትድሕን ኣይከኣለትን።
እቶም ፖሊስ፡ ነታ መንእሰይ ኣብ ርእሳ ብበትሪ ከምዝሃረሙዋ ወይ ምስ መኪናኦም ኣጋጭዮማ ክኸኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ክሲ ይቐርበሎም ኣሎ።
ይኹን እምበር፡ ፖሊስ ነቲ ክሲ ዝድግፍ ዝኾነ ይኹን ዓይነት መርትዖ ከምዘየለን እታ መንእሰይ ምናልባት ብሃንደበታዊ ናይ ልቢ ወቕዒ ሞይታ ክትከውን ከምእትኽእል ገሊጾም።
እቲ ኣብ 80 ከተማታት ኢራን ዝተባርዐ ህዝባዊ ተቓውሞ ንሻብዓይ መዓልቱ ቀጺሉ ኣሎ።
እቲ ኩነታት ከምዚ ኢሉ እንከሎ እዩ፡ መንፈሳዊ መራሒ ኢራን ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ንክሳተፍ ናብ ኒው ዮርክ ከይዱ።
ጋዜጠኛ ኣማንፑር ብኣባላት ፕሮቶኮል እቲ መራሒ ጸጕራ ክትሽፈን ሕቶ ክሳብ ዝቐርበላ ነቲ ቃለ መሕትት ከተካይዶ ድልውቲ ምንባራ ተዛሪባ።
ኣብቲ ኣብ ትዊተራ ዝጸሓፈቶ ከኣ “ንምሽፋን ጸጕሪ ዝምልከት ሕጊ ኮነ ባህሊ ኣብ ዘይብሉ ኒው ዮርክ እዩ እቲ ሕቶ ቀሪቡለይ” ክትብል ተዛሪባ።
ተሓጋጋዚ እቲ ፕረዚደንት ጸጕራ ዘይትሽፈን እንተኾይና እቲ ቃለ መሕትት ከምዘይግበር፡ እዚ ከኣ ናይ ኣኽብሮት ጉዳይ ምዃኑ ከምዝተገልጸላ ተዛሪባ።
አማንፑር ኮነ ኣዳለውቲ እቲ መደብ፡ “ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ” ብምባል ነቲ ቃለ መሕትት ሰሪዞም ወጺኦም።
እታ ስምይቲ ጋዜጠኛ፡ ጸጕራ ከይሸፈነት፡ እታ ፕረዚደንት ኢራን ኮፍ ክብለላ ተሓሲባ ዝነበረት ወንበር ጥርሓ እንከላ ዘርኢ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጠቂዓ ኣላ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ስልጣን ዝተረከበ ፕረዚደንት ራይሲ ዝሓለፈ ነሓሰ ብዛዕባ ናይ ድሕንነት ካሜራታትን ብዛዕባ ጸጕረን ዘይሽፈና ደቀንስትዮ ንኽቕጽዓ ወይ ክምከራ ዘፍቅድን ዝብሉ ዝርከቦም ሓዲሽ ኣዋጅ ፈሪሙ ኣጽዲቑ።
እቲ ዝኾነት ጓለንስተይቲ ጸጕራ ከይተሸፈነት ቪድዮ እንተደኣ ዘርጊሓ ከምእትቕጻዕ ዝገልጽ ናይታ ሃገር ናይ ሒጃብ ሕግታት ሕቶታትን ተቓውሞታትን ስለዘልዓለ ሓደ ሓደ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዕጸዋ ጀሚረን ኣለዋ።
ኢራናዊያን ደቀንስትዮ ጸጕረን ብምቑራጽን ሒጃበን ብምቅጻልን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይጥቅዓ ኣለዋ።