እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደቂ ኣንስትዮ ኢራን፡ "ብተግባራተይ እሓፍር እየ፡ ግን እንታይ ኣማራጺ'ኸ ኣለኒ?"
"ብተግባራተይ እሓፍር እየ፣ ግን፡ እንታይ ኣማራጺ'ኸ ኣሎኒ?" ትብል ነዳ፡ ሓንቲ ፍትሕቲ ካብ ቴህራን።
ቀትሪ ኣብ እንዳ መሻጢት እያ ትሰርሕ። ምሸት ግን ዕረ እናጠዓማ፡ ኣብቲ ነብስኻ ሼጥካ ገንዘብ ዝርከቦ ኣመንዝራነት ከም ካልኣይ ስራሕ ትወፍር።
"ደቀንስትዮ ኣብ ዘይክበራሉ፡ ቍጠባ ኣብ ዝወደቐሉ፡ ዋጋታት መዓልታዊ ኣብ ዝንህረሉ ሃገር እየ ዝነብር፡" ድሕሪ ምባል፡ "በይና ውላዳ እተዕቢ ኣደ እየ፣ ስለዚ ወደይ ብግቡእ ከዕቢ ግድን እዩ። ምንዝርና ጽቡቕ ኣታዊ'ዩ ዘለዎ። ድሮ'ኳ ኣብ ማእከል ከተማ ሓደ ንእስ ዝበለ ገዛ ክገዝእ ወጢነ ኣለኹ። እዚ እቲ ዘሕዝን ክውንነት ህይወተይ እዩ፣ በቃ መንፈሰይ እየ ዝሸይጥ ዘለኹ።"
ኢራን፡ ኣብ 2012 'ሃገራዊ መደብ ምዕጋት ኣመንዝራነት' ኣዊጃ ነይራ።
እንተዀነ ዘይወግዓዊ ጸብጻባት ገለ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ተመራመርትን ከም ዝሕብርዎ፡ ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ጾታዊ ስራሕ ዝወፍሩ ሰባት እናዛየደ እዩ መጺኡ።
ዓቃባዊ ሃይማኖታዊ ኣቃውማ ኢራን፡ ዛዕባ ኣመንዝራነት ኣብታ ሃገር ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ብዕሊ ክነጽግ ጸኒሑ እዩ።
ብኣንጻሩ፡ ኣመንዝራነት፡ መንእሰያት ንምዝራግ ወይ ውድቀት ደቀንስትዮ ንምውቃስ ብምዕራባውያን ዝተኣልመ ሽርሒ ምዃኑ ይገልጽ።
ዘይወግዓዊ ጸብጻባት ከም ዝመልክትዎ፡ ኣመና ንኣሽቱ ኢራናውያ ከይተረፋ ኣብ ጾታዊ ስራሕ ይዋፈራ ኣለዋ።
ካብ ዝተፈላለየ ዘይመንግስታውያን ትካላት ዝተኣከበ ሓበሬታ፡ ኣብ 2016፡ ደቂ 12 ዓመት ከይተረፋ ኣብ ምንዝርና ከም ዝተዋፈራ ይነግር።
"ኣፍታብ ሶሳይቲ" ዝተባህለ፡ ኣብ ኢራን ብወልፊ ሓሽሽ ንዝተጠቕዓ ደቀንስትዮ ኣብ ምእላይ ዝግደስ ዘይመንግስታዊ ትካል፡ ኣብ 2019 ከም ዝበሎ፡ ኣብ ቴህራን ጥራይ 10 ሽሕ ዝዀና ደቀንስትዮ ኣመንዝራታት ኣለዋ። ካብኣተን ብገምጋም እተን 35% ምርዑዋት እየን።
ኣሚር ማሕሙድ ሃሪቺ ዝተባህለ ፕሮፈሰር 'ማሕበራዊ ውሕስና' ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቴህራን ከም ዝሕብሮ፡ ቍጽሪ ኣመንዝራታት ቴህራን ካብዚ ዝተባህለ ዕጽፊ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ዕድል ስራሕ ዘይምርካብ፣ ጾታዊ ማዕርነት ዘይምህላው፣ ብዙሓት ደቀንስትዮ ኣብ ትሕቲ መሰመር ድኽነት ክነብራን፡ ከም ሳዕቤኑ ነብሰን ሸይጠን ክነብራን የገድድ። እዚ ስራሕ ግን ብዙሕ ሓደጋታት ከኣ ኣለዎ።
"ኣመንዝራነት ኣብ ኢራን ነታ ጓለንስተይቲ ብሕማቕ ዘቕጽዕ፡ ዘይሕጋዊ ስራሕ ምዃኑ እቶም ደቂተባዕትዮ ይፈልጡ እዮም፣ ነዚ ድማ ከም ሓደ ዕድል ክብለጽሉ ይደልዩ፡" ትብል ተመሃሪት ዩኒቨርሲቲ ቴህራንን፡ ኣመንዝራ ትርፊ ግዜ ዝዀነት ማህናዝ።
"ብዙሕ ግዜ ከይከፈሉኒ ዝኸዱ ደቂ ተባዕትዮ ኣጋጢሞምኒ ኣለው፣ ክኸስስ ድማ ኣይክእልን እየ፡" ብምባል ማህናዝ፡ መነባብሮ ኣብ ቴህራን ኣመና ከቢድ ስለዝዀነ ካልእ ዓይነት ስራሕ ሰሪሕካ ድማ ወጻኢታትካ ክትሽፍን ከም ዘይትኽእል ተረድእ።
'መደሰቲ መርዓ'
ኣብ 1979 ድሕሪ ዝመጽአ እስላማዊ ሰውራ ኢራን፡ ሓያለ ኣመንዝራታት ንሞት ተፈሪደን፡ ትካላት ምንዝርና'ውን ተዓጽዩ።
እንተዀነ፡ ንጓለንስተይቲ ከም ጾታዊ ኣቕሓ ናይ ምጥቃም ተግባር ሕጋዊ ንምግባሩ ዘኽእል፡ "ዘዋጀ 'ል 'ሙትዓ" [መደሰቲ መርዓ] ዝበሃል፣ ዝጸንሓሉ ግዜን ዝወሃብ ካሕሳን ብውዕል ዝውሰን፣ ንግዚኡ ግዚያዊት ሰበይቲ ናይ ምእታው ተግባር ኣስፋሕፊሑ።
ብመሰረት ስርዓት ሺዓ ኢራን፡ 'ሙትዓ' ፍቝድ እዩ፣ ከም ሽርሙጥና ድማ ኣይሕሰብን። እዚ ተግባር ኣብተን ካብ መላእ ዓለም ብዝመጽኡ ኣመንቲ ሺዓ ዓመታዊ ዝንገዳ፡ ማሻድን ቘምን ዝበሃል 'ቅዱሳን' ከተማታት ከየተረፈ ዝውቱር ኰይኑ።
ሓደ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ከም ዘርእዮ፡ ዒራቓውያን ሰብኡት ኣብ ማሻድ ምስ በጽሑ፡ ንስለ ጾታዊ ድሌታቶም ብወግዒ ግዚያዊ መርዓ ከም ዝገበሩ ይዛረቡ።
ኣብዚ እዋን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ግዝያዊ መደሰቲ መርዓ ብኢንተርነት፡ በመገዲ ቴሌግራምን ዋትስኣፕን ከይተረፈ ዘሳልጣ፣ መንግስታዊ ፍቓድ ከም ዝረኸባ ዝገልጻ ማእለያ ዘይብለን ትካላት ተፈጢረን ኣለዋ።
ኣብ ኢራን፡ መነባብሮ እናዕረገ፡ ገሊኡ ኸኣ መሰረታዊ ሃለኽቲ ክዕድግ ዘይክእለሉ ደረጃ ተበጺሑ'ሎ።
ሓደ ካብ ጠንቂ ክብደት መነባብሮን ምስፍሕፋሕ ሽርሙጥናን፡ እቲ ምስ መደባት ኑክሊየር ኢራን ተኣሳሲሩ ብኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ 'ታ ሃገር ዝጸንዐ ቍጠባዊ ማዕቀብ እዩ። ካብ ዝሓለፈ ዓመት፡ መጠን ዝቕባበ ናብ 48.6% ደይቡ።
ሽቕለት ኣልቦነት'ውን ወሲኹ፣ ብዙሓት ካብቶም ስራሕ ዝረኽቡ'ውን፡ ዝኽፈሎም ደሞዝ ምስ ንናብራኦም እኹል ኣይኰነን።
እዚ እናዀነ፡ ቍጽሪ ናይቶም ገንዘብ ምእንቲ ክረኽቡ፡ ምስ ደቀንስትዮ ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙ፡ ካብ 20-35 ዓመት ዝዕድመኦም መንእሰያት እናወሰኸ፣ እዚ ተርእዮ ኣብተን ዓበይቲ ከተማታት ኢራን ብፍላይ እናገነነ ይመጽእ ኣሎ።
ካምያር ዝተባህለ፡ ኣብ ሓደ ሱፐርማርኬት ከም ተቐባል-ገንዘብ [ካሸር] ዝሰርሕ ወዲ 28 ዓመት መንእሰይ፡ ብዘይ ሓገዝ ኣቦኡ ወጻኢታቱ ክሽፍን ስለዘይክኣል ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ስድራኡ ይነብር ነይሩ። ሕጂ ግን ኣብ ማእከል ቴህራን ሓደ ኣፓርታማ ክካረ ክኢሉ፣ ሓደ መዓልቲ ድማ ንወጻኢ ሃገር ክኸይድ ይትስፎ።
"ዓማዊለይ ብመገዲ ማሕበራዊ ሜድያ ዝረኽበን፡" ይብል ካምያር። "መብዛሕትአን ዓማዊለይ ኣብ 30ታት 40ታት ዕድመ ዘለዋ እየን። ሓደ ግዜ ግን ሓንቲ ጓል 54 ዓመት ረኺበ ነይረ። ኵለን ጽቡቕ ይከናኸናኒ፡ ጽቡቕ ገንዘብ ድማ ይኸፍላኒ፣ ሕድሮ ኵሉ ግዜ ኣብ ገዝአን እዩ። ብቐጥታ ባዕለይ ዝረኽበን ሓያለ ዓማዊል'ውን ኣለዋኒ።"
ካምያር፡ ኢንጂነሪንግ እዩ ተማሂሩ፣ ግን በዚ ዝፈትዎ ዓውዲ ዝዀነ መጻኢ ኣይረኣዮን።
"ኢንጂነር ምዃን እዩ ናይ ወትሩ ድሌተይ ነይሩ። ኣብዚ ግን ንዓይ ዝኸውን ዝዀነ ስራሕ የለን ፡" ይብል።
"ሓደ ግዜ ሓንቲ ጓል ኣፍቂረ ነይረ፣ ስሩዕ ስራሕ ስለዘይነበረኒ ግን ክንምርዖ ኣይከኣልናን። በዚ ዝሰርሖ ሕጉስ ኣይኰንኩን። ንገንዘብ ክትብል ምስ ዝተፈላለያ ደቀንስትዮ ምድቃስ ፈጺሙ ኣብ ሕልመይ ኣይነበረን። ብርግጽ ሕፍረት ይስምዓኒ እዩ፣ ወጻኢታተይ ግን እሽፍን ኣለኹ። ኣብ ቅድመይ መከራ ጥራይ ኣብ ዝርእየሉ ሃገር እየ ዘለኹ።"
ናይዞም ኣብ ጾታዊ ስራሕ ከም ዝተዋፈሩ ተገሊጾም ዘለው ሰባት፡ መንነቶም ንምዕቃብ ሓቀኛ ኣስማቶም ተቐይሩ እዩ።