ኢራን፡ መንግስታዊ ተሌቭዥን ብተቓወምቲ ተጠሊፋ

መንግስታዊ ተለቪዥን ኢራን ትማሊ ቀዳም ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ በቶም ንመራሒ ‘ታ ሃገር ዝቃወሙ ዘለው ኣድመኛታት ተጠሊፋ።

መሸፈኒ ገጽ - ማስክ ኣብቲ ስክሪን ተለቪዥን ድሕሪ ምርኣዩ፡ ምስሊ ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ዓሊ ኻመይኒ ኣብ ዙርያኡ ሃልሃልታ ተገይርዎ ተራእዩ።

እቲ ጕጅለ ንነብሱ፡ "ዓዳላት ዓሊ"፡ ወይ 'ፍትሒ ዓሊ' ኢሉ ሰምዩ’ሎ። [ዓሊ፡ ኣመንቲ ሺዓ እስላም ድሕሪ ነቢይ መሓመድ ኣብሊጾም ንዝርእይዎ ሓደ ካብ ቀዳሞት መራሕቲ እስልምና ንምምልካት እዩ።]

እዚ ፍጻመ’ዚ፡ ብሰንኪ ሞት ማሕሳ ኣሚኒ ድሕሪ ዝትፈጥረ ዕግርግር ኣብታ ሃገር፡ ኣብ ሓድሽ ናዕቢ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ብምግጫው ብውሕዱ ሰለስተ ሰባት ብጥይት ድሕሪ ምቕታሎም ዝሰዓበ እዩ።

ኣሚኒ ጸጕራ ብግቡእ ኣይተጐልበበትን ብዝብል ክሲ ኣብ ቴህራን ብፖሊስ ስነምግባር ተኣሲራ ምንባራ ዝዝከር ኰይኑ፡ እታ 22 ዝዕድመኣ ኢራናዊት ኩርዳዊት ጐርዞ፡ ድሕሪ ማእሰርታ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ፡ ብ16 መስከረም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ምማታ ይፍለጥ።

ሞታ፡ ኣብ መላእ ሃገር ትጽቢት ዘይትነብሮ ማዕበል ተቓውሞ ቀስቂሱ’ሎ። 

እቲ ቀዳም ዝተኻየደ ጠለፋ ተሌቪዥን ኢራን፡ ኣስታት ሰዓት 21፡00 ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር ዝተገብረ ኰይኑ፡ ንላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣብ ርእሱ ዒላማ ዝገበረን፡ ስእልታት ኣሚኒን ካልኦት ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞታት ዝተቐትላ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮን ዘጠቓለለ ስእሊ ዘርኣየ እዩ ነይሩ።

ሓደ ካብቲ ዝተራእየ እግረ ጽሑፍ፡ "ተጸንበሩና ተንስኡ!" ዝብል ክኸውን እከሎ፡ ካልእ ድማ "ደም መንእሰያትና ካብ ከብዲ እግርኹም ይነጥብ ኣሎ!" ዝብል ይንበቦ ነይሩ።

እቲ ምቍራጽ መደብ ተሌቪዥን፡ ንገለ ሒደት ካልኢታት ጥራይ እዩ ጸኒሑ።

ከምዚ ዓይነት ናዕቢ ኣንጻር ኣያቱላህ ዓሊ ኻመይኒ፡ ኣብ ታሪኽ ኢራን ዳርጋ ተራእዩ ኣይፈልጥን። ንሱ ኣብ ኢራን ዳርጋ ምሉእ ስልጣን ዘለዎ መራሒ እዩ። ድሕሪ ሞት ኣሚኒ ግን ኣንጻሩ ቅሉዕ ተቓውሞ ክጕህር ይርአ’ሎ።

ብተወሳኺ ብቐዳም፡ ኣብ ሓደ ዩኒቨርሲቲ ቴህራን ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ተመሃሮ፡ ፕረዚደንት ኢብራሂም ራይሲ ኣብ ዝገበሮ ዑደት፡ “ኪድ ውጻእ!” እናበላ ክሸዳኦ ዘርኢ ቪድዮታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ’ሎ።

ኣቐዲሙ ኣብ ከተማ ሳንዳንጅ ክልተ ሰባት ተቐቲሎም ነይሮም፤ ሓደ ሰብኣይ ኣድመኛታት ንምድጋፍ ጥሩምባ መኪናኡ ድሕሪ ምንፍሑ፡ ብጥይት ተሃሪሙ።

ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ከም ዘርእዮ፡ ኣብ ማሽሃድ ኣብ ክሳዳ ዝተወቕዐት ሰበይቲ'ውን፡ ሃለዋታ ኣጥፊኣ ኣብ ጽርግያ ተደርብያ ትርአ።

ኣብ ሳናንዳጅ፡ ሓደ በዓል ስልጣን ፖሊስ፡ ሓደ ሰብ ብ"ጸረ-ሰውራ" ተቐቲሉ ክብል ንኣገልግሎት ዜና ኢርና ኣመልኪቱ።

ብዓርቢ፡ ትካል ‘ፎረንሲክ’ መድሃኒት ኢራን፡ ንሞት ኣሚኒ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንሳ ከምቲ ስድራቤታን ሰልፈኛታትን ዝምጕትዎ ኣብ ርእሳ ብዘጋጠመ መውቃዕቲ ዘይኰነስ፡ ብሰንኪ ምጉዳል ኦክስጅን ሓንጐል ብዝተፈጥረ ፍሽለት ኣካላት ምዃኑ ገሊጹ።

ጕጅለ ተጣበቕቲ መሰላት ከም ዝገልጽዎ፡ ኣብቲ ካብ 17 መስከረም ዝጀመረ ናዕቢ ኢራን፡ ልዕሊ 150 ሰባት ተቐቲሎም ኣለው።

ኣብ ሓያሎ ከተማታት ዝርከባ ትካላት ንግዲ ነቲ ኣድማ ንምድጋፍ ተዓጽየን ኣለዋ።