ኢራን፡ ብዝተኻየደ ተቓውሞ ብዝሒ ዝሞቱ 76 በጺሑ

ኣብ ኢራን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ዝነበረት ጓል ኣንስተይቲ ድሕሪ ምማታ ብውሕዱ 76 ሰልፈኛታት ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተቐትሉ ደለይቲ ፍትሒ ገሊጾም።

ኣብ ኖርወይ ዝመደበሩ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ኢራን፡ ሰበስልጣን ነቶም ሰልፈኛታት ንምዕፋን ዘይተመጣጠነ ሓይልን ተተኮስትን ተጠቒሞም ክብል ከሲሱ።

መንግስታዊ ማዕከናት ዜና፡ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ዝርከብዎም 41 ሰባት ከም ዝሞቱ ሓቢረን። ነቲ ጸገም ድማ ነቶም "ናዕበኛታት" ይወቕሳ።

20 ጋዜጠኛታት ዝርከብዎም ኣማኢት ሰባት እውን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

ዳይረክተር ኣይኤችኣር [IHR] ማሕሙድ ኣሚሪ-ሞጋዳም፡ "ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ዝፍጸም ዘሎ ስቅያትን ሕማቕ ኣተሓሕዛን ከቢድ'ዩ። ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ጥይት ምትኳስ ዓለምለኻዊ ገበን እዩ። ዓለም ሕቶ መሰረታዊ መሰላት ህዝቢ ኢራን ክትሕሉ ኣለዋ" ኢሉ።

ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ በቲ ዝተፈፀመ ቅትለት ዓሚቝ ሻቕሎት ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ ሰበስልጣን እታ ሃገር መሰል ሰላማዊ ተቓውሞ ከኽብሩ ኣተሓሳሲቡ።

ድሕሪ ቀብሪ ማሕሳ ኣሚኒ፡ ተቓውሞ ኣንጻር መንግስቲ ናብ ልዕሊ 80 ከተማታት ኢራን ተዘርጊሑ።

እታ ጓል 22 ዓመት ጓለንስተይቲ፡ ደቀንስትዮ ኣብ ርእሰ ከተማ ቴህራን፡ ጸጕረን ብሕጃብ ክሽፍና ዝእዝዝ ጽኑዕ ሕጊ ብምጥሓስ፡ ብፖሊስ ስነ-ምግባር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትያ።

ንሳ፡ ናብ መዳጐኒ ማእከል ድሕሪ ምውሳዳ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ እያ ኣብ ሆስፒታል ሞይታ።

ፖሊስ፡ ኣሚኒ ብሃንደበታዊ ወቕዒ ልቢ ከምዝሞተት'ኳ እንተገለጸ፡ ስድራኣ ግን ሓይልታት ጸጥታ 'ቀጥቂጦማ' ብምባል፡ ነቲ ጸብጻብ ፖሊስ ነጺጐምዎ።

ብቕልጡፍ ኣንጻር ፖሊስን ሕጊ ሕጃብን ተቓውሞ ዘበገሰ ሞት እታ መንእሰይ፡ ድሕሪ ዓመታት እቲ ዝኸበደ ብድሆ ኢራን ኰይኑ ኣሎ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑ ቪድዮታት፡ ደቀንስትዮ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ሕጃበን ከቃጽላን ጸጕረን ክቘርጻን ይረአያ።

"ህይወት፡ ናጽነት ንደቀንስትዮ"፡ "ሞት ንውልቀ መላኺ" ዝብል ጭርሖታት ሒዘን ድማ ድምጸን የስመዓ ኣለዋ።

ትማሊ፡ ኣብ ቴህራን ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ብዙሓት ከተማታት ተቓውሞታት ከምዝተኻየዱ ተገሊጹ።

ኣብ ልዕሊ 20 ዩኒቨርስቲታት ዝርከቡ ተመሃሮን መምህራንን ድማ ኣድማ ኣካይዶም።

ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኢራን፡ ኣብ 14 ግዝኣታት፡ ህይወት 76 ሰባት ከም ዝተቐትለ ዝገለጸ ኰይኑ፡ ምዕጻው ኢንተርነት ምውጻእ እቲ ጸብጻብ ከምዘደንጎዮ ገሊጹ።

ካብ መንጐኦምም፡ ሽዱሽተ ደቀንስትዮን ኣርባዕተ ቈልዑን ይርከብዎም።

ካብቶም ዝሞቱ እቶም 35 ኣብ ሰሜን ቴህራን ኣብ ዝርከባ ግዝኣታት ማዛንዳራንን ጊላንን እዮም።

ወሲኹ፡ እቶም 24 ብብዝሒ ኩርዳውያን ዝርከብዎም፡ ኣብ ምዕራብ ኣዘርባጃን፡ ኬርማንሻ፡ ኩርዲስታንን ኢላምን ዝተባህሉ ግዝኣታት ከምዝዀኑ ሓቢሩ።

ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰልፈኛታት ሓይሊ ይጥቀሙ ከምዘለዉን፡ ናይቶም ዝሞቱ ድማ መርትዖ ከምዘለዎ፡ ኣይኤችኣር ኣፍሊጡ።

ሰበስልጣን ኢራን ነዚ ነጺጎሞ'ኳ እንተነበሩ፡ ልዕሊ 1200 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ግን ተኣሚኖም።

ፋይዝ ሓሸሚ፡ ጓል ፕረዚደንት ኢራን ነበር ኣክባር ሓሸሚ ራፍሳንጃኒ፡ ብሓይልታት ጸጥታ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወት ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኢራን ሓቢረን።

ሓሸሚ ብቕሉዕ ነቐፌታ መንግስቲ ኢራን ብምዃና እያ ትፍለጥ።

ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ኮሚቴ ተጣባቒ ጋዜጠኛታት፡ ብውሑዱ 20 ሪፖርተራትን ብሎገራትን ከምኡ እውን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ጠበቓታትን ተጣበቕቲ ሲቪላዊ ማሕበራትን ካብ ማእሰርቲኡ ክፍትሑ ጸዊዑ።

"ሓይልታት ጸጥታ ኢራን፡ ነዚ ወሳኒ ኵነታት ዝሽፍኑ ጋዜጠኛታት ዝገብርዎ ዘለዉ ጭፍጨፋ ኣቋሪጾም፡ ንህዝቢ ሓበሬታ ንምሃብ ኣገዳሲ ዝዀነ ኣገልግሎት ኢንተርነት ድማ ናብ ንቡር ክመልሱ ኣለዎም" ክብል CPJ ተማሕጺኑ።