ተመራመርቲ፡ እቲ ዳይኖሰራት ዘጽንተ ኣስትሮይድ ንበይኑ ኣይነበረን ኢሎም

ኣስትሮይድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ቅድሚ 66 ሚልዮን ዓመታት ንመሬት ወቒዑ ንዳይኖሰራት ዘጽነተ ገዚፍ ኣስተሮይድ በይኑ ከም ዘይነበረ ተመራመርቲ ኣረጋጊጾም።

እቶም ተመራመርቲ፡ ካልኣይን ዝነኣሰን ከውሒ ህዋ ኣብ ገማገም ባሕሪ ምዕራብ ኣፍሪቃ ናብ ባሕሪ ብምውዳቕ ኣብ ተመሳሳሊ ዘመን ዓብይ ሃጓፍ ፈጢሩ’ዩ ይብሉ።

እዚ፡ ብውሑድ 800 ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ህቦብላ ኣብ ስግር ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ክለዓል ብምግባር፡ “ኣዕናዊ ፍጻመ" ምዀነ ነይሩ ኢሎም።

ተመራማሪ ዩኒቨርሲቲ ሄሪዮት ዋት ዶክተር ኡይስዲያን ኒኮልሰን ንመጀመርታ ግዜ ነቲ ‘ናዲር’ ዝበሃል ሃጓፍ ኣብ 2022 ረኺቡ፤ ብኸመይ ከም ዝተፈጥረ ንምፍላጥ ግን ኣጸጋሚ ኰይኑ ጸኒሑ።

ሕጂ ዶክተር ኒኮልሰንን መሳርሕቱን እቲ 9 ኪ.ሜ ዘለዎ ሃጓፍ ናብ ትሕቲ ባሕሪ ብዝኣተወ ኣስተሮይድ ዝተፈጥረ ከም ዝዀነ ኣረጋጊጾም ኣለው።

እቲ መዓስ’ዩ ኣጋጢሙ ወይ’ውን ቅድሚ ወይ ድሕሪ’ቲ ኣብ ሜክሲኮ 180 ኪ.ሜ ዝሰፍሕ ሃጓፍ ቺክሱሉብ ክፍጠር ዝገበረ ኣስተሮይድ ዝመጽአ ድዩ ዝብል ክፈልጡ ኣይክእሉን።

እዚ ሃለዋት ዳይኖሰራት ከብቅዕ ገይሩ’ዩ።

እታ ንእሽቶ ከውሒ ግን ኣብ መወዳእታ ዘመን ክሬተስ (ቅድሚ 145 ሚልዮን ዓመታት ዝጀመረ ቅድሚ 66 ሚልዮን ዓመታት ዝዛዘመ ስነ-ምድራዊ ዘመን) እቶም ዳይኖሰራት ምስ ጸነቱ ከም ዝመጽአት ይዛረቡ።

ኣብ ከባቢ መሬት ክትዓልብ እንከላ ብርቱዕ ብርሃን ዝፈጥር (ካብ ህዋ ናብ ምድሪ ክዓልብ እንከሎ እናነደደ ብርሃን ዝህብ ንእሽቶ ደረቕ ኣካል) ነገር ክትፈጥር እትኽእል ምንባራ’ውን ሓቢሮም።

“እቲ ኣስተሮይድ ኣብ ግላስኮ ይዓልብ ከም ዝነበረ እሞ ንስኻትኩም ኣስታት 50 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ኣብ ኤዲንብራ ከም ዘለኹም ሕሰቡዎ። እቲ ብርቱዕ ብርሃን ካብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ጸሓይ ኣስታት 24 ዕጽፊ ክኸውን ይኽእል - ኣብ ኤዲንብራ ኣብ ዘሎ ኣግራብ ድማ ሓዊ ክለዓል እኹል እዩ” ይብል ዶክተር ኒኮልሰን።

በዚ፡ ኣስታት 7 ሬክተር ስኬል ዝዕቀን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቅድሚ ምፍጣሩ ብርቱዕ ድምጺ ዘለዎ ፍንጀራ ምስዓበ ነይሩ።

ምናልባት ብዙሕ ማይ ካብ ትሕቲ ባሕሪ ወጺኡ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ጸኒሑ ድማ ኣብ መሬት ፍሉይ ኣሰር ገዲፉ ተመሊሱ ናብ ታሕቲ ኣትዩ ክኸውን ይኽእል።

ከምዚኦም ዝበሉ ዓበይቲ ኣስተሮይድ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ንሓድሕዶም ናብ መሬት ኣብ ዝኸዱሉ እዋን ተፈላልዮም ካብ ስርዓተ ጸሓይ ክወድቁ ዘይተለምደ እዩ።

እቶም ተመራመርቲ ግን ስለምንታይ ክልተ ኣስትሮይድ ጥቓ ንጥቓ ናብ መሬት ከም ዝወደቑ ክፈልጡ ኣይከኣሉን።

ዳይኖሰራት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ንናዲር ዝበሃል ሃጓፍ ዝፈጠረ ኣስተሮይድ ካብ 450-500 ሜትሮ ስፍሓት ዘለዎ ኰይኑ፡ ተመራመርቲ ኣብ ሰዓት ኣስታት 72 ሽሕ ኪ.ሜ ንመሬት ከም ዝሃረመ ይግምቱ።

እቶም ናብዚ ደረጃ ዝቐረበ ፍጻመ ዘጋጠሞም ደቂ ሰባት፡ ኣብ 1908 ኣብ ሳይቤርያ ኣብ ሰማይ 50 ሜትሮ ዝንውሓቱ ኣስተሮይድ ምስ ተፈንጀረ ዘጋጠመ ፍጻመ እዩ።

እቲ ናዲር ዝበሃል ኣስተሮይድ፡ ክንዲ ‘ቤኑ’ ዝተባህለ ኣብዚ እዋን ኣብ ጥቓ መሬት ዝዘውር ኣዝዩ ሓደገኛ ኣስትሮይድ እዩ።

ተመራመርቲ ናሳ፡ ቤኑ 24 መስከረም 2182 ናብ መሬት ክወድቕ ከም ዝዀነ ይሕብሩ። ግን ሕጂ'ውን እዚ ናይ ምዃን ተኽእሎኡ ሓደ ካብ 2700 ጥራይ እዩ።

ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቐን ዘለዎ ጽልዋ ኣስተሮይድ ተራእዩ ኣይፈልጥን።

ተመራመርቲ ድማ ንቡር ኣብ ምድሪ ንዝተሸርሸሩ ሃጓፋት ወይ ስእሊ ሃጓፋት ካልኦት ፕላነታት ከጽንዑ ኣለዎም።

ዶክተር ኒኮልሰንን ጕጅለኡን ነቲ ናዲር ዝበሃል ሃጓፍ ዝያዳ ንምርዳእ፡ ካብ ቲጂኤስ ዝተባህለ ኩባኒያ ጂኦፊዚካል ዝተረኽበ ልዑል ርዝነት ዘለዎ መረዳእታ 3ዲ [3D] ተንቲኖም።

መብዛሕትኦም ሃጓፋት ይሽርሸሩ እዮም፤ እዚ ግን ጽቡቕ ተዓቂቡ ይርከብ። እዚ ማለት እቶም ተመራመርቲ ዝያዳ ናብቲ ደረጃታት ኣኻውሕ ትዅረት ክገብሩ የኽእሎም ማለት’ዩ።

“ኣብ ውሽጢ ከምዚ ዝበለ ጽልዋ ዘለዎ ሃጓፍ ንመጀመርታ ግዜ ኢና ክንርእዮ ክኢልና- ናይ ብሓቂ መሳጢ'ዩ" ይብል ዶክተር ኒኮልሰን።

ኣብ ዓለም 20 ሃጓፋት ባሕሪ ጥራይ ከም ዘለዉን ከምዚ ዓይነት ብዝርዝር ዝተጽንዐ ከም ዘየለን’ውን ይዛረብ።