ደቂ ሰብ ድሕሪ ሓደ ሚልዮን ዓመት ከመይ ይመስሉ ይዀኑ?

ሳይቦርግ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ደቂ ሰባት ኣብ መልክዕ መጻኢ ወለዶታትና ክመጽእ እንከሎ እነልዕሎም ብዙሓት ሕቶታት ኣለዉ።

መጻኢ ወለዶታትና ዘርእና ከምቶም ኣብ ሳይንሳዊ ልቢ ወለድ እንርእዮም ዳግማይ ዝዓቢ ኣካላትን ዓይኒ ካሜራን ዘለዎም ሳይበርግ ወይ ሮቦታት ክመስሉ’ዶ ይዀኑ?

ወይስ ናብ ድቀ-ዓይነት ስነ-ህይወታውን ኣርቲፊሻልን ፍጡራት ክቕየሩ ይዀኑ? ወይ ድማ ንኣሽቱ፡ ነዋሕቲ፡ ረጐድቲ ወይስ ቀጠንቲ ኢና ክንከውን? መልክዕ ገጽንና ሕብሪ ቆርበትን’ከ ዝተፈላለየ’ዶ ክኸውን ይኸውን?

ምላሽ ናይዞም ሕቶታት ብርግጽ ኣይንፈልጦን፤ እንተዀነ እዚ ኣብ ግምት ንምእታው፡ ደቂ ሰባት ቅድሚ ሚልዮን ዓመት ከመይ ይመስሉ ከምዝነበሩ ምርኣይ ንኽእል ኢና።

ንምጅማር ዝኣክል ቅድሚ ሚልዮን ዓመት ሆሞ ሳፒየንስ ኣይነበሩን። ኣብቲ ግዜ ውሑዳት ዝተፈላለዩ ዓይነታት ደቂ ሰባት ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት ምስ ሆሞ ኢረክተስን ዘመናውያን ደቂ ሰባትን ተመሳሳልነት ዝነበሮምን ሆሞ ሃይደልበርጀንሲስ ነይሮም። እዚኦም ካብቶም ድሒሮም ዝመጹ ኒያንደርታል ዝያዳ ድሑር ስነ-ቅርጺ ኣካል እዩ ነይርዎም።

ኣብ ዝሓለፉ 10,000 ዓመታት፡ ደቂ ሰባት ዘወሃሃድዎም ርኡይ ለውጢታት ነይሮም። መነባብሮ ሕርሻን ብዝሒ መግብን ብሳይንስ ክንፈትሖም ዝጸናሕና ጸገማት ጥዕና ኣስዒቦም እዮም፤ ንኣብነት ሕማም ሽኮር ብኢንሱሊን ምሕካም ዝኣመሰሉ ይርከብዎም። ብመንጽር መልክዕ ድማ፡ ደቂ ሰባት ዝያዳ ርጉዲ ከማዕብሉ እንከለዉ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ድማ ነዋሕቲ ኰይኖም ኣለዉ።

ስለዝዀነ ድማ ምናልባት፡ ኣካላትና ምእንቲ ውሑድ ጸዓት ከድልዮ፤ መጠን ኣካላትና ብምጕዳል ንኣሽቱ ኴንና ክንምዕብል ተኽእሎ ከምዘሎን እዚ ድማ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ረብሓ ክህልዎ ከምዝኽእልን ቶማስ ማይሉንድ ይገልጽ፤ ንሱ፡ ኣብ ኣንግልያ ራስኪን ዩኒቨርሲቲ፡ ለንደን፡ ላዕለዋይ መምህር ባዮኢንፎርሜቲክስን ቢግ ዳታን እዩ።

ደቂ ሰባት ምስ ካልኦት ብዙሓት ሰባት ምንባር ክለምድዎ ዝግባእ ሓድሽ ኵነታት እዩ። ማይሉንድ እውን ነዚ ንምግጣም ብዝሕግዘና መንገዲ ክንምዕብል ንኽእል ኢና ይብል። ንኣብነት ኣስማት ሰባት ምዝካር ኣዝዩ ኣገዳሲ ክእለት ክኸውን ይኽእል’ዩ።

ኣብዚ’ዩ ረብሓ ቴክኖሎጂ ኣገዳሲ ዝኸውን።

“ኣብ ሓንጐል ዝስኳዕ ኣካል ኣስማት ሰባት ክንዝክር መኽኣለና” ይብል። “ኣስማት ሰባት ዝዝክር ንጡፍ ሓንጐል ኣብ ምህናጽ እንታይ ዓይነት ጂናት (ወለዶ ዘመሓላልፉ ኣሃዱታት) ከምዘድልዩ ንፈልጥ ኢና። ንሱ ጥራይ ክንቅይሮ ንኽእል ኢና። ዝያዳ ሳይንሳዊ ልቢ ወለድ ይመስል። ሕጂ ግን ከምኡ ክንገብር ተኽእሎ ኣሎ። ክንተኽሎ ንኽእል ኢና ግን ጠቓሚ ንኽኸውን እቲ መስርሕ ብኸመይ ንፍጽሞ ኣይንፈልጥን። ገና ኣዝዩ ፈተነ’ኳ እንተዀነ፡ ዳርጋ ኣብኡ ንበጽሕ ኣለና ኢና።”

መጻኢ ወለዶታትና ሳይቦርግ ክዀኑ ተኽእሎ ኣሎ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Daniel Haug | Getty

መግለጺ ስእሊ, መጻኢ ወለዶታትና ሳይቦርግ ክዀኑ ተኽእሎ ኣሎ ድዩ?

“እዚ በቃ ሕጂ ቴክኖሎጂያዊ’ምበር ብሓቂ ስነ-ህይወታዊ ሕቶ ኣይኰነን” ይብል ቶማስ ማይሉንድ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ሰባት ንዝተጐድአ ባእታ ኣካላት ንምጽጋን ዝሕግዙ ዝስኵዑ ኣካላት ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ምናልባት ኣብ መጻኢ ምትካል ኣካላት ንሓደ ሰብ ንምምሕያሽ ጥራይ ክውዕል ይኽእል እዩ። ከምኡ’ውን ኣብ ሓንጐል ዝስኵዑ ኣካላት ዝኣመሰሉ፡ ከም ባእታ መልክዕና ዝያዳ ዝረኣዩ ክፋላት ቴክኖሎጂ ክህልወና ይኽእል እዩ - ንኣብነት ዝተፈላለየ ፍሪኴንሲ ሕብርን ስእልን ከንብብ ዝኽእል ካሜራ ዘለዎ ኣርቲፊሻል ዓይኒ።

ሳይንቲስት ድሮ ኣብ ዕሸላት ጂን ድቂ ዝቕይር ቴክኖሎጂ ኣለዎም። እዚ ግን ገና ኣካታዒ ብዛዕባ ንዕኡ ስዒቡ ዝመጽእ ነገር ርግጸኛ ዝዀነ ሰብ የለን።

ኣብ መጻኢ ግን፡ ንገለ ጂናት ዘይምቕያር ምናልባት ከምዘይስነምግባራዊ ክቝጸር ተኽእሎ ከምዘሎ ማይሉንድ ይእምት።

እዚ ኵሉ ምናልባት ግምታዊ እዩ፣ እንተዀነ ግን ዲሞግራፊያዊ ዝንባለታት ኣብ መጻኢ እንታይ ክንመስል ከምእንኽእል ዝዀነ ስምዒት ክህበና ይኽእል ድዩ?

ቴክኖሎጂ ንፍልቀትና ክጸልዎ ድዮም?

ምንጪ ስእሊ, Donald Iain Smith | Getty

መግለጺ ስእሊ, ቴክኖሎጂ ንፍልቀትና ይጸልዎ ዶ?

“ኣብ ሚልዮን ዓመት ዝመጽ ነገር ምግማት ከቢድ እዩ፣ ባዮኢንፎርሜቲክስ ምስቲ ኣብ መጻኢ ዝህሉ ሞዴላት ዲሞግራፊያዊ ለውጢ ብምውህሃድ ግን ዝያዳ ናይ ቀረባ መጻኢና ምግማት ይከኣል እዩ” ይብል ብዛዕባ ኣብ ስነ-ህይወትን ከባቢን ዘለዉ ዓበይቲ ብድሆታት ዝምህር ዶክተር ጄሰን ኤ ሆጅሰን።

ተመራመርቲ ሕጂ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ደቂ ሰባት ጀነቲካዊ ናሙናታት ምሉእ ጂኖም ኣለዎም። ክኢላታት ጀነቲክስ እውን ብዛዕባ ጀነቲካዊ ፍልልይን ኣብ ህዝቢ ደቂ ሰባት ብኸመይ ከም ዝተሃንጸን ዝሓሸ ርድኢት ይረኽቡ ኣለዉ።

ጀነቲካዊ ፍልልይ ብኸመይ ከምዝቕየር ብልክዕ ምግማት ኣይከኣልን፤ እንተዀነ ኣብ ዓውዲ ባዮኢንፎርመቲክስ ዝሰርሑ ሳይንቲስት ካብ ዲሞግራፊያዊ ዝንባለታት ገለ ሓሳብ ክረኽቡ ይመራመሩ ኣለዉ።

ከተማታትን ገጠራትን ብጀነቲካዊ መዳይ ብዙሕነት ከምዝህልዎም’ዩ ሆጅሰን ዝግምት።

"ኵሉ እቲ ስደት ካብ ገጠር ናብ ከተማታት ዝግበር እዩ። ስለዝዀነ ድማ ኣብ ከተማታት ወሰኽ ጀነቲካዊ ብዙሕነትን ኣብ ገጠራት ግን ምንካይ ክህሉ እዩ" ይብል።

“እዚ ድማ ኣብቲ ሰባት ዝነብሩሉ መስመራት ዝህሉ ፍልልይ ዘርኢ’ዩ።”

ጀነቲካዊ ብዙሕነት ኣብ ከተማታት ክውስኽን ኣብ ገጠራት ድማ ክጎድልን እዩ

ምንጪ ስእሊ, Ryan Deberardinis/EyeEm | Getty

መግለጺ ስእሊ, ጀነቲካዊ ብዙሕነት ኣብ ከተማታት ክውስኽን ኣብ ገጠራት ድማ ክጎድልን እዩ

ገለ ጕጅለታት ሰባት ብዝለዓለ ወይ ብዝተሓተ ደረጃ ይባዝሑ ኣለዉ። ንኣብነት ኣብ ኣፍሪቃ ብዝሒ ህዝቢ ብቕልጡፍ ይሰፍሕ ስለዘሎ እቶም ጂናት ብደረጃ ዓለም ብዝለዓለ ድግግም ይውስኹ ኣለዉ።

እቶም ጽዕድው ዝበለ ሕብሪ ቆርበት ዘለዎም ከባቢታት ድማ ብዝተሓተ ፍጥነት እዮም ዝባዝሑ ዘለዉ። ስለዚ፡ ብዓለማዊ ኣረኣእያ ሕብሪ ቆርበት እናጸለመ ከምዝኸይድ ሆጅሰን ይግምት።

“ካብ ሓያሎ ወለዶታት ዝርከቡ ሰባት እውን ጽልም ዝበለ ሕብሪ ቆርበት ክህልዎም’ዩ ኢለ’የ ዝጽበ።”

ብዛዕባ ጠፈር ክመጽእ እንከሎ፡ ደቂ ሰባት ኣብ መወዳእታ ንማርስ ግዝኣቶም እንተገይሮምዋ፡ እንታይ ክንመስል ንኽእል?

ኣብኡ ትሑት ስሕበት ስለዘሎ፡ ጭዋዳታት ኣካላትና ኣቃውማ ክቕይሩ ይኽእሉ እዮም። ምናልባት ነዊሕ ቅልጽምን እግርን ክህልወና ይኽእል።

ኣብ ከም ዘመነ በረድ ዝዓይነቱ ዝሑል ክሊማ፡ ከምቶም ኒያንደርታል ዝበሃሉ ኣዝማድና ዝያዳ ዝኸረሽና ክንከውን ንኽእል’ዶ?

ኣይንፈልጥን! እቲ ብርግጽ እንፈልጦ ነገር፡ ጀነቲካዊ ፍልልይ ደቂ ሰባት እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ እዩ።

ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዓመት ካብቶም 3.5 ቢልዮን ጽምዲ መሰረታት ጂኖም ደቂ ሰባት ብግምት እቶም ክልተ ሓደስቲ ውላጠ ተፈጥሮ ከምዘጋጥም ሆድሰን ይዛረብ።

እዚ ማለት ድማ ድሕሪ ሚልዮን ዓመት ሓደ ዓይነት መልክዕ ክህልወና ዘይሕሰብ ነገር ከምዝኸውን’ዩ ዝገብሮ።