መገዲ ኣየር ኳንታስ፡ ላዕለዎት ሓለፍቱ ኣብ ምጽዓንን ምርጋፍን ሳንጣታት ክሰርሑ ጸዊዑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣውስትራልያዊ መንገዲ ኣየር ኳንታስ፡ ንዝተፈጥረ ጽዑቕ ሕጽረት ሰራሕተኛታት ንምቅላል ላዕለዎት ኣካየድቲ ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ምግዓዝ ሳንጣታት ክሰርሑ ሓቲቱ።
ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ትካል፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሲድኒን መልበርንን ዝሰርሑ ብውሑዱ 100 ወለንተኛታት ይደሊ ኣሎ።
እቶም ስርሓት ሳንጣታት ምጽዓንን ምርጋፍን ከምኡ’ውን ሳንጣታት ዝጽዕና መኻይን መዓርፎ ነፈርቲ ምዝዋር ይርከብዎም።
ኳንታስ ልክዕ ከም መብዛሕትኡ ዓለማዊ ኢንዱስትሪ መንገዲ ኣየር፡ ሃገራት ዶባተን ዳግማይ ይኸፍታ ብምህላወን፡ ኣገልግሎቱ ንምጅማር ይጽዕር’ዩ ዘሎ።
ዋና ኦፕሬቲን ኦፊሰር ኳንታስ ኮሊን ሂዩዝ ንቢቢሲ ኣብ ዝለኣኾ ኢመይል፡ "እቲ ልዑል መጠን ጉንፋዕ ክረምትን ኣብ መላእ ሕብረተሰብ ዝረአ ዘሎ ምውሳኽ ኮቪድን፡ ምስቲ ዝቕጽል ዘሎ ሕጽረት ሸቃሎ ተደሚሩ፡ ኣብ ዓቕሚ ሰብ ብድሆ ይኸውን ኣሎ" ኢሉ።
ሂዩዝ ወሲኹ፡ "ብርግጽ ኣብ ልዕሊ'ቲ ምሉእ ግዜ ስራሕካ ነዚ ስራሕ ክትመርጽ ኢኻ ዝብል ትጽቢት የለን" ክብል ኣፍሊጡ።
እቶም ሓለፍትን ኣካየድትን ስራሕ፡ ኣብቲ ኣገልግሎት ምውራድን ምፅዓንን ሳንጣታ ኣብ ሰሙን ንሰለስተ ወይ ሓሙሽተ መዓልታት ክሰርሑ እዮም ተሓቲቶም ዘለዉ።
ኣብ ሓደ እብረ ንመዓልቲ ኣርባዕተ ወይ ሽዱሽተ ሰዓታት ክሰርሑ ትጽቢት ይግበር።
እቲ ወግዓዊ ዝዀነ ሓበሬታ፡ ኣመልከትቲ ክሳብ 32 ኪሎ ዝምዘኑ ሳንጣታት ከንቀሳቕሱ ክኽእሉ ከምዘለዎም ኣዘኻኺሩ’ሎ።
ወሃቢ ቓል ኳንታስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣፈጻጽማ ስራሕና ንትጽቢት ዓማዊልናን ንናይ ገዛእ ርእስና ድልየትን ከማልእ ኣይጸንሐን። ነዚ ድማ ኢና ኣፈጻጽማና ንምምሕያሽ ኵሉ ኣማራጺታት ክንጥቀም ዝጸናሕና" ኢሉ።
"ኣብ ዝሓለፈ እዋን ካብ በዓል ፋሲካ ጀሚሩ ኣብቲ ጽዑቕ ናይ ጕዕዞ እዋን ኣስታት 200 ሰራሕተኛታት ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሓጊዞም እዮም" ክብል ኣዘኻኺሩ።
ኳንታስ ሓደ ካብቶም ሃገራት ዶባተን ብምዕጻወንን በረራታት ብምቍራጸንን ኣዝዮም ዝተሃሰዩ መገዲ ኣየራት እዩ።
እቲ ኢንዱስትሪ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰራሕተኛታት ከምዝነከየ ይፍለጥ።
ዝርገሐ ኮቪድ-19 ንምቁጽጻር ኣብ መላእ ዓለም ዝውሰዱ ስጕምትታት እናተቓለሉ ኣብ ዝኸዱሉ ዘለዉ እዋን፡ ኳንታስን ካልኦት ዓበይቲ መንገዲ ኣየራትን በቲ ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝነበረ ዓቕሞም ኣገልግሎቶም ክጅምሩ ኣብ ምቅላስ ይርከቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







