ምስ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጠዓዒማ ክትነብር ትቃለስ ዘላ ጃፓን

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፉኩሺማ ኣብ ዝርከብ መመንጨዊ ኑክሊየር ሓደጋ ዘስዓበ ኣዕናዊ ምንቅጥቃጥ ምድርን ሱናሚን ካብ ዘጋጠም ኣስታት 13 ዓመታት ኣቝጺሩ ኣሎ።
ኣብ ጃፓን ዘሎ ተዘክሮታት ግን ክሳብ ሕጂ ኣይሃሰሰን ዘሎ።
እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብሰኑይ ኣብ ኢሺካዋ ስለዝጀመረን ናይ ሱናሚ ደወል ስለዝተሰምዐን፡ ኵሎም እቶም ሽዑ ዝነበሩ ተዘክሮታት ቅጅል ኢሎም።
እቲ መጠንቀቕታታት ኣብ ጃፓን ዘይተለምደ ኣይኰነን።
ንመጀመርታ ግዜ ናብኡ ምስ ገዓዝኩ፡ ንእሽቶ ህንጻና ምስ ተናወጸት ካብ ዓራት እዘልል ነይረ።
ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ግን፡ ተላሚደዮስ ዋላ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ይሃሉ ክድቅስ ጀሚረ። ኣብ ጃፓን ድማ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቀልጢፉ ኣካል ህይወትካ’ዩ ዝኸውን።
ኵሉ ግዜ እቲ ዘሕርቕ ስምዒት ካብ ሕልናኻ ኣይጠፍእን። እቲ ዝቕጽል ከቢድ ምንቅጥቃጥ ምድሪ መዓስ ኮን ክኽሰት ይኸውን? ህንጻና ነቲ ሓደጋ ክሽከሞ ዝኽእል ድዩ?
ነዚ ወለዶ እዚ ኵሉ እቲ ፍርሒ ብዕለት 11 መጋቢት 2011 እዩ ተጋሂዱ።
ሰባት ቅድሚ ሕጂ ኣጋጢምዎም ብዘይፈልጥ መገዲ፡ ምድሪ ንኽልተ ደቓይቕ ተናዊጻ። ብተደጋጋሚ ድማ ቀጺሉ።
ብእኡ ዝሓለፈ ሰብ እንታይ ከምዘጋጠመን ክሳብ ክንደይ ፍርሒ ከም ዝተሰምዖን ብልክዕ ክነግር ይኽእል እዩ። እንተዀነ እቲ ዝገደደ ይስዕብ’ዩ ነይሩ።
ኣብ ውሽጢ 40 ደቓይቕ፡ እቶም ቀዳሞት ሱናሚ ናብ ገምገም ባሕሪ ብምምጻእ፡ ኣብ ልዕሊ መናድቕ ባሕሪ ሃሪሞም።
ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ገማግም ባሕሪ ጃፓን ኣብ ኣማኢት ኪሎ ሜተራት ዝተደኮና ከተማታትን ዓድታትን እናጸረገ እንከሎ ኣብ ልዕሊ ከተማ ሰንዳይ ትሕንበብ ብዝነበረት ናይ ዜና ሄሊኮፕተር ቀጥታዊ ፈነወ ይቐርብ ነበረ።
ንጽባሒቱ ዝገደደ ዘስካሕክሕ ዜና ሒዙ መጺኡ። ሓደ መመንጨዊ ሓይሊ ኒክሊየር ኣብ ቅልውላው ኣትዩ።
ፉኩሺማ ክመክኽ ጀሚሩ ነይሩ። ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ካብ ገዛኦም ክወጹ ይእዘዙ ነይሮም። ቶክዮ እውን እንተዀነ ውሕስነት ኣይተሰምዓን።
ኣሰር ናይታ መዓልቲ ዓሚቝ ሓባራዊ ስንባደ ገዲፉ። ኣብ ዝቐጸሉ ኣዋርሕ፡ ኣብ ቶክዮ ዝነብረሉ ሓድሽ ቦታ እደሊ ነይረ።
በዓልቲ ቤተይ፡ እቲ ዝሓየለ መሰረት ኣኻውሕ ኣበይ ከም ዘሎ ንምፍላጥ፡ ካብ ዝዀነ ይዅን ሩባ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ልዑል ቦታ፡ ስነ-ምድራዊ ካርታታት ኣጽኒዓ። ቆላሕታኣ ድማ ኣብቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ህንጻታት እዩ ነይሩ።
ንሳ ንጽርቲ እያ ነይራ፡ "ቅድሚ 1981 ዝተሃንጸ ነገር ኣይንርእይን ዘለና"።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ናብቲ ብ1985 ዝተሰርሐ ህንጻና ምስ ገዓዝና፡ መግብን ማይን ክንእክብ ጀመርና። ኣብ ትሕቲ መሕጸቢ ሽቓቕ፡ ቅድመኡ ዝተዓሸገ ካርቶናት ዝሓዘ ሳጹናት፡ ንሓሙሽተ ዓመት ዝጸንሕ ዕድመ ተሸኺሉ ነይሩ።
እቲ ኣብ 2011 ዝነበረ ፍርሕን ራዕድን ትማሊ ሰኑይ ምተመልሰ ነይሩ።
ከምኡ ኸኣ እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እውን ዘደንቕ ዛንታ ዓወት ጃፓን እዩ።
ጃፓን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብዓቐን ኣይትሕብርን። መሬት ክሳብ ክንደይ ከምዝተናወጸ እያ እትሕብር።
እቲ ሚዛን ካብ 1 ናብ 7 ይኸይድ። ብሰኑይ ድማ ኣብ ኢሺካዋ እቲ ምንቅጥቃጥ ዝለዓለ 7 ወቒዑ።
ኣብ ጽርግያታትን ድልድላትን ብሰፊሑ ዕንወት ኣጋጢሙ እዩ። ሰፊሕ ምድርማስ መሬት ኣውሪዱ። ይዅን እምበር መብዛሕትኦም ህንጻታት ግን ክሳብ ሕጂ ደው ኢሎም ኣለዉ።
ኣብተን ዓበይቲ ከተማታት ቶያማን ካናዛዋን ድሮ ህይወት ናብ ንቡር ይምለስ ኣሎ።
ኣብ ጥቓኣ ኣብ እትርከብ ከተማ ካሺዋዛኪ ዝነብር ሓደ ዓርከይ ኣዘራሪበዮ። "ብሓቂ ዘስካሕክሕ እዩ ነይሩ" ኢሉ። "ክሳዕ ሕጂ እቲ ዝዓበየ ዘጋጠመኒ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ስለዝዀነ ካብ ገማግም ባሕሪ ርሒቕና ክንወጽእ ነይሩና። ሕጂ ግን ናብ ገዛና ተመሊስና ኣለና፤ ኵሉ ጽቡቕ ኣሎ፡" ኢሉኒ።
ቅድሚ ሓደ ዘመን ኣብ 1923 ኣብ ቶክዮ ዓቢ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስ ኣጋጠመ ዝጀመረ ዓወት ምህንድስና ዘደንቕ ዛንታ እዩ።
እቲ ዓቢ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ካንቶ ከምቲ ዝፍለጥ ንሰፊሕ ክፋል እታ ከተማ ጸፍጺፉዎ። ብቕዲ ኣውሮጳ ዝተሃንጹ ዘመናዊ ህንጻታት ሕጡብ ተበታቲኖም።
ድሕሪኡ ዝመጸ ሳዕቤን፡ ጃፓን ንፈለማ እዋን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝጻወር ሕጊ ህንጻ ክትሕንጸጽ ምኽንያት ኰይኑ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ሓደስቲ ህንጻታት ብሓጺንን ብኮንክሪትን ምድልዳል ከድልዮም እዩ። ካብ ዕንጸይቲ እተሰርሐ ህንጻታት ዝረገፈ ምድሪቤት ምሃለዎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዋን እታ ሃገር ብዓቢ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ዝተሃርመትሉ እዋን፡ እቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ተጽኒዑን ሕጊታትን ይመሓየሽን እዩ። እቲ ዝዓበየ ዝላ ኣብ 1981 እዩ ተፈጺሙ፣ ድሕሪኡ ኵሎም ሓደስቲ ህንጻታት ስጕምትታት ተነጽሎ ምንቅጥቃጥ ምድሪ የድልዮም ነይሩ። ሕጂ’ውን ድሕሪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኮቤ ብ1995 ዝያዳ ትምህርቲ ተወሲዱ።
መዐቀኒ ናይቲ ዓወት፡ እቲ ኣብ 2011 እቲ ዓቢ 9 ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስ ኣጋጠመ፡ ኣብ ቶክዮ ዝነበረ ደረጃ ምንቅጥቃጥ 5 - ምስቲ ኣብ 1923 ርእሰ ከተማ ጃፓን ዘጋጠማ ምንቅጥቃጥ ሓደ እዩ።
ኣብ 1923 እታ ከተማ ዓንያ። 140 ሽሕ ሰባት ሞይቶም። ኣብ 2011 ዓበይቲ ሰማይ ጠቀስ ህንጻታት ኣንቀጥቂጦም፡ መስኮታት ተሰባቢሮም፡ ዓበይቲ ህንጻታት ግን ኣይወደቑን። ንብዙሓት ኣሽሓት ዝቐተለ ሱናሚ እምበር ኣብ መሬት ዝነበረ ምንቅጥቃጥ ኣይነበረን።
ብሰንኪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብኣረጊት ዕንጸይቲ ዝተሰርሑ ገዛውቲ ከምዝተወሰዱ ዘርእዩ ኣሳእል ኣለዉ። ሓደ ዘመናዊ ህንጻ ከምዝወደቐ ተገሊጹ’ኳ እንተነበረ፡ ማዕከናት ዜና ቀልጢፈን እቲ ህንጻ ቅድሚ 1971 ከምዝተሰርሐ ኣቃሊሐን።
ብኣጻብዕ ዝቝጸሩ ሰባት ከም ዝሞቱ ይንገር፤ ብዙሓት ቈሲሎም ኣለዉ።
ኣብ ምድሪ ከምዚ ዓይነት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢምዋ ግን ድማ በዚ ደረጃ ጉድኣት ክተጉድል እትኽእል ሃገር ምሕሳብ ኣጸጋሚ’ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







