ኣፍጋኒስታን ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ንሳልሳይ ግዜ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢምዋ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንኣውራጃ ሄራት ዘዕነወ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, EPA-EFE/REX/SHUTTERSTOCK

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንዞባ ሄራት ዘዕነወ ነይሩ

ኣብ ምዕራብ ኣፍጋኒስታን ንሳልሳይ ግዜ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም ዘጋጠመ ተገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለ ሰሙን ዘጋጠሙ ክልተ ዓበይቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ስዒቡ ልዕሊ 1000 ሰባት ከም ዝሞቱ ይዝከር።

ኣብ መፋርቕ እዚ ሰሙን እውን ንካልኣይ ግዜ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ ነይሩ፤ ልዕሊ 100 ሰባት ቆሲሎም ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስዱ ሰብመዚ ጥዕና ገሊጾም ነይሮም።

ዳህሳስ ጂኦሎጂ ኣሜሪካ፡ እቲ 6.3 ዝዓቐኑ ዳሕረዋይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ከባቢ ከተማ ሄራት ከም ዘጋጠመ ይሕብር።

ብውሕዱ ሓደ ሰብ ከም ዝሞተ ድማ ሰብመዚ ጥዕና እቲ ከባቢ ሓቢሮም።

ካልኦት 100 ድማ ኣብ’ቲ ዞባዊ ሆስፒታል ብዝበጽሖም መጉዳእቲ ይሕከሙ ከም ዘለዉ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።

ካብቶም ኣቐዲሙ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝሞቱ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ከም ዝነበሩ ዩኒሴፍ ኣፍሊጡ’ሎ።

ዳህሳስ ጂኦሎጂ ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሕምብርቲ ናይቲ ዳሕረዋይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ካብታ ናብ ዶብ ኢራን እትቐርብ ሳልሰይቲ ዝዓበየት ከተማ ኣፍጋኒስታን ዝዀነት ሄራት ንሰሜናዊ ምዕራብ 30 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ከም ዝርከብ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ካብ ሄራት ኣስታት 40 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ገጠራዊት ዞባ ዚንዳጃን’ዩ ነይሩ።

እቲ ምንቅጥቃጥ ነቶም ክጻወርዎ ዘይክእሉ ኣባይቲ ምሉእ ብምሉእ ናብ ፍርስራስ ቀይርዎም’ዩ። ብሰንኪ’ዚ ብዙሓት ነበርቲ መሕደሪ ስኢኖም፡ ኣብ ደገ ክድቅሱ እዮም ጸኒሖም።

ነበርቲ’ቲ ከባቢ ብባዴላን ብጥራሕ ኣእዳዎምን ዝተደበዩ ሰባት ንምውጻእ ይጽዕሩ ነይሮም።

ካብ 2021 ጀሚሩ ንኣፍጋኒስታን ዘመሓድር ዘሎ ጣሊባን፡ ብዙሓት ነበርቲ ኣብ ቴንዳታት ከም ዘለዉን፡ ቁሪ ኣብ ዝጅምረሉ ዘሎ እዋን፡ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብኡ ክጸንሑ ከም ዘይኽእሉን ገሊጹ።

ኣፍጋኒስታን፡ ጣሊባን ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር፡ ብቐጥታ ንመንግስቲ ዝወሃብ ዝነበረ ሓገዝ ስለዝተቛረጸ ምስ ቁጠባዊ ቅልውላው ክትቃለስ’ያ ጸኒሓ።

እታ ሃገር ብተደጋጋሚ ብምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም እትጥቃዕ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ፡ ኣብ ክልል ፓክቲካ ዘጋጠመ 5.9 ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ስዒቡ ልዕሊ 1000 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ድማ ብዘይ መንበሪ ክተርፉ ተገዲዶም እዮም።