ቻይና፡ ድሕሪ 13 ዓመታት ብዘጋጠመ ቀታሊ ምንቅጥቃጥ ልዕሊ 120 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, REUTERS
ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ቻይና ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብውሕዱ 126 ሰባት ሞይቶም።
እቲ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ኣኽራናዊት ግዝኣት ጋንሱ ዘጋጠመ 6.2 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝሓለፉ 13 ዓመታት ካብ ዘጋጠሙ እቲ ዝሓየለ ኰይኑ ንጎረቤት ግዝኣት ቺንግሃይ እውን ዘንቀጥቀጠ’ዩ ነይሩ።
ብሰንኪ’ቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ልዕሊ 700 ከምዝቖሰሉን ቁጽሪ ሞት ክውስኽ ከምዝኽእልን ተገሊጹ ኣሎ።
ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ናብቲ ዞባ ክዋፈሩ ኣዚዙ።
ኣብ መንግስታዊ ቲቪን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዝተራእየ ቪድዮ፡ ምሉእ ቁሸታት ክዓንዋን ከምኡ'ውን ዝፈረሱ ህንጻታትን ኣባይትን የርእይ።
ካብ ገዝኦም ዝሃደሙ ነበርቲ እውን ኣብ ብታህዋኽ ዝተተኽሉ መዓስከራት ተዓቊቦም ተራእዮም።
ብሰሉስ ሙቐት እቲ ከባቢ -13 ዲግሪ ሰልሽየስ ከምዝበጽሐ ማዕከናት ዜና ቻይና ሓቢረን።
ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት፡ እቲ ምንቅጥቃጥ "ብውሕጅ ማዕበል ዝተወዛወዙ" ኰይኑ ክስምዖም ከምዝገበረን ካብ ኣፓርትመንቶም ብጉያ ከምዝወጹን ገሊጾም።
"ንስድራይ ኣበራቢረዮም፡ ብሓደ ትንፋስ ድማ ካብ መበል 16 ደርቢ ብጉያ ወሪድና" ይብል ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ቺን ብዝብል ዝጠቐስኦ ነባሪ።
ካብ ግዝኣት ጋንሱ ዝኸፍአ ጉድኣት ዘጋጠማ ኣውራጃ ጂሺሻን ኰይና፡ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ፡ ልዕሊ 5 ሽሕ ህንጻታት ከምዝተሃስዩ ሓቢሮም።
ማዕከናት ዜና ቻይና ንሓደ ዳይረክተር ጉጅለ ምድሓን ህይወት ብምጥቃስ፡ ድኹም ኣሰራርሓ ህንጻታት ነቲ ሰፊሕ ዕንወት ኣበርክቶ ከምዝገበረን ብዙሓት ኣባይቲ ካብ ጭቃ ዝተሰርሑን ኣረግቶትን ምዃኖም ጠቒሰን።
ጋንሱ ሓንቲ ካብተን ዝደኸያ ግዝኣታት ቻይና እያ።
ሰብመዚ ቻይና እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ 6.2 ሪክተር ከምዝዀነ ክገልጹ እንከለዉ፡ ዳህሳስ ጂኦሎጂ ኣሜሪካ ድማ 5.9ን 10 ኪ.ሜ ዕምቆትን ከምዝመዝገቡ ይሕብሩ። ኣስታት 10 ድሕረ-ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዘጋጠመ’ውን ሰብመዚ እቲ ከባቢ ሓቢሮም።
ጎረቤት ዚንጂያንግ እውን 5.5 ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢምዋ’ዩ - ብኡ ንብኡ ዝወጹ ጸብጻባት ግን ጉድኣት ከምዘይበጽሐ የመልክቱ።
ኣብ መላእ እቲ ዞባ፡ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ማይን ተቛሪጹ፤ እዚ ድማ ንጻዕርታት ህይወት ምድሓን ዕንቅፋት ኰይኑ ኣሎ።
ሰብመዚ፡ ኣብ ትሕቲ ዜሮ ዲግሪ ቀዝሒ ንዝርከቡ ሰባት ንምድሓን ውሱን ግዜ ከምዝተረፈ ይገልጹ።
ዋና ኣዛዚ ጉጅለ ምድሓን ህይወት ብሉ ስካይ ዝዀነ ዋንግ ዪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ክጻወሮ ኣዝዩ ዝሑል'ዩ...[ኣብዚ] -15 ሰልሽየስ'ዩ" ኢሉ። ዝዓበየ ዘይመንግስታዊ ሰብኣዊ ትካል ቻይና ዝዀነ ብሉ ስካይ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ልዕሊ 30 ሽሕ ወለንተኛታት ኣለዉዎ።
እቲ ኣዛዚ፡ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ክውስኽ ተኽእሎ ከምዘሎ ኣሚቱ። "ሕጂ [ኣብቲ ፍርስራስ] ብዕምቆት ክንኩዕት ኣለና። ኣብቲ ከባቢ ግን ዓበይቲ ህንጻታት የለዉን። ስለዚ ክውስኽ ይኽእል'ዩ፡ ግን ብዙሕ ኣይክኸውንን'ዩ" ኢሉ።
ፕረዚደንት ሺ "ፍተሻን ምድሓንን ንምክያድ፡ ንዝተጎድኡ ብእዋኑ ንምሕካምን ዝበጽሕ ጉድኣት ንምንካይን ኩሉ ጻዕርታት ክግበር ኣለዎ" ክብል ኣዚዙ'ሎ።
ቻይና ከም ዩራዥያ፣ ህንዲን ፓስፊክን ዝኣመሰሉ 'ፕሌታት' ኣብ ዝራኸብሉ ዞባ ስለትርከብ ንምንቅጥቃጥ ምድሪ ተቓላዒት እያ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ግዝኣት ሲቹዋን ብዘጋጠመ 6.6 ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ልዕሊ 60 ሰባት ከምዝሞቱ ይዝከር።
እታ ሃገር ካብ ዝረኣየቶ ቀተልቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ኣብ 2010 ኣብ ግዝኣት ቺንግሃይ ዩሹ ዘጋጠመ’ዩ። ብሰንኪ’ቲ ኣዕናዊ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ኣስታት 2700 ሰባት ከምዝሞቱ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







