ሩስያ፡ ካብ ከባቢ መመንጨዊ ኒዩክለራዊ ጸዓት ዛፖሪዚዝያ ምውጻኣ ‘ልዑል ራዕዲ’ ኣስዒቡ

ከንቲባ ከተማ ሜሊቶፖል ኢቫን ፌዶሮቭ፡ ትማሊ ቀዳም ዝዘርግሖ ምስሊ ብዙሓት መካይን ክግዕዛ የርእይ

ምንጪ ስእሊ, IVAN FEDOROV

መግለጺ ስእሊ, ከንቲባ ከተማ ሜሊቶፖል ኢቫን ፌዶሮቭ፡ ትማሊ ቀዳም ዝዘርግሖ ምስሊ ብዙሓት መካይን ክግዕዛ የርኢ

ሩስያ፡ ካብቲ ኣብ ጥቓ እቲ ዘካትዕ መመንጨዊ ኒዩክለራዊ ጸዓት ዛፖሪዚዝያ እትርከብ ከተማ ኣብ እትወጸሉ ዘላ እዋን "ልዑል ራዕዲ" ከም ዘለዓዓለት ተገሊጹ።

ሩስያ ቅድሚ እቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ መጥቃዕቲ ኪቭ፡ እዚ ዘይተለምደ ስጕምቲ ምውሳዳ ኣብ ብዙሓት ስግኣት ከም ዘስዓበ ሓደ በዓል ስልጣን ዩክረይን ሓቢሩ።

ሩስያ፡ ኣብ ከባቢ ዛፖሪዚዝያ ካብ ዝርከቡ 18 ሰፈራታት - እንተላይ ኣብ ጥቓ እቲ ፋብሪካ ዝርከብ ኤነርሆዳር - ዝርከቡ ሰባት ካብቲ ከባቢ ክወጹ ሓቢራ’ላ።

ዩክረናዊ ከንቲባ ከተማ ሜሊቶፖል ኢቫን ፌዶሮቭ፡ ኣብ ኣስታት ሓሙሽተ ሰዓታት ብኣሽሓት ዝቝጸራ መካይን ካብቲ ከባቢ ከም ዝገዓዛ ገሊጹ።

ተቘጻጻሪ ኒዩክለር ሕቡራት ሃገራት፡ "ከቢድ ሓደጋ ኒዩክለር" ከጋጥም ከም ዝኽእል ኣጠንቂቝ።

ዳይረክተር ኣህጉራዊ ኤጀንሲ ኣቶሚካዊ ጸዓት ራፋኤል ግሮሲ፡ ኵነታት ፋብሪካ ዛፖሪዚዝያ "ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዘይግመትን ሓደገኛ ክኸውን ዝኽእልን እናዀነ ይመጽእ" ከም ዘሎ ገሊጹ።

እቲ ተቘጻጻሪ ኒዩክለር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ሰራሕተኛታት ኣብቲ ቦታ ዝጸንሑ’ኳ እንተዀነ፡ ብዛዕባ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ፡ ጭንቀትን በዳህን ኵነታት ኣብ ሰራሕተኛታትን ስድራቤቶምን ዓሚቕ ስክፍታ ከም ዝፈጠረ" ገሊጹ።

ኣብቲ ፋብሪካ ዘለው ክኢላታት ኣህጉራዊ ኤጀንሲ ኣቶሚካዊ ጸዓት "ካብታ መብዛሕትኦም ሰራሕተኛታት እቲ ፋብሪካ ዝነብሩላ ከተማ ኤነርሆዳር፡ ነበርቲ ምውጻእ ከምዝጀመሩ ዝገልጽ ሓበሬታ ከምዝበጽሖም" ገሊጹ።

ብዓርቢ፡ ብሩስያ ዝተመዘዘ ሓላፊ እቲ ዞባ የቭገኒ ባሊትስኪ፡ "ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት፡ ጸላኢ ኣብ ልዕሊ ናብ ቅድመ ግንባር ዝቐረቡ ሰፈራታት ዘካይዶ ደብዳብ ኣሐይሉ" ኢሉ ነይሩ።

"ስለዚ ብቐዳምነት ህጻናትን ወለድን፡ ኣረጋውያን፡ ስንኩላንን ሕሙማትን ካብቲ ቦታ ክወጽኡ ወሲነ ኣለኹ" ክብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምጽሓፉ ይዝከር።

እቲ ፋብሪካ ዝርከበሉ ከባቢ፡ ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወራር ኣብ ዝተጀመሩ ፈለማ መዓልታት ከም ዝተቘጻጸረቶ ይፍለጥ።

ኣህጉራዊ ኤጀንሲ ኣቶሚካዊ ጸዓት፡ ኣቐዲሙ ብዛዕባ ድሕነት ናይቲ ፋብሪካ መጠንቀቕታታት ኣውጺኡ ነይሩ፡ እዚ ድማ ደብዳብ ግዝያዊ ምቍራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ድሕሪ ምስዓቡ እዩ ነይሩ።

ኣብ መጋቢት እቲ ትካል፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ መስመራት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝበጽሐ ዕንወት፡ እቲ ፋብሪካ ኣገደስቲ ስርዓታት መዝሓሊ ንምቕጻል ብናፍታ ዝሰርሑ ጀነሬተራት ይጥቀም ከም ዘሎ’ውን ኣጠንቂቝ ነይሩ።

ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022 ወራራ ካብ እትጅምር ንደሓር ቍጽሪ ሰራሕተኛታት እቲ ፋብሪካ ከም ዝነከየ ኣህጉራዊ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ጸዓት ይገልጽ፤ "ኣመራርሓ እቲ ቦታ ግን ንውሑስ ስርሓት ናይቲ ፋብሪካ እኹል ኰይኑ ጸኒሑ’ዩ” ይብል።

ሓይልታት ሩስያ ንመብዛሕትኡ ዞባ ዛፖሪዚዝያ ዝቈጻጸሩ’ኳ እንተዀኑ፡ ንርእሰ ከተማ ዞባ ዛፖሪዚዝያ ኣይሓዙን።

ሎሚ ሰንበት፡ ሲቪላት ናብተን ዝያዳ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሩስያ ዝርከባ ከተማታት በርድያንስክን ፕሪሞርስክን ይግዕዙ ከም ዘለዉ ተገሊጹ ኣሎ።

ካብ ከተማ መሊቶፖል ዝተሰደደ ከንቲባ’ታ ከተማ ኢቫን ፌዶሮቭ፡ ኣብቲ ከባቢታት ዝርከባ ድኳናት፡ ኣቝሑትን መድሃኒትን ከም ዝወድኣ ኣብ ቴሌግራም ሓቢሩ።

ብተወሳኺ፡ ዩክረይን ኣብቲ ዞባ መጥቃዕቲ እንተፈጺማ ቀረብ ኤሌክትሪክን ማይን ክቋረጽ ይኽእል እዩ ብዝብል ስግኣት፡ ሆስፒታላት ሕሙማተን የፋንዋ ከም ዘለዋ ገሊጹ።

ክልተ ሲሶ ካብተን ሲቪላት ዝርከብዎም ዝጸዓና ዝተበሃላ ቃፍላይ ንድሕሪት ዝምለሱ ወተሃደራት ሩስያ ዝሓዛ ምዃነን’ውን ጠቒሱ።

ቢቢሲ ግን ነዚ ብነጻ ወገን ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

ፌዶሮቭ ወሲኹ፡ "እቲ ዘፍለጥዎ ከፊላዊ ምውጻእ ኣዝዩ ቅልጡፍ'ዩ፡ ንምትኹታዅ ይዳለዉን፡ ኣብ ሲቪላት ዘተኮሩ ድማ (በዚ ምኽንያት'ዚ) ክኸውን ዝኽእለሉ ተኽእሎ ኣሎ" ኢሉ።