ትራምፕ፡ ሰሉስ ክእሰር ምዃኑ ብምግላጽ ደገፍቱ ክቃወሙ ጸዊዑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝመፅእ ሰሉስ ክእሰር ከምዝኽእል ብምሕባር ደገፍቱ ብማዕበል ወጺኦም ተቓውሞ ከካይዱ ተማሕጺኑ።
ይዅን እምበር ጠበቓኡ ምስ ኣኽበርቲ ሕጊ ዝተገበረ ዝዀነ ርክብ ከምዘየለን ጽሑፍ ናይቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ዝተመርኮሰ ምዃኑን ይገልጽ።
ኣኽበርቲ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ሚስተር ትራምፕ ክቐርብ ንዝኽእል ክሲ ክዕዘቡ ጸኒሖም እዮም። ዝመጽእ ሰሙን ግብራዊ ክኸውን ከምዝኽእል ድማ ጸብጻባት ይሕብሩ።
እንተተኸሲሱ ከኣ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዝቐረበ ናይ መጀመርታ ገበናዊ ክሲ ክኸውን እዩ።
እዚ ጉዳይ ቤት ፍርዲ ብቐንዱ፡ ነቲ ትራምፕ ቅድሚ ፕረዚደንታዊ ምርጫ 2016 ብጠበቓኡ ኣቢሉ ንኮኾብ ፖርኖግራፊ ስቶርሚ ዳኒኤልስ ዝተኸፍለ ገንዘብ ዘተኮረ እዩ። እቲ ክፍሊት ብዛዕባ ርክቦም ከይተዛረበት ስቕ ንኽትብል ዝተኸፈላ ምዃኑ ይግለጽ።
ወዲ 76 ዓመት ትራምፕ ዋላ'ኳ ክሳብ ሕጂ እንተዘይተኸሰሰን ንዅሎም ጥሕሰታት “ኣይወዓልክዎምን” ክብል እንተነጸጎምን፤ እዚ ሓደ ካብቶም ኣብዚ እዋን ዝምርመረሎም ሓያሎ ጉዳያት እዩ።
ንሱ ዋላ እንተተኸሰሰ’ውን ኣብቲ ናይ 2024 ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሕጹይ ሪፓብሊካን ንምዃን ጐስጓሱ ከምዝቕፅል ቃል ኣትዩ ኣሎ።
ምስ ሩስያ ኣለዎ ንዝተበሃለ ርክብን ሰነዳት ሓቢኡ ብዝብል ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ማር-ኣ-ላጎ ምስ ዝተኻየደ ፈተሻን ብዝተሓሓዝ ዝካየዱ ዘለዉ ምርመራታት፡ ንትራምፕ ብዝያዳ ህቡብ ክገብርዎ ክኢሎም ኣለዉ።
ኣብዚ ሰሙን ብገበን ክኽሰስ ድዩ ኣይኽሰስን ዝብል ከምኡ’ውን እቶም ክስታት እንታይ ክዀኑ ከምዝኽእሉ ዛጊት ዝተፈለጠ ነገር የለን።
እሙናት ሰዓብቲ ዘለዎም ትራምፕ፡ ንዘቕረቦ ጻውዒት ስዒቡ ደገፍቱ ኣብ ልዕሊ ካፒቶል ኣሜሪካ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ዘረጋግጾ ጉዳይ እንተሃለወ፡ እቲ ሎሚ ዘቕርቦ ዘሎ ጻውዒት ተቓውሞ እውን ናብ ጎንጺ ከምርሕ ከምዝኽእል ዘመልክት እዩ።
ትራምፕ ካብ ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ኣውራጃ ማንሃታን ‘ልሒዅ’ ዝወጽእ ሓበሬታ ንሰሉስ ከምዝእሰር "ዘመልክት" ምዃኑ ብቐዳምት ኣብ ናይ ባዕሉ ማሕበራዊ መራኸቢ ‘ትሩዝ ሶሻል’ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ኣፍሊጡ’ሎ።
ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ እታ ኣውራጃ ዛጊት ብዛዕባ’ዚ ርእይቶ ኣይሃበን።
ጠበቓ ትራምፕ ሱዛን ነቸለስ ብወገና ንሳን ኣባላታን ካብ ኣኽበርቲ ሕጊ ዝዀነ ነገር ከምዘይሰምዑ ተዛሪባ።
"እዚ ፖለቲካዊ ክሲ ክሳብ ዝዀነ፡ ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ማንሃታን ከምቲ ኣብ ንቡር ክስታት ዝግበር ምስ ጠበቓታት ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ክንዲ ምዝርራብ ንዅሉ ነገር ናብ ሚድያ ልሒዂ ክወጽእ ኣብ ምግባር ተዋፊሩ'ሎ" ኢላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







