ሓገዝ ናብ ትግራይ ብኸመይ ይኣቱ ኣሎ?

መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰበስልጣን ጥዕና ትግራይን፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ይኣቱ ከምዘሎ ይገልጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰበስልጣን ጥዕና ትግራይን፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ይኣቱ ከምዘሎ ይገልጹ

መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰበስልጣን ጥዕና ትግራይን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ፡ መግቢ፡ መሰረታዊ መድሃኒታትን ናውትን ናብ ብዙሓት ህጹጽ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ይበጽሕ ከምዘሎ ይገልጹ።

ይኹን እምበር ኣብ መላእ እቲ ክልል ዘሎ ኩነታት ሕጂ’ውን ኣዝዩ ከቢድ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

"ኣዝዩ ኣገዳሲ ቀረብ መድሓኒት ይጎድል ኣሎ" ይብል ሓደ ካብቶም ኣመራርሓ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዝኾነ ክንደያ ገብረሂወት።

"ዓሶ ኣብ ገለ ዞባታት ይላባዕ ኣሎ።"

ቃፍላይ ረድኤት ይኣቱ’ሎ

ንኣዋርሕ ናብ ትግራይ ዝኣቱ እንኮ ኣማራጺ መንገዲ ብምብራቕ ብክልል ዓፋር እዩ ነይሩ።

ግና፡ እዚ መስመር ከይተረፈ ኣዝዩ ድሩት ቀረብ ዝሓልፈሉ ኣዝዩ ዘጸግም ኮይኑ እዩ ጸኒሑ።

ሕጂ ግን ቃፍላይ በዚ መስመር ብዝያዳ ብናጽነት ክጓዓዛ ክኢለን ኣለዋ። ብተወሳኺ ብደቡብን ብምዕራብን ካልኦት ክልተ መስመራት ክጥቀማ ይኽእላ እየን።

ካርታ

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ክሳብ 8 ታሕሳስ 20 ሰብኣዊ ትካላት ልዕሊ 50 ሽሕ ቶን መግቢን ኣስታት ሓሙሽተ ቶን ካልእ ቀረባትን ናብ ትግራይ ከምዘብጽሓ ይገልጽ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ነቲ ዝተመሓየሸ ኩነታት ጸጥታ ኢሉ ዝገልጾ ስዒቡ ኣብ ገለ ከባቢታት ትግራይ ሓገዝ መግቢ ከምዝዓደለ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ፈሪሞም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ፈሪሞም

ናውቲ ሕክምናን ሰራሕተኛታት ረድኤትን ንምብጻሕ ናብ ከተማታት መቐለን ሽረን ሰብኣዊ በረራታት ክካየድ ጸኒሑ'ሎ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ወርሒ ሕዳር 7 ቶን ናውቲ ሕክምና ዝጸዓነት ነፋሪት ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ሽረ ከምዝኣተወት ይገልጽ።

ብ15 ሕዳር ሕክምናዊ ሓገዝ ዝጸዓና ክልተ ናይ ጽዕነት መካይን ዝሓዘ ቃፍላይ፡ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ናብ መቐለ ዝኣተወ ፈላማይ ረድኤት'ዩ ነይሩ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of X post

ቅድሚኡ ጽዕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ንመወዳእታ ግዜ ናብ ትግራይ ዝኣተወ እቲ ሕቡራት ሃገራት ብ22 ነሓሰ ብመስመር ሰመራ ዝለኣኾ እዩ።

ብዕለት 23 ነሓሰ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ብነፋሪት ዝተሰጋገረ ሓገዝ ከምዝነበረ’ውን ይፍለጥ።

ኣብቲ እዋን ኣብ ትግራይ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ከቢድ ጥምየት ከምዘጋጠሞ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ሓቢሩ ነይሩ።

ኣብ እዋን ግጭት ዝነበረ ጸገማት ዋሕዚ ሓገዝ

ኣብ ሕዳር 2020 ኲናት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ፡ ሓገዝ ናብ ትግራይ ክኣቱ ምግባር ፀገም ክፈጥር ጸኒሑ’ዩ።

ኣህጉራውያን ትካላት ረድኤት ሓገዝ ክኣቱ ዝገበራሉ እዋናት ነይሩ - ካብ ሓምለ ክሳብ ታሕሳስ 2021፡ ከምኡ'ውን ካብ ሚያዝያ ክሳብ ነሓሰ 2022።

ግና፡ ኣብ መስመራት ቀረብ ረድኤት ዝካየድ ኲናት፡ ብዙሓት ዝተዓጸዉ መንገዲታት፡ ብርክት ዝበሉ ናይ ፍተሻ ናቑጣታትን ዕንወት ትሕተቅርጺን ስለዝነበረ ናብቲ ክልል ዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዝን ሰራሕተኛታትን ድሩት ዝኾነሉ ኣዋርሕ ነይሩ እዩ።

ሰብኣዊ ቃፍላይ ናብ ክልል ትግራይ ንምእታው ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሰብኣዊ ቃፍላይ ናብ ክልል ትግራይ ንምእታው ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ

ሓይልታት መንግስቲ ፌደራልን ክልል ትግራይን ብዝርከብዎም ከባቢታት ቃፍላይ ረድኤት ብፅርግያ ንኽጓዓዙ ፍቓድ ምሃብ ከኣ ቀንዲ ምኽንያት ናይቲ ምድንጓይዩ ነይሩ።

መንግስቲ፡ ኩለን በረራታት ንመርመራ መጀመርታ ኣብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ክዓልባ ዝብል ጠለብ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ በረራታት ሰብኣዊ ረድኤት እውን ጽኑዕ ቁጽጽር ኣቐሚጡ ምንባሩ ይዝከር።

ዳግማይ ምጅማር መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ

ብዘይካ እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ሰፊሕ ክፋል ትግራይ ንክልተ ዓመት ብዘይ ኤሌክትሪክ፡ ቴሌፎን፡ ኢንተርኔትን ኣገልግሎት ባንኪን ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።

ሕጂ መንግስቲ፡ መቐለ ምስ ሃገራዊ መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምትእስሳር ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ትግራይ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብሰፊሑ ክምለስ እዩ ዝብል ተስፋ ኣለዓዒሉ ኣሎ።

ኣብ ሽረ ሓዊሱ ኣብ ገለ ከባቢታት እውን ኣገልግሎት ሞባይል ቴሌፎን ናብ ንቡር ተመሊሱ'ኳ እንተሎ፡ ሰፊሕ ክፋል ክልል ትግራይ ግን ሕጂ'ውን ብዘይ ሓይሊ ኤሌክትሪክን መራኸቢታት ቴሌፎንን ይቕፅል ኣሎ።