ሓገዝ ናብ ትግራይ ብኸመይ ይኣቱ ኣሎ?

መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰበስልጣን ጥዕና ትግራይን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ፡ መግቢ፡ መሰረታዊ መድሃኒታትን ናውትን ናብ ብዙሓት ህጹጽ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ይበጽሕ ከምዘሎ ይገልጹ።

ይኹን እምበር ኣብ መላእ እቲ ክልል ዘሎ ኩነታት ሕጂ’ውን ኣዝዩ ከቢድ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

"ኣዝዩ ኣገዳሲ ቀረብ መድሓኒት ይጎድል ኣሎ" ይብል ሓደ ካብቶም ኣመራርሓ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዝኾነ ክንደያ ገብረሂወት።

"ዓሶ ኣብ ገለ ዞባታት ይላባዕ ኣሎ።"

ቃፍላይ ረድኤት ይኣቱ’ሎ

ንኣዋርሕ ናብ ትግራይ ዝኣቱ እንኮ ኣማራጺ መንገዲ ብምብራቕ ብክልል ዓፋር እዩ ነይሩ።

ግና፡ እዚ መስመር ከይተረፈ ኣዝዩ ድሩት ቀረብ ዝሓልፈሉ ኣዝዩ ዘጸግም ኮይኑ እዩ ጸኒሑ።

ሕጂ ግን ቃፍላይ በዚ መስመር ብዝያዳ ብናጽነት ክጓዓዛ ክኢለን ኣለዋ። ብተወሳኺ ብደቡብን ብምዕራብን ካልኦት ክልተ መስመራት ክጥቀማ ይኽእላ እየን።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ክሳብ 8 ታሕሳስ 20 ሰብኣዊ ትካላት ልዕሊ 50 ሽሕ ቶን መግቢን ኣስታት ሓሙሽተ ቶን ካልእ ቀረባትን ናብ ትግራይ ከምዘብጽሓ ይገልጽ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ነቲ ዝተመሓየሸ ኩነታት ጸጥታ ኢሉ ዝገልጾ ስዒቡ ኣብ ገለ ከባቢታት ትግራይ ሓገዝ መግቢ ከምዝዓደለ ይፍለጥ።

ናውቲ ሕክምናን ሰራሕተኛታት ረድኤትን ንምብጻሕ ናብ ከተማታት መቐለን ሽረን ሰብኣዊ በረራታት ክካየድ ጸኒሑ'ሎ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ወርሒ ሕዳር 7 ቶን ናውቲ ሕክምና ዝጸዓነት ነፋሪት ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ሽረ ከምዝኣተወት ይገልጽ።

ብ15 ሕዳር ሕክምናዊ ሓገዝ ዝጸዓና ክልተ ናይ ጽዕነት መካይን ዝሓዘ ቃፍላይ፡ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ናብ መቐለ ዝኣተወ ፈላማይ ረድኤት'ዩ ነይሩ።

ቅድሚኡ ጽዕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ንመወዳእታ ግዜ ናብ ትግራይ ዝኣተወ እቲ ሕቡራት ሃገራት ብ22 ነሓሰ ብመስመር ሰመራ ዝለኣኾ እዩ።

ብዕለት 23 ነሓሰ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ብነፋሪት ዝተሰጋገረ ሓገዝ ከምዝነበረ’ውን ይፍለጥ።

ኣብቲ እዋን ኣብ ትግራይ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ከቢድ ጥምየት ከምዘጋጠሞ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ሓቢሩ ነይሩ።

ኣብ እዋን ግጭት ዝነበረ ጸገማት ዋሕዚ ሓገዝ

ኣብ ሕዳር 2020 ኲናት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ፡ ሓገዝ ናብ ትግራይ ክኣቱ ምግባር ፀገም ክፈጥር ጸኒሑ’ዩ።

ኣህጉራውያን ትካላት ረድኤት ሓገዝ ክኣቱ ዝገበራሉ እዋናት ነይሩ - ካብ ሓምለ ክሳብ ታሕሳስ 2021፡ ከምኡ'ውን ካብ ሚያዝያ ክሳብ ነሓሰ 2022።

ግና፡ ኣብ መስመራት ቀረብ ረድኤት ዝካየድ ኲናት፡ ብዙሓት ዝተዓጸዉ መንገዲታት፡ ብርክት ዝበሉ ናይ ፍተሻ ናቑጣታትን ዕንወት ትሕተቅርጺን ስለዝነበረ ናብቲ ክልል ዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዝን ሰራሕተኛታትን ድሩት ዝኾነሉ ኣዋርሕ ነይሩ እዩ።

ሓይልታት መንግስቲ ፌደራልን ክልል ትግራይን ብዝርከብዎም ከባቢታት ቃፍላይ ረድኤት ብፅርግያ ንኽጓዓዙ ፍቓድ ምሃብ ከኣ ቀንዲ ምኽንያት ናይቲ ምድንጓይዩ ነይሩ።

መንግስቲ፡ ኩለን በረራታት ንመርመራ መጀመርታ ኣብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ክዓልባ ዝብል ጠለብ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ በረራታት ሰብኣዊ ረድኤት እውን ጽኑዕ ቁጽጽር ኣቐሚጡ ምንባሩ ይዝከር።

ዳግማይ ምጅማር መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ

ብዘይካ እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ሰፊሕ ክፋል ትግራይ ንክልተ ዓመት ብዘይ ኤሌክትሪክ፡ ቴሌፎን፡ ኢንተርኔትን ኣገልግሎት ባንኪን ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።

ሕጂ መንግስቲ፡ መቐለ ምስ ሃገራዊ መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምትእስሳር ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ትግራይ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብሰፊሑ ክምለስ እዩ ዝብል ተስፋ ኣለዓዒሉ ኣሎ።

ኣብ ሽረ ሓዊሱ ኣብ ገለ ከባቢታት እውን ኣገልግሎት ሞባይል ቴሌፎን ናብ ንቡር ተመሊሱ'ኳ እንተሎ፡ ሰፊሕ ክፋል ክልል ትግራይ ግን ሕጂ'ውን ብዘይ ሓይሊ ኤሌክትሪክን መራኸቢታት ቴሌፎንን ይቕፅል ኣሎ።