ምክትል ፕረዚደንት ማላዊ ኣብ ዝወደቐት ነፋሪት ሞይቱ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ምክትል ፕረዚደንት ማላዊን ካልኦት ትሸዓንተ ሰባትን ሒዛ ዝተሰወረት ወተሃደራዊት ነፋሪት ድሕሪ ምውዳቓ፡ ዋላ ሓደ ዝደሓነ ከመዘየለ ፕረዚደንት እታ ሃገር ላዛሩስ ቻኩዌራ ኣፍሊጡ።
ምክትል ፕረዚደንት ማላዊ ሳውሎስ ቺሊማን እቶም ካልኦት ትሸዓንተ ተሳፈርትን ሒዛ ዝጠፍኣት ነፋሪት፡ ኣብ እግሪ ሓደ ጎቦ ሙሉእ ንሙሉእ ተሓምሺሻ ከም ዝተረኸበት ወሲኹ ሓቢሩ።
ዋንነታ ናይ ሓይሊ ምክልኻል ማላዊ ዝኾነት ነፋሪት ብሰኑይ ንግሆ ካብ ርእሰ ከተማ ሊሎንግዌ ምስ ተበገሰት "ካብ ራዳር" ከምዝተሰወረት እቲ መግለጺ የመልክት።
እታ ነፋሪት ኣብ ሰሜን እታ ሃገር ዝርከብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ምዙዙ ሰዓት ዓሰርተ ናይ ንግሆ ክትዓልብ’ዩ ትጽቢት ነይሩ።
እንተኾነ ሰበስልጣን ኣቬሽን ምስታ ንምክትል ፕረዚደንትን ካልኦትን ዝሓዘት ነፋሪት ክራኸቡ ኣይካኣሉን።
ነዚ ስዒቡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ላዛሩስ ቻክዌራ፡ ስርሒት ምድላይን ምድሓንን ክካየድ ምእዛዙ ይዝከር።
ፕረዚደንት ላዛሩስ ቻክዌራ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ምስ ተሓበረ፡ ናብ ባሃማስ ክገብሮ ሓሲብዎ ዝነበረ መገሻ ከምዝቋረጾ’ውን ክፍለጥ ተካኢሉ ኣሎ።
እቲ ፕረዚደንት “ወተሃደራት ኣብቲ እታ ነፋሪት ወዲቃትሉ ክትከውን ትኽእል ቦታታት ዳህሳስ የካይዱ ከምዝነበሩ" ገሊጹ ነይሩ።
“ኣዚና ተሻቒልና ኣለና፡ ሓደ ነገር ከተጋግጸልኩም ዝደሊ ግን ዘለና ከሉ ጸጋታት ነዛ ነፋሪት ንምድላይ ከነዋፍሮ ኢና፡ ነቶም ዝጠፍኡ ብህይወቶም ንምርካብ ክንጓየ ኢና” ኢሉ።
እታ ነፋሪት ካብ ራዳር ዝጠፋኣትሉ ምኽንያት ገና ኣይተፈለጠን።
ሚኒስተር ሓበሬታ እታ ሃገር ሞሰስ ኩንኩዩ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ነታ ነፋሪት ንምርካብ ጽዑቕ ተፍትሽ ይግበር ከምዝነበረ ምሕባሩ ዝዝከር እዩ።
ምክትል ፕረዚደንት ቺሊማ ኣብ ቀብሪ ናይቲ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ዝሞተ ኣባል ካቢነ ሚኒስተራት ነበር ራልፍ ካሳምባራ፡ ንመንግስቲ ወኪሉ ንምስታፍ’ዩ ዝገይሽ ነይሩ።
ኣብ 2022 ዶክተር ቺሊማ፡ ንኮትራክተራት መንግስታዊ ስራሕ ከም ሓለፋ ሂቡ ካብኦም ጉቦ ብመልክዕ ገንዘብ ተቐቢሉ ተባሂሉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ምንባሩ ይዝከር።
እንተኾነ እቲ ክሱ ምኽንያቱ ብዘይተገለጸ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝተኣለየሉ ተገሊጹ።
ምክትል ፕረዚደንት ዶክተር ቺላማ መን’ዩ?
- ቅድሚ ናብ ፖሎቲካዊ ጽፍሒ ምድያቡ ኣብ ከም ኮካኮላ ዝኣመሰላ ዓበይቲ ትካላት ከም ጸላዊ ሓላፊ ኮይኑ ሰሪሑ
- ዕድሚኡ 51 ዓመት’ዩ
- ብዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ቆልዑን ነይሩ
- ዶክተር ቺሊማ ኣብ መንግስታውያን መርበብ ሓበሬታታት ‘ዕዉት’፡ ‘ውሉፍ ናይ ስራሕ’ ከምኡ ከኣ ‘ብቁዕ’ እናተባሃለ’ዩ ዝገልጽ
- ኣብ ምሕደራ ፍልጠት ብማዕረግ ዶክተር ትምህርቱ ወዲኡ




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







