‘እንተሞይተ በጃኺ ንደቀይ ሓደራ ኢላትኒ’ ኣብ ዖማን ዝተሸጣ ደቂኣንስትዮ

ገጻ ዝሸፈነት ጓል ኣንስተይቲ

‘ቢቢሲ ኣፍሪካን ኣይ’ ኣብ ዖማን ንልዕሊ 50 ተወለድቲ ማላዊ ደቂ ኣንስትዮ ዳርጋ ጊላነት ኢልካ ክግለጽ ካብ ዝከኣል ስራሕ ከመይ ኣቢሉ ‘ብዋትስኣፕ’ ናጻ ክወጽኣ ከምዝኸኣላ መርሚሩ ኣሎ።

መጠንቀቕታ፡ ኣብዚ ዛንታ ዝርከብ ሓደ ሓደ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ንገለ ሰባት ከጨንቖም ስለዝኽእል ግቡእ ጥንቃቐ ክግበር ንመክር።

ጓል 32 ዓመት ሰራሕተኛ ገዛ ማላዊት፡ ኣብቲ እትሰርሓሉ ዝነበረት ገዛ ዘጋጠማ ዓመጽ ክትገልጽ እንከላ ንብዓት እዩ ዝቕድማ። እታ ምስ ቢቢሲ ቃለ መሕተት ዘካየደት ጆርጂና፡ ልክዕ ከምተን ካልኦት ደቂ ዓዳ ኣብ ዱባይ ከም መራሒት መኪና ኰይና ከምእትሰርሕ እዩ ተነጊሩዋ።

ጆርጂና ኣብ ርእሰ ከተማ ማላዊ ከተማ ሊሎንግወ ድራር ዕለታ ኣብ እትምእርረላ ንእሽቶ ትካላ እናሰርሐት፡ ሓደ ሰብ መጺኡ ንማእከላይ ምብራቕ እንተኸይዳ ዝሓሸ ኣታዊ ከምእትረከብ ነጊርዋ። ንሳ እውን ተሰማሚዓ። ኣብ ርእሰ ከተማ ዖማን ምስ ኣተወት ግን እቲ ዝተነግራን ዝተኣተወላ መብጽዓን ብምሉኡ ሓሶት ምዃኑ ክትፈልጥ ግዜ ኣይወሰደላን።

ናብታ ከተማ ምስ ኣተወት እቶም ክጽበይዋ ዝጸንሑ ስደራ ተቐቢሎም፡ ኣብ ሰሙን ሸውዓተ መዓልቲ ብዘይ ዕረፍቲ ከስርሕዋ ጀሚሮም። ብሰንኪ ጻዕቂ ስራሕ ኣብ መዓልቲ ክልተ ሰዓታት ጥራይ ትድቅስ ከምዝነበረት ከኣ ትሕብር።

መከራ ጆርጂና በዚ ኣየብቐዐን፡ እቲ ኣስራሒኣ ብሽጉጥ ኣፈራሪሑ ክደፍራ ጀሚሩ።

“ንሱ ጥራይ ግን ኣይኮነን፡ ንኣዕርኹቱ ከይተረፈ ጸዊዑ ገንዘብ ኣኽፊሉ ምሳይ ብሓይሊ ስጋዊ ርክብ ከምዝፍጽሙ ይገብሮም ነይሩ” ከኣ ትብል።

ኣስራሒኣን ኣዕርኹቱን ብንቡር ገዲፎም ብግብረ ሰዶማዊ ከይተረፈ ይጋሰሱዋ ከምዝነበሩ ትገልጽ። ነታ ክትሰምያ ዘይትደሊ “ግብረ ሶዶማዊ!” እትብል ቃል ተጋዲላ’ያ ኣውጺኣታ። “ኣዝየ’የ ተሃስየ፡ ብኽቱር ግፍዒ ዝንብትን ጭንቕትን ኮይነ” ትብል ጆርጂና።

ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ኣስታት ክልተ ሚልዮን ናይ ገዛ ሰራሕተኛታት ከምዘለዋ’ዩ ዝግመት።

ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ቻሪቲ ዱ ቦልድ ዝተብሃል ትካል ኣብ 2023 ምስ 400 ኣብ ዖማን ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ ዳርጋ ኩለን ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ከምዝኾናን ኣስታት 75 ሚኢታዊት ጾታዊ ዓመጻት ከምዝተፈጸመን ፍርቂ ዝኾና ከኣ ኣካላዊ ማህረምቲ ከምዝበጽሐን ኣረጋጊጹ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ጆርጂና ኩሉ እቲ ዘጋጥማ ዝነበረ ዓመጻት ክትጻወሮ ስለዘይክኣለት ኣብ ፌስቡክ ናይ ርድኡኒ መልእኽቲ ሰዲዳ።

ነቲ መልእኽቲ፡ ካብ ዖማን ኣሽሓት ኪሎ ሜትራት ርሒቓ ኣብ እትርከብ ኣሜሪካ እትነብር፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እትነጥፍ ጓል 38 ዓመት ተዋላዲት ማላዊ ፒሊላኒ ሞምበ ንዮኒ ምስ ሰምዓቶ፡ ንምሕጽንታ ጆርጂና ክትምርምሮ ጀሚራ።

ንጆርጂና ብፌስቡክ ብምርካብ ንድሕነት ጆርጂንያ ብምሕላይ እቲ ጆርጂና ኣብ ፌይስቡክ ዝለጠፈቶ ቪድዮ ከምዝእለ ገይራቶ። ከም መተካእትኡ፡ ባዕላ ቪድዮ ኣሰንያ ኣብ ዖማን ዝርከባ ተወለድቲ ማላዊ ንዓኣ ክረኽባሉ ዝኽእላ ናይ ዋትስኣፕ ቁጽሪ ኣሰንያ ኣብ ጸገም ዘለኽን ርኸባኒ ዝብል መልእኽቲ ሰደደት።

ነዚ መልእኽቲ ምስ ለኣኸት ከም ናይ ጆርጂና ዝመሳሰለ ጸገማት ዘለወን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ከምዘለዋ ተረዲኣ።

“መጀመርታ ጆርጂና፡ ካብኡ ካልእ፡ ጸኒሓ ካልእ ክጽሕፋለይ ምስ ጀመራ፡ ናይ ‘ዋትስኣፕ’ ጉጅለ ፈጢረ፡ ነቲ ሰፊሕ መርበብ ዘለዎ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት’ዩ [ክምርምሮ ጀሚረ]” ትብል ፒሊላኒ ሞምበ ንዮኒ።

ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ኣስታት ሓምሳ ዝኾና ኣብ ዖማን ኣብ ገዛ ዝሰርሓ ተወለድቲ ማሊ ናብቲ ናይ ‘ዋትስኣፕ’ ጉጅለ ተጸንበራ።

ብዙሓት’ውን ናይ ጽሑፍ፡ ናይ ድምጽን ናይ ቪድዮን መልእኽታት ክሰዳ ጀመራ። ገለ ካብቲ ዝልኣኽ ዝነበረ ቪድዮታት ንኽትርእዮ ኣዝየ ዘፍርሕ ከምዝኾነ ፒሊላኒ ሞምበ ንዮኒ ትገልጽ።

ዝበዝሓ፡ ናብ ዖማን እትው ምስ በላ ፓስፖርተን ብኣስራሕተን ተሓዲገን’የን።

ገለ ነቲ መልእኽቲ ክሰዳላ እንከለዋ ገለ ከኣ ኣብ ሽቓቕ ተሓቢአን ይመልአኦ ከምዘለዋ’የን ዝገልጻላ ነይረን።

ሓንቲ ካብኣተን፡ “ፈጺመ ክሃድመሉ ዘይክእል ቤት ማእሰርቲ ዘለኹ ኮይኑ’ዩ ዝስማዓኒ ዘሎ” ትብል፡ እታ ካልእ “ህይወተይ ኣብ ፈጹም ሓደጋ’ዩ ዘሎ” ትውስኽ።

ፒሊላኒ ሞምበ ንዮኒ፡ ነዚ ዝሓዘቶ ከቢድ ዕማም ንምፍጻም ዝሕግዙዋ ሰባት ከተናዲ እንከላ ንመስራቲት ትካል ገባሪ ሰናት ዶ ቦልድ ፖራስ ሲቮሎቦቫ ረኸበታ።

ብለሲንግ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ናብ ሃገራ ኣብ ዝተመለሰትሉ
መግለጺ ስእሊ, ብለሲንግ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ናብ ሃገራ ኣብ ዝተመለሰትሉ

ዱ ቦልድ፡ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ምስ ዝሰርሓ፡ ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ንዝኾና ደቀ ኣንስትዮ ረኺቡ፡ ምስ ኣስራሕተን ብምልዛብ ነጻ ዘውጽእ ናይ ግብረ ሰናይ ትካል’ዩ።

ፖራስ ሲቮሎቦቫ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት “እቶም ኣስራሕቲ ነቶም ሰራሕተኛታት ዘማጽኡ ‘አጄንሲታት’ ሰልዲ ከፊሎም’ዮም ነተን ሰራሕተኛታት ዘምጽእወን። እቲ ቀንዲ ነዘን ሰራሕተኛታት ነጻ ከነውጽአን ኣብ እንፍትነሉ ዘጋጠመና ብድሆታት ከኣ ሰልድና ምለሱልና ነጻ ክንፍንወን ዝብል’ዩ” ትብል።

ፖራስ ሲቮሎቦቫ ብምስዓብ “እቲ ኣብ ተግባር ዝዕየየሉ ዘሎ ሕጊ [ዖማን] ሰራሕተኛታት ናይ ገዛ ብዘይፍቓድ ኣስራሕተን ስራሕ ከይገድፋ ዘገድድ’ዩ። ዝኾነት ሰራሕተኛ ዘጋጥማ ዘሎ ጸገም ብዘየገድስ ብዘይፍቓድ ኣስራሒኣ ስራሕ ክትቅይር ይኹን ካብታ ሃገር ክትወጽአ ኣይትኽእልን’ያ” ትብል።

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ‘ካፋላ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሕጊ ዕዮ ኣሎ። እዚ ሕጊ እዚ ሰራሕተኛታት ኩንትራተን ክሳብ ዝውዳእ ምስ ኣስራሕተን ክጸንሓ ዘገድድ’ዩ።

ሃገራዊ ኮሚቴ ጸረ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ዖማን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕተት እቲ ንሰራሕተኛት ዓሚጹ ንኣስራሕቲ ዘርብሕ ሕጊ ንምቕያር ወግዓዊ ሕጋዊ ክሲ ኣቕሪቦም ከምዘለዉን ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ክርኣ ከምዝኽእልን ገሊጾም።

ሃገራዊ ኮሚቴ ጸረ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ዖማን ብምውሳኽ ኣስራሕቲ ንሰራሕተኛታት ልዕሊ ግቡእ ሰዓታት ከየስርሑን ብዘይ ኣፍለጦን ፍቓድን [ብጽሑፍ ዝተሰነየ] እተን ሰራሕተኛታት ፓስፖርተንን ካልእ ውልቃዊ ሰነዳተንን ክሕድጉወን ከምዘይፍቀደሎም ገሊጹ።

ጂርጂና ኣብ ከተማ ሙስካት፡ ርእሰ ከተማ ዖማን፡ ሰለስተ ናይ ስቓይ ኣዋርሕ ኣሕሊፋ ብሓገዝ ንዮኒን ካልእ ኣብ ዖማን ዝነብር ሰብን ኣብ ሰነ 2021 ናብ ማላዊ ተመሊሳ።

ንዮኒ “ንጆርጂና ምስ ሓገዝክዋ ካልእ ብዙሕ ዝተረፈ ከምዘሎ ክርዳእ ክኢለ” ትብል።

ጆርጂና ጉዳያ ኣብ ማላዊ ምስ ተሰመዐ፡ መንግስቲ ነተን ኣብ ዖማን ዘለዋ ተወለድቲ ማላዊ ናጻ ንከውጽአን ጸቕጢ ክበጽሖ ጀሚሩ።

ማእከል ተበግሶ ዲሞክራስን ቁጠባዊ ምዕባለን ማላዊ ዝተባህለ ኣብ ማላዊ ዝመደበሩ ትካል ግብረ ሰናይ፡ መንግስቲ ማላዊ ነተን ኣብ ዖማን ዘለዋ ተወለድቲ ማላዊ ናብ ሃገረን ክመልሰን ጸቕጢ ክገብርሉ ጀሚሮም።

ብለሲንግ ዝተብሃለት ካልእ ተወላዲት ማላዊ’ውን ኣርባዕተ ደቃ ምስ ስተቬላ ዝተብሃለት ሓፍታ ገዲፋ ኣብ ታሕሳስ 2022 ናብ ሙስካት ከደት።

ብለሲንግ ኣብ ክሸነ እናሰርሐት እንከላ ከቢድ ናይ ሓቂ ቃጸሎ ኣጋጠማ። ኣስራሒኣ ግን ናብ ሃገራ ክትምለስ ኣይፈቐደላን።

ጆርጂና ናብ ፈለግ ማላዊ ብምኻድ'ያ ነብሳ ከተረጋግእ ትፍትን

ሓፍታ ንብለሲንግ ስተቬላ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት “እቲ መንደድቲ ሓዊ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ ነይሩ። ንሓፍተይ በብቁሩብ ናብ ኣፌፌት ሞት ክትከይድአ እየ ዝርእያ ነይረ” ትብል።

ብምቕጻል፡ “ሓደ መዓልቲ፡ እንተሞይተ በጃኺ ንደቀይ ሓደራ ኢላትኒ። እቲ ሕድራ ኣዝዩ ዘቐንዙ’ዩ ነይሩ” ትብል።

ስተቬላ ሓፍታ ናብ ሃገራ ንኽትምለስ ንዝሕግዙ ሰባት ክትምሕጸን ጀመረት።

እቲ ንብለሲንግ ናብ ዖማን ዘፋነዋ ‘አጄንት’ ካብ ሕቶታት ክገላገል ብምባል፡ ንስድራኣ ብለሲንግ ከምዝሞተት ነጊርዋም። ግን ሓቁ ኣይነበረን፡ ኣብ መወዳእታ ብለሲንግ ብሓገዝ መንግስቲ ማላዊ ኣብ ጥቅምቲ ናብ ሃገራ ተመሊሳ’ያ።

ብለሲንግ ናብ ሃገራ ድሕሪ ምምላሳ “ስድራይን ደቀይን ዳግማይ ዝርእየሉ እዋን ክመጽእ’ዩ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን’የ” ብምባል ናብ ሃገራ ክትምለስ ኣብ ሓሳባ ከምዘይነበረ ገሊጻ።

ብለሲንግ ብምስዓብ “ኣብዚ ምዕቡል እዋን ንደቂ ሰባት ልክዕ ከም ባርያ ገይሮም ዝሕዙ ጨካናት ሰባት ዘለዉ ኣይመስለንን’ዩ ነይሩ” ኢላ።

መንግስቲ ማላዊ ምስ ትካል ገባሪ ሰናይ ዱ ቦልድ ብምዃን ልዕሊ 160 ሽሕ ዶላር ወጻኢታት ብምግባር 54 ተወለድቲ ማላዊ ካብ ዖማን ናብ ሃገረን መሊስወን ኣሎ።

እንተኾነ ጓል 23 ዓመት ኣይዳ ቺዋሎ ግን ኣብ ሳንዱቕ ሬሳ ተዓሺጋ’ያ ናብ ሃገራ ተመሊሳ።

ንምኽንያት ሞታ ዝምልከት ኣብ ዖማን ዝተገበረ መርመራ የለን።

ሰብ መዚ ሚኒስትሪ ዕዮ ዖማን፡ ኣብ 2022 ኣብ ዖማን ካብ ዝሰርሓ ተወለድቲ ማላዊ በደል በጺሑና ዝብል ጥርዓን ከምዘይበጸሖ ሓቢሩ። ኣብ 2023 ጥራይ ካብ ሓንቲ ሰብ ጥርዓን ከምዝበጽሖን ነቲ ጥርዓን መዕለቢ ከምዝገበረሉን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

መስራቲት ትካል ገባሪ ሰናት ዱ ቦልድ ፖራስ ሲቮሎቦቫ “መብዛሕትአን እዘን ናብ ሃገረን ተመሊሰን ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮን፡ ንኣስራሕተን፡ ካብ 1000 ክሳብ 2000 ዶላር ስለዝኸፈልናዮም’ዮም ነጻ ክሰድወን ክኢሎም” ትብል።

“ስለዚ ነጻነተን ከፍልና ኢና ንገዝኦ ዘለና። እዚ’ዩ ዘጨንቐኒ ዘሎ። ከመይ ገይርካ ናጽነት ሰብ ብሰልዲ ካብ ካልእ ሰብ ትገዝኦ?” ትብል።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ማላዊ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ንወሽመጥ ዓረብ ከይደን ንዝሰርሓ ኣብ ዝምልከት ኣብ ገለ ሕግታት ምምሕያሻት ይገብሩ ከምዘለዉ ብምግላጽ “ድሕነት ናይተን ሰራሕተኛታት ንምውሓስ፡ ነተን ካብዚ ንኽሰርሓ ክኸዳ ዝደልያ፡ ንዐአን ንስድረአንን ብዓቢኡ ንሃገርን ረብሓታት ዘውሕስ ክኸውን ኣለዎ” ኢሉ።

ብምስዓብ “እዘን ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ክሰርሓሉ ዝኽእላ ዕድል እንተተፈጢሩለን ግዳያት ናይ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ኣይክኾናን’የን፡ ስለዚ እዚ ንኸይከውን ነዛ ሃገር ኣመሓይሽና መንእሰያትና ኣብዚ ኮይኖም ዝሰርሕሉ ዕድላት ክንፈጥረሎም ኢና” ኢሉ።

ንጆርጂና እቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ፍርሒ ገና ኣይወጽኣላን ዘሎ። ነብሳ ንኽትመልስን ክትረጋጋእን ናብ ገማግም ቀላይ ማላዊ ከይዳ ቁሩብ ኣዕርፍ ተብል።

“ነዚ ማዕበል ክርእዮ እንከለኹ ኣብ ህይወት ዝኾነ ነገር ንነዊሕ እዋን ከምዘይጸንሕ ይበርሃለይ፡ እዚ ሕጂ ዘለኽዎ ሓደ መዓልቲ ታሪኽ ኮይኑ ክተርፍ’ዩ። ሓደ መዓልቲ ነቲ ነብሰይ ክኢለ ብነጻ ዝነብረሉ ዝነበርኩ እዋን ብርእሰ ተኣማንነተ ከምዝምለሶ ብምእማን ንነብሰይ ሰላምን ምትብባዕን ክፈጥረላ ይፍትን ኣለኹ” ትብል ።