እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣቶ ክርስትያን ታዳለን ካልኦትን ከም ተራ እሱራት ክረኣዩ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ
ድሕሪ ሸሞንተ ኣዋርሕ ንፈለማ እዋን ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራን ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ዝነበሩ ፖለቲከኛታት “ከም ስሩዓት እሱራት ክረኣዩ፡ ቤት ፍርዲ በይኑ።
ዓቃቢ ሕጊ፡ እቶም ተኸሰስቲ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክኣትዉ ዘቕረቦ ሕቶ በቲ ቤት ፍርዲ ከም ዝተነፀገ ጠበቓ እቶም ተኸሰስቲ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ካልኣይ መጋባእያ ሕገ መንግስትን ጉዳያት ፀረ ራዕድን እዩ ነዚ ትእዛዝ ሂቡ ዘሎ።
ብዓርቢ ኣብ ዝነበረ መጋባእያ፡ ብሚኒስትር ፍትሒ ዝተወደቡን ዶብ ተሳገርቲ ጉዳያትን ዓቃቢ ሕጊ ዳይሬክቶሬት ጀነራል፡ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ምድብ ልደታ ክሲ ናይ ዝተመስረቶም 52 ውልቀሰባት ክሲ ተዓዚቡ።
ካብ መንጎ እቶም ተኸሰስቲ ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እታ ሃገር ክርስትያን ታደለ፣ ኣባል ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ዮውሃንስ ቧያለውን ኣባል ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ካሳ ተሻገርን ይርከብዎም።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣንፃር ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ይዋግኡ ምስ ዘለዉ ዕጡቓት ፋኖ ወጊኖም ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ እስክንድር ነጋ፣ ዘመነ ካሴን ኣቦወንበር ኢዜማ ዶክተር ጫኔ ከበደን እውን ኣብ ዝርዝር እዚ ክሲ ይርከቡ።
ቢሮ ምርመራ ገበን ፖሊስ ፌደራል፡ እዞም ውልቀሰባት፡ “ፖለቲካዊ ስነ ሓሳብ ብሓይሊ ንምፍፃም ብምሕሳብ ምስ ፋኖ ኣምሓራ ብምውዳቦም” ክሲ ከም ዝተመስረቶም ይገልፅ።
“ናይ ኣምሓራ ’ዮም ዝብልዎም መሬታት ብወተሃደራዊ ሓይሊ ንምምላስን ሃገር ‘ብኣምሓራዊ ኣተሓሳስባ ጥራሕ ክትግዛእ ኣለዋን’ ኣብ ዝብል ስምምዕ በፂሖም” ዝብል’ውን ኣብቲ ክሲ ከም ዝተኻተተ እቲ ቢሮ ኣፍሊጡ።
ንኣባላት ባይቶ ሓዊሱ 14 ሰባት ኣብዚ መጋባእያ ከም ዝተረኸቡ ጠበቓ ሰለሞን ገዛሀኝ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
“ቤት ፍርዲ ስሩዕ ከይዲ ንምቕፃል እንትሓስብ፡ ብኣና ወገን ጥርዓን ቀሪቡ። ‘ዓማዊልና ሎሚመዓልቲ ኢና ረኺብናዮም፤ ስለዚ ቀፃልቲ ከይድታት ንምቕፃል ክነዛርቦም ስለንደልይ ተለዋጢ ቆፀሮ ይወሃበና’ ዝብል ጥርዓን ኣቕሪብና” ብምባል፡ ስሩዕ ከይዲ ክሲ ኣብ ፈላማይ መዓልቲ ንኸይካየድ ምሕታቶም ተዛሪቡ።
ኣኽባሪ ሕጊ ብወገኑ፡ እቶም እሱራት ዝርከብሉ ቢሮ ምርመራ ገበን ፖሊስ ፌደራል “ብእሱራት ዝተጨናነቐ ስለ ዝኾነ፡ እቶም ተኸሰስቲ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክዘዋወሩ ቤት ፍርዲ ብይን ይሃበልና” ዝብል ሕቶ ከም ዘቕረበ ጠበቓ ሰለሙን ገሊፁ።
ነዚ ሕቶ ከም ዝተቓወምዎ ዝገልፅ እቲ ጠበቓ፡ ቤት ፍርዲ ንሕቶ ኣኽባሪ ሕጊ ከም ዝነፀጎ ተዛሪቡ።
ብወገን እቶም ተኸሰስቲ “ ህፁፃት ዝኾኑ ክልተ ጉዳያት መሰል” ከም ዘለዉ ንቤት ፍርዲ ከም ዝተገለፀ ዝዛረብ ኣይተ ሰለሙን፡ ተኸስቲ ነቲ ጉዳይ ከብርሁ ዕድል ክወሃቦም ሕቶ ከም ዝቐረበ ሓቢሩ።
ነዚ ስዒቡ ንክዛረብ ዕድል ዝተውሃቦ ኣይተ ዮውሃንስ ቧያለው፡ ኣብ ቢሮ ፖሊስ ፌደራል “ኢ ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ” ከም ዝተፈፀሞ ምዝራቡ ጠበቕኡ ሓቢሩ።
ኣይተ ዮውሃንስ ቧያለው፡ “ሽድሽተ ወርሒ ኣብ ኣዋሽ ኣርባ፣ ክልተ ወርሒ ኣብ ክፍሊ ገበን ምርመራ ሜክሲኮ ኣብ ፀልማት ተኣሲርና ንርከብ። ብሓለፍቲ ምውራድን ምጭንናቕን ኣብ ልዕሌና ተፈፂሙ’ዩ። ብግቡእ ከይንሸይን ማዕፆ ተቖሊፉ። ምስ ጠበቓታትን ኣቦታት ሃይማኖትን ከይንራኸብን እኹል ሕክምና ከይንረክብን ተኸልኪልና” ከም ዝበለ፡ ጠበቕኡ ኣይተ ሰለሙን ተዛሪቡ።
ካልእ ኣብቲ መጋባእያ ዝተዛረበ ክርስትያን ታደለ፡ ኢዶም ብካቴና ምእሳሮም ‘ንኣለርጂ’ ከም ዝተቓልዑን “እቲ ቤት ፍርዲ ብካቴና ከይንእሰር ትእዛዝ ይሃበልና” ክብል ተዛሪቡ ይብል እቲ ጠበቓ።
ሓላፊ ፖሊስ ፌደራል፡ “ኣብ ፀልማት ኣይኣሰርናን” ዝብል ምላሽ ከም ዝሃበ ገሊፁ።
ነዚ ጥርዓን ዝተዓዘበ ቤት ፍርዲ እቶም ውልቀሰባት ክሲ ስለ ዝተመስረቶም፡ ከም ስሩዓት እሱራት ክረኣዩ ብይን ከም ዝሃበ ጠበቓ ሰለሙን ገሊፁ።
እቲ ቤት ፍርዲ “ ካብ ሕዚ ንደሓር እቶም እሱራት ኣብ ትሕቲ ኮማንድ ፖስት ኣይኮኑን፤ ስሩዓት እሱራት’ዮም። ከም ስሩዓት እሱራት እዮም ክቐርቡ። ስሩዓት እሱራት ዝረኽብዎ መሰል ይረኽቡ። ካብ ሕዚ ንደሓር ፀልማት ቤት ማእሰርቲ የለን። ጠበቓን ናይ ሃይማኖት ኣቦን ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም። ከም ካልኦት እሱራት ኣብ ዝተፈቐደ ሰዓት ስድርኦም ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም” ዝብል ብይን ከም ዘሕለፈ እቲ ጠበቓ ገሊፁ።
እቲ ቤት ፍርዲ፡ ጠበቓ ተኸሰስቲ ምስ ዓማዊሉ ከም ዘይተራኸበ ብምግላፅ፡ ን27 መጋቢት 2016 ኣቆፃፅራ ግእዝ ተለዋጢ ቆፀሮ ከም ዝሃበ ጠበቓ ሰለሙን ንቢቢሲ ሓቢሩ።