ኢትዮጵያ፡ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ናይ ክርስትያን ታደለ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ኣልዒሉ

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሎሚ 5 መጋቢት 2016 (ግእዝ) ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ፡ ወኪል ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (ኣብን) ናይ ዝኾነ ኣባል ባይቶ ክርስትያን ታደለ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ኣልዒሉ፡፡

ሚኒስተር ፍትሒ ዶ/ር ገዲዮን ጢሞቴዎስ ናይቲ ኣባል ቤት ምኽሪ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ምቕንጣጥ ዝምልከት መብርሂ ከምዝሃበ እውን ተገሊጹ፡፡

ፖሊስ ፌደራል ድሕሪ ዘካየዶ ምርመራ ‘‘ኣቶ ክርስትያን ኣብ ክልል ኣምሓራ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ብሓይሊ ንምፍራስ ምስ ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ሓቢሩ ይሰርሕ ነይሩ’’ ዝብል ጸብጻብ ናብ ዓቃቢ ሕጊ ከምዝለኣኸ እቲ ሚኒስተር ኣፍሊጡ፡፡

ኣቶ ክርስትያን ታደለ ንሰልፊ ኣብን ወኪሉ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ተወዳዲሩ እዩ ናብ ቤት ምኽሪ ኣትዩ፡፡

ኣብ ጻንሒቱ ድማ ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚተ ምምሕዳርን ቁጽጽርን ወጻኢታት መንግስቲ ኮይኑ ሰሪሑ፡፡

ኮይኑ ግና ነቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተወለዐ ጎንጺ ስዒቡ ድሕሪ ዝተኣወጀ ህጹጽ እዋን ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ንሸውዓተ ወርሒ ኣብ ቀይዲ ይርከብ፡፡

ኣቶ ክርስትያን ምስተኣሰረ ድሕሪ ሸውዓተ ወርሒ እዩ እቲ ቤት ምኽሪ ናይ ዘይምኽሳስ መሰሉ ኣልዒልዎ ዘሎ፡፡

ብተወሳኺ ካልእ ኣባል ኣብን ዶ/ር ደሳለኝ ጫኔ እውን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ዝፍለጥ ኮይኑ ናይ ዘይምኽሳስ መሰሉ ግን ዛጊት ኣይተቐንጠጠን፡፡

ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘‘ዝኾነ ኣባል ቤት ምኽሪ፡ ከቢድ ገበን ክፍጽም ብትሕዞ እንተተ ተረኺቡ እንተዘይኮይኑ፡ ብዘይ ፍቓድ ቤት ምኽሪ ኣይተሓዝን፤ ብገበን እውን ኣይኽሰስን’’ ክብል ይድንግግ፡፡

ናይ ኣቶ ክርስትያን ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ዝበዝሕ ድምጺ ኣባላት ቤት ምኽሪ ረኺቡ ብምልዓሉ፡ በቲ ቤት ምኽሪ ናይ ዘይምኽሳስ መሰሉ ዝተቐንጠጠ ካልኣይ ኣባል ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሚያዝያ፡ ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ቡሌ ሆራ ናይ ዝነበረ ዶ/ር ጫላ ዋላ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ምልዓሉ ይዝከር፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ሰለስተ ኣባላት ቤት ምኽሪ ክልላት ናይ ዘይምኽሳስ መሰሎም ተላዒሉ እዩ፡፡

በዚ መሰረት ኣቶ ዮሃንስ ቧያለው ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ኣቶ ታዬ ደንደኣ ኣብ ክልል ኦሮምያ ከምኡ እውን ዶ/ር ካሳ ተሻገር ኣብ ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናይ ዘይምኽሳስ መሰሎም ተላዒሉ፡፡

ሰልስቲኦም ኣባላት ቤት ምኽሪ መሰሎም ቅድሚ ምቕንጣጡ ቅድሚ ኣዋርሕ እዮም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም፡፡