ኣብዪ ኣሕመድ ስልጣኑ ከረክብ ንዝቐረበሉ ሕቶ ዝሃቦ መልሲ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ንፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ነታ ሃገር ከፍርሳ ይጽዕት ኣሎ ዝብል ክሲ "ናይዚ ዓመት ብሉጽ ዋዛ'ዩ" ክብል መሊሱ።

ኣብቲ ሎሚ ሰሉስ ዝተጋብአ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ፡ ኣባላት ባይቶ ንጸጥዊ ዘይምርግጋእ፡ ከምኡ'ውን ቁጠባዊ ጉዳያትን ዝምልከቱ ዓበይቲ ሕቶታት ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቕሪቦም። ንዝተፈላለዩ ካልኦት ሕቶታት'ውን መብርሂ ሂቡ'ሎ።

ኣቶ ጀምበር ኣያልነህ ዝተባህለ ኣባል ባይቶ ኣብ ዘቕረቦ ሕቶ፡ "መንግስቲ፡ ሃገር ከፍርስ'ዩ ብዝብል ብዙሕ ምጥርጣራት ተፈጢሩ'ሎ" ድሕሪ ምባል ብዙሓት ወገናት "ኣብ ውሽጢ'ቲ ብልጽግና ዝመርሖ መንግስቲ ዘለዉ ኣካላት ሓድነት ኣብ ክንዲ ምርግጋጽ፡ ንምምቕቓል ወጢኖም ዝሰርሑ ከምዘለዉን፡ ብልጽግና ሃገርን ህዝብን ክሒዱ" ይብሉ ኣለዉ ክብል ተዛሪቡ።

ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝሃቦ መልሲ "መንግስቲ ሃገር ከፍርስ ይሰርሕ ኣሎ። መንግስቲ ንሓድነት ኢትዮጵያ ዘይኮነ፡ ንከፍርሳ'ዩ ዝሰርሕ ዝብል ሕቶ፡ ከም ሕቶ ክኽበር ዘለዎ ሕቶ'ዩ፡ ግና ናይዚ ዓመት ብሉጽ ዋዛ ጌረ'ዩ ዝወስዶ" ኢሉ።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ነታ ሃገር ኣጋጢሙዋ ዝነበረ ናይ ምፍራስ ሓደጋ ከምዝተገትአ ዝሓበረ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ከፍርሳ ዝኽእል ሓይሊ ከምዘየለ ገሊጹ።

ኣብታ ሃገር ስግኣት ፈጢሩ ዝነበረ ንክልተ ዓመት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ትግራይ ብመሰረት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ምስ ህወሓት ዝተፈረመ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻቦታት ደው ምባሉ ይፍለጥ።

እቲ ስምምዕ "እወታዊ ስጉምቲ'ዩ" ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ካልኦት ዕጡቓት ተቓወምቲ ክዘራረብ ድሉው ምዃኑ'ውን ሓቢሩ'ሎ።

"ኢትዮጵያ ክትፈርስ'ያ ዝብሉ ሰባት፡ ኣብ ኣእምሮኦም ኣነ እንተዘይመራሕኩዋ ፈሪሳ'ያ ንዝብል ሓይሊ ኢትጵያ ፍርስቲ እያ"።

"ሓቢርና ጸገማት ብምፍታሕ፡ ኣማራጺታት እንተ ኣናዲና፡ ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያውያን ኣኺላ ትተርፍ እያ" ክብል ኣብዪ ኣሕመድ ንኣባላት ባይቶ ኣረዲኡ።

ስልጣን ክለቅቕ ፍቓደኛ እንተኾይኑ፡ ዝብል ካብ ክርስትያን ታደለ ዝተባህለ ኣባል ባይቶ ንዝቐረበሉ ሕቶ'ውን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነጺግዎ።

"ስልጣን ልቐቕ ዝብል ጸቡቕ ሕቶ'ኳ እንተኾነ፡ ስልጣን ንልቀቕ እንተዝብሃል'ዩ ዝጸበቐ ዝኸውን" ብምባል፡ እቲ ኣባል ባይቶ'ውን ኣካል መንግስቲ ብምዃኑ ካብ ሓላፍነት ክሃድም ከምዘይክእል መጒቱ።

"ምኽንያቱ፡ መንግስቲ ማለት ፈጻሚ ጥራይ ኣይኮነን። ሓጋጊ ኣካል መንግስቲ'ዩ፡ ተርጓሚ ሕጊ [ፈራዲ ኣካል] መንግስቲ'ዩ፡ ፈጻሚ መንግስቲ'ዩ። ኣብዚ ዘለና ኩላትና ሰበስልጣን መንግስቲ ኢና"።

ብዘይካ'ዚ፡ ስልጣን ብመረጻ ጥራይ ክተሓዝ ከም ዝኽእል ዝገለጸ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ቅድሚ'ቲ ሰለስተ ዓመት ተሪፍዎ ዘሎ ሃገራዊ መረጻ ክወርድ ሓሳብ ከም ዘይብሉ ኣሚቱ።

ብዛዕባ ናህሪ ዋጋታትን ዘስዓቦ ክብሪ መነባብሮን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ድማ፡ 59 ሚእታዊት ባጀት እታ ሃገር ድኽነት ንምጉዳል ዝወጽእ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብታ ሃገር ዘሎ ሕጽረት መግቢ ናይ ቀረብ ጸገም ዝፈጠሮ ዘይኮነስ፡ ሓረስቶት ናህሪ ዋጋታት ንምፍጣር ምህርቶም ይዓቚሩ ስለዘለዉ'ዩ ክብል ከሲሱ። መንግስቲ ንዘካየዶ መጽናዕቲ ብምጥቃስ፡ ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ኣስታት 1000 ኩንታል እኽሊ ከዚኖም ከምዝተረኽቡ ጠቒሱ።

ብዛዕባ ካልኦት ጉዳያትከ እንታይ በለ?

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘሎ ጸጥታዊ ዘይምርግጋእ ብሰላም ንምፍታሕ ምስ ዕጡቕ ጉጅለ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ (OLA) ንምዝርራብ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት ከምዘይሰመረ ኣብዪ ነቲ ባይቶ ገሊጹ።

ብምክትል ፕረዚደንት ናይቲ ክልል ዝምራሕ ናይ ሰላም ኮሚቴ ብምቛም ምስ መራሕቲ ናይቲ ጉጅለ ንምዝርራብ ቅሩብ ምዃኑ'ውን ጠቒሱ።

ምስ ናይ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፡ ጋምቤላ፡ ቅማንትን ኣገውን ዕጡቓት ንምዝርራብ ይሰርሑ ከምዘለዉ'ውን ሓቢሩ።

ብሰንኪ ኣብቲ ክልል ተፈጢሩ ዘሎ ጸጥታዊ ጸገም ብዙሓት ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ሰፊሕ ምፍንቓል ዝርከቦ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ይርከብ።

በቲ ኣብታ ሃገር ተፈጺሙ ዝብሃል ግፍዕታት፡ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ክሕተት ድሉው እንተኾይኑ'ውን ተሓቲቱ ነይሩ።

ተሓታትነት ንምርግጋጽ እቲ ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ መሰጋገሪ ፍትሒ ክህሉ ይጽዕር ምህላዉ ኣብሪሁ'ሎ።

ብዛዕባ ክልል ናይ ምዃን ድሌታት ማሕበረሰባት ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ፡ እንተወሓደ 6 ሚልዮን ህዝቢ ዘይብሉ ክልል ርእሱ ኪኢሉ፡ ኣታዊታቱ ኣኻዕቢቱ ደሞዝ ሰራሕተኛታቱ ክኸፍል ከምዘይክእል ብዝገበርዎ መጽናዕቲ ከምዘረጋገጹ ተዛሪቡ።

ብዘይካ'ዚ፡ ብህወሓት ዝቕለስ ዝነበረ ገዛኢ ውድብ ኢህወደግ ስልጣን ኣብ ዝተረከበሉ እዋን 230 ሽሕ ዝነበረ ቁጽሪ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ 2.6 ሚልዮን በጺሑ ኣሎ ኢሉ።

ዜጋታት ካብ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይኣትዉ መንገዲ ብምዕጻው ከምዝተኸልከሉ'ውን ገለ ኣባላት ባይቶ ካብ ዘልዓልዎም ጉዳያት'ዩ።

"ተዓጽዩ ክብሃል እንከሎ፡ ምንቅስቓስ ደው ዝበለ ከይመስለኩም። ኣብዚ ቀረባ እዋን መጽናዕቲ ኣካይድና ነይርና። ካብቶም ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ላስቲክ ኣንጺፎም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝነብሩ ብዙሓት ሰባት፡ 96 ሚእታዊት ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ኣይኮኑን" ክብል'ዩ ኣብዪ መልሲ ሂቡሉ።

ኣብ ውሽጢ እታ ከተማ ዝተተኽሉ ኬላታትን ፍተሻታትን፡ ዋላ'ኳ ንነበርቲ ጸገማት ዝፈጥሩ እንተኾኑ፡ ብዘለዎም ሓበሬታ መሰረት ክፍጠር ንዝኽእል ግጭት ንምውጋድ ዝዓለመ ምዃኑ'ውን ገሊጹ።

ፈንጂን ገንዘብን ሒዞም ክንቀሳቐሱ ዝተረኽቡ ከምዘለዉ ድማ ሓቢሩ።

"ንጥፍኣት ካብ ሓደ ከተማ ናብ ካልእ ከተማ ምኻድ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ሓደ ክፋል [ከተማ] ናብ ካልእ ክፋል ምንቅስቓስ'ውን ክእገድ'ዩ" ክብል'ውን ኣጠንቂቑ።

ምስ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ዝጸንሐ ዶባዊ ምስሕሓብ ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕን ዶባት ኣብ ባይታ ንምሕንጻጽን ብክልቲአን ሃገራት ይስርሓሉ ምህላዉ ኣተንቢሁ።

ብዛዕባ'ቲ ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ሓይልታት ደቡብ ሱዳን ዶብ ሰጊሮም ናይ ዕደና ቦታ ከምዝተቖጻጸሩ ካብ ኣባላት ባይቶ ዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ እንከሎ ድማ፡ ደቡብ ሱዳን ንካልኦት ሃገራት ናይ ምውራር ዓቕምን ድሌትን የብላን ኢሉ።