ሰልፊ ብልጽግና ኣብታ ሃገር ኣጋጢሞም ዝበሎም 5 ዓበይቲ ብድሆታት እንታይ እዮም?

ገዛኢ ሰልፊ ኢትዮጵያ ብልጽግና፡ ኣብዚ እዋን'ዚ እታ ሃገር ኵለ መዳያዊ ጸገም ስርቂ ኣጋጢምዋ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

እቲ ውድብ ንኽልተ መዓልታት ዘካየዶ ኣኼባ ፈጻሚት ሽማግለ ምስ ዛዘመ፡ ብዓርቢ 8 መጋቢት 2015 [ግእዝ] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኢትዮጵያ ናብ ዓቢይ ምዕራፍ ኣብ እትሰጋገረሉ ድልድል እያ ዘላ" ብምባል ብኣውራኡ ግን ሓሙሽተ ዓበይቲ ብድሆታት ከምዘጋጥምዋ ብዝርዝር ኣመልኪቱ።

ካብ መንጐ እቶም ብድሆታት እቲ ሓደ ስርቂ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኮሚቴ ፈጻሚት ስራሕ ብልጽግና፡ "ኣርባዕተ ሓይልታት ናይ ሓባር ግንባር ፈጢሮም ነቲ ስርቂ ይፍፅሙ ኣለዉ" ክብል ገሊጹ።

እቶም ኣብ ስርቂ ዝተዋፈሩ ከኣ ኣብ መንግስቲ ዘለዉ ሹመኛታት፡ ካብ መንጐ ሰብሃብቲ፡ ኣብ ዙርያ ብሄር ዝተኣከቡን ኣብ ዓውዲ ሚድያ ዘለዉን ምዃኖም ኣረዲኡ።

“እቶም ለያቡ ክተሓዙ ከለዉ ንብሄሮም እናጠቐሱ ህዝቢ ከምዝተተንከፈ እዮም ዘምስሉ” ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ነዚ ድማ መሪሕነት እቲ ሰልፊ፡ ኣባላትን ደገፍትን ቅድሚ ኵሉ ንነብሶም ካብዚ ተግባር ነጻ ብምግባር ነቲ ዝፍፀም ስርቂ ክቃለሱ ጸዊዑ።

ግዕዝይና ብደረጃ ፈደራልን ክልላትን ብሰፊሑ ይርአ ከምዘሎ ብህዝብን ዝተፈላለዩ መራኸቢ ብዙሃንን ክግለጽ ፀኒሑ እዩ።

መንግስቲ ኣብ ትካላት ዝርአ ብልሽውና ንምክልኻልን ተሓታትነት ንምርግጋጽን ብዝብል ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ብላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ዝምራሕ ጕጅለ ጸረ ብልሽውና ኣቝሙ ምንባሩ ይዝከር።

በዚ መሰረት፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ዝርከብዎም ኣብ ብልሽውና ኢድ ኣለዎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ከምዝተታሕዘ ይግለጽ።

እታ ሃገር ኣብ ወሳኒ መድረኽ ከምዘላ ዘመልከተ እቲ ገዛኢ ሰልፊ፡ ብዘይካ ስርቂ ኣጋጢሞም ዝበሎም ኣርባዕተ ብድሆታት ብዝርዝር ኣቕሪቡ።

ካብዚኦም እቲ ኣብዚ እዋን ዝርአ ዘሎ ቀንዲ ፀገም ምኽባር ናብራ ከምዝዀነ ሓቢሩ ኣሎ። ኣብታ ሃገር ምስ ዘጋጠመ ምኽባር ዋጋ ተታሓሒዙ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ከምዝወሰኸ ኣይሓብአን። ነዚ ጸገም ብግዝያውን ንሓዋሩን ንምፍታሕ ከኣ ስጕምትታት ይውሰድ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ ፍርያትን ቀረብን ዘሎ ጸገማት ምሕደራን ኣሰራርሓን ምፍታሕ ከምዝግባእ ከምኡ’ውን በብከባቢኡ ኣብ ዝግበሩ ኬላታት “ዝፍጸም ዘይሕጋዊ እገዳታትን ዝምታን፡ ብሹመኛታትን ብመሰረት ሕግን ክፍታሕ ኣለዎ" ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ “ጸገም ህዝቢ ብምግዳድ ጁባኦም ክመልኡ ዝደልዩ ኣካላት” ስጕምቲ ምውሳድ፣ ኣብ መንጐ ኣፍረይትን ሸመትትን ዘሎ ናይ ቀረብ ሰንሰለት ክነውሕ ኣብ ዝገብሩ ደላሎን ነጋዶን ሕጋዊ ስጕምቲ ክውሰድ ከምዘለዎ እውን ጠቒሱ።

ብሰንኪ ሃገራውን ዓለማውን ኵነታት፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ናብራ ዝኸበረ ኰይኑ ዋጋ መሰረታዊ ሸቐጣት ብኣዝዩ ዝለዓለ መጠን ወሲኹ’ሎ። ሕጽረት ፍርያት ድማ ነቲ ወሰኽ ዋጋ ዝያዳ ኣጋዲድዎ።

ሰልፊ ብልጽግና እታ ሃገር ኣጋጢሞምዋ ካብ ዝበሎም ብድሆታት እቲ ካልእ፡ “ንናጽነት ብግቡእ ዘይምጥቃም” ክብል ኣቐሚጥዎ’ሎ።

ኣብዚ ጉዳይ ብስም ናጽነት "ሕጊ እናጠሓሱ፡ ንመሰል ካልኦት እናገሃሱ፡ ጐንጽን ጽልእን ክጓሃሃር እናገበሩ፡ ብተወሳኺ ድማ ሃገር እናሓመስካ ምንቅስቓስ ገበን እዩ" ብምባል እዚ ተግባራት ተሓታትነት ከምዘስዕብ ኣተሓሳሲቡ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ውሽጢ መንግስትን ሰበስልጣን ብልጽግናን ንሃገራዊ ሓድነት እታ ሃገር ዝፈታተኑ ኵነታት እናወሰኹ ይመጹ ምህላዎም ብምሕባር፡ "ንሓድነት ህዝቢ ካብ ዝሽርሽሩ፡ ጽልእን ጐንጽን ካብ ዘጓሃህሩ ዘረባታትን ተግባራትን ክቑጠቡ ይግባእ” ክብል ኣጠንቂቑ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 4 ዓመታት ብፍላይ ድማ ድሕሪ ምጅማር ኲናት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ተጣበቕቲ መሰላትን ብዝፍጽሞም ተደጋገምቲ ማእሰርቲ፡ ካብ ማሕበረሰብ ዓለምን ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ክስታት ከምዝቐርበሉ ይፍለጥ።

ፈጻሚ ስራሕ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ካልእ ዘቐመጦ ብድሆ፡ እታ ሃገር ካብ ዘሕለፈቶ ከይዲ ብዝብገስ "ታሪኽ ካብ ዘሰከመና ዕዳታት ዝምንጩ እዩ" ክብል ኣመልኪቱ።

እታ ሃገር ብዙሕ ዘኹርዕ ታሪኽ ከምዘለዋ ብምዝኽኻር ድማ፡ "ብኣንጻሩ ኣብ ታሪኽና ዘይፈታሕናዮ፡ ንሕና ዝወሰኽናዮምን ዘይተረዳዳእናሎምን ዕዳታት ኣለዉና" ኢሉ።

እዞም "ታሪኻዊ ዕዳታት" ዝበሎም ከኣ ብምዝርራብ፡ ይቕረታን ዕርቅን ክፍትሑ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ፈጻሚ ስራሕ ሰልፊ ብልጽግና ንኽልተ መዓልቲ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ጉዳያት ብምዝታይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቶም እታ ሃገር ትፍተነሎም ኣላ ዝበሎም ብድሆታት ንምፍታሕ ክውሰዱ ዝግበኦም ስጕምትታት ብዝርዝር ኣየመልከተን።