እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብድርቂ ዝተሃሰዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ኣየኖት እዮም?
ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንተኸታተልቲ ሓሙሽተ ወቕቲታት፡ ዝናብ ብምጥፍኡ ኣብ 40 ዓመታት ዘይተርኣየ ድርቂ ኣጋጢሙ ኣሎ።
ብሰንኪ’ዚ ልዕሊ 36 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ኰይኖም ኣለዉ። ልዕሊ 2 ሚልዮን ሰባት እውን ህይወቶም ንምትራፍ ከምዝተሰደዱ ትካል ስደተኛታት ዓለም (ኣይ ኦ ኤም) ኣፍሊጡ።
ካብቶም ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝደልዩ ሰባት እቶም 24 ሚልዮን ከምኡ’ውን ካብቶም ብሰንኪ ድርቂ ዝተፈናቐሉ ድማ ልዕሊ 500 ሽሕ፡ ዜጋታት ኢትዮጵያ ምዃኖም እቲ ትካል ይገልጽ።
ኣብታ ሃገር ዘለዉ ተፈናቐልቲ ግን ልዕሊ 2.7 ሚልዮን ከምዝዀኑ እዩ እቲ ትካል ዝሕብር። ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ዩኤንኤችሲኣር) ብወገኑ ግጭት፡ ድርቂ፡ ምኽባር ናብራን ምውሳኽ ዋጋ ምግብን ቀንዲ ምኽንያታት ምፍንቓል እቶም ዜጋታት ከምዝዀኑ ይጠቅስ።
እቲ ሕጽረት ዝናብ ኣብ ክልላት ኦሮምያ፡ ደቡብን ሶማልን ኣብ ዓሰርተታት ዓመታት ዘይተራእየ ድርቂ ኣስዒቡ እዩ።
ኣብዚ ቕንያት ድማ፡ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ)፡ ብሰንኪ ጐንጽን ክሊማዊ ለውጥን ተጸበይቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዝዀኑ ኢትዮጵያውያን ንምሕጋዝ ኣርባዕተ ቢልዮን ዶላር ከምዘድልዮ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
ንምዃኑ ኣብ ኣየኖት ከባቢታት ኢትዮጵያ እዩ ድርቂ ኣጋጢሙ ዘሎ?
ቦረና
ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ቦረና ድርቂ ከምዘጋጠመ ብዝተፈላለዩ መራኸቢ ብዙሃን ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ዞባ ቦረና፡ ወረዳ ተልተሌ፡ ኣመሓዳሪ ቀበሌ ዲቤ ጋያ፡ ኣቶ ኤንጌ ዋርዮ፡ ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ ሕጽረት ምግቢ፡ ሰባት ከምዝሞቱ ንቢቢሲ ገሊጹ።
እቲ ኣመሓዳሪ ከምዝሓበሮ፡ ምስ ሕጽረት ምግቢ ብዝተሓሓዝ ህይወቶም ካብ መንጐ ዝሰኣኑ፡ ወዲ 2 ወርሒ ዕሸል ይርከቦም።
ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ኵለን ወረዳታት ብተመሳሳሊ ደረጃ በቲ ድርቂ ከምዝተጠቕዓ እዩ ዝግለጽ።
ብዙሓት ኣርባሕቲ እንስሳ፡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ከብቲ ሞይቶሞም ጥርሖም ተሪፎም እዮም።
ኣብቲ ዞባ ኣስታት 867 ሽሕ ሰባት ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮም፡ ዝተገበረ ዳህሳስ የመልክት።
ሓላፊ ምክልኻል ሓደጋን ውሕስና ምግብን ዞባ ቦረና ኣቶ ሊበን ስራን፡ “ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት ክሳብ ሕጂ ሓገዝ ኣይበጽሖምን። እዚ ድማ እዅል ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ስለዘየሎ እዩ” ኢሉ።
ክልል ሶማል
ኣብ ክልል ሶማል ብፍላይ ዞባታት ዳዋ፡ ኣፍዴራን ሊበንን ብተመሳሳሊ ድርቂ ኣጋጢሙ ኣሎ።
ኣብ ዞባ ዳዋ ኣብ ዝተደኰኑ 92 መዕቈቢታት፡ ልዕሊ 52 ሽሕ ተፈናቐልቲ ሰፊሮም ከምዘለዉ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ክልል ኣቶ ዓብዱልቓድር ረሺድ ገሊጹ።
ኣብ ዞባታት ኣፍዴራን ሊበንን ግን ሰባት ምፍንቓል ስለዘይጀመሩ፡ ናብ ዘለዉዎ ሓገዝ ይቐርበሎም ከምዘሎ እቲ ሓላፊ ሓቢሩ።
“ኣብ ዞባ ዳዋ ጥራሕ፡ ግመል፡ ከብትን ኣጣልን ሓዊሱ ልዕሊ 334 ሽሕ እንስሳታት ሞይተን እየን። ልዕሊ 420 ሽሕ እንስሳ ድማ ናብ ሞት ተቐሪበን ኣለዋ” ዝበለ እቲ ሓላፊ፡ ካብ ዳዋ ወጻኢ ኣብ ዘለዉ ዞባታት ግን ሞት እንስሳት ከም ዘይጀመረ ገሊጹ።
ብሰንኪ ኣቀማምጣን ኵነታት ኣየርን ኣብ ክልል ሶማል ሕጽረት ማይ ስለዘሎ፡ ዝናብ ኣብ ዝጠፍኣሉ ቀዲመን ዝጕድኣ እንስሳት ከምዝዀና ዝገልጽ ኣቶ ዓብዱልቓድር፡ ኣብቶም ድርቂ ዘጋጠሞም ሰለስተ ዞባታት እቲ ክልል ቀለብ እንስሳት ኣባጺሕና ኢሉ።
ምብራቕ ሃረርጌ
ኣብ ምብራቕ ሃረርጌ ዘጋጠመ ድርቂ ኣብ ዘሻቕል ኵነታት ከምዝበጽሐ፡ ኣሃዱ ራድዮን ቴሌቪዥንን ኣብ ቀረባ እዋን ጸብጺቡ።
ትካል ህጻናት ኣድሕን ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ናይ ማይ፡ ጥዕናን ካልኦት ኣገልግሎታትን ብቕልጡፍ ከምዘድልዩ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ኣብቲ ትካል ሓላፊ ዞባዊ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ሚድያ ዓብዱረዛቕ ኣሕመድ፡ “እቲ ዘጋጠመ ድርቂ ከቢድ ጸገም የስዕብ ስለዘሎ፡ ኣብ 35 ወረዳታት ሓገዝ ንምግባር ዝተፈላለዩ ስርሓት ይስርሑ ኣለዉ” ኢሉ።
ኣብቲ ከባቢ ብሰንኪ ድርቂ ልዕሊ 2 ሚልዮን እንስሳት ከምዝሞታ ተገሊጹ እዩ።
እቲ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ሰብን እንስሳትን ጕድኣት የውርድ ከምዘሎ ዝገለጸ እቲ ሓላፊ፡ ዛጊት ብሰንኪ’ዚ ዝሞተ ሰብ ብዛዕባ ምህላዉ ሓበሬታ ከም ዘይበጽሖ ገሊጹ።
ደቡብ ኦሞ
ኣብ ክልል ብሄር ብሄረ ሰባትን ክልላትን ደቡብ፡ ዞባ ኦሞ፡ ልዕሊ 14 ሽሕ ከብቲ ክሞታ እንከለዋ፡ ልዕሊ 337 ሽሕ ህዝቢ ንሕጽረት ምግቢ ተቓሊዑ።
ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝርከባ ሽዱሽተ ወረዳታት ብድርቂ ካብ ዝሞታ ከብቲ ብተወሳኺ፡ ልዕሊ 2.3 ሚልዮን እንስሳታት ተሃስየን ኣለዋ። ክንቀሳቐሳ ብዘይ ምኽኣለን ድማ ናብ ዘለዋሉ፡ ቀለብ ይቐርበለን ከምዘሎ፡ ሓላፊ ምክልኻል ሓደጋን ውሕስነት ምግብን እቲ ዞባ ኣቶ ዱራ የራ ኣፍሊጡ።
ኣብ ደቡብ ኦሞ ካብ ዝርከባ 13 ወረዳታት፡ ኣብ ወረዳታት ማሌ፡ በና ጸማይ፡ ሓመር፡ ዳሰነች፡ ኛንጋቶምን ስላማጐን፡ “ከቢድ ጸገም ኣጋጢሙ” ኢሉ።
ን ወረዳታት በና ጸማይ፡ ኣሌን ሃመርን ምንጪ ማይ ዝነበረ ሩባ ወይጦ ብምንቃጹ ድማ፡ ኣብተን ወረዳታት ከቢድ ሕጽረት ማይ ኣስዒቡ እዩ።
ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ ድርቂ ዝሞተ ሰብ ብዛዕባ ምህላዉ ጸብጻብ ከምዘይበጽሖም እዩ ኣቶ ዱራ ዝገልጽ።
“ዝናብ ኣይዘንብን ዘሎ፤ ከብቶም ይሞታ ኣለዋ። ሰብ ናብ ናይ ሕርሻ ስርሓቱ ኣይኣትውን ዘሎ።” ብምባል ድማ ንዝተጸገሙ ሰባት ሓገዝ ከምዘድሊ ተዛሪቡ።
ወረዳታት ዞባ ጐፋ
ኣብተን ብምህርቲ ዝፍለጣ ዝነበራ ወረዳታት ዞባ ጐፋ፡ ዛላ፡ ኡባ ደብረ ጸሓይን ደንባ ጐፋን ይትረፍ ብብዝሒ ከፍርያ፡ ዕለታዊ ምግቢ ንምርካብ ናይ ዝተጸገሙ ዜጋታት ቍጽሪ ልዑል ከምዝዀነ ተገሊጹ’ሎ።
ኣብ ወረዳ ዛላ ካብ ዝርከባ 15 ቀበሌታት፡ ናይተን ልዕሊ ፍርቂ ነበርቲ፡ ዝቐመስ የብሎምን።
ሪፖርተር ንምክትል ኣመሓዳሪ ዞባ ጐፋ ኣቶ ኣብርሃም ዞራ ጠቒሱ ከምዝጸብጸቦ፡ ኣብተን ወረዳታት ኣብ ዝርከባ ቀበሌታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ኣዝመራ ወቕቲ ልዕሊ 233 ሽሕ ስድራቤታት ህጹጽ ሓገዝ ይጠልቡ ነይሮም።
ካብ ለካቲት ክሳብ 30 ግንቦት 2014 [ግእዝ]፡ ኣብቲ ዞባ ንዝኸፍአ ጉድኣት ንዝተቓልዑ 169 ሽሕ ቤተሰባት ሓገዝ ከምዝገበረ እቲ ምኽትል ኣመሓዳሪ ገሊጹ።
ካብ ሰነ 2014 ዓ/ም ክሳብ ጥቅምቲ 2015 ዓ/ም ኣብተን ወረዳታት ከቢድ ሕጽረት ዝናብ ከምዘጋጠመ ዝገልጽ ኣቶ ኣብርሃም፡ ኣብ ወረዳ ዛላ ኣብ ዝርከቡ 15 ቀበሌታትን ኣብ ኡባ ደብረ ጸሃይ ዝርከባ 5 ቀበሌታት ዘራእቲ ምሉእ ብምሉእ ከምዝጠፍአ ሓቢሩ።
ኣብቲ ዞባ ኣብ እዋን ቀውዒ ልዕሊ 74 ሽሕ ሄክታር ብዝራእቲ ዝተሸፈነ ኰይኑ፡ 54 ሚእታዊት ከምዝዓነወ ገሊጹ።
በዚ ምኽንያት ኣብቲ ዞባ፡ ልዕሊ 155 ሽሕ ሰባት ተጸበይቲ መዓልታዊ ምግቢ ኰይኖም።
ሓላፊ ክፍሊ ጥዕና እቲ ዞባ ኣቶ ማርቆስ ማኖቴ፡ ኣብ ወረዳ ዛላ ልዕሊ 4 ሽሕ ህጻናት፡ ሕክምና ሕጽረት ምግቢ ይረኽቡ ኣለዉ ኢሉ።
ካብዚ ብተወሳኺ ልዕሊ 3 ሽሕ ዘጥብዋን ነፍሰ ጾራት ኣደታትን፡ ናብ ሕክምና ከምዝኣተዋ ተዛሪቡ።
ግብረ መልሲ መንግስቲ እንታይ ይመስል?
መንግስቲ ብድርቅን ሰብ ሰርሖ ምኽንያታትን ንዝተጐድኡ ልዕሊ 21 ሚልዮን ሰባት ሓገዝ የቕርብ ኣለኹ ኢሉ ኣሎ።
ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ሓበሬታ ዝሃበ ዳይረክተር ርክብ ህዝቢ ሃገራዊ ኮምሽን ኣመራርሓ ስራሕ ሓደጋ ስግኣት ኣቶ ደበበ ዘውደ፡ እቲ ቍጽሪ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ሓገዝ ዝግበረሎም ዘሎ ኣስታት 8.3 ሚልዮን ሰባት ከምዘጠቓልል ኣፍሊጡ።
ብተፈጥሮኣውን ሰብ ሰርሖን ሓደጋታት ዝተጐድኡ ዜጋታት ንምሕጋዝ መንግስቲ፡ ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ዘይ መንግስታዊ ትካላትን ይሳተፉ ከምዘለዉ እቲ ሓላፊ ኣፍሊጡ።
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ናብ ቦረና ልዕሊ 204 ሽሕ ኵንታል ከምዝቐረበ ዝገለጸ ኣቶ ደበበ፡ ንሓደጋ ንዝተቓልዑ፡ ህጻናት፡ ነፍሰ ጾራትን መጥበውትን ዝሕግዝ 10 ኩንታል መኣዛዊ ምግቢ ናብ ኵለን ወረዳታት ከምዝተባጽሐ ተዛሪቡ።
ቢቢሲ ካብ ሃገራዊ ኮምሽን ኣመራርሓ ስራሕ ሓደጋ ስግኣት መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።