ድርቅን ሙቐትን 2022 ስለምንታይ'ዩ ኣሰካፊ ኰይኑ?

ዓለም ኣብዚ ዓመት’ዚ ካብቶም ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ዘጋጠሙ ሓደጋታት ድርቂ ዝበኣሰ የጋጥማ ኣሎ።

ኣብ ገለ ድማ ኣዝዩ ዝለዓለ ኰይኑ ይምዝገብ ከምዘሎ ተመራመርቲ የጠንቍቑ። ብቕልጡፍ ዝጅምር "በርቃዊ" ድርቂ'ውን ብብዝሒ ይርአ ኣሎ።

“እዚ ዓመት ነቲ ንሰሜን ኣሜሪካ፡ ኤውሮጳ፡ ማእከላይ ባሕርን ቻይናን ብማዕረ ዝጸሉ ዘሎ ዝለዓለ ወይ ኣዝዩ ዝለዓለ ውዑይ ድርቂ ሓዊሱ፡ ኣብ መላእ ሰሜናዊ ንፍቀ-ክቢ (‘ሄሚስፈር’) ኣዝዩ ዝጐልሐ ድርቂ ዝተረኣየሉ ዓመት'ዩ" ይብል ላዕለዋይ ሳይንቲስት ናሳን ተመራማሪ ድርቅን ቤንጃሚን ኩክ።

ብፍላይ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ደቡብ ኣሜሪካን ሓያሎ ዞባታት ኤስያን ገለ ክፋላት ኣውስትራልያን ሓዊሱ ካልኦት ዞባታት’ውን ብኸቢድ ከምዝተሃስየ ክኢላታት ይገልጹ።

ካብቶም ኣዝዮም ዝተሃስዩ እቲ ኣብ ኣርባዕተ ተኸታተልቲ ወቕትታት ዝናብ ዋሕዲ ማይ ዘጋጠመሉ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኰይኑ፡ ወሃቢ ቓል በይነ-መንግስታዊ ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ (ኢጋድ) ኑር መሓመድ ሸኽ፡ "ኣብ ውሽጢ 40 ዓመታት እቲ ዝኸፍአ ድርቂ" ክብል ይገልጾ።

እዚ ድማ ኣብ ውሕስነት መግቢ ኣስታት 50 ሚልዮን ሰባት ጽልዋ የሕድር ከምዘሎ ይዛረብ።

ኣፍሪቃ ካብ ዝዀነት ኣህጕር ንላዕሊ ብተደጋጋሚ ብድርቂ ከምዝተሃሰየት፡ ውዕል ምክልኻል ምድረበዳነት ሕቡራት ሃገራት ዘውጽኦ ጸብጻብ የመልክት።

ኣብ መንጎ ካብ 2000 ክሳብ 2019 ዝነበረ ዓመታት ኣብታ ኣህጉር ካብ ዘጋጠሙ 134 ሓደጋታት ድርቂ፡ እቶም 70 ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከምዝተኸሰቱ ይሕብር።

ቻይና እውን ብርቱዕ ሙቐት ነቲ ኣብ ዓለም ሳልሳይ ዝነውሐ ሩባ ያንግዘ ሓዊሱ፡ ንገለ ሩባታታ ከም ዝደርቁ ብምግባሩ፡ ኣብዚ ዓመት ህጹጽ እዋን ሓደጋ ድርቂ ኣዊጃ ኣላ።

ኣብ ግዝኣት ሲቹዋን ዝርከብ ማያዊ መመንጨዊ ጸዓት ናይ ምፍራይ ዓቕሙ ብዝለዓለ መጠን ምንካዩ፡ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክቈራረጽ ምኽንያት ኰይኑ’ሎ።

ኣብ ገለ መስመራት ማይ ድማ ምንቅስቓስ መራኽብ ከምዝተቛረጸን ኣብ ሽዱሽተ ኣውራጃታት ዝርከብ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሄክታር ሕርሻዊ መሬት ከምዝተሃስየን ሰበስልጣን ይገልጹ።

ኣብ ምዕራብ ኤውሮጳ ክብረወሰን ትሑት መጠን ዝናብ ከም ዝተሰብረ፡ ኣገልግሎት ምክትታል ሃዋህው ኮፐርኒከስ ክገልጽ እንከሎ፡ ከም ኣፍጋኒስታንን ኢራንን ዝኣመሰላ ሃገራት ማእከላይ ኤስያ ድማ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ከቢድ ኵነታት ድርቂ ከጋጥመን ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ደቡባዊ ንፍቀ-ክቢ ድማ ደቡብ ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብኸቢድ ተሃስያ።

ኵነታት ድርቂ፡ ካብ 2020 ክሳብ 2021 ኣብ ዝነበረ እዋን ንናይ እኽሊ እቶት ብኣስታት 3 ሚእታዊት ክንኪ ክገብር እንከሎ፡ ማእከላይ ቺለ ድማ ን13 ዓመታት "ኣዝዩ ሕሱም-ድርቂ" ክትጻወር ጸኒሓ። እዚ ድማ ኣብቲ ዞባ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሽሕ ዓመት ካብ ዘጋጠመ ደርቂ እቲ ዝነውሐ ምዃኑ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

"ብተወሳኺ፡ ኣብ ተፋሰስ ፓራና-ላ ፕላታ ንብዙሕ ዓመታት ዘጋጠመ ድርቂ፡ ድሕሪ 1944 ዝኸፍአ ኰይኑ፡ ንማእከላይ-ደቡባዊ ብራዚልን ንገለ ክፋል ፓራጓይን ቦሊቭያን ይጸልዩ ኣሎ" ይብል እቲ ጸብጻብ።

በርቃዊ ድርቂ

ኣብ ሕሉፍ እዋናት፡ ድርቂ ንኽምዕብል ብተለምዶ ሓያሎ ወቕትታት ወይ ዓመታት ዝወስድ'ኳ እንተነበረ፡ ሎሚ ግን ኣብ ብዙሕ ቦታታት እዚ ይቕየር ከምዘሎ ተመራመርቲ ይዛረቡ።

ትሑት ዝናብን ብርቱዕ ሙቐትን ተደሚሮም ኣብዚ ሓጋይ ኣብ ገለ ከባቢታት ሰሜናዊ ንፍቀ-ክቢ ከም ዝተራእየ ዓይነት ቅልጡፍ ምጅማር ድርቂ የስዕብ ኣሎ።

"እቲ ሕጂ ንርእዮ ዘለና 'በርቃዊ’ ድርቂ እንብሎ'ዩ" ይብል ኣብ ሃገራዊ ምምሕዳር ውቅያኖሳትን ህዋን ኣሜሪካ ላዕለዋይ ሳይንቲስት ሮጀር ፑልዋርቲ።

ንሱ ወሲኹ፡ "እዚኦም [በርቃዊ ዓይነታት ድርቂ] ካብ ሓደ ክሳብ ሰለስተ ወርሒ ጥራይ ክጸንሑ ይኽእሉ እዮም፤ ግን ኣብቲ ኣእካል ዝበዝሑሉ ወቕቲ እንተ ኣጋጢሞም፡ ወይ ሓደጋታት ባርዕ በረኻ እንተተኸሲቶም ውጽኢቱ ኣዝዩ ኣዕናዊ ይኸውን" ክብል የረድእ።

እቶም ንበርቃዊ (ብቕልጡፍ ዝኽሰት) ድርቂ ዝቃልዑ ውዑያት ቦታታት ኣብ ብራዚል፡ ሳሕል፡ ዓቢ ሪፍት ቫሊ፡ ህንዲ፡ ማእከላይ ኣሜሪካ፡ ደቡባዊ ምዕራብ ሩስያን ሰሜናዊ ምብራቕ ቻይናን ከምዝርከቡ እቲ ተመራማሪ ይዛረብ።

ክዛዘም ኣርባዕተ ኣዋርሕ ተሪፍዎ ዘሎ ዓመተ 2022፡ ካብቲ ኣብ 2012 ዝተመዝገበን ኣብ ናይ ቀረባ ታሪኽ ዝሓሰመ ዝበሃልን “ዝኸፍአ ክኸውን እዩ” ምባል ኣዝዩ ገና ከምዝኾነ ተመራመርቲ ይሕብሩ።

ብዛዕባ መጻኢ ክንሓስብ ከለና ግን ዘተሓሳስብ እዩ ዝኸውን።

ተመራመርቲ ክሊማ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም፡ ምውሳኽ ሙቐት ዓለም፡ ብሰንኪ ምንካይ ዝናብ ከምኡ’ውን ምንካይ ኣየርን ጠሊ ሓመድን፡ ኣብ ተቓላዕቲ ዞባታት ዘጋጥም ሓደጋ ድርቂ ከም ዝውስኽ ከጠንቅቝ ጸኒሖም’ዮም።

ድርቂ ዝያዳ ከቢድ ከምዝኸውን ከምኡ’ውን ብቐጻሊ ከጋጥም ከምዝኽእል ትጽቢት ኣለዎም።

መጠነ-ሙቐት ዓለም ከምቲ ዝግመት ኣብ 2100 እንተደኣ 3C በጺሑ፡ ሕጂ ዘሎ ደረጃታት ልቀት ጋዝ ብዓቢኡ እንተዘይነክዩ፡ ምንካይ ፍርያት ኣእካልን ካልእ ቍጠባዊ ሳዕቤናት ድርቅን ካብቲ ሎሚ ዘለዎ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ክዛይድ ከምዝኽእል ጸብጻባት የመልክቱ።

ተመራማሪ ናሳ ቤንጃሚን ኩክ፡ "ናብ ዝለዓለ ዝወዓየ ኣየር ዝህልዎ መጻኢ ንሰጋገር ስለዘለና ክንዳሎ ይግባእ፡" ክብል የጠንቅቕ።