እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ 22 ሚልዮን ሰባት ሓደጋ ጥምየት ኣንጸላልይዎም- ሕቡራት ሃገራት
ገለ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ደቡባዊ ኬንያ ከምዚ ዝበለ ድርቂ ኣጓኒፍዎም ከምዘይፈልጥ ገሊጾም።
ሕቡራት ሃገራት ብግዲኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣስታት 22 ሚልዮን ሰባት ሓደጋ ጥምየት ኣንጸላልይዎም ከምዝርከብ ኣፍሊጡ።
እዚ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ቁጽሪ እንትነጻጸር ናይ ትሸዓተ ሚልዮን ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ።
ንተኸታታሊ ኣርባዕተ ወቕቲ ዝናብ ብዘይምዝናቡ ምኽንያት ኣብ ኬንያ፣ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝርከቡ ኣስታት 22 ሚልዮን ሰባት ናብ ድርኩኺት ጥምየት ከምዘእተዎም ፕሮግራም መግቢ ዓለም ገሊጹ።
ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ኣለሻ መግብን ማይን ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ተፈሊጡ’ሎ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ብወገኑ ኣብቲ ዞባ ኣስካሕኻሒ ዓጸቦ ቅድሚ ምኽሳቱ ማሕበረሰብ ዓለም ተግባራዊ ስራሕ ክዓምም ኣለዎ ኢሉ።
ነቲ ስግኣት ንምቕንጣጥ ተባሂሉ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ተሓቲቱ ዝነበረ መጠን ባጀት ብሰንኪ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ክሰምር ኣይከኣለን።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ንኣብ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዘሎ ስራሕቲ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝውዕል 30 ሽሕ ቶን ስርናይ ካብ ዩክረይን ከምዝዓደገን ቀጻሊ ሰሙን ኣብ ወደብ ጁቡቲ ከምዝበጽሕን ኣፍሊጡ።
ኣብ ኢትዮጵያ ወሃቢት ቃል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ክለይር ነቪሌ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቲ ካብ ዩክረይን ዝተዓደገ ስርናይ ብሰንኪ ኵናትን ድርቅን ንሕጽረት መግቢ ንዝተሳጥሑ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ንምሕጋዝ ከምዘኽእሎ ተዛሪባ።
እቲ ረድኤት ንኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ብሰንኪ ኵናት ንዝተሃሰዩ 3.4 ሚልዮን መግባዊ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ከምዝዕደል እታ ወሃቢት ቃል ወሲኻ ገሊጻ።
ኣብ ክልል ምብራቓዊ ሶማል ብሰንኪ ብተኸታታሊ ዘቋረጸ ዝናብ ብድርቂ ንዝተሃሰዩ 2.4 ሚልዮን ሰባት ሓገዝ ክግበረሎም ትጽቢት ይግበር።