እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ 4 ቢልዮን ዶላር ከምዘድሊ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ
ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ)፡ ብሰንኪ ጐንጽን ክሊማዊ ለውጥን፡ ተጸበይቲ ሰብኣዊ ረድኤት ንዝዀኑ ኢትዮጵያውን ንምሕጋዝ፡ ኣስታት 4 ቢልዮን ዶላር የድልየኒ ኢሉ።
ኣብ 2022 ሚልዮናት ኢትዮጵያውያን፡ ብሰንኪ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ጐንጽን፡ ተጸበይቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ኰይኖም ከምዘለዉ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣፍሊጡ።
ኦቻ፡ ‘ትልሚ ሰብኣዊ ረድኤት ኢትዮጵያ’ ኢሉ ኣብ ዝዘርግሖ ናይዚ ዓመት መደቡ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ንዝርከቡ ኣስታት 20 ሚልዮን ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ 3.99 ቢልዮን ዶላር ከምዘድልዮ ሓቢሩ።
ካብቶም ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጠልቡ ዜጋታት እቶም 4.6 ሚልዮን ተፈናቐልቲ ውሽጢ ዓዲ ከምዝዀኑ እቲ ጽብጻብ የመልክት።
ንሓደጋታት ክሊማዊ ለውጢ ካብ ዝተቓለዓ ቀንዲ ሃገራት እትጥቀት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ገለ ክፋላት እታ ሃገር ንተኸታተልቲ ሓሙሽተ ወቕቲታት ዝናብ ብዘይምዝናቡ ከቢድ ድርቂ ከምዘጋጠመ እቲ ትካል ኣፍሊጡ።
‘ትልሚ ሰብኣዊ ሓገዝ ኢትዮጵያ’፡ ኣብቶም ድርቂ ዘጋጠሞም ከባቢታት ቍጽሪ ተሓገዝቲ 13 ሚልዮን ከምዝግመት ጠቒሱ ኣሎ።
እቲ ድርቂ ኣብ ምብራቓውን ደቡባውን ክፋል እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኣርባሕትን ከፊል ኣርባሕትን ከብትን፡ ሕጽረት መግብን ቀረብ ማይን ካብ ምስዓቡ ብተወሳኺ፡ ስግኣት ለበዳ ተላገብቲ ሕማማት ከምዝወሰኸ ተገሊጹ።
ኦቻ፡ ብፍላይ ኣብ ክልል ኦሮምያ ጐንጺ ኣብ መስርሕ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዕንቅፋት ይፈጥርን ሰባት ክፈናቐሉ ምኽንያት ይኸውንን ኣሎ ኢሉ።
እቲ ትካል፡ ኣብዚ ዓመት ስርሓት ምድሓን ህይወት ምስላጥ፡ ድሕነቱ ዝሓለወን ንዅሉ ዝሓቍፍን መሰረታዊ ኣገልግሎት ምቕራብ ከምኡ እውን ጉድኣት ዝወረዶም ማሕበረሰባት ክጣየሱን ጸገማት ዝጻወሩሉ ዓቕሚ ምፍጣርን ዓሊሙ ከምዝሰርሕ ገሊጹ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጠለብ ሰብኣዊ ሓገዝ ልዑል ምዃኑ ዝሓበረ ትካል ምውህሃድ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት፡ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ጐንጽን ምስ ድኹም ማሕበራዊ ኣገልግሎት እታ ሃገር ተደሚሮም እቲ ጸገም ሓደገኛ ክኸውን ገይሮም ኢሉ።