ቈልዓ ክልተ ዓመት ብጥምየት ክመውት ምርኣይ

ዓብዲዋሊ ዓብዲ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ሆስፒታል ሶማል ንኽልተ መዓልቲ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ገለ ዓይነት ሕውየት ዘርኢ ዘሎ ይመስል።

እቲ ወዲ ክልተ ዓመት ቈልዓ 4.6 ኪሎ ግራም ጥራይ ክብደት’ዩ ዝምዘን -እዚ ኸኣ ካብ ክብደት ሓደ ጥዕናኡ ዝተሓለወ ሓድሽ ውላድ ዕሸል ዘይዛይድ’ዩ።

ንሱ ሕጂ ድምጺ ናይ ምውጻእ ዓቕሚ ስለ ዘጥረየ፡ ኣደኡ ሃዋ ኣብ ጐድኑ ኣብ ዓራት ኰፍ ኢላ፡ ንጓል ክልተ ወርሒ ጓላ ጡብ እናጥበወት ናብቲ ግዝያዊ መዓስከሮም ንምምላስ ትትስፎ።

"ዘተባብዕ'ዩ" ትብል ላዕለወይቲ ነርስን ኣመሓዳሪትን ፋጡማ መሓመድ።

ኣብቲ 17 ዓራውቲ ዘለዎ ክፍሊ ሕክምና፡ 17 ብሕጽረት መግብን ካልኦት ሕማማትን ዝተጠቕዑ ዕሸላት ኣለው።

ሶማልያ፡ ድሕሪ 40 ዓመታት ዝኸፍአ ደርቂ ኣጋጢምዋ ይርከብ።

ጓል 22 ዓመት ሃዋ፡ ንወዳ ብቐረባ እናጠመተት፡ "ንምገቦ መግቢ የብልናን፤ ጐረባብትና ግን ክሕግዙና ጸኒሖም'ዮም" ትብል።

ኣብ መወዳእታ፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ክረኽቡ ቅድሚ ምምጽኦም፡ እቲ ቈልዓ ረስንን ተምላስን ተወሲኽዎ ንሰሙናት እናደኸመ መጺኡ።

እቲ፡ ኣብ ዶብ ሰሜን-ምዕራብ ሶማልያ ኣብ እትርከብ ከተማ ዶሎው ዘሎ ሆስፒታል ንዓመታት ከም ኣብዲዋሊ ዝበሉ ህጻናት ክናቢ ጸኒሑ’ዩ።

እዚ ብመንግስቲ ብሪጣንያን ካልኦትን ዝምወል ትካል፡ ኣብ ከተማ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብቶም ዕጡቕ እስላማዊ ጕጅለ ኣልሸባብ ዝተቘጻጸሮም ብዙሓት ዓድታት መሰረታዊ ሕክምናዊ ደገፍ ዝህቡ መርበብ ሰራሕተኛታት ጥዕና ሃኒጹ ኣሎ።

ሕጂ ግን፡ ኣብታ ሃገር ሓምሻይ ወቕቲ ዝናብ ስለ ዝፈሸለ፡ ዶሎው ብሓደስቲ ተመዛበልቲ መሊኡ ኣሎ።

ከም ስድራ ዓብዲዋሊ ዝበሉ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ከብቶም ዝሞታኦምን ግራቶም ዝደረቘምን ስድራቤታት መግብን ድሕነትን ክረኽቡ ተስፋ ብምግባር፡ ስሩዕ ኣብ ዘይኰኑ መዕቈቢ ቦታታት ተኣኪቦም ኣለው።

“ብዛዕባ ህይወት ዓሰርታት ኣሽሓት ኢና ንዛረብ ዘለና፤ ሰባት ይሞቱ ኣለው። ንዕኦም ንምሕጋዝ’ውን እኹል ቀረባት የብልናን” ክብል ሰራሕተኛ ኖርወጃዊ ካውንስል ስደተኛታት ዓብዱልቓድር መሓመድ ተዛሪቡ።

ኣብቲ ሆስፒታል፡ ኣስታት 100 ደቂ ኣንስትዮ ብሕጽረት መግቢ ንዝተጠቕዑ ዕሸላት እናጠበዋ፡ ክብደቶም ክምዘኑን ክግምገሙን ይጽበያ ነበራ።

"ብሓቂ ሕማቕ ክኸውን’ዩ። ነገራት ክጋደዱ’ዮም ዝብል ትጽቢት’ዩ ዘለና፤ ኣብ ቀረባ እዋን ዓጸቦ ክእወጅ ንጽበ ኣለና" ትብል ንሓደ ኣየርላንዳዊ ትካል ግብረ ሰናይ ትሮኬር ወኪላ ንመደብ ኣመጋግባ ናይቲ ሆስፒታል እተካይድ ፓሜላ ዋሶንጋ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ኣብ ሶማል 6.7 ሚልዮን ሰባት ሓገዝ መግቢ ከምዘድልዮም የጠንቅቕ ኣሎ። እዚ ክኣ ኣስታት 40% ካብ ህዝቢ እታ ሃገር’ዩ።

ኣብ ሓደ ለይቲ ኵነታት ዓብዲዋሊ ሃደሽደሽ ኢሉ።

ንጽባሒቱ ንግሆ ሰዓት 9፡00፡ ሙቐቱ ሰብነቱ ጐዲሉ፣ ክልተ ሶማላውያን ሓካይም ድማ ብቕልጡፍ ብፎይል ብዝተሰርሐ መሞቒ ኰቦርታ ጠቕሊሎምዎ።

ክልተ ዓራታት ርሒቓ ዘላ ሓንቲ ጓል 18 ወርሒ ዕሸል’ውን ተመሳሳሊ፡ ህጹጽ ሕክምና ትረክብ ነይራ።

"ብሓቂ ስክፍታ ኣሎና። እዞም ህጻናት ሙቐቶም ክቈጻጸርዎ ኣይክኣሉን። ነዚ ድማ፡ ኣብዞም ማእከላት መዝሓሊ ሙቐት ፈጺምና ኣይንጥቀምን። እቲ ህጻን እንተሞይቍ፡ ናይ ምድሓን ዕድሉ ዝለዓለ'ዩ" ትብል ነርስ ፋጥማ መሓመድ።

እቲ ንዕኡ ዝከታተሎ ዘሎ ዶክተር፡ ነቲ ዝማሰነ ቅልጽም ዓብዲዋሊ ሒዙ ሙቐት ሰብነቱ ይዕቅን።

ኣብዚ እዋን እዚ ወዲ 28 ዓመት ኣቦ እዚ ህጻን፡ ናብቲ ሆስፒታል መጺኡ። በቲ ኵነታት ሰንቢዱ ክኣ ኣብ ዙርያ እቲ ዓራት ካብን ናብን ይንቀሳቐስ ነበረ።

ቅድሚ እዚ ሓድሽ ድርቂ፡ እታ ስድራቤት ምሉእ ብምሉእ ጽቡቕ ህይወት ነይርዋ።

እቶም ሰብ ሓዳር፡ ኣብ ጥቓ ከተማ ድሄረ - ካብ ዶሎው ንደቡብ 200 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ከተማ’ያ - ኣርባዕተ ቈልዑን ኣርብዓ ከብትን ከምኡ’ውን መንበሪ ገዛ ዝነበሮም’ዮም።

እቲ ዞባ ማእከል ናይዚ ሕጂ ዘሎ ደርቂ ኰይኑ፡ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ምንጪ ሃብቶም ዝነበራ ናይ መወዳእታ ጥሪት ሞይተን።

ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሑ፡ ዝተረፎም ንብረት ብካሮሳ ኣድጊ ጽዒኖም ንሰሜን ገጾም ክኸዱ ወሲኖም፤ ንሽዱሽተ መዓልታት ድማ ብእግሮም ተጓዒዞም።

ዕጡቓት ኣልሸባብ ካብታ ከተማ ከይወጹ ደው ከብሉዎም'ኳ እንተፈተኑ፡ ነታ ሞባይል ሰይሮም ሰዲዶምዎም።

ሃንደበት እቶም ሓካይም ኣብ ዙርያ ዓብዲዋሊ ተኣከቡ።

ሓደ ካብኣቶም ክልተ ኣጻብዕቱ ተጠቒሙ፡ ንህርመት ልቢ እቲ ቈልዓ ንምስማዕ ብተደጋጋሚ ኣብ ኣፍልቡ ኣዕሪፉዎ።

ካልእ መሳርሕቱ ድማ ናብተን ዘይንቀሳቐሳ ኣዒንቲ ናይቲ ህጻን ክጥምት ቀረበ።

ወለዱ፡ ተሃኒኖም ኣብ እግሪ ዓራት ደው ኢሎም ኣለዉ።

ድሕሪኡ ድማ፡ ረፋድ ሰዓት 10፡13 ምስ ኰነ ኵሉ ነገር ኣብቂዑ።

"ህርመት ልቢ የላን" ክትብል ነርስ ፋጥማ ሕሹኽ በለት። ኣደ ዓብዲዋሊ ኣብ ዓራት ተደፊኣ ክትበኪ ክትጅምር ከላ ትዕዘባ ነይራ።

"ብዙሓት ዕሸላት ከነድሕን ክኢልና ኢና። ምናልባት ግን ሕጂ ነገራት እናገደደ ይኸይድ ኣሎ" ትብል።

ሓላፊ እቲ ሆስፒታል ዓሊ ሹብ፡ "ክትከላኸሎን ብቐሊሉ ክእረምን ዝኽእል ነገር ክትዕዘብ ከለኻ ኣዝዩ ዘሕዝንን ዘሕምምን'ዩ" ኢሉ።

ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ፡ ኣቦ ዓብዲዋሊ ናብ ኣዝማዱ ተሌፎን ደዊሉ፡ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ክዳሎ መደብ ገይሩ።

ምስ ነብሱ እናተዘራረበ፡ “ኣብ ዝዀነ እዋን፡ ኵሉ ሰብ ክመውት እዩ” በለ።

ወለዲ ዓብዲዋሊ፡ ኣብ ደገ ኣፍ እቲ ሆስፒታል ናብ ዝነበረት ኣምቡላንስ ተሰቒሎም፤ ኣቦ ብጥንቃቐ ንኣስክሬን ወዱ ሓቊፉ ሓመድ ከልብስ ከደ።

ድሒራ፡ ፓሜላ ዋሶንጋ በጻሕቲ ናብቲ ጽቡቕ ዕቝር ፋርማሲን ንእሽቶ ቤተ ፈተነን እቲ ሆስፒታል ወሰደቶም።

ንሳ፡ ኣብቲ ብ2011 [ኣ.ኣ] ዝነበረ ሓደጋ ዓጸቦ ኣብ ኬንያ እያ ነይራ። ካብ ሽዑ ጀሚራ ክኣ ኣብ ሶማልያ ትሰርሕ ኣላ። ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ድማ፡ ፍረ ዘለዎ ስራሕ ከም ዝተሰርሐ ትዛረብ።

"እቲ ኣብዚ ዝጸንሐ ቀጻልነት ዘለዎ ኣገልግሎት ምናልባት ኣዝዩ ኣዝዩ ዝኸፍአ ኵነታት ዘወገደ ይመስለኒ። ሕጂ ኣብ ባይታ ዝበዝሑ [ዓለምለኸ] ትካላት ከምኡ'ውን ዘቤታዊ ትካላት ኣለዉ፤ እዚኦም ናብ ኣዝዮም ኣጸገምትን ርሑቕ ከባቢታትን ክበጽሑ ክኢሎም’ዮም” ትብል።

ግን፡ ካልእ ሓደጋ ዓጸቦ ኣንጸላልዩ ኣሎ፤ እቲ ሆስፒታል - ምናልባት ንግዚኡ - ብሰንኪ ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቓዲሾ ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ናዕቢ ዘጋጠመ ምድንጓያት፡ ፍርቂ ኣህጕራዊ ምወላኡ ስኢኑ ኣሎ።

ካብኡ ዝገደደ ድማ፡ ዓለም ንዓቐን ናይቲ ሕጂ ኣብ ሶማል ዝስጋእ ዘሎ ሓደጋ ከተለልዮ ደንጉያ ምህላዋ ዘርኢ መርትዖታት እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ።

ትሕቲ ፍርቂ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝመጽአ ገንዘብ ድማ ኣብ ቦትኡ ከም ዘሎ መረዳእታታት የመልክቱ።

ንኣብነት ብሪጣንያ ኣብ 2017 ኣብ ሶማል ኣብ ዘጋጠመ ናይ መወዳእታ ከቢድ ድርቂ 223 ሚልዮን ዶላር ሰብኣዊ ሓገዝ ገይራ እያ። ኣብዚ ዓመት፡ ርብዒ ናይዚ እያ ንሓገዝ ተውዕል ዘላ።

"ዓለም... ሶማል ትዅረት ከይትስእን ንሓትት። ሶማል ሕጂ ሓገዝ የድልያ ኣሎ። እንተዘይኰይኑ ናብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ሓደጋ ኢና ንኸይድ ዘለና” ትብል ዋሶንጋ።

እታ ኣምቡላንስ ኣብቲ ኣብ ምብራቓዊ ወሰን ከተማ ዝርከብ ርሑቕ ወሰን መዓስከር ላዳን ኣብ ዝበጽሓትሉ እዋን፡ ኣብ ደገ ዳስ ተሰሪሑ ስድራቤት ተኣኪቡ ነበረ።

ሬሳ ናይቲ ህጻን ንምሕጻብ ማይ መጺኡ። ሓደ ሰብ ድሮ ንመግነዚ ዝኸውን ጻዕዳ ጨርቂ ኣዳልዩ ኣሎ።

ክልተ ጐረባብቲ ድማ፡ መቓብር ንምዅዓት ናብቲ ብሓጹር ዝተኸበበ ቁርጽራጽ ምድረበዳ ገጾም ተበገሱ።

ቦታ መሪጾም፡ ካልኦት ክልተ ንኣሽቱ ንቈልዓ ዝዀኑ ጐዳጕዲ ኲዒቶም።

ድሕሪ ሓደ ሰዓት ሃዋ ኣብቲ መካነ መቓብር በጺሓ። ብባህሊ እታ ሃገር ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቀብሪ ኣይሳተፋን እየን።

ንሳን ኣደኣን ግን ከይርሓቓ፡ ምስ ካልኦት ውሑዳት ደቂ ኣንስትዮ ኰይነን ነቲ ስነ ስርዓት ይከታተላ።

"ዝከኣለኪ ፈቲንኪ ኢኺ"፤ "ካልኦት ቈልዑ ኣለዉኺ” ክብላ እተን ደቂ ኣንስትዮ የጸናንዓኣ።

ኣቦ ዓብዲዋሊ ድማ በብተራ ምስቶም ካልኦት ደቂ ተባዕትዮ፡ ነቲ ደረቕ መሬት ይዅዕት።

ድሕሪኡ፡ ሓጺር ጸሎት ቀጺሉ ድማ ስነ ስርዓት ቀብሪ ስዒቡ።

ንፋስ ኣብ ስግር ቆላ እናነፈሰ፡ ቁርጽራጽ ጨርቂን ጐሓፍን ኣብ ልዕሊ ኣሽሓት ዝነቐጸ ዓጽምን ዕሾኽ ዝበዝሖ ቈጣቝጥን እናተናወጸ፡ ወለዲ ዓብዲዋሊ ናብቲ ሓድሽ ገዛኦም ገጾም ተመልሱ።