‘ብሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ሽረ ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ደብዳብ’ ኣሰካፊ ምዃኑ ተገሊጹ

ኣብ ትግራይ፡ ብሸነኽ ዶብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣሰካፊ ብዝዀነ ኵነታት ጸንኪሩ ይቕጽል ምህላው ይንገር ኣብ ዘለወሉ፡ ብፍላይ ኣብዚ ቕንያት’ዚ፡ ሓይልታት ኢትዮጲያን ኤርትራን ኣብ ከተማ ሽረ ዘካይድዎ ዘለው ጽዑቕ ደብዳባት ኣሻቓሊ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ኣህጉራውያን ትካላት ይገልጹ ኣለው።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣህጉራዊ ኮሚቴ ድሕነት The International Rescue Committee (IRC) ዝተባህለ ትካል ሰብኣዊ ረዲአት፡ ሓደ ኣባሉ ኣብ ሽረ ብዝተኻየደ ደብዳብ ከም ዝተቐትለ ጠቒሱ፡ ብ 15 ጥቅምቲ ወግዓዊ መግለጺ ሓዘን ኣውጺኡ'ሎ።

እቲ መግለጺ፡ ዝሞተ ኣባል ሰራሕተኛ ክፍሊ ጥዕናን መግቢን ናይቲ ትካል ምንባሩን፡ ንህጻናትን ኣደታትን ሰብኣዊ ረዲአት ኣብ ዝህበሉ ዝነበረ ህሞት ተወጊኡ ድሕሪ ምጽናሕ ከም ዝሞተ የረጋግጽ።

በቲ ዝካየድ ዘሎ ደብዳባት ሰለማውያን ሰባት ይሞቱ ከምዘለዉ ዝሓበረ ሓደ ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሰራሕተኛ ሰብኣዊ ረዲአት ነባሪ ሽረ እንዳስላሰ፡ ብ ዓርቢ ኣብ ዝተፈጸመ ደብዳብ ኣየር ጥራይ ንሱ ዝፈልጦም ክልተ ሰባት ከምዝተቐተሉን ካልኦት ሽዱሽተ ሰባት ከምዝቘሰሉን ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ ነሓሰ ዳግማይ ዝተወልዐ ኲናት፡ ልዕሊ 50 መዓልታት ዘቝጸረ ኰይኑ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ግንባር ኣድያቦ ተጋዲዱ ይቕጽል ምህላው ምንጭታት ቢቢሲ ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።

እቲ ኲናት ካብ ሽረ እንዳስላሰ ንኣንፈት ሰሜን ኣስታት 35 ኪሎ ሜትር ርሒቝ ኣብ ዝርከብ ከባቢታት ዓዲ ዳዕሮን ዓዲ ነብሪኢድን ይካየድ ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፡ ኣብ ከተማ ሽረን ከባቢኣን ድማ ብተኸታታሊ ደብዳባት ድሮንን ኣየርን ከምኡ’ውን ከቢድቲ ብረት ይካየድ ከምዘሎ ኣረጋጊጾም።

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ምጽንካር እቲ ኲናት ኣመና ከም ዘተሓሳሰቦ ብምግላጽ፡ ተጻብኦታት ደው ክብል ደጊሙ ጸዊዑ’ሎ።

ሓላፊት ዩኤስኤይድ ሳማንታ ፓወር ሎሚ ንግሆ ኣብ ትዊተር ገጻ “ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ሽረ ዘካይድዎ ዘለዉ መጥቃዕትን፣ ሰራዊት ኤርትራ ሰለማውያን ሰባት ዝቕመጡሎም ከባቢታት ክቈጻጸሩ ይኽእሉ’ዮም ዝብሉ ጸብጻባት ኣመና ዘሻቕል’ዩ” ክትብል ጽሒፋ’ላ።

ንሳ ብተወሳኺ፡ ድሕነት ሰላማውያን ሰባት ምእንቲ ክሕሎ እቲ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ደው ክብል ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ኤርትራን ነቶም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ተመዛበልቲ ዝነብሩሎም መዓስከራት እንተ ተቘጻጺሮም ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ተወሳኺ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክፍጸም ከምዝኽእል ገሊጻ።

ላዕለዋይ ሓላፊ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦረል ብወገኑ፡ ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ሰላማውያን ሰባት ዕላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ዘመላኽቱ ጸብጻባት ምውጽኦም ኣሰንባዲ ከምዝዀነ ድሕሪ ምግላጽ ምኽባር ዓለም ለኻዊ ሕግታት ምርጫ ዘይኰነስ ግዴታ ከምዝዀነ ኣመልኪቱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ጉዳይ ዝሃቦ ሓበሬታ’ኳ እንተዘየለ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝሃቦም መግለጽታት ግን ኣብ ወተሃደራዊ ነቝጣታት ዕላማ ዝገበረ ደብዳባት ይፍጸም ከምዘሎ ምግላጹ ይዝከር።

ወተሃደራት ኤርትራ ዶባት ሰጊሮም ኣብ ትግራይ ይዋግኡ ከምዘለዉ ብሓይልታት ትግራይ ይኽሰሱ።

መንግስቲ ኣሜሪካ’ውን ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ሰጊሩ ኣብ ትግራይ ይዋጋእ ከምዘሎን ነቲ ቅልውላው ካብ ምግዳድ ክቝጠብን ጸዊዑ ምንባሩ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ መንግስቲ ኤርትራ ግን ብዛዕባ’ዚ ወግዓዊ ምላሽ ኣይሃበን።

እንተዀነ፡ ብ 15 ጥቅምቲ ብመገዲ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣሜሪካ ዝወጽአ መግለጺ፡ እቲ ብ 6 ጥቅምቲ “ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ ኣዕናዊ ተራ ትጻወት ኣላ” ዝብል ባገልግሎት ወጻኢ ሕብረት ኣውሮጳ ዝወጽአ መግለጺ፡ ከምኡ’ውን ብ12 ጥቅምቲ ኣሜሪካ፡ ኣውስትራልያ፡ ጀርመን፡ ዴንማርክ፡ ነዘርላንድ፡ ብሪጣንያን ካናዳን ዘውጽኣኦ ሓባራዊ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ዘለዎ መግለጺ “ዘሕዝን” ክብል ገሊጽዎ'ሎ።

እቲ፡ “ብኻባ ሰብኣዊ መሰላት፡ ነቲ ግዳይ ወቒስካ ንገበነኛ ምድሓን” ብዝብል ዝወጽአ መግለጺ ኤምባሲ፡ “ንኤርትራ ገንሸል ንምግባር ዝተኣልመ ተንኰል’ዩ፡” ይብል።

ብፍላይ በቲ ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ዝካየድ ዘሎ ደብዳባት፡ ኣብቲ ከባቢ ዝካየድ ዘሎ ሓያል ኲናት ግን ሳዕቤናቱ ኣሰካፊ ምዃኑ ሓለፍቲ ዓለምለኻዊ ትካላት ይገልጹ ኣለዉ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ብ ኣህጉራዊ ኮሚቴ ድሕነት ዝወጽአ መግለጺ፡ ካልእ ኣባል ናይቲ ትካል ረዲአት ቈሲሉ ከም ዘሎን፡ ካልኦት ክልተ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉን፡ ሰለስተ ድማ ከም ዝተጐድኡን ኣመልኪቱ፡ ሲቪላውያንን ሰራሕተኛታት ረዲኤትን ብዝዀነ ይኵን ምኽንያት ዒላማ ክዀኑ ከም ዘይግባእ ኣተሓሳሲቡ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሰራሕተኛ ትካል ረዲአት፡ እቲ ኣብ ሽረ ዘሎ ኵነታት ኣሻቓሊ ከምዝዀነን ገለ ነበርቲ ድማ በቲ ብዘይ ምቍራጽ ዝካየድ ዘሎ ደብዳባት ተሰናቢዶም ካብታ ከተማ ይወጽኡ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ሽረ እንዳስላሰ ኣስታት 100 ሽሕ ነበርቲ ዝቕመጡላ ዋና ከተማ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኰይና ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተመዛበሉ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ተዓቝቦምላ ከምዝርከቡ’ዩ ዝግለጽ።