እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ውግእ ኢትዮጵያ፡ ስእልታት ሳተላይት ኣብ ጥቓ ዶብ ኤርትራ ሰራዊት ክተኣኻኸብ የርኢ
ስእልታት ሳተላይት፡ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ዳግም ዝተወልዐ፡ ካብ ዓለም ዝተኸወለ ምስሊ ውግእ የርኢ። ኣብቲ ቦታ መራኸቢታት ብምቍራጹን ጋዜጠኛታት ናብቲ ዞባ ውግእ ምእታው ስለዝተኸልከሉን ብዛዕባ'ቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ምዕባለታት ጭቡጥ ሓበሬታ የሎን።
ኣብዚ ወርሒ’ዚ ዝተወስደ ስእልታት፡ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣንጻር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዝገብሮ ዘሎ ኵናት ዝድግፍ፡ ኣብቲ ንኢትዮጵያ ንኤርትራ ዘዳውብ ቦታ ዝተኣኻኸበ ሰራዊትን ወተሃደራዊ ነቝጣታትን የርኢ።
ኤርትራ ኣብ ቀረባ እዋን ንትግራይ ንምጥቃዕ ዕቝር ሰራዊታ ከምዘኽተተት ተገሊጹ እዩ።
እቲ ውግእ ምእንቲ ሰብኣዊ ረድኤት ተባሂሉ ንሓሙሽተ ወርሒ ተቛሪጹ ድሕሪ ምጽንሑ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዳግማይ ተባሪዑ።
ዓለማዊ ፕሮግራም ምግቢ ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ’ዚ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ውግእ ሓድሕድ፡ ኣስታት 13 ሚልዮን ሰባት ረድኤት ከምዘድልዮም ይሕብር ።
እዚ ናይ መጀመርታ ናይ ሳተላይት ስእሊ ኣብ ሰሜን-ምዕራብ እትርከብ ከተማ ሽራሮ ኣብ ኢድ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝነበረትሉ ብ26 መስከረም ዝተወስደ እዩ።
እዚ ኣብ ላዕሊ ተመልኪቱ ዘሎ ስእሊ፡ ካብታ ከተማ ንምብራቕ ዝወስድ ቀንዲ መገዲ እዩ።
ኣብቲ ኣብ ጸጋማይ ሸነኽ ዝርከብ ቀንዲ መንገዲ፡ ታንክታት ተሰሪዐን ይረኣያ። ብየማን ከኣ እቲ ኣብ 2014 እተኸፍተ ናይ መጥባሕቲ ክፍልታት፡ ናይ ኤክሰረይ ህንጻ፡ ከምኡ'ውን 35 ዓራውቲ እተኸፍተ ሆስፒታል ማይ ዓይኒ ኣሎ።
ኣስታት 150 ዝዀኑ ምናልባት ወተሃደራት ወይ ተጋደልቲ ክዀኑ ዝኽእሉ ሰባት ካብቲ ኣፍደገ ናብ ቀንዲ መንገዲ ኣብ ዝዝርጋሕ ኣብ መስርዕ ተሰሊፎም ይረኣዩ። እቲ ሆስፒታል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዕንወት ስለዘጋጠሞ ኣዝዩ ከም ዝተበላሸወ ጸብጻባት ሓቢሮም ነይሮም ።
ኤምኤስኤፍ ዝተባህለ ትካል ግብረ ሰናይ፡ ሆስፒታል ማይ ዓይኒ ካብ መጋቢት 2021 ኣብቲ ክልል ዝርከባ መደበራት ጥዕና ከምኡ'ውን ሆስፒታል ማይዓይኒ ብፍላጥ ሰፊሕ መጥቃዕትን ዝምታን ከምዘጋጠመን ሓቢሩ ነይሩ።
ካብተን ሽዑ ዝበጽሕወን 106 ማእከላት፡ እተን 13% ጥራይ እየን ንቡር ኣገልግሎት ዝህባ ነይረን። ዋላ’ኳ ናይ ኤምኤስኤፍ ገሊኡ ትካላት ጥዕና ካብ ዝምታ እንተደሓነ፡ ኣብቲ ክልል ዝርከብ መብዛሕትአን ማእከላት ጥዕና ኣገልግሎት ንኸይህባ ብፍላጥ ተበላሽየን እየን።
ቢቢሲ ካብ ከተማ ሸራሮ ብምብራቕ ኣስታት 95 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ሽረ ንሓደ ላዕለዋይ ሰራሕተኛ ረድኤት ኣዘራሪብዎ ኣሎ። ንሱ ካብ ባሕቲ መስከረም ኣትሒዙ ኣስታት 210,000 ሰባት ካብ ሽራሮን ከባቢኣን ናብ ሽረ ሃዲሞም ከም ዝኣተው ይገልጽ ።
"እቶም ሰባት ካብታ ከተማ ቅድሚ ምውጻኦም፡ ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ቀጻሊ ዘየዕርፍ ምልውዋጥ ተዅሲ ነይሩ" ክብል ንቢቢሲ. ሓቢሩ።
ምእንቲ ድሕነቱ መንነት እቲ ሰራሕተኛ ረድኤት ተቐይሩ እዩ።
እቶም ካብ ሽራሮ ሃዲሞም ናብ ሽረ ዝመጽኡን እቶም ናብ ሆስፒታል ሸራሮን ማይ ዓይኒን ተመዲቦም ዝተላእኩ ሰባት እተን ሆስፒታላት ኣብ ኢድ ሓይልታት መንግስቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ዘለዋ ምግላጾም ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ብ13 መስከረም ቅድሚ እዚ ስእሊ ሳተላይት ምውሳዱ፡ ሓላፊ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ንመራኸቢ ብዙሃን 'ቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ሽራሮ ክሳብ ኣድመይቲ ተቘጻጺሮሞ ኣለው" ኢሉ ነይሩ።
ኣብዚ እዋን እዚ ሽራሮ ኣብ ኢድ መን ከምዘላ ንጹር ኣይኰነን። እቲ ኣብ ሽረ ዝሰርሕ ወሃብ ረዲኤት፡ ኵነታት መዓልታዊ እዩ ዝቀያየር ዘሎ ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቲ ማክሳር ብዝተባህለ ኩባንያ ዝተላዕለ ስእሊ ከምዝሕብሮ ካብቲ ሆስፒታል፡ ሓደ ኪሎሜተር ኣብ ዘይመልእ ርሕቀት፡ ተጎታቲ መዳፍዕ ንተዅሲ ድሉው ኰይኑ ከምዘሎ የርኢ።
እቲ መዳፍዕ ናበይ ከምዝቐንዐ ግን ንጹር ኣይኰነን ።
ብዛዕባ ሽራሮ ዝምልከት ብወገን መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተዋህበ ርእይቶ የለን ።
እንተዀነ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣሜሪካ ብዛዕባ እቶም ናብ ኢትዮጵያ ዝሰግሩ ወተሃደራት ኤርትራ ሻቕሎት ከም ዘለዋን፡ "ሰራዊት ኤርትራ ደው ክብሉ ኣለዎም" ኢሉ።
"ሰራዊት ኤርትራ ዶባት ሰጊሮም ዝገብርዎ ዘለው ንከታተሎ ኣለና። ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ምህላዎም፡ ነቲ ድሮ ዘሕዝን ኰይኑ ዘሎ ኵነታት ክሓላልኾ እዩ፡" ይብል ሃመር።
ብሸነኽ ሽራሮ ኣስታት ሽዱሽተ ኪሎ ሜተር ኣብ ዝርሕቀቱ ቦታ፡ 45 ዝኣኽላ መካይንን ብዙሓት ኣውቶቡሳትን ናብታ ከተማ ገጸን ዘምርሓ ዘለዋ ይመስላ።
ካብኡ ሓሙሽተ ኪሎ ሜተር ኣብ ዝርሕቀቱ ከኣ፡ ኣስታት 20 ዝዀና ወተሃደራዊ መካይንን ኣውቶቡሳትን ዝሓቘፈ ቃፍላይ እውን ናብ ኣንፈት ሽራሮ ገጹ ኣቕኒዑ ይርአ።
እዚ ካብ ሽራሮ ተበጊሱ ብሩባ ተከዘ ኣቢሉ፡ ናብታ ኣብ ምዕራብ ትግራይ እትርከብ ዝዓበየት ከተማ ሑመራ፡ ሰለስተ ሰዓት ዝወስድ መንገዲ ዓዲ ጎሹ፡ ካብ ኤርትራ 180 ኪ.ሜ ርሒቑ ይርከብ።
ምዕራባዊ ትግራይ እቲ ግጭት ኣብ መወዳእታ 2020 ካብ ዝጅመር ንነጀው ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ እውን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ሚሊሻን ፋኖን እዩ ዘሎ።
ክልል ኣምሓራ፡ ምዕራባዊ ትግራይ ናተይ እዩ ይብል።
ኣብቲ ብሳተላይት ዝተላዕለ ስእሊ፡ ካብ መንገዲ ሽራሮ ርሕቕ ኣብ ዝበለ ቦታ፡ ኣውቶቡሳትን ወተሃደራውያን ተሽከርከርትን ኣብ ጥቓ ጽርግያ ዓዲ ጎሹ፡ ኣብ ሓደ ሓደ ህንጻታት ደው ኢለን ይረኣያ።
ንጽባሒቱ ንግሆ ዝተላዕለ ስእሊ ሳተላይት ግን፡ ነተን ብድሮኡ ዘልዓለን መካይን ኣይረኸበነን። በዚ ከኣ እተን መካይን ተንቀሳቒሰን ናብ ካልእ ቦታ ከምዝኸዳ እዩ ዘመልክት።
እቶም ናብ ሽረ ሃዲሞም ዝኣተዉ ሰባት፡ ኣብቲ ከባቢ ናይ ሓይልታት ምድፍፋእን ምቍጽጻር ቦታታትን ከምዘሎ ከምዘመልክት ይዛረቡ።
ካብ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጽአ ውሽጣዊ ሰነድ ከምዝተመልከቶ፡ ክሳዕ 14 መስከረም፡ ኣብ ሽራሮን ከባቢኣን ኣብ እተገብረ ኲናት፡ ብውሑዱ 10 ሰባት ተቐቲሎም።
ሓደ ላዕለዋይ ሰራሕተኛ ረድኤት፡ ካብቲ ከባቢ ድሮ 210,000 ሰባት ከምዝሃደሙን ካብኦም እቶም 45,000 ኣቐዲሞም ካብ ምዕራባዊ ትግራይ ዝሃደሙ ተመዛበልቲ ምዃኖም ይገልጽ።
ብተወሳኺ ማክሰር፡ ብ19 መስከረም ኣብ ከባቢ ከተማ ሰርሓ ኣብ ኤርትራ ዝተወስደ ስእልታት ሳተላይት ኣውጺኡ ኣሎ። እዚ ስእሊ እዚ ካብ ዶብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ኣብ ዘይትርሕቕ ከተማ ዛላምበሳ ኣብ ሓደ ኪሎሜተር ርሕቀት ዝተሳእለ እዩ ።
እዚ ምስልታት እዚ ካብ ዝተወስደላ መዓልቲ ጀሚሩ ከኣ፡ ሰበስልጣን ትግራይ፡ “ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንብምሉኡ ሰራዊቱን ዕቝር ሓይልን ምሊሻን ኣኻኺቡ ብሸነኽ ዛላንበሳ ከቢድ መጥቃዕቲ ይፍጽም ኣሎ” ክብሉ ገሊጾም።
ማክሳር [ምስሊ እተልዕል ሳተላይት] ካብ ከተማ ሰርሓ ብሸነኽ ሰሜን ኣብ ዝርከብ ቦታ፡ ኤም-46 ዝበሃል ናይ ሜዳ ባትሪ ተዅሲ [ጕጅለ መዳፍዕ] ምዃኑ የርኢ።
ብሸነኽ ደቡብ እውን ኣብ ጥቓ መካነ-መቓብር ኰይኑ፡ ናይ ኤስ 21 ኤስፒን ሃውቲዘር ባትሪ መዝጊባ። እተን መካይን ካብቲ ቦታ ቅሩብ ፍንትት ኢለን ብንጹር ይርአያ።
ማክሰር፡ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ ካብ ሓደ ኪሎ ሜተር ኣብ ዘይርሕቕ ተሽከርከርቲ ውግእ ኣለልያ ኣላ።
እቲ ቦታ ከኣ ቀንዲ መስመር ውግእ ምዃኑ የርኢ። ካብቲ ቦታ ብእግሪ ናብ መሬት ኢትዮጵያ ኣብ ርብዒ ሰዓት ክትኣቱ ትኽእል።
ስእሊ፡ Maxar Technologies Inc