እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብደርቂ ዝተጠቕዑ ማሕበረሰብ ቦረና ዶብ ሰጊሮም ኣብ ኬንያ የዕቑቡ'ለዉ
ብሰንኪን ሰለስተ ተኸታተልቲ ዓመታት ዝቐፀለ ደርቂ ጥሪቶምን ቀለቦምን ዝሰኣኑ ብኣማኢት ዝቖፀሩ ማሕበረሰብ ቦረና ክልል ኦሮሚያ ካብ ኢትዮጵ ዶብ ሰጊሮም ኣብ ኬንያ የዕቑቡ ከምዘለዉ ተገሊፁ።
እቶም ካብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቦረና ወረዳ ሚዮ ናብ ኬንያ ዝተመዛበሉ ኢትዮጵያውያን፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ግዝኣት ማርሳቤት፡ ፍሉይ ቦታ ኡርና ኣዕቊቦም ከምዘለዉ ተፈሊጡ’ሎ።
ወይዘሮ ዉርጌ ኣለኬን ኣቶ ጃርሶ ኣላቃን ካብ ሞንጎ እቶም ናብ ኬንያ ዝተፈናቐሉ ኮይኖም ኣብ ከቢድ ሽግር ከምዝርከቡ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ወይዘሮ ዉርጌ ኣለኬ፡ “ካብ ኦሮሚያዞ ባ ቦረና ኢና መፂእና። ጥሪትና ምስተወደኣ ኢና ናብዚ መፂእና። ዋላ ሓደ ነገር የብልናን። ዝብላዕ ነገር ስለዝሰኣንና ደቅና ጠምዮም። ዝኾነ ነገር ኣሊሽና ከይንዕድግ’ኳ ገንዘብ የብልናን። ብሰንኪ ፃምእ ትንፋስና ክትወፅእ ኢላ። በዚ ምኽንያት ኢና ናብዚ ክንመፅእ ዝወሰንና“ ኢለን።
ናብኡ መስ መጽኡ ዝጠዓም ነገር ከምዝረኸቡ ይዛረቡ።
ኣቶ ጃርሶ ኣላቃ ብወገኖም፡ “ጥምየትን ፃምእን ስለዘጋጠመ እየ ናብዚ መፂኤ። ክሳብ ሕዚ ናብዚ ዝመፃእና ሰባት ኣስታት 350 ንኸውን ኢና። ካልኦት እውን ይመፅኡ ኣለዉ። ብዙሕ ሰብ ሓደጋ ኣንፀላልይዎ ኣሎ። ኩሉ ተሰናቢዱ ንፈጣሪኡን ንዝፈልጦ ሰብን ኣብ ምልማን ይርከብ። ናብዚ ካብ እንመፅእ ሰሙን ኮይኑና’ሎ” ኢሎም።
ካልእ ስሙ ክግለፅ ዘይደለየ ካብ ሞንጎ ተመዛበልቲ ዝኾነ ብወገኑ፡ ጥሪቶም ጥራይ ዘይኮናስ እንስሳ ዘገዳም ከይተረፋ ብሰንኪ እቲ ደርቂ ይውድኣ ከምዘለዋ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
በዚ ምኽንያት ንሱን ካልኦትን ዶብ ሰጊሮም ናብ ኬንያ ከምዝተፈናቐሉ ብምግላፅድ ድማ፡ ካልኦት ኣብ ዞባ ቦረና ዝተረፉ ሰባት ኣብ ኣዝዩ ሕሱም ኩነታት ከምዝርከቡ ተዛሪቡ።
ኣብ ኬንያ ግዝኣት ማርሳቤት፡ ኣመሓዳሪ ላታካ ዝኾነ ኣቶ ሮባ ዱባ፡ ነቶም ብሰንኪ ደርቂ ተፈናቒሎም ዝመፅኡ ኢትዮጵያውያን ብፅቡቕ ከምዝተቐበልዎም ንቢቢሲ ገሊፁ።
ይኹን’ምበር ህፁፅ ሓገዝ እንተዘይቀሪቡ እቲ ዝመፅእ ዘሎ ህዝቢ ናብ ከቢድ ፀገም ከምዝቃላዕ ኣተሓሳሲቡ።
“ደርቂ ብጣዕሚ ስለዝሓየሎም’ዮም ካብ ኢትዮጵያ ዶብ ሰጊሮም መፂኦም ዘለዉ። ሕብረተሰብ ቦረና ብጣዕሚ ተሃስዩ’ሎ። ንሕና ድማ ካብታ ዘላትና ነካፍሎም ኣለና። ካብታ ዘላትና ንኢሽተይ ማይ እውን ክንመቕሎም ኢና። ብርግፅ እታ ዘላትና ማይ ኣብ ቀረባ ክትፅንቀቕ እያ ግን ድማ ኣይንኸልኦምን" ክብል ተዛሪቡ።
ምኽንያቱ ህፃናት፣ ኣረጋውያንን ዓቕሞም ዝደኸመን ሰባት፡ ነቲ ዘሎ ፀሓይ ተፃዊሮም ነዊሕ መገዲ መፂኦም ከምዘለዉ ይገልጽ።
“ንኣብነት ሓደ ዝረኣኽዎም ዓብዪ ሰብኣይ ርእሶም እውን ከቕንዕዋ ዓቕሚ ስኢኖም ነይሮም። ገሊኦም ኣብ ኣካላቶም ዕንፍሩር ዝመስል ነገር ወፂእዎም ኣሎ። ሰብሞያ ጥዕና መፂኦም ክርእይዎም ጌርና ኢና። ሓገዝ ሕክምና ክግበረሎም እውን ሓቲትናለና” ክብል ወሲኹ።
ዓለምለኸ ትካላት፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝርከብ ከባቢ ቦረና ካብ ሞንጎ እቶም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኸቢድ ድርቂ ዝተሓሰዩ ከባብታት ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ብዙሓት ናብ ጥምየት ከምዝቃልዑ ክገልፁ ምፅንሖም ይፍለጥ።