እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክልል ኦሮሚያ፡ ኣብ ዞባ ቦረና ብዘጋጠመ ደርቂ እንስሳት ዘገዳም’ውን ተጎዲኦም ተባሂሉ
ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተፈላለያ ወረዳታት ዞባ ቦረና ዘጋጠመ ድርቂ ስዒቡ፡ እንስሳት ዘገዳም’ውን ከምዝተጎድኡ ተገሊፁ።
ብሰንኪ'ቲ ኣብቲ ዞባ ዝተኸሰተ ድርቂ ብዙሓት እንስሳት ንሞት ዝተሳጥሑ ኮይኖም ሰባት'ውን ከምዝተጎድኡ ክግለፅ ፀኒሑ'ዩ።
ሓላፊ ብሄራዊ ፓርክ ቦረና ኣይተ ንጉሴ ዋታ፡ ኣብቲ ሕዛእቲ ብስእነት ማይን መግሃጫን ዝሞቱ እንስሳት ከምዘለዉ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ከባቢ ኣብቶም ዝሓለፉ ኣዋርሕ ዝናብ ብዘይምዝናቡ ዘጋጠመ ድርቂ፡ ንነበርቲ እቲ ዞባን ጥሪቶምን ምህሳዩ፡ ከምኡ’ውን ሰባት ንጥሜት ከምዝተሳጥሑ ተገሊፁ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ እንስሳት ዘገዳም’ውን ንሕሱም ፀገም ተቓሊዖም።
ኣብቲ ከባቢ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ድርቂ፡ ነቲ ዞባ ጥራሕ ዘይኮነስ ንብሄራዊ ፓርክ ቦረና’ውን ፀገም ከምዝኾነ ዝተዛረበ እቲ ሓላፊ፡ ህዝቢ ቦረና ንርእሱ ፀገም ኣጋጢምዎ ክንሱ፡ "ንእንስሳት ዘገዳም እቲ ሕዛእቲ ንምሕላው መስዋእቲ ይኸፍል ኣሎ" ኢሉ።
ይበፅሕ ዘሎ ጉድኣት
ንነዊሕ እዋን ብዝፀንሕ ድርቂ እንስሳት ብሄራዊ ፓርክ ቦረና ከክጉድኡ ከለዉ እዚ ፈላማይ ኣይኮነን። ኣብቲ ሎሚ ዓመት ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ’ውን መግሃጫን ማይን ዝሰኣኑ እንስሳት ዘገዳም ተጎዲኦም እዮም።
ሓላፊ ብሄራዊ ፓርክ ቦረና ኣይተ ንጉሴ ዋታ፡ “እዚ ድርቂ ካብ ዝጅምር፡ ኣድጊ በረኻን መፍለስን ብስእነት ማይ ይጉድኡ ኣለዉ። ብፍላይ መፍለስ ኣብ ዝበሃል እንስሳ ልዑል ምንካይ ክብደት ይረኣይ ኣሎ። ንሕና ዘይረኣናዮ ዝሞተ ክህሉ ይኽእል'ዩ። ኣድጊ በረኻ ዛጊድ ዝሞተ የለን። እንተኾነ ብሰንኪ እቲ ድርቂ ተቓላዕቲ ምዃኖም ፍሉጥ'ዩ” ኢሉ።
ኣብቲ ሕዛእቲ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብቁፅሪ ውሑድ ዝኾነ ‘ግሬቨስ ዜብራ’ ዝበሃል ዓሌት ኣድጊ በረኻ ዝርከበሉ ቦታ ከምዘሎ እቲ ሓላፊ ተዛሪቡ።
እዚ ሳሪቴ ዝበሃል ቦታ፡ ኣብቲ ከባቢ ብሰንኪ ድርቂ ካብ ማይ ብተወሳኺ ንመግሃጫ ዝኸውን ሳዓሩ ከምዝነከየ ይገልጽ።
መስዋእቲ ይኸፍል ዘሎ ህዝቢ
ህዝቢ ቦረና ኣብ ሓለዋ እንስሳት ዘገዳም ፅኑዕ ባህልን ልምድን ከምዘለዎ ዝዛረብ እቲ ሓላፊ፡ እቲ ህዝቢ ንጥሪቱ ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት ረድኤት ካብ ዝረኸቦ ሳዕሪ ነክዩ ንእንስሳት ዘገዳም ክህብ ከምዝረኣየ ሓቢሩ።
ኣብዚ ቅነ ነበርቲ ቦረና ንእንስሳት ዘገዳም ማይ እናስተዩ ዘርእይ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሑ ኔሩ።
ብፍላይ ሳሬቴ ኣብ ዝበሃል ቦታ፡ ኣይተ ጉራቻ ገልማ ዝበሃል ውልቀሰብ፡ ኣብ ጉድጓድ ዝወደቐት ኣድጊ በረኻ ብምልዓል፡ ሓፂቡ ናብቲ ሕዛእቲ ክትምለስ ከምዝገበረ ብሰፊሑ ይግለፅ ኔሩ።
ዞባ ቦረና፡ ካብ ዞቦታት እቲ ክልል ብዝተፈለየ ልዑል ሕፅረት ማይ ካብ ሞንጎ ዝረኣየሉ’ዩ።
ኣይተ ንጉሴ ከምዝበሎ፡ ንዓመታት ብህዝቢ ክግለጽ ዝፀንሐ ሕፅረት ማይ ሕዚ’ውን ኣይተፈትሐን።
“ሕፅረት ማይ ቀንዲ ፀገምና ምዃኑ ክንገልፅ ፀኒሕና ኢና። እዚ ዝፍታሕ ድማ፡ ብጠቕላላ ከም ዞባ ዘሎ ፀገም ማይ ምስ ዝፍታሕ እዩ” ይብል።
ስደት እንስሳት ዘገዳም
እንስሳት ዘገዳም ድርቂ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፡ ማይን ሳዕርን ንምድላይ ናብ ካልእ ከባቢ ዝስደቱ እኳ እንተኾኑ፡ ኣብዚ እዋን ግና ነቲ ዞባ ኣብ ዘዳብው ሰሜናዊ ክፍሊ ኬንያ’ውን ተመሳሳሊ ፀገም ከምዘሎ እቲ ሓላፊ ተዛሪቡ።
ስለዝኾነ ድማ እንስሳት እቲ ሕዛእቲ ናብ ኬንያ ናይ ምስዳት ዕድሎም ውሑድ ከምዝኾነ ይገልፅ።
ካብ ቀረባ ግዘ ንነዘ ኣብ ገለ ከባብታት ዞባ ቦረና ውሑድ ዝናብ ብምውቅዑ፡ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ማይን መግሃጫን ክቃለል ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ሓቢሩ።
ብሄራዊ ፓርክ ቦረና
ቅድሚ ሕዚ መፅለሊ እንስሳት ዘገዳም ያቤሎ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ከባቢ ኣብ 2005 ዓ.ም ብሄራዊ ፓርክ ቦረና ብዝብል ከምብሓድሽ ተጣይሹ።
ልዕሊ 3741 ትርብዒት ሜትር ስፍሓት መሬት ዝሽፍን እዚ ሕዛእቲ፡ ዝተፈላለያ ዓሌታት ኣዕዋፍን መጥበውቲ እንስሳትን ሒዙ ይርከብ።
ኣብ ውሽጢ እቲ ሕዛእቲ ካብ ሞንጎ ዘለዋ 286 ዓሌታት ኣዕዋፍ፡ ኣርባዕቲአን ኣብ ዞባ ቦረና ጥራሕ ዝርከባ እየን።
ኣንበሳ፣ ዘራፍ፣ ሓርማዝ፣ ኣድጊ በረኻ (ክልተ ዓይነት) ሓዊሱ 46 መጥበውቲ እንስሳት ኣብቲ ሕዛእቲ ይርከቡ።