ካብ ኢትዮጵያ እናተሰረቑ ብማሕበራዊ ሚድያ ናብ ዕዳጋ ዝቐርቡ ነብሪ ጎልጎል

ነብሪ ጎልጎል [‘ቺታ’] ብቐንዱ ካብ ኢትዮጵያ፣ ሶማሊላንድን ካልኦት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃን ተዓፊኖም እናተወሰዱ ኣብ ሃገራት ዓረብ ከም ናይ ገዛ ወይ ፍትው እንስሳ ኮይኖም ብስፍሓት ይሽየጡ ኣለዉ።

ካብ ኢትዮጵያ ብሶማሊላንድ ኣቢሎም ናብ የመን ምስኣተዉ ነቶም ንሃብታማት እተን ኣብ ወሽመጥ ባሕሪ ዘለዋ ሃገራት ብኣሽሓት ዶላራት ይሽየጡ ምህላዎም ይዝረብ።

ቶማስ ሞሌ ሓደ ካብቶም ንጉዳይ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ሃገራት ዓረብ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝሰጋገሩ እንስሳት ዘገዳም ዝከታተሉ ሰብሞያ እዩ።

“ዋላ’ኳ ነብሪ ጎልጎል ሓደ ካብቶም ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደጋ ዝወደቑ ዓይነታት ድሙ በረኻ እንተኾነ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ነዚ ዝምልክት ግንዛበ ግን ዝተሓተ እዩ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

መብዛሕቲኦም ነብሪ ጎልጎል [‘ቺታ’] ካብ ኢትዮጵያ ተዓፊኖም ከምዝውሰዱ ዝሕብር እቲ በዓል ሞያ፤ ብሶማሊላንድ ኣቢሎም ናብ የመን ከምዝኣትዉ የረድእ።

ንሱ ‘ቶሪድ ኣናሊቲክስ’ ንዝተባሃለ ትካል ዝሰርሕ ኮይኑ፤ እቲ ትካል ድማ ‘ናሽናል ጂኦግራፊክ’ ብዝብል ምስ ዝፍለጥ ናይ እንስሳት መደባት ዘቕርብ ጣቢያ ቴሌቪዥን ሓቢሩ ይሰርሕ። ብዛዕባ እቶም ኣብ ሓደጋ ዝወደቑ ነብሪ ጎልጎል ኣፍሪቃ ድማ ሓበሬታ ይህብ።

እዞም ትካላት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓደ ዘይሕጋዊ ንግዲ እንስሳት ዘገዳም ዘካይድ ውልቀሰብ ኽተሓዝን ክቕጻዕን ገይሮም’ዮም።

በቢወርሑ ብውሑድ ኣርባዕተ ውላድ ነብሪ ጎልጎል (ዕዋል) ሕጋዊ ብዘይኮነ መገዲ ካብ ሃገር ክወጽኡ ከምዝተሓዙ በዓል መዚ ሓለዋ እንስሳ ዘገዳም ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣፍሊጡ ነይሩ።

ነብሪ ጎልጎል ብስፍሓት ኣበይ ይርከቡ?

ቶማስ ሞሌ ከምዝብሎ ኣብዚ እዋን ኣብ ዓለም ኣስታት 7 ሽሕ ነብሪ ጎልጎል ኣብ ጣሻታት ዝርከቡ ኮይኖም እዚ ብዝሖም ግን ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናነከየ ይመጽእ ኣሎ።

እዞም እንስሳት ዘገዳም ዝበዝሕ እዋን ደረቕን ብክሊማዊ ለውጢ ዝተሃሰየን ቦታ ስለዝመርጹ ኩነታት ናብርኦም ከቢድ ከምዝኸውን እቲ በዓል ሞያ የረድእ።

“ንኣብነት ሴሬንጌቲን ማሳይ ማራን ኣብ ዝበሃሉ ከባብታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ልዕሊ 3 ሽሕ ኣናብስ ኣለዉ። ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ነብሪ ጎልጎል ግን ብዝሖም ካብ 300 ኣይዛይድን” ይብል።

ካብቶም ኣብዚ እዋን ኣብ ጫካታት ዝርከቡ ነብሪ ጎልጎል እቶም ዝበዝሑ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምኡ ድማ ኣብ ምብራቕን ደቡባዊውን ኣፍሪቃ ከምዝርከቡ መረዳእታታት የመልክቱ።

በቲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር እቶም እንስሳት ብዝያዳ ዝተሃሰያ ግን ኢትዮጵያ ሶማሊላንድን ከምዝኾና ቶማስ ይዛረብ።

“እቶም ኣሰጋገርቲ ንሓረስቶት ክረኽቡ ከለዉ ‘ኣብ መገድኹም ድሙ በረኻ እንተረኺብኩም ሒዝኩም ሃቡና ክንዕድገኩም ኢና’ ይብልዎም። ካብኣቶም ተቐቢሎም ከኣ ይሸጥዎም” ክብል የረድእ።

እቶም ዕዋል [ውላድ] ነብሪ ጎልጎል ተኣኪቦም ናብ የመን ምስበጽሑ ድማ ናብ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ዓረብ ኢማራትስ፣ ባህሬን፣ ኦማንን ካልኦት ሃገራት ዓረብን ይሽየጡ።

ኣብ ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ዋጋ ሓደ ዕዋል ካብ 250 ክሳብ 500 ዶላር ክበጽሕ ይኽእል። ናብ ኣዕራብ ሃገራት ክውሰዱ ከለዉ ግን ዋግኦም ካብ 6 ክሳብ 8 ሽሕ ዩሮ [ከባቢ 430 ሽሕ ብር ኢትዮጵያ] ይበጽሕ።

ኢትዮጵያ እንታይ ትሰርሕ ኣላ?

መብዛህቲኦም ነብሪ ጎልጎል ካብ ከባቢታት ኦሮሚያ፣ ዓፋርን ሶማሊያን ከምዝኾኑ እቲ በዓል ሞያ ይዛረብ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ዘይሕጋዊ ዝውውር ደው ንምባል ብኢጋድ ኣቢሉ ጻዕሪታት እንተገበረ’ውን ኣብ ኣፈጻጽምኡ ግን ክፍተት ከምዘሎ ቶማስ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ እንስሳት ዘገዳም ጽኑዕ ሕጊ ከምዘለዋ ብምዝኽኻር ኣብ ኣፈጻጽማ ግን ኬንያ ዝሓሸ ተሞክሮ ከምዘለዋ ይገልጽ።

ንሱ ከምዝብሎ፤ መብዛሕቲኦም እቶም ናብ ኣዕራብ ሃገራት ዝውሰዱ ነብሪ ጎልጎል ዝርከቦም ‘ድሙ ጫካ’ [ዋይልድ ካትስ’] ብዝብል ዝፍለጡ ዓሌት ብማሕበራዊ መራኸቢ ኣቢሎም’ዮም ዝሽየጡ።

ብዘይካ ነብሪ ጎልጎል ከም ነብርን ኣንበሳን ዝበሉ እንስሳት እውን ካብ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን እናተወሰዱ ናብ ኣዕራብ ሃገራት ብኣሽሓት ዶላራት ከምዝሽየጡ ዘረጋግጹ መረዳእታታት ኣለዉ።

ኬንያን ሶማሊላንድን ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ ኣብዚ ዘይሕጋዊ ዝውውር ዝሳተፉ ሰባት ኣብ ቀይዲ የውዕላን ይቐጽዓን ምህላወን፤ ነቲ ዘይሕጋዊ ንግዲ እንስሳት ዘገዳም ንምቁጽጻር ተስፋ ዝህብ ምዃኑ እቲ በዓል ሞያ ኣብሪሁ።