ኣብ ሂውስተን፡ ንሰሙን መመላእታ ጠፊኡ ዝጸንሐ ነብሪ ተረኺቡ

ኣብ ጎደናታት ሂውስተን ክዛውን ድሕሪ ምርኣዩ ንሰሙን መመላእታ ጠፊኡ ዝቐነየ ነብሪ ከም ዝተረኽበ፡ ፖሊስ ኣረጋጊጹ።

እቲ 'ህንዲ' ዝስሙ ናይ ትሽዓተ ኣዋርሕ ዕድመ ዘለዎ ነብሪ፡ ብቐዳም ከም ዝተረኽበን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና ከም ዘሎን ተሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ እቲ ነብሪ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል እታ ከተማ እናዞረ የርእይ።

እቲ ነብሪ ብ9 ግንቦት ኣብ ጎደናታት ምርኣዩ ፖሊስ ሓበሬታ ምስ በጽሖ ናብቲ ቦታ ኣብ ዝተንቀሳቐሰሉ፡ ሓደ ሰብኣይ ነቲ ነብሪ ኣብ መኪና ጽዒኑ ከም ዝተሸርበ ፖሊስ ሓቢሩ።

ፖሊስ ነቲ ሰብኣይ ክከታተሎ እኳ እንተፈተነ ክረኽቦ ኣይከኣለን።

እቲ ነብሪ ሰንበት ናብ መኻነ እንስሳ ክርከብ ምዃኑ ተገሊጹ።

ወናኒ እቲ ነብሪ ምዃኑ ዝግለጽ፡ ሁጎ ኬቫስ ካብ ፖሊስ ብምህዳሙ፡ ድሕሪ ገለ መዓልታት ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ንሱ ኣቐዲሙ ብቅትለት ተኸሲሱ ብዋሕስ እዩ ተፈቲሑ ነይሩ።

ጠበቓ ሚስተር ኬቫስ፡ ንኣሶሼትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዓሚሉ ወናኒ እቲ እንስሳ ናይ ከም ዘይኮነ ግና ኣብ ምእላይ እቲ እንስሳ ከም ዝዋሳእ ተዛሪቡ።

በዓልቲ ቤት ሚስተር ኬቫስ ነቲ ነብሪ ናብ ፖሊስ ከም ዘረከበቶ፤ ፖሊስ ብቐዳም ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ነብሪ ኣበይ ከም ዝጸንሐ ዛጊት'ኳ እንተዘይተነጸረ፡ ኣብ ውሑስ ገዛውቲ ተዓቚቡ ክኸውን ከም ዝኽእል ኮማንደር ፖሊስ ሂውስተን ሮን ቦርዛ ኣቐዲሙ ሓቢሩ ነይሩ።

ሚስተር ቦርዛ ብቐዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ከምኡ ዝኣመሰለ እንስሳ ኣብ ገዛኹም ክትሕዙ ኣይግባእን። ዕድመ እቲ እንስሳ ትሽዓተ ኣዋርሕ ጥራይ እኳ እንተኾነ፡ ድሮ 80 ኪሎ ግራም እዩ ዝምዘን። ከቢድ ሓደጋ ከውርድ ይኽእል እዩ" ኢሉ።

ኣብ ክፍለ ሃገር ቴክሳስ ነብሪ ምውናን ዝፍቀድ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ከተማ ሂውስተን ግና ክልኩል እዩ።

ብመሰረት ሓበሬታ 'ዎርልድ ዋይልድላይፍ ፈንድ' ኣብ ኣሜሪካ ኣስታት 5,000 ዝተቐየዱ ነብሪ ኣለው።