እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ነብሪ ጎልጎል ኢትዮጵያ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ሃገራት ዓረብ ብብዝሒ ይሽየጡ ኣለዉ
በዓልመዚ ልምዓትን ሓለዋን እንስሳታት ዘገዳም ኢትዮጵያ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ውላድ ነብሪ ጎልጎል (ዓርዓር ነብሪ) ብዘይሕጋዊ መገዲ ብብዝሒ ናብ ወጻኢ ሃገራት ይሰጋገሩ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።
እዞም ዓይነት እንስሳታት ዘገዳም ብሕቡእ ካብ ዝሰጋገሩለን፡ እተን ዝበዝሓ ሃገራት ዓረብ እየን። ደቂ እዘን ሃብታማት ሃገራት ልክዕ ከም ናይ ገዛ እንስሳ ከምዝጥቀሙሎም ይግለጽ።
ኢትዮጵያ፡ ነብሪ ጎልጎል ወይ 'ቺታህ' ብዝብል ዝፍለጥ ዓሌት ነብሪ ዝኾነ እንስሳ ዘገዳም ብብዝሒ ካብ ዝርከቡለን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኮይና፡ ካብ 10-15 ሽሕ ከምዘለውዋ ይግመት።
በዓል መዚ ልምዓትን ሓለዋን እንስሳታት ዘገዳም ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ቁጽጽር እንስሳታትን ውጽኢታቶምን ኣይተ ዳንኤል ጳውሎስ፡ ኣብዚ እዋን ቁጽሪ እቶም ብሕቡእ ካብ ሃገር ዝወጽኡ ኮራኹር ነብሪ ይውስኽ ከምዘሎ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ካብ ኢትዮጵያ ምስወጽኡ ኣብ ሶማሊላንድ ሃርጌሳ ይተሓዙ። ምስተትሓዙ ድማ ምልውዋጥ ሓበሬታ ንገብር ኢና።
"ካብ ኢትዮጵያ ምስወጽኡ ብብዝሒ ናብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ'ዮም ዝውሰዱ። ኣብተን ሃገራት ዝለዓለ ጠለብ ኮራኹር ነብሪ ጎልጎልን ኣንበሳን ኣሎ" ኢሉ።
እቲ ብዓልመዚ ከምዝበሎ ኣብ ኢትዮጵያ እቶም ዝበዝሑ ነብሪ ጎልጎል ኣብ ክልል ሶማሌ ይርከቡ። ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ድማ ነዞም እንስሳት ብዘይሕጋዊ መገዲ ብምስግጋር ከምዝሕትት ኣይፈልጥን ነይሩ ይብል።
"ኣብዚ እዋን ግን ቁሩብ እናተገንዘበ መጺኡ'ሎ። ነቲ ሕጊ ምስፈለጡ ግን ብሕቡእ ከሰጋግሩ እዮም ጀሚሮም።
"እቲ ዘሰጋግሩሉ መገዲ ድማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝረቐቐ እዩ። ሓደ ንምጥቃስ፡ ኣብ ናይ በዓል 20 ሌትሮ ጀሪካን ኣርባዕተ ኮራኹር ሓቢኦም ብድሬዳዋ ናብ ሶማሌ ከሰጋግሩ ተታሒኦም'ዮም" ክብል ኣረዲኡ።
ሕጊ ኢትዮጵያ ነዞም እንስሳታት ዘገዳም ከሰጋግር ዝተረኸበ ሰብ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ክእሰሩ ከምዝድንግግ ዝሓበረ ኣይተ ዳንኤል፡ ክሳብ 30 ሽሕ ብር መቕጻዕቲ ኣለዎ ኢሉ። እዚ ሕጊ ጥቡቕ ብዘይምዃኑ ግን ምምሕያሽ እናተገበረሉ እዩ።
ስርዓት ቁጽጽር
ኣብቲ ከባቢታት ዝርከቡ ኣካላት ኣብ ምቁጽጻር ከምዘለዉ ዝገለጸ ኣይተ ዳንኤል፡ ኣብ ዝተፈላላየ ቦታታት ናይ ጉምሩክ ኬላታትን ፈደራል ፖሊስን ተዋፊሮም ከምዘለው ገሊጹ።
ኣብ ርሑቕ ከባቢታት'ውን ምስ ሰራዊት ምክልኻልን ፖሊስ ክልልን ተሓባቢሮም ከምዝሰርሑ ኣብሪሁ።
ኣይተ ዳንኤል ከምዝበሎ፤ ነብሪ ጎልጎልን ውላድ ኣንበሳን ብምብራቓዊ ክፋል ኢትዮጵያ ኣቢሎም'ዮም ዝሰጋገሩ። ነዚ ንምቁጽጻር ድማ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ሓበራዊ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ የረድእ።
ንምዃኑ ክንደይ ነብሪ ጎልጎል ካብ ኢትዮጵያ ብሕቡእ ይወጽኡ ዝብል ሕቶ ንኣይተ ዳንኤል ኣቕሪብናሉ።
"ኣብ ወርሒ ብውሕድ ክሳብ ኣርባዕተ ኮራኹር ነብሪ ጎልጎል ክሰጋገሩ ይተሓዙ እዮም። እዚ ኣብቲ ከባቢ ከም ሓደ ንግዲ ስለዝቑጸር ኣብ ገለ እዋናት ብስፍሓት'ዩ ዝፍጸም። ንሓደ ኩርኩር ካብ 10 ክሳብ 15 ሽሕ ብር ዝሸጡሉ ኩነታት ኣሎ" ዝብል መልሲ ሂቡ።
ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ኣብዚ ቕነ ዝተወሰኑ ኣሰጋገርቲ ነብሪ ጎልጎል ኣብ ቀይዲ ዘእተዉ ኮይኖም፡ እቶም እንስሳታት ዘገዳም ድማ ብብዝሒ ካብ ኢትዮጵያ ከምዝውሰዱ ይግለጽ።