እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ መዓልቲ ኣብ ዓለም ክንደይ እንስሳት ዝውለዱ ይመስለኩም?
ኩሎም እንስሳታት ከም ኣዕዋፍ፡ ኣናህብ፡ ቁንጭን ካልኦትን፡ ብፍቅሪ ደኣ ኣይኹን እምበር ከምዝፋረዩ ሓቂ ኢዩ። ይኹን ደኣ እምበር መዓልታዊ ኣብ ምሉእ ዓለም ክንደይ እንስሳታት ከምዝውለዱ ክንግምት'ዶ ንኽእል?
ዋይልድ ላይፍ ብሪጣንያ ከምዘመልክቶ ኣስታት 40 ሚሊዮን ናይ በረኻ ማንቲለ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ይውለዳ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ሓንቲ ማንቲለ ነፍሲ ወከፈን ሾብዓተ ግዜ ክትወለድ እንከላ ካብ ሰለስተ ክሳብ ሸውዓተ ትወልድ።
ነፍሲወከፍ ኣንስተይቲ ማንቲለ፡ ንበል ሸውዓተ ግዜ ሓሙሽተ እንተወሊደን፡ መዓልታዊ 1,917,808 ማንቲለ ይውለዳ ማለት ኢዩ።
መጠን ዝርግሐ እቶም ኣብ ውሱን ከባቢታት ዝርከቡ ዘርእታት ከም በዓል ሃምቦልድት ፐንጉን እንታይ ይመስል፧ እዞም ፍጥረታት እዚኣቶም ደቀባት ናይ ገማግም ባሕሪ ቺለን ፐሩን ኢዮም።
ወላ'ኳ ሃምቦልድት ፐንጉን ኣብ ሓደ ግዜ ክልተ እንቋቁሖ ይወልዱ እንተኾኑ፡ ጽምዲ ውላድ ክወልዱ ድማ ትጽቢት ይግበረሎም።
ብመሰረት ዝገበርናዮ መጽናዕቲ፡ ወላ እኳ ኩሎም ዝተወልዱ እንቋቁሖ እንተዘይጫጭሑ፡ ኣብ ዓመት ክሳብ 14,400 ሃምቦልድት ፐንጉን ይጫጭሑ። እዚ ከኣ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 40 ይውለዱ ማለት ኢዩ።
እዚ ኣሃዝ እዚ ብዙሕ ኣይኮነን፡ ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ኣብ ምጽናት ዝርከባ እንስሳታት ብምባል ይግለጻ።
ምስቶም ኣብ ሓደጋ ዘይወደቁ ዘርኢ ከም በዓል ናይ ደርሁት ከተወዳድሮም እቲ ቁጽሪ ብጣዕሚ ንኡስ ኢዩ።
ብመሰረት ገምጋግም ጭብጥታት ትካል መግብን ሕርሻን ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 62 ሚልዮን ደርሆታት ከምዝውለዱ ይንገር። እዚ ከኣ ዓቢ ቁጽሪ እዩ።
ከምኡ እውን ቁጽሪ ንህቢ ብጣዕሚ ብዙሕ ኢዩ። ኣብ ውዑይ ኣዋርሕ ፡ ኣብ መዓልቲ ናይ ሓንቲ ንግስቲ ንህቢ እንቋቑኦሖ ብገምጋም 1,500 ይበጽሕ።
ኣብ ጥሪ 2018፤ ጠቕላላ 247,461 ናይ ንህቢ ቆፎ ከምዝተመዝገበ ተሓቢሩ።
ስለዚ ኣብ ክረምቲ መዓልታዊ ካብ 371,191,500 ንላዕሊ ኣናህብ ክምዝውለዱ ይንገር።
ምናልባት እዚ ኣሃዝ እዚ ትኽክለኛ ከይመስል ይኽእል።
ሞኒካ ቦህም፣ ኣብ ትካል እንስሳታት ለንደን፡ ምሉእ ሓበሬታ ባህሪ ናይ ምፍራይ ዘርኢ እንስሳታት ስለዘይብልና፡ ትኽክለኛ ቁጽሪ ናይ ኩሉም ዓይነት እንስሳታት ክንፈለጥ ኣጽጋሚ ኢዩ ትብል።
ብኣንጻሩ ኣብ ኲን መሪ ዩኒቨርስቲ ፕሮፈሰር ኣለክስ ሮስበርግ፡ ነዚ መልሲ ኣለኒ ኢሉ ይኣምን።
ንሱ እቶም ዝበዝሑ ታህዋስያን ካብቶም ዝወሓዱ ብብዝሒ ከምዝተዓጻጸፍዎም የመልክት።
እዚ ማለት ከኣ ኣናህብ ካብ ሓሳማ፣ ናይ ዕንጨይቲ ቁማል ካብ ቅንፍዝ፡ ጻጸ ካብ ፍሒራ ይበዝሑ።
ኣብ ዓለምና እቶም ብቁጽሪ ዝበዝሑ እንስሳታት ነማቶድ ወይ ድማ ራውንድ ዎርም ይበሃሉ። ኣብ ሓደ ትርብዒት ሜተር ናይ ምድሪ ኣስታት ሰለስተ ሚልዮን ኔማቶድ ኣለዉ።
ብመሰረት ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ሓደ ሲ ኢለጋንስ ዝተባህለ ዘርኢ ናይ ኔማቶድ ኣብ ሰዓት ኣስታት ሓሙሽተ እንቋቁሖ ይወልዱ።
በዚ መሰረት እዚ ፕሮፈሰር ሮስበርግ ሓደ ካብ 100 እንቋቁሖ ምስ ዝጫጭሕ፣ ኣብ መዓልቲ ጠቅላላ 600 ኲንቲልዮን ማለት 6ብ20 ዜሮ ተኸቲላ፡ ሲ ኢለጋንስ ኔማቶድ ይውለዱ።
እቲ ቁጽሪ ከኣ፡ ኣብ ሓደ ትርብዒት ሜተር 3 ሚልዮን እንተለዉ፡ ሓንቲ ኔማቶድ ከኣ ኣብ ሰዓት 5 እንቋቁሖ ትወልድ እንተኾይና፡ ኣብ 24 ሰዓታት ድማ ሓንቲ ሚታዊት ትጫጭሕ።
በቲ ቁጽሪ ናይ ትርብዒት ሜተር ናይ ምድሪ ምስ ዝረብሕ፣ ማለት 150,000,000,000,000 ኣብ መሬት መዓልታዊ 600 ኲንቲልዮን ይውለዱ። እቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ኣብ ማይ ዘሎ ኔማቶድ ምስ ዝቁጸር ድማ እቲ ቁጽሪ ብተዓጻጻፊ ክበዝሕ ኢዩ።
ስለዚ መዓልታዊ ሽድሽተ ሚእቲ ኲንቲልዮን ኔማቶድ ይውለዱ።
እዚ ሓደ ዓይነት ዘርኢ እንስሳ ክኸውን እንከሎ፡ 40 ሃምቦልድት፣ 62 ሚልዮን ደርሁት፡ ቁጽሪ ኣልቦ ማንቲለን፡ 371,191,500 ኣናህብን ነቶም ዝተረፉ ዘርኢ እንስሳታት ንምግማት ይሕግዝ።
ትካል ምሕደራ ውቕያኖስን ጠፈርን ከምዝሕብሮ፡ ወላ እኳ 95% ውቅያኖስን፣ ናይ ውቅያኖስ ምድሪ ቤትን ዘይተፈተሸ እንተኾነ፡ ኣብ ዓለምና ኣስታት 7.7 ሚልዮን ዘርኢ እንስሳታት ከምዘለዉ ይፍለጥ።
ስለዚ ንኹሎም ዘርኢ እንስሳታት ኣብ ዓለምና ክሳብ እንፈልጦምን እንጽንዖምን፡ እዚ ሕቶ እዚ ብዘይመልሲ ክጸንሕ ኢዩ።