ኣብ ሕዛእትታት ኢትዮጵያ ዘጋጥም ዘሎ ተደጋጋሚ ባርዕ መንቀሊኡ እንታይ’ዩ?

ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ክልተ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ እዋን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ሕዛእትታት ሓደጋ ባርዕ ስለዘጋጠሞም፡ ከቢድ ዕንወት ኣጋጢሙ።

ኣብ ገለ እቶም ሕዛእትታት እቲ ባርዕ ክጠፍእ ከሎ፡ ኣብ ገሊኦም ድማ ገና ይቕጽል ኣሎ። እቲ ባርዕ መዓዝን ኣበይን የጋጥም ምህላዉ ብኸም’ዚ መልክዑ ክነቕርበልኩም።

ኣብ’ዚ ጽሑፍ ተገሊጹ ዘሎ እዋናት፡ ብኣቆጻጽራ ግእዝ እዩ።

መጋቢት 2/2013፡ ሃላይደጌ ኣሰቦት ኣብ ዝበሃል ሕዛእቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ፡ ዛጊድ ልዕሊ 100 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ሳዕርን ቆጥቋጥን ኣዕኒዉ ኣሎ።

ብሰንኪ ንፋስ ድማ እቲ ባርዕ ብፍጥነት ይላባዕ ምህላዉን ንምቁጽጻሩ’ውን ኣጸጋሚ ኮይኑ ምህላዉን ይግለጽ።

መጋቢት 5/2013፡ ኣካል ሃገራዊ ሕዛእቲ እምባታት ኣርሲ ዝኾነ፡ ጭላሎ ጋለማ ዝበሃል ጫካ ተባሪዑ፡ ነዊሕ ዕድመ ዘቑጸሩ ዓይነታት ኣግራብ ከምዝዓነዉ ይግለጽ።

እቲ ንመዓልታት ዝጸንሐ ሓደጋ ባርዕ ሰፊሕ ቦታታት ዝሸፈነ ኮይኑ፡ እቲ ሕዛእቲ ካብ ዝሽፍኖም ትሸዓተ ወረዳታት፡ ኣብቶም ሸውዓተ ዕንወት ኣብጺሑ’ሎ።

መንቀሊ ናይ’ቲ ባርዕ፡ ንመግሃጫን እንስሳ ዘገዳም ንምክልኻልን ተባሂሉ ዝተወለዐ ሓዊ ዝፈጠሮ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ።

መጋቢት 12/2013፡ ኣብ ሃገራዊ ሕዛእቲ “ሰሜን ተራሮች” ባርዕ ተላዒሉ እኳ እንተነበረ፡ ከቢድ ዕንወት ከየውረደ ከምዝጠፍአ ይግለጽ።

መንቀሊ ናይ’ዚ ባርዕ ኣይተፈለጠን። እንተኾነ፡ ካብ ሳዕርን ገለ ኣእዋምን ሓሊፉ ኣብ እንስሳ ዘውረዶ ሓደጋ የለን ተባሂሉ’ሎ።

ቅድሚ ሕዚ ግን፡ ኣብ’ቲ ሕዛእቲ ከቢድ ዕንወት ዘውረደ ሓደጋ ባርዕ ኣጋጢሙ ምንባሩ ይዝከር።

መጋቢት 13/2013፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ “ወፍ ዋሻ” ዝበሃል ጫካ ተባሪዑ፡ ብፍጥነት ከምዝተላበዐ ይግለጽ።

እዚ ባርዕ ከቢድ ዕንወት ዘውረደ ኮይኑ፡ ካብ ናይ ውልቀሰብ ግራት ዝተበገሰ ሓዊ እዩ ነዚ ዕንወት ኣውሪድዎ ተባሂሉ።

መጋቢት 14/2013፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ዝርከብ “ጅባት” ተባሂሉ ዝፍለጥ ጫካ ካብ ዝሓለፈ ሰሉስ ጀሚሩ ዝተባረዐ ኮይኑ፡ እቲ ሓደጋ ዛደድ 1ሽሕ ሄክታር ዝሽፍን ኣግራብ ከምዘዕነወ ይግለጽ።

እቲ ቦታ፡ ብዙሓት ዓሌት ኣዕዋፍን እንስሳ ዘገዳምን ዘዕቆበ ከምዝኾነ እዩ ዝንገር።

መንቀሊ ናይዚ ባርዕ እንታይ እዩ?

በዓል መዚ ሓለዋ እንስሳ ዘገዳም ኢትዮጵያ፡ እቶም ሕዛእትታት ዘለዎም ከባብታት ዋዒ ዘለዎም ብምዃኖም፡ ባርዕ መሮር ብባዕሉ ዝለዓለሉ እዋን ከምዘሎ ይገልጽ።

ካልእ ምኽንያት ድማ፡ መዓር ንምብርባር ኢሎም ወይ ድማ ፈሓም ከፍሕሙ ኢሎም፡ ሰባት ዘልዕልዎ ባርዕ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ እናኾነ ነቲ ሕዛእቲታት ከምዘዕኑ ይገልጽ።

ገለ እዋናት ድማ፡ ሓረስቶት ሓድሽ ሳዕሪ መግሃጫ ንኽቦቕለሎም ኢሎም ነቲ ዝነበረ ደረቕ ሳዕሪ ኣብ ዘቃጽልሉ እዋናት፡ ባርዕ ናብ’ቲ ሕዛእትታት ከምዝላባዕ እቲ በዓል መዚ የብርህ።

ስለዝኾነ ድማ፡ መንቀሊ ናይ’ቲ ሓደጋታት ባርዕ፡ “ተፈጥሮኣውን ሰብ ሰርሖን እዩ” ይብል።