“ወዲ 16 ዓመት ወደይ ብጥምየት ሞይቱ”- ነባሪ ቦረና

ብምኽንያት ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ደርቂ ሰባት ይሞቱ ከም ዘለው ነበርትን ሓደ በዓል ስልጣን እቲ ከባብን ተዛሪቦም።

ነባሪ ዞባ ቦረና ወረዳ ተልተሌ ኣቶ ጉዮ ቱሩ፡ ብምኽንያት ጥምየት ቅድሚ ሓደ ሰሙን ወዲ 16 ዓመት ውላዶም ከም ዝስኣኑ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

“ወደይ ቆሪ ጉዮ ይብሃል ነይሩ፤ ወዲ 16 ዓመት መንእሰይ ነይሩ። ብጥምየት ሓሚሙ፤ ምንም ኣይነበረንን። ጥሪትና ተወዲአን እየን፤ ናብ ሆስፒታል ወሲድናዮ ምስ ሕጽረት መግቢ ዝተሓሓዝ እዩ ኢሎምና። ካብኡ ምስ ተመለሰ ሞይቱ” ይብሉ።

ኣመሓዳሪ እታ ወረዳ ኣቶ ኤንጌ ዋሪዮ፡ ኣብታ ወረዳ ብዘጋጠመ ሕጽረት መግቢ ብዝተሓሓዝ ህጻን ክልተ ወርሒ ዝርከቦም ሸውዓተ ሰባት ከም ዝሞቱ ገሊጹ።

“ሰባት ብዘይ መግቢ ብዙሕ መዓልታት የሕልፉ ኣለው፤ ጥሪት ሃሊቐን እየን” ኢሉ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውሕስና መግብን ምክልኻል ሓደጋን እታ ወረዳ ኣቶ ገልመ ሞሉ ግን ብምኽንያት ጥምየት ሰባት ይሞቱ ኣለው ዝብል ሓበሬታ ከም ዘይበጽሖ ብምግላጽ፡ 'ህጻናትን ኣረጋውያንን ግን ብምኽንያት ሕጽረት መግቢ ካብ ዝስዓቡ ቀለልቲ ሕማማት ይሓውዩ ኣለ' ክብል ተዛሪቡ።

እቲ ኣብታ ዞባ ዘጋጠመ ደርቂ ኣብ ልዕሊ እንስሳት ኣዝዩ ዝኸፍአ ጉድኣት ከስዕብ እንከሎ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ጥሪታት ዝስኣኑ ኣርባሕቲ እንስሳት ብዙሓት እዮም።

ነባሪ ወረዳ ተልተሌ ኣቶ ቱራ ሮባ ቅድሚ ሕጂ 150 ጥሪት ነይሩዎ፤ ሕጂ ግን ኩለን ሞይተን ኣርባዕተ ጥራይ ከም ዝተረፋ ተዛሪቡ።

“እቲ ደርቂ ኣጥቂዑና’ዩ፤ ዘመሓድራና ከብቲ ኩለን ስኢንናየን። ብዙሕ ጥሪት ኣለዎም ዝብሃሉ እንከይተረፈ ስኢኖምወን። እተን እተረፋኒ ኣርባዕተ ጥሪት’ውን ዓርሰን ክኢለን ካብ ዘዐየማሉ ኣይለዓላን። ብሕጽረት ማይን ቀለብን ማሲነን እየን” ኢሉ።

ትካል ስደተኛታት ዓለም ካብ መወዳእታ 2021 ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ደርቂ 4.5 ሚሊዮን ናይ ገዛ እንስሳት ከም ዝሞታ ገሊጹ።

ህጹጽ ረድኤት ዝደልዩ 800 ሽሕ ሰባት

ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ሶማልያን ተኸታተልቲ ሓሙሽተ ናይ ዝናብ ወቕቲታት ፈሺሎም እዮም።

በዚ ምኽንያት ሚሊዮናት ንህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ተቓሊዖም ይርከቡ።

ትካል ጥዕና ዓለም ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ንሓሙሽተ ወቕቲታት ዝናብ ብዘይምዝናቡ 24 ሚሊዮን ሰባት ንዝኸፍአ ሕጽረት መግቢ ተቓሊዖም ኣለው ኢሉ።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቦረና’ውን ብምኽንያት ደርቂ ልዕሊ 800 ሽሕ ሰባት ህጹጽ ረድኤት መግቢ ከም ዘድልዮም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውሕስና መግብን ምክልኻል ሓደጋን እታ ዞባ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

“መንግስትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ብሓባር ኰይኖም ዝሰርሑዎ ዳህሳስ 867 ሽሕን 140 ሰባት ህጹጽ ረድኤት ከም ዘድልዮም የርኢ” ብምባል፡ ኣብታ ዞባ ዝርከባ ኩለን ወረዳታት ብደርቂ ከም ዝተጐድኣ ሓቢሩ።

ይኹን’ምበር፡ ክሳብ ሕጂ ዝቐርብ ዘሎ ድጋፍ ኣዝዩ ትሑት ከም ዝዀነ ነበርትን ኣመሓደርትን እታ ወረዳ ይገልጹ።

ኣቶ ገልመ ሞሉ፡ እኹል ረድኤት መግቢ ይበጽሕ ብዘይምህላው ብቐለልቲ ሕማማት ዝተጠቕዑ ሰባት ጥዕንኦም ክመሓየሽ ከም ዘይክኣለ ሓቢሩ።

ሓላፊ ውሕስና መግብን ምክልኻል ሓደጋን ዞባ ቦረና ኣቶ ሊበን ሳራን፡ ኣብታ ዞባ ህጹጽ ረድኤት መግቢ ካብ ሞንጐ ዘድልዮም ሰባት፡ ንልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት’ውን ረድኤት ክበጽሕ ኣይክኣለን ኢሉ።

“ቁጽሪ ዝተጎድኡ ስድራቤታት ይውስኽ ኣሎ፤ መንግስትን መንግስታዊ ዘይኰኑ ትካላትን ረድኤት የቕርቡ እንተሃለው’ውን፡ ዓቐን እቲ ረድኤትን ስፍሓት እቲ ጸገምን ክመጣጠኑ ኣይክኣሉን። እኹል ረድኤት የለን”።

ኣመሓዳሪ እታ ወረዳ ኣቶ ኤንጌ ዋሪዮ ብወገኑ፡ “መንግስቲ ንዝተወሰነ እዩ ዝድግፍ፤ እኹል ድጋፍ ግን ኣይቐርብን ዘሎ። ህጻናትን ኣረጋውያንን ጥምየት ምኽኣል ኣብዩዎም ይሞቱ ኣለው” ኢሉ።