ካብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ዝሃድሙ ተመዛበልቲ ልዕሊ 12 ሽሕ በጺሑ

ተመዛበልቲ ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካብቲ ኣብ ሱዳን ስልጣን ቁርቁስ ዝወለዶ ግጭት ሃዲሞም ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ቁጽሪ ተመዛበልቲ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

በብመዓልቱ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ናብ ኢትዮጵያ ይኣትዉ ከም ዘለዉ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ኣመልኪቱ።

ኦቻ ብ27 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም ግእዝ፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለፂ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት ብሰንኪ ኣብ ሱዳን ዝተፈጠረ ኲናት ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ዜጋታት ልዕሊ 12 ሽሕ ከም ዝበፅሐ ሓቢሩ።

ካብ ሱዳንን ብዞባ ምዕራብ ጎንደር- መተማ፡ ኣቢሎም ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ዘለዉ መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ኰይኖም ዜጋታት ካልኦት ሃገራት እውን ከም ከም ዝርከብዎም እቲ መግለጺ ይሕብር።

ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ሓደ ሽሕን 113 ተመዛበልቲ ብመተማ ኣቢሎም ዝኣተዉ ክኸውን ከሎ ልዕሊ ፍርቂ ካብኣቶም ኢትዮጵያውያን እዮም። እቶም ዝተረፉ ዜጋታት ሱዳን፡ ኤርትራ፣ ሶማልያ፣ ኣሜሪካ፣ ሶርያ፣ ጋናን ካልኦት ሃገራትን ከም ዝዀኑ ይግለጽ።

ብተወሳኺ ካብቶም ብዶብ ዝኣትዉ ስደተኛታት ብዙሓት ወጻእተኛታት ሕጋዊ ናይ ኢትዮጵያ ቪዛ ምስ ረኸቡ ናብ ሃገሮም ወይ ናብ ካልእ ቦታታት ይኸዱ ኣለዉ።

ገሊኦም ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ክጸንሑ ይመርጹ ከም ዘለዉ ኦቻ ሓቢሩ። ዜጋታት ኢትዮጵያ ከባቢኦም ይምለሱ ኣለዉ።

ይኹን'ምበር፡ ሕጂ'ውን ኣብ ዶብ ብዙሓት ዜጋታት ከም ዘለዉን፡ መብዛሕትኦም ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮምን ሕቡራት ሃገራት የጠንቅቕ።

ንተመዛበልቲ መግቢ፡ ማይ፡ ህጹጽ መዕቆቢን ካልኦት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ከም ዘድልዮም ሓቢሩ።

ኦቻ ኣብ ዶብ ከባቢ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ መሰረታዊ ግልጋሎት ንምሃብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓገዝ ከበርክት ሓቲቱ። ኢትዮጵያ ንዞባዊ ትልሚ ምላሽ ስደተኛታት 76.9 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ክትህብ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተሓቲታ ኣላ።

ብዝሒ ብዶብ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ሰባት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ጥዕና ሓዊሱ መሰረታውያን ኣገልግሎታት ክብርኽ ምግባር እቲ ኵነታት ንከይጋደድ ዝከላኸል እዩ።

መሻርኽቲ ጥዕና ኣብ ዶባዊት ከተማ መተማ ዘካየድዎ ቅልጡፍ ገምጋም ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ድሩትነት ከም ዘሎ ምርግጋጹ ኦቻ ጠቒሱ።

ኣብዚ እዋን’ዚ እተን ትካላት ጥዕና፡ ሕጽረት መሰረታዊን ህይወት ዘድሕንን መድሓኒት ከም ዘለወን ገሊጹ።

እቲ ኵነታት ከይተጋደደ ከሎ ህፁፅ ሓገዝ ምጥንኻር ኣድላዪ ምዃኑ’ውን ኣስሚሩ ኣሎ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብታ ሃገር ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ዕጡቓት ሓይልታትን ብዝተፈጥረ ግጭት ብውሕዱ ሸሞንተ ኢትዮጵያውያን ከም ዝተቐትሉ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኣብዚ ንሰለስተ ሰሙን ዝጸንሐ ሓያል ውግእ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣስታት 450 ሽሕ ነበርቲ ድማ ተመዛቢሎም እዮም።

ልዕሊ 115 ሽሕ ካብኣቶም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ከም ዝተሰደዱ ካብ ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝተረኽበ መረዳእታ የመልክት።

ካርቱም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብዚ ህይወት ሚልዮናት ኣብ ሓደጋ ዘውደቐ ግጭት፡ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳንን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃንን መራሒ ሓይልታት ወሃቢ ህፁፅ ደገፍ ጀነራል መሓመድ ዳጋሎ-ሕሜቲን፡ ናይ ስልጣን ቁርቁስ ኣብ ዝወለዶ ውግእ ተፀሚዶም ይርከቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ክልቲኦም ተራፀምቲ ሓይልታት ዝገብርዎ ተኹሲ ደው ምባል ብተደጋጋሚ ድሕሪ ምፍሻሉ ይዝከር።

ሕዚ ድማ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ፊት ንፊት ዝርርብ ክገብሩ ምዃኖም ተገሊጹ ኣሎ።

ካብ 15 ሚያዝያ ጀሚረም ኣብ ርሱን ውግእ ተጸሚዶም ዘለዉ ንሰራዊት ሱዳን ዝመርሕ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃንን ንሰራዊት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ዝመርሕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን (ሕሜቲ) ወከልቶም ናብ ስዑድ ዓረብ ሰዲዶም ክመያየጡ ከም ዝተሰማምዑ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን፡ ቮከር ፐርተስ ገሊጹ ነይሩ።

ስዑድ ዓረብ፡ ነቶም ንሓድሕዶም ክዋግኡ ዝፀንሑ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ወሃቢ ህፁፅ ደገፍን ትማሊ ቀዳም ክተዛትዮም ጀሚራ ኣላ።

ኣሜሪካን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ጅዳ ኣብ መንጎ ክልቲአን ተዋጋእቲ ሓይልታት "ቅድሚ ድርድር" ምጅማሩ ብዝምልከት ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺአን፡ ጽቡቕ ጅማሮ ኢለን ኣለዋ።

እቲ መግለፂ፡ “ንኹሎም ውድባት ሱዳን ዘጣቐለለ ከይዲ ልዝብ” ክህልው ድማ ኣተስፍዩ ኣሎ።