ኣብ ኵናት ሩስያ ዝሃለኹ ወተሃደራት ዩክረይን፡ ስለምንታይ ንውሳነ ትራምፕ ይጽበዩ?

ኣብ ኵናት ሩስያ ዝሃለኹ ወተሃደራት ዩክረይን፡ ስለምንታይ ንውሳነ ትራምፕ ይጽበዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    • Author, ፖል ኣዳምስ
    • Role, ሪፖርተር ዲፕሎማሲ ቢቢሲ
    • Reporting from, ኪቭ

እቲ ቃና ሕልናኻ ዘዕርብ እዩ፣ ሕርቃን ዝተሓወሶ’ውን እዩ።

“እቲ ኩነታት መዓልታዊ እናገደደ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ። እቲ ዕላማ ኣይረኣየንን ዘሎ። እዚ መሬትና ኣይኮነን።”

ወተሃደራት ዩክሬይን ኣብ ዞባ ኩርስክ ሩስያ በርቃዊ መጥቃዕቲ ካብ ዝጅምሩ ዳርጋ ኣርባዕተ ወርሒ ገይሮም ኣሎው።

ካብቶም ኣብኡ ዝዋግኡ ዘለው ወተሃደራት ዝመጸኣ ናይ ጽሑፍ መልእኽትታት፡ ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ እኹል መረዳእታ ከምዘይብሎምን ክንሰዓር ኢና ዝብል ስግኣት ከምዘለዎምን ይኣምኑ።

ምስቶም ወተሃደራት ብመንገዲ ቴሌግራም፣ ምስ ሓያሎ ኣብ ኩርስክ ዝዋግኡ ወተሃደራት ርክብ ጌርና ኣለና፣ ሓደ ካብኣቶም ኣብ ቀረባ እዋን ዝለቐቐ እዩ። ናይ ዋላ ሓደ ካብኣቶም መንነት ከይንገልጽ ተሰማሚዕና ኢና።

ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ካብ ዝጥቀሱ ኣስማት ናይ ዋላ ሓደ ሰብ ሓቀኛ ስም ኣይኮነን።

ወተሃደራት ዩክረይን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብሰንኪ ዘየቋርጽ ደብዳብ ከቢድ ብረት ዝተበከለ ኣሰቃቒ ኩነታት ኣየርን ቀጻሊ ሕዱር ሕጽረት ድቃስ ከምዘለዎም ይዛረቡ። እዚ ነቲ 3000 ኪሎ ዝምዘን ዘባህርር ደብዳብ ግላይድ ቦምብ ዘጠቓልል እዩ።

ዩክሬናውያን የዝልቑ፡ ሓይልታት ሩስያ ከኣ በብቑሩብ ዳግማይ ንመሬቶም ይሕዙ ኣለዉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፓቭሎ ብ26 ሕዳር “ናይ ግዜ ሕቶ ጥራይ እምበር እዚ ኩነታት ክቕጽል እዩ” ክብል ጽሒፉ።

ፓቭሎ ብዛዕባ ከቢድ ድኻም፡ ናይ ቦታ ምቅይያር ዘይምህላው፡ ምምጻእ ብማእከላይ ዕድመ ዝቖማ ሓደስቲ ኣሃዱታትን፡ ካብ ካልእ ግንባራት መጺኦም ምስቲ ቦታ ክላለዩ እኹል ዕረፍትን ዕድልን ዘይረኽቡን እዮም።

በዚ ከኣ ወተሃደራት ብዛዕባ ኣዘዝቶምን ትእዛዛቶም፡ ሕጽረት እኹል ዕጥቅን ሎጂስቲክን ከማርሩ ምስማዕ ዳርጋ ዝተለምደ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ወተሃደራት ኣብ ጽንኩር ኩነታት በዚ ሕጽረታት የማርሩ እዮም።

ኣብ ትሕቲ ዘይተኣደነ ጸቕጢ ጸላእን እዋን በረድን ቀዝሕን ብዙሕ ተስፋ ክትገብር ዝሕሰብ ኣይከነን።

እቶም ዝበጽሑና መልእኽትታት ግን ዳርጋ ብምልኦም ተስፋ ዘይህቡ እዮም። ብሓጺሩ እቲ ኩነታት ኣዝዩ ተስፋ ዝቑረጽ ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።

ገሊኦም፡ ሓደ ካብቲ ናይ መጀመርታ ዕላማ ናይቲ ስርሒት - ንወተሃደራት ሩስያ ካብ ምብራቓዊ ግንባር ዩክይሬን ንምስሓብ ሓጊዙ ድዩ ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም።

እቲ ሕጂ ዝተዋህበ ትእዛዝ ግን፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ናብ ዋይት ሃውስ ዝኣቱ ሓድሽ ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ሓድሽ ፖሊሲ ሒዙ ክሳብ ዝኣቱ፡ ኣብዛ ጸባብ መሬት ሩስያ ተደፊእካ ምጽናሕ’ዩ ክብሉ ገሊጾም።

ፓቭሎ፡ “እቲ ቀንዲ ተዋሂቡና ዘሎ ዕማም፡ ክሳብ ትራምፕ ስልጣን ዝርክብን ዘተ ዝጅምርን ብዝከኣለካ ንመሬት ሩስያ ምሓዝ’ዩ። ምኽንያቱ ደሓር ምስ ገለ ቦታታት ክንልውጦ ምእንቲ። ግን ንፈልጦ የብልና” ኢሉ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ፕረዚደንት ዘለንስኪ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ምምሕዳር ኣሜሪካ ዝተገብረ ለውጢ ኣብ ግምት ከምዘእተዉ ገሊጹ ነይሩ።

"ንሱ [ፑቲን] ክሳብ 20 ጥሪ ደፊኡ ከውጽኣና ከም ዝደሊ ርግጸኛ እየ" ይብል።

“ነቲ ኩነታት ከም ዝቆጻጸሮ ከርኢ ክደሊ እዩ። ነቲ ዅነታት ግን ኣይቈጻጸሮን እዩ።”

ዩክረይን ኣብ ኩርስክ ንዝካየድ ጸረ መጥቃዕቲ ሩስያ ንምፍሻል ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ፡ ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ፈረንሳን ኩለን፡ ዩክረይን ኣብ ውሽጢ ሩስያ ኣብ ዝርከብ ዒላማታት ናይ ነዊሕ ርሕቀት ኣጽዋር ክትጥቀም ፈቒደን ኣለዋ።

እንተኾነ፡ ፍናን ናይቲ ሰራዊት ኣብ ምልዓል ብዙሕ ለውጢ ዝገበረ ኣይመስልን።

ፓቭሎ፡ "ኣብ ዝሑል ድፋዕ ኮፍ ኢሉ ሚሳይላት [ፍታሕ ከምጽኡ] ዝጽሊ ሰብ የለን"።

“ኣብዝን ሕጂን ንነብርን ንቃለስን ኣለና። ሚሳይላት ድማ ናብ ካልእ ቦታ እዮም ዝውንጨፉ።”

ሰራዊት ሩስያ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ሰራዊት ሩስያ ገለ ክፋላት ካብቲ ብዩክረይን ዝተትሐዘ ግዝኣት የሕድጉ ኣለዉ

ኣታክምስን (Atacms) ስቶርም ሻዶውን (Storm Shadow) ዝተባህሉ ሚሳይላት ኣብ ርሑቕ መደበራት ሩስያ ዕንወት ኣውሪዶም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። እንተኾነ ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ዓወታት ኣብ ቅድመ ግንባር ንዝርከቡ ወተሃደራት ርሑቕ ይመስል።

ማይሮስላቭ፡ “ኣብ ድፋዕ ብዛዕባ ሚሳይላት ኣይንዛረብን ኢና። ኣብዚ ባንከራት ብዛዕባ ስድራ ቤትን ዕረፍትን ኢና ንዛረብ።” ይብል።

ንዩክረይን፡ ሩስያ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ብእትገብሮ ዘላ ግስጋሰ፡ ኣብ ኩርስክ ግድን ክትጽንሕ ከምዘድሊ ዘጉልሕ እዩ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ጥራይ፡ ሩስያ ኣስታት 500 ትርብዒት ኪ.ሜ ዝስፍሓቱ መሬት ዩክረይን ክትሕዝ ክኢላ፡ እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 2022 ዝተኻየደ ምሉእ ወራር ጀሚሩ ዝበዝሐ እዩ።

ብኣንጻሩ ዩክረይን ድሮ ኣስታት 40% ካብቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ኩርስክ ዝሓዞ መሬት ስኢና ኣላ።

ቫዲም፡ “እቲ ስልቲ ሓዲሽ ምሓዝ ዘይኮነስ ነቲ ዝሓዝካዮ ምዕቃብ እዩ፡ ምስኡ ድማ ንቃለስ ኣለና” ኢሉ።

ዋላ እኳ ክሳራታት እንተሃለወ፡ ቫዲም ግን ወፍሪ ኩርስክ ገና ኣገዳሲ እዩ ኢሉ ይሓስብ።

"ብርግጽ ንገለ ሓይልታት [ሩስያ] ካብ ዞባታት ዛፖሪዝዚያን ካርኪቭን ከዘናብሎም ክኢሉ'ዩ" ኢሉ።

ገለ ካብቶም ዘዘራረብናዮም ወተሃደራት ግን ኣብ ዘይድሊ ቦታ ዘለዉ ኰይኑ ከምዝስመዖምን ንገለ ክፋል ሩስያ ካብ ምሓዝ፡ ኣብ ምብራቓዊ ግንባር ዩክረይን ምህላው ዝያዳ ኣገዳሲ ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።

"ቦታና ኣብዚ ኣብ መሬት ካልእ ሰብ ዘይኮነስ ኣብ ምብራቓዊ ዩክሬን ክኸውን ነይርዎ" ይብል ፓቭሎ። “እዚ ብዙሓት ብጾትና ዝረገፍዎ ጫካታት ኩርስክ ኣየድልየናን እዩ።”

ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ፡ ክሳብ 10 ሽሕ ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ናብ ኩርስክ ናብ ጸረ-መጥቃዕቲ ሩስያ ክጽንበሩ ከምዝተላእኩ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ። እንተኾነ፡ እቶም ዘዘራረብናዮም ወተሃደራት ዩክረይን ግን ክሳብ ሕጂ ከምዘረኣይዎም እዮም ዝገልጹ።

ቫዲም ብዛዕባ እቲ ጸብጻባት ምስ ሓተትናዮ፡ “ብዛዕባ ኮርያውያን ብህይወት ይኹኑ ዝሞቱ ኣይረኣኹን ኣይሰማዕኩን” ኢሉ መሊሱ።

እቶም ወተሃደራት፡ እንተወሓደ ሓደ ሰሜን ኮርያዊ ክሕዙ ከምዝተነግሮም ገሊጾም።

ንዝኾነ ወተሃደር ሰሜን ኮርያ ብዓወት ዝማረኸ ወተሃደር ሽልማት - ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ወይ ተወሳኺ ዕረፍቲ - ከምዝወሃብ ተሓቢርዎም።

ፓቭሎ፡ “ኣብቲ ጸልማት ጫካ ኩርስክ ኮርያዊ ክትረክብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ” ኢሉ ብላግጺ መሊሱልና። “ብፍላይ ኣብዚ እንተዘየለው።”

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ካልእ ግንባራትን ስርሒታትን ዝተሳተፉ ገዳይም ሰራዊት፡ ኣብቲ ኣብ ኩርስክ ዝፍጸም ዘሎ ተመሳሳሊ ነገር ከምዝረኣዮም ይገልጹ።

ካብ ጥቅምቲ 2023 ክሳብ ሓምለ ናይዚ ዓመት፡ ሓይልታት ዩክረይን ኣብታ ሓራ ዝወጸት ከተማ ከርሰን ኣስታት 25 ማይልስ ንላዕሊ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ጸጋማይ ገምገም ሩባ ድኒፕሮ ኣብ ዝርከብ ክሪንኪ ዝርከብ ንእሽቶ ድልድል ክሕዙ ፈቲኖም።

እቲ ስርሒት ኣዝዩ ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትት እዩ ነይሩ። ክሳብ 1000 ዝኾኑ ወተሃደራት ዩክረይን ከም ዝተቐትሉ ወይ ከም ዝጠፍኡ ይግመት።

ገሊኦም ካብ ካልእ ቦታታት ዝመጽኡ እዮም ነይሮም። እንተኾነ፡ ኣብኡ ጠፊኦም ተሪፎም።

ኣብ ኩርስክ’ውን ተመሳሳሊ ነገር ከይፍጸም እዮም ዝሰግኡ ዘለው።

ወተሃደራውያን ተንተንቲ ግን፡ ምስዚ ኩሉ ጸገማት፡ ወፍሪ ኩርስክ ኣገዳሲ ተራ ከም ዝጻወት እዮም ዝገልጹ።

ሓይልታት ዩክረይን ኣብ ኩርስክ "ንምእማኑ ዘጸግም ኩነታት" የጋጥሞም ከምዘሎ እዮም ዝግለጽ ዘሎ።

ኣብ ኪየቭ፡ እቶም ላዕለዎት ኣዘዝቲ፡ ስርሒት ኩርስክ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ዓስቢ ይሓፍስ ኣሎ ክብሉ ይምጉቱ።

ሓደ ኣብ ቀረባ እዋን ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ "እዚ ኩነታት ንፑቲን ዘሕርቖ እዩ። ኣብኡ ከቢድ ክሳራ ይወርዶ ኣሎ" ኢሉ።

ወተሃደራት ዩክረይን ኣብ ኩርስክ ክሳብ ክንደይ ክጸንሑ ከምዝኽእሉ፡ እቲ መልሲ ግልጺ እዩ።

"ብወተሃደራዊ ኣረኣእያ ክሳብ ዝኾነ ዝኸውን።"