ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዘዘራርባ ዘለዋ ፈለስቲ

ካብ ናይ ኣረጋውያን መንበሪ ሃዲመን ናብ ገዳም ዝኣተዋ ኦስትራውያን ፈለስቲ

ምንጪ ስእሊ, Bethany Bell/BBC

መግለጺ ስእሊ, ካብ ናይ ኣረጋውያን መንበሪ ሃዲመን ናብ ገዳም ዝኣተዋ ኦስትራውያን ፈለስቲ

እተን ኣብ 80ታት ዕድመ ዝርከባ ሰለስተ ኦስትርያውያን ፈለስቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም እየን፡ እንዳ ኣረገውቲ ጸሊአን ናብቲ ናይ ቀደም ገዳመን ዝተመልሳ።

ሕጂ "ክሳብ ተወሳኺ ሓበሬታ" ዝወሃበክን ኣብቲ ገዳም ክትጸንሓ ትኽእላ ኢኽን ተባሂለን ኣለዋ።

እንተዀነ ሰበስልጣን ቤተክርስትያን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምልጣፍ ምስ ዘቋርጻ ጥራይ ኣብቲ ገዳም ክጸንሓ ከም ዝኽእላ ይዛረቡ።

ጓል 88 ዓመት ሲስተር በርናዴት፡ ጓል 86 ዓመት ሲስተር ረጂናን ጓል 82 ዓመት ሪታን፡ ኣብቲ ካብ ሳልዝበርግ ቅሩብ ውጽእ ኢልካ ዝርከብ ገዳም ክሎስተር ጎልደንስታይን፡ እተን ናይ መወዳእታ ሰለስተ ፈለስቲ እየን።

ብሽመን ኣብ ዝወጽአ መግለጺ፡ ብመትከል ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ ፍቓደኛታት ምዃነን እኳ እንተገለጻ፡ ሕጋዊ ጠለባተንን ድሌታተንን ግን ብዕቱብ ክውሰድ ከም ዝግባእ ገሊጸን።

በቲ እታ ቤተክርስትያን ዘቕረበቶ ጠለብ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘይተሓጐሳ ብምግላጽ፡ እዚ ባህሪ "ንከይትዛረብ ዝሓትት ስምምዕ" ዘለዎ ውዕል እዩ ኢለን።

እተን ሰለስተ ፈለስቲ፡ ኣብ ታሕሳስ 2023 ብዘይ ድሌተን ካብቲ ገዳም ከም ዝወጽኣ ይዛረባ።

ኣብ ወርሒ መስከረም ብሓገዝ ተመሃሮ ነበርን ሓደ ጸጋኒ መፍትሕን ናብቲ ገዳም ተመሊሰን፤ እዚ ንሰበስልጣን ቤተክርስትያን ኣቘጢዑ ጸኒሑ ኣሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓላፊ እተን መነኮሳት ፕሮቮስት ማርከስ ግራስል ገዳም ራይቸርስበርግ፡ ናብቲ ገዳም ክምለሳ ዝወሰድኦ ውሳነ "ፍጹም ክትርድኦ ኣይትኽእልን፡" ብምባል ናብቲ መእለዪ ኣረጋውያን ክምለሳ ጸዊዑ።

ዛንታ እተን ፈለስቲ ኣብ መላእ ዓለም ተገዳስነት ኣለዓዒሉ።

ደገፍቲ ብመግቢ፣ ኤሌክትሪክን መዓልታዊ ህይወት እተን መነኮሳት ዝገልጽ ቪድዮታት ብምልጣፍ ብማሕበራዊ መራኸቢታትን ሓጊዞምወን።

እተን ፈለስቲ ኣብ ጸሎት ወይ ኣብ ምሳሕ ኰይነን፡ ሲተስር ሪታ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ክገብራ እንከለዋ ይረአያ፤ ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ጓንቲ ቦክሲንግ ተዋሂብወን።

እዘን ፈለስቲ፡ ኣብ ኢንስተግራም ኣስታት 100 ሽሕ፡ ኣብ ፌስቡክ ድማ ሓያሎ ኣሽሓት ሰዓብቲ ኣፍርየን ኣለዋ።

ሕጂ ድሕሪ ናይ ኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ምትፍናን፡ ወሃቢ ቃል ሃራልድ ሺፍል፡ ንወኪል ዜና ኦስትርያ ኤፒኤ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እተን ፈለስቲ ንግዝኡ ክጸንሓ ከም ዝኽእላ ገሊጹ።

እዚ ድሕሪ እቲ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ዝተኻየደ ኣኼባ ዝተወሰነ ኰይኑ፡ ነቲ ምትፍናን ዝፈትሕ ሓሳብ ቀሪቡ ነይሩ።

እተን ፈለስቲ ኣብ ክሎስተር ጎልደንስታይን ክጸንሓ ከም ዝኽእላ ሃራልድ ሺፍል ንኤፒኤ ሓቢሩ።

ይኹን'ምበር፡ ኣብ ትሕቲ ዝተወሰነ ኵነታት ጥራይ ከም ዝዀነ ብምግላጽ እዚኦም ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዘለወን ተሳትፎ ምሕዳግ ይርከቦ።

ሰበስልጣን ቤተክርስትያን እውን እተን ፈለስቲ ድሕሪ ሕጂ፡ እቲ ዕጹው ክፋል ናይቲ ገዳም ናብቶም ንስርዓት እታ ቤተክርስቲያን ቀረባ ዘይኰኑ ሰባት ከም ዘይበጽሕ ከረጋግጻ ይደልዩ።

ኣብ ክንድኡ ድማ፡ ኣብቲ ገዛም ክጸንሓ ክፍቀደለንን ካብ ሓደ ካህን ሕክምናዊ ክንክንን መንፈሳዊ ደገፍን ክግበረለን እዩ።

ሃራልድ ሺፍል፡ "ሕጂ ናይተን ኣሓት ውሳነ'ዩ፡" ኢሉ።

እተን ፈለተቲ ናብ ሽሎስ ጎልደንስታይን ምስ ተመልሳ፡ እቲ ገዳም ማይን ጸዓትን ኣይነበሮን፡ እንተዀነ እቲ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት እናሃበ ጸኒሑወን

ምንጪ ስእሊ, BBC/Bethany Bell

መግለጺ ስእሊ, እተን ፈለተቲ ናብ ሽሎስ ጎልደንስታይን ምስ ተመልሳ፡ እቲ ገዳም ማይን ጸዓትን ኣይነበሮን፡ እንተዀነ እቲ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት እናሃበ ጸኒሑወን

ብመሰረት እቲ ብዓርቢ ዝተዘርግሐ መግለጺ፡ እዘን ሰለስተ ፈለስቲ ኣብ መጻኢ ምስ ጠበቓታት ከም ዘይራኸባ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘለወን ንጥፈታት ከቋርጻ ዝሓትት ጠለባት "ሕጋዊ መሰረት ከም ዘይብሉን... እተን ፈለስቲ ካብቲ ግዱስ ህዝቢ ዝረኽብኦ እንኰ ሓለዋ ዝኸልአን፡" ምዃኑን ተገሊጹ።

እዘን ሰለስተ ፈለስቲ፡ መብዛሕትኡ ህይወተን ኣብቲ ካብ 1877 ጀሚሩ ገዳምን ናይ ብሕቲ ቤት ትምህርቲ ኣዋልድን ዝዀነ ሽሎስ ጎልደንስታይን ዝበሃል ገዳም ኣሕሊፈንኦ።

እዛ ኣብ 2017 ኣወዳት ክትቅበል ዝጀመረት ቤት ትምህርቲ ክሳብ ሕጂ ኣገልግሎት ትህብ ኣላ።

ሲስተር በርናዴት ባዕላ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ እያ ተማሂራ። ኣብ 1948 ኣብ ዕድመ ንእስነታ እያ መጺኣ።

ሓደ ካብቶም መማህርታ ኣብ 1960ታትን 70ታትን ኣብ ዓለምና ዝዓበዩ ኮኾባት ፊልም ዝኾነ ኦስትርያዊ ተዋሳኢት ሮሚ ሽናይደር እዩ።

ሲተስር ረጂና ብ1958፡ ሰስተር ሪታ ድማ ብ1962 ናብቲ ገዳም ኣትየን።

ሰለስቲአን ፈለስቲ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ንነዊሕ ዓመታት መምህራን ኰይነን ሰሪሐን። ሲስተር ረጂና ርእሰ መምህር እያ ነይራ።

ቁጽሪ ፈለስቲ ግን እናነከየ መጺኡ። ኣብ 2022 እቲ ህንጻ ብሊቀ ሃገረ ስብከት ሳልዝበርግን ገዳም ራይቸርበርግ ዝተባህለ ገዳም ኣውጉስቲንያን ተታሒዙ።

እተን ዝተረፋ ፈለተቲ፡ ጥዕናአንን ኣእምሮኣዊ ዓቕመንን ክሳብ ዝፈቕደለን፡ ናይ ምሉእ ዕድመ መሰል መንበሪ ተዋሂብወን።

ኣብ ታሕሳስ 2023 ናብ ካቶሊካዊ መናበዩ ኣረጋውያን ክሰጋገራ ውሳነ ተዋሂቡ እኳ እንተነበረ ንሳተን ሕጕሳት ኣይነበራን።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ መስከረም፡ ሲስተር በርናዴት፡ ሲስተር ሪታን ሲስተር ረጂናን ብጉጅለ ተማሃሮ ነበር ተሓጊዘን ናብቲ ዝተፈትውኦን ዘዕበየንን ገዳም ተመሊሰን ኣለዋ።

እተን ፈለስቲ ኣብቲ እዋን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብኦ ቃል፡ ኣብቲ ገዳም ክጸንሓ ምዃነን እየን ገሊጸን።

"ኣብ ናይ ኣረጋውያን ገዛ ቅድሚ ምሟተይ፡ ናብ መሮር ከይደ ብኸምኡ ናብ ዘለኣለም ክኣቱ ይመርጽ፡" ትብል ሰስተር በርናዴት።