መርዓት ትሕቲ ዕድመ - ሕጂ ኣብ ሻምፕዮን ምህናጽ ኣካላት ዓለም

ኣብ ዓዳ መርዓት ትሕቲ ዕድመ ዝነበረት ሕጂ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ውድድር ምህናጽ ኣካላት ትርከብ

ሮያ ቅድሚ 14 ዓመት ምስ ኣደኣን ንእሽቶ ወዳን ካብ መበቆል ዓዳ ኣፍጋኒስታን፡ ናብ ኖርወይ ተሰዲዳ ኣብኡ ድማ ዕቝባ ሓቲታ።

ዋላ'ኳ ኣብ 30 ዕድመኣ ኣብ ሻምፕዮን ዓለም ምህናጽ ኣካላት ዘጐናጽፋ ሓድሽ ህይወት ትመርሕ እንተሃለወት፡ ሮያ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ደቀንስትዮ ሃገራ ዘለዋ ስግኣት ግን ክሳብ ሎሚ የሻቕላ።

ብፍላይ ኣብ 2021 ጣሊባን ናብ ስልጣን ካብ ዝድይብ ንደሓር ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ኣፍጋኒስታን ዝተገብረ ገደብ ኣዝዩ ከምዘሻቕላ ትገልጽ።

ወትሩ ናብ ጂምናዝየም ኣብ ዝኸድኩሉ እዋን፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ብናጽነት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንጥፈታታ ከተሰላስል ይፍቀደላ ከም ዘይነበረ ይዝክር ክትብል ንቢቢሲ ኒውስ ኣፍጋኒስታን ትገልጽ።

"ኣብ ሂወተይ ንነብሰይ ከም ኣዝየ ዕድለኛ 'የ ምኽንያቱ ካብቲ ኵነታት ብሰላም ክወጽእ ምኽኣለይ ብዙሓት ደቀንስትዮ ግን ክሳብ ሕጂ ከም ትምህርቲ ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላተን ከም ኵሉ ዜጋ እታ ሃገር ክሳተፋ ዕድል የብለንን፤ ብሓቂ ዘሕዝንን ልቢ ዝሰብርን'ዩ"።

ሮያ ነቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ብጣሊባን ዝተገብረ እገዳ ልዕሊ 12 ዓመት ዝዕድመአን ኣዋልድ ትምህርቲ ከይመሃራ ዝወጸ ሕጊ ብምጥቃስ ተረድእ።

ዛንታታ ተቓውሞ

ሮያ፡ ዛንታታት ተቓውሞ ንዓለም ምዝርጋሕ ንባዕሉ ርእሱ ዝኽኣለ ሓደ ዓይነት ቃልሲ ምዃኑ ትኣምን።

"ሎሚ ድምጺ ኣፍጋናዊት ጓለንስተይቲ ክሳብ ቤት ትምህርቲ ክትከይድ ኣብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ ተዓፊኑ ኣሎ። ኣሽንኳይዶ ናይ ገዛእ ርእሳ ውሳነ ክትወስድ፡ ክትሓስብ፡ ርእይቶኣ ክትገልጽ፡ ኣብ ፍቕሪ ክትወድቕ ወይ ህይወታ ክትነብር፡ ብዘይ ፍቓድ ወላዲኣ ወይ መሰነይታ ሓዋ ወይ ኣቦኣ ካብ ገዛ ክትወጽእ ኣይትኽእልን'ያ።"

ጣሊባን፡ ኣብ 2021 ነቲ ደገፍ ምዕራባውያንን ሰራዊት ኣመሪካን ዝነበሮ መንግስቲ እታ ሃገር ደፊኡ ምሉእ ስልጣን ድሕሪ ምቍጽጻሩ፡ ኣብ ልዕሊ ኣዋልድን ደቀንስትዮን ጽኑዕ እገዳታት ኣንቢሩ።

ሮያ፡ ደቀንስትዮ እታ ሃገር ነዚ ጉዳይ ኣብ ምቅላስ ኣበርቲዕና ክንሰርሕን ክንጽዕርን ኣለና፤ መጀመርያ ግን ኣብ ከባቢየይ ለውጢ ክፈጥር ኣለኒ፡ ትብል።

ሓደ መዓልቲ ድማ ደቀንስትዮ ኣፍጋኒስታን ብዘይ ፍርሒ ክነብራ፡ ሕልምታተን ዘተግብራላ መዓልቲ ክትመጽእ ብተስፋ ከም እትጽበ ሮያ ትጠቅስ።

ሮያ፡ ኣፍጋኒስታን ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቍጽጽር ጣሊባን ቅድሚ ምውዳቓ ኣብታ ሃገር ሂወት ክብድ ዝበል ምዃኑ ኣብኡ ክትነብር ከምዘይትደሊ ትገልጽ።

ነቲ ሽዑ ዝነበረ በዓል ቤታ ገዲፋ ካብ ኣፍጋኒስታን ክትሃድም ዝወሰደቶ ውሳነ፡ ነተን ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘለዋ ደቀንስትዮ በቲ ባህላዊ እምነት ዝምራሕ ናብራ ሕብረተሰብ ልዑል ሓደጋ ምንባሩ ተረድእ።

ስደት ናብ ኖርወይ

ሮያ፡ ኣብ ኖርወይ ፍጹም ካብ ኣፍጋኒስታን ዝተፈልየ ሃዋህው እዩ ጸኒሕዋ።

ምስ ሓድሽ ሊበራላዊ ባህሊ ክትላመድ፡ ንነብሳን ንስድራኣን ንምእላይ ስራሕ ክትረክብን ቋንቋ ክትመሃርን ግድን ነይሩ።

ኣብ ፈለማ ዘድልይዋ ጠለባት ንምምላእ ኣጸጋሚ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ጻዕራ ፍረ ረኺቡ።

ሞያ ምእላይ ሕሙማት ተማሂራ ኣብ ኦስሎ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ተቘጺራ ክትሰርሕ ጀሚራ።

ሮያ ንቢቢሲ ሓበሬታ እናሃበት

ምህናጽ ኣካላት

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሮያ፡ ዓውዲ ህንጸት ኣካላት ምጅማራ ኣብ ህይወታ ዓቢ ነጥበ-መቐይሮ እዩ ነይሩ።

ናብ ጂምናዝዩም ምኻዳ ንኣካላዊ ምውስዋስ ጥራይ ኣይኰነን፣ እንታይ ደኣ ኣብ ገዛእ ርእሳ ዘለዋ ምትእምማን ምብራኽን ደጊማ ምህናጽን መንነታ እትገልጸሉን መገዲ'ውን እዩ ነይሩ።

ኣካላዊ ምህናጽ ካብቲ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ልዕሊኣ ዝወርዱ ዝነበሩ ኣእምሮኣውን ማሕበራውን ድሩትነት ሓራ ንኽትወጽእ ከም ዝሓገዛ ትገልጽ።

ብዘይካ ሕልማ ምትግባር፣ ጐድኒ ጐድኒ ስራሕ ምእላይ ሕሙማት፡ ኣብ ትምህርቲ ስነ-ኣመጋግባን ጥዕናን ቀጸለት፡ ኣብ መወዳእታኡ ድማ ብኣካላዊ ምውስዋስ ዲግሪ ረኸበት።

ሮያን በዓልቤታን ድማ ካብ ኣፍጋኒስታን ዝመጹ ናይ መጀመርታ ኣብነታውያን ክዀኑ በቕዑ። እዚ ድማ ንዘለዎም ድሌት፡ ጻዕሪ፡ ተጻዋርነትን ለውጥን ዘመልክት መሰረታዊ መንነት እዩ።

ቅድሚ ሓደ ዓመት ሮያ፡ ሞያ ምእላይ ሕሙማት ኣቋሪጻ ናብ ውድድር ዓለማዊ ምህናጽ ኣካልት ክትኣቱ ወሰነት። እዚ ውሳነ እዚ ኸኣ ንህይወታ ዝቐየረ ውሳነ ኰነ።

ይዅን እምበር እቲ ቀንዲ ብድሆ ስርሓ ምቕያር ዘይኰነስ ድሕሪ'ቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘጋጠማ ብድሆታት ምስ ሓርነት ምልማድ ምዃኑ ትገልጽ።

"እቲ ዝዓበየ ብድሆና፡ ካልኦት ዘቐመጡልና ዶባትን ማዕቀባትን - ብስም ትውፊት፡ ባህሊ፡ ሃይማኖት ወይ ዝዀነ ይዅን ኣብ ልዕሌና ዝተጻዕኑ ዘይተጻሕፉ ሕግታት - ምፍራስ እዩ ነይሩ" ትብል።

"ናይ ገዛእ ርእስኻ ምህዞታት ክትፈጥር ምስ ወሰንካ ግን፡ ካብቶም ዕንቅፋት ነብስኻ ነጻ ክትከውን የኽእሉኻ።"

ሮያ ብዘይካ እቲ ስፖርታዊ ንጥፈታታ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቢላ ምስ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሃገር ዘለዋ ኣፍጋናውያን ደቀንስትዮ ትራኸብ።

ንኣገዳስነት ኣካላዊ ጥዕና፡ ርእሰ-ምትእምማንን መንነትካ ዳግማይ ምህናጽን ዘተኵሩ ኣስተምህሮታት ተመሓላልፍ።

ዓወት ነፍሲ ወከፍ ኣፍጋናዊት ጓለንስተይቲ ካብ ውልቃዊ ዓወት ንላዕሊ ብምስራዕ፡ ተራ ቀንስትዮ ኣብ ሕብረተሰብ ዳግማይ ንምግላጽ ዝወስድ ስጕምቲ ምዃኑ ድማ ትኣምን።

ጕዕዞ ናብ ሻምፕዮን ዓለም

ሞያዊት ስፖርት ምህናጽ ኣካላት ዝዀነት ቅድሚ 18 ኣዋርሕ ኣቢሉ እዩ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ግዜ ልምምድ

ሮያ፡ ኣብቲ ካብ 27 ሕዳር ዝጅምር ሻምፕዮን ዓለም ምህናጽ ኣካላት ክትሳተፍ ኣብ ምሽብሻብ ትርከብ።

ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ወርቂ ብምሽላማ፡ ነዚ ናብ ላዕለዋይ ደረጃ ዝበጽሕ መንገዳ ዝያዳ ድርኺት ኰይኑዋ።

ኣብቲ ውድድር ክማልኡ ዘለዎም ረቓሒታት፡ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ብቕዓት፡ መልክዕን ቍመናን ፍሉይ ጽባቐን እዮም።

ዘይከም ካልኦት ውድድራት ኣብ ምህናጽ ዓበይቲ ጭዋዳታት ዘይኰነ፡ እቶም ደያኑ ተወዳደርቲ ምሉእ ብቕዓት ሰብነት፡ ውህደት ሚዛናዊ ቅርጺ፡ ጥዑይ ቆርበትን ተፈጥሮኣዊ ኣካላዊ ብቕዓትን ዝኣመሰሉ ከማልኡ ከምዘለዎም ይሕብሩ።

ኣብቲ ውድድር ብዘብለጭልጭ ኣዕናቝ ዝተሰለመት ቀጠልያ መወዳደሪ ልብሲ - ቢኪኒ - ተኸዲና እያ ተወዳዲራ።

መስመራት ጭዋዳታታ ንምርኣይ ቆርበታ ተቐይሩ፡ ጸጕራ ድምቕ ዝበለ ኰይኑ፣ መመላኽዒኣ ድማ ብመሰረት እቲ ውድድር ዘውጽኦ ሕጊ ዝተማለአ'ዩ ነይሩ።

ኣብ ውድድራት ህንጸት ኣካላት፡ ሓፈሻዊ መልክዕ ናይቶም ስፖርተኛታት - ካብ ምርጫ ክዳውንቲ ክሳብ መመላኽዕን ደረጃ ምጽራይ ቆርበትን - ኣብ ምምዝጋብ ነጥቢ ደያኑ ቀንዲ ተራ ዘለዎም ረቋሒታት እዮም።

ድሕሪ'ዚ ዓወታ 'ያ ሮያ ኣብቲ ውሩይ ውድድር ኖርወይ ክላሲክ 2025 ዝተዓወተት።

እዚ ውድድር ኣብ ሰሜናዊ ክፍላት ኤውሮጳ ካብ ዝካየዱ ዓበይቲ ውድድራት ህንጸት ኣካላት ኰይኑ፡ ካብ መላእ ዞባ ስካንዲናቭያ ዝመጹ ስፖርተኛታት ይሳተፉ።

እዚ ዓወት ንሮያ ኣብ ሻምፕዮን ኤውሮጳ ክትስራዕ ኣኽኢልዋ።

እዚ ድማ ካብታ ብኲናት ዝተሃስየት ካቡል ናብ ኣህጉራዊ መድረኽ ህይወታ ዝወሰደ ዓቢ መድረኽ ኰይኑ፡ ኣብ ሻምፕዮን ዓለም ክትሳተፍ ኣኽኢልዋ።

ደገፍ በዓል-ቤታ

ሮያ ምስ በዓል ቤታ ከማል ጀላሉዲን
መግለጺ ስእሊ, ሮያ ምስ በዓል ቤታ ከማል ጀላሉዲን

ሮያ ምስ ካልኣይ በዓል ቤታ ከማል ጀላሉዲን ኣብ ኖርወይ ተላልዮም።

በዓልቤታ ኣፍጋናዊ ኰይኑ፡ ብተወሳኺ'ውን ኣብ ምህናጽ ኣካላት ነዊሕ ታሪኽ ዝነበሮን ሓደ ካብ ቀንዲ ደገፍቲ ሮያ'ዩ።

"ሮያ ዕውቲ ኰይና ኣብ መድረኽ ምርኣይ፡ ዓወት ናይቲ ብሓባር ዝሃነጽናዮ ሕልሚ እዩ፡" ይብል ከማል።

ንሳ ኸኣ ነቲ በዓል ቤታ ዝህባ ሞራላውን ኣካላውን ድጋፍ ብምድናቕ፡ ቅድሚ ምስ ከማል ምርኻበይ፡ ኣብ ስፖርት ተራ ምንቅስቓስ ኣካላት ይነጥፍ ነይረ ኢላ።

እዚ ብደረጃ ሞያውነት ከም ዘይነብረ ድማ ትሕብር።

ብሳላ ደገፍ በዓልቤታ ተወዳዳሪት ንክትኸውን መንገዳ ናብ ፕሮፌሽናልነት ከተሰጋግሮ ከም ዘተባብዓ ብምግላጽ፡ "ወዲ ተባዕታይ ኣብ ጎኒ ጓለንስተይቲ ደው እንተ ኢሉ ኣብ ሂወት ኣዝዩ ዘገርም ነገራት ከጋጥም ከምዝኽእል ይኣምን፡" ትብል።

ዋላ'ኳ ውልቃዊ ዓወታ እንተ ተጐናጸፈት፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከቡ ስድራቤታ ከምቲ ዝድለ ደገፎም ክገልጹላ ኣይክሉን።

ሮያ ግን፡ "ነዚ ዅሉ መሰናኽል ጸይረ ሕልምታተይ ኣብ ምዕዋት ክሰርሕ መሪጸ፡" ትብል።

መብዛሕትኦም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታታ ዝቐርቡላ ነቐፌታታት፡ ካብ ሕብረትሰባን እምነታን ወጻኢ ኣብ ኣነዋሪ ተግባራት ትሳተፍ ከም ዘላ ዝገልጹን ክሳብ ብሞት ዘፈራርሑን እዮም።

ነዞም ነቐፌታታት ብትሪ ትነጽግ ሮያ፡ "ሰባት መልክዐይን ኣለባብሳይ [ቢኪኒየይ] ጥራይ እዮም ዝርእዩ። ብድሕሪ'ዚ ደጋዊ ትርኢተይ ግን፡ ናይ ዓመታት ስቓይን ጻዕርን ጽንዓትን 'ዩ ዘሎ። እዞም ዓወታት ብቐሊሉ ዝመጹ ኣይኰኑን፡" ብምባል ትገልጾም።