'ሰበይተይ ንጾታዊ ርክብ ትፈርሕ፡ ኣነ ግን ንሞት እፈርሕ'

ምንጪ ስእሊ, Mike Elvis Tusubira
ማይክ ኤልቪስ፡ ኣብ ሃገራት ኬንያን ዩጋንዳን - ቦዳ ቦዳ - ብዝብል ዝፍለጥ ኣገልግሎት ሞተር ብሽክለታ ብምሃብ ብዝረኽቦ እቶት እዩ ዝመሓደር።
ኣብ ደሙ ቫይረስ ኤችኣይቪ ኣለዎ። እዚ ወዲ 35 ዓመት መንእሰይ፡ ብሰንኪ ቫይረስ ኤችኣይቪ፡ ህይወት ዘድሕን ጸረ-ረኽሲ ቫይረስ (ARV) መድሃኒታት እዩ ዝወስድ።
መጻምዱ፡ ካብ ኤችኣይቪ ነጻ ኰይና ኣብቲ ፒኣርኢፒ (PrEP) ዝበሃል ንሓደጋ መልከፍቲ ኤችኣይቪ ዝንኪ መድሃኒት ትምርኰስ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ናይ ወጻኢ ሓገዝ ደው ካብ ዘብሎ ንደሓር ግን ናብራኡ ኣይከም ቀደሙን።
ትእዛዝ ትራምፕ ስዒቡ ኣገልግሎት እዚ መድሃኒት ዝህቡ ኤጀንሲታት ምቍራጾም ጥራይ ዘይኰነ፡ ድሕሪ ሕጂ ውሑስ ጾታዊ ርክብ ክገብር ስለ ዘይኽእል ምስ በዓልቲ ቤቱ ክፈላለ ከም ዝግደድ ይዛረብ።
"ሓዳረይ ከይተረፈ'ዩ ከብቅዕ ማለት'ዩ፤ ምኽንያቱ ብሓቂ ብዘይ እቲ መከላኸሊ ስጕምትታት፡ ንሳ ምሳይ ክትጸንሕ ኣይትኽእልን እያ፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ወሲዅ፡ "ኮንዶም የለን፡ [ጸረ-ኤችኣይቪ] መድሃኒት የለን፡ ፒኣርኢፒ የለን፡ ዋላ ሓደ ነገር የለን። ከይተራኸብና [ጾታዊ ርክብ] ኣብ ሓዳር ክንጸንሕ ኣይንኽእልን ኢና፡" ኢሉ።
ኵሎም እዞም መጻምዲ ዝጥቀሙዎም መድሃኒታትን መከላኸሊ ጥንሲን፡ በቶም ትካል ተራድኦ ኣመሪካ [ዩኤስኤይድ] ዝምወሉ ኤጀንሲታት እዮም ዝቐርቡ ነይሮም።
ማይክ፡ እቲ ትካል ከም ዝተዓጽወ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ'ዩ ሰሚዑ። ድሕሪኡ፡ እቲ ዝረኽቡዎ ዝነበሩ ቀረባት ክረኽቡ ኣይክኣሉን።
በዓልቲ ቤቱ ሕጂ ምሉእ ብምሉእ መድሃኒት ፒኣርኢፒ የብላን።
እዅል ኮንዶም'ዉን የብሎምን። እንተዀነ፡ ኮንዶም ጥራይ ከም መከላኸሊ ምጥቃም ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎም።
ትራምፕ ናብ ስልጣን ምስ ተመልሰ፡ ናይ ወጻኢ ሓገዝ ን90 መዓልታት ደዉ ክብል ኣዚዙ ኣሎ።
ነዚ ስዒቡ፡ ብዩኤስኤይድ ዝምወላ ትካላት ስርሐን ደዉ ከብላ ትእዛዝ ክወሃበን ጀሚሩ።
ነባሪ ከተማ ካምፓላ ዝዀነ ማይክ ናብቲ መድሃኒት ኤችኣይቪ ዝወስደሉ ዝነበረ ክሊኒክ ቴሌፎን ክድዉል እንከሎ፡ ከም ዝተዓጽወ ተነጊሩዎ።
"እቲ ዘማኽረኒ ክኢላ ናብ ገጠር ከይዱ፤ ኣብቲ ክሊኒክ ኣይሰርሕን ዘለዅ ኢሉኒ፡"።
እቲ ብ2022 ብኤችኣይቪ ዝተለኽፈ ኣቦ ሓደ ቈልዓ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ መጠን ኣብ ደሙ ዘሎ ቫይረስን ጥንካረ ስርዓተ ምክልኻል ዓቕሙን ንምፍላጥ ዝግበር መርመራ ሓሊፉዎ።
"ኣብ ደልሃመት'የ ዝነብር ዘለዅ፤ መጠን ቫይራለይ ወሲዅ ድዩ ኣይወሰኸን ኣይፈልጥን። ተጨኒቐ'የ ዘለዅ፡" ኢሉ።
ወሲዅ፡ "ገለ ካልኦት ሰባት እቶም መድሃኒታት ኣብ ናይ ብሕቲ ፋርማሲታት ክርከቡ ይኽእሉ'ዮም ይብሉ ... ኣነ ግን ከም መራሒ ሞተር ብሽክለታ ሰሪሐ ንዕኡ ዝኸዉን እዅል ገንዘብ ከዋህልል ድየ ዝብል ኣይፈልጥን፡" ብምባል ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ክኸዉን ከም ዝኽእል ይሰግእ።
እተን ካብ ተራድኦ ኣመሪካ ምወላ ዝረኸባ ዝነበራ ዘይመንግስታዊ ትካላት (NGOs) ዝህብኦ ዝነበራ ኣገልግሎት'ዉን ተጸልዩ ይርከብ።
በዓልቲ ቤቱ ብመገዲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ዘይመንግስታዊ ትካል መድሃኒት ፒኣርኢፒ ትረክብ ከም ዝነበረት፡ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ወዱ ድማ ካብቲ ንተቓላዕቲ ህጻናት ኣገልግሎት ትምህርትን መግብን ዝህብ ትካል ተጠቃሚ ከም ዝነበረን ሓቢሩ።
"ሕጂ ወደይ ናብ ቤት ትምህርቲ ኣይኸይድን፡" ኢሉ።
ኣብ ረድኤት ጽግዕተኛ ዝዀነ ስርዓት ጥዕና
ጽላት ጥዕና ዩጋንዳ፡ ብብዝሒ ኣብ ምወላ ለገስቲ ኣካላት ዝተመርኰሰ ኰይኑ፡ 70 ሚእታዊት ተበግሶታት ኤይድስ በዚ ኣገባብ'ዮም ዝድገፉ።
ዩጋንዳ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ካብተን ቀዳሞት ዓሰርተ ተቐበልቲ ረድኤት ዩኤስኤይድ እያ።
ብመሰረት መረዳእታ መንግስቲ ኣመሪካ፡ እታ ሃገር ኣብ 2023 ካብቲ ትካል 295 ሚልዮን ዶላር ምወላ ጥዕና ረኺባ።
ናይጀርያ -368 ሚልዮን ዶላር- ፡ ታንዛንያ ድማ 337 ሚልዮን ዶላር ብምቕባል ይስዕባ።
ኤጀንሲ ተራድኦ ኣመሪካ፡ ንመደባት ዓሶ፡ ዓባይ ሰዓልን ለምጽን ከምኡ'ውን ኣገልግሎት ጥዕና ኣዴታትን ህጻናትን፡ ህጹጽ ሓገዝ ጥዕና ይምውል።
ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ብሰንኪ ምቁራጽ ምወላ ኣመሪካ ተጸልዮም ይርከቡ።
ዶክተር ሻሚራ ናኪቶ፡ ኣብ ኡጋንዳ ምስ ኤችኣይቪ ንዝነብሩ ሰባት ሕክምናውን ስነ-ኣእምሮኣዊን ደገፍ ኣብ ዝህብ ኣብ እምነት ዝተመርኰሰ 'ሪች ኣውት ምቡያ (ሮም)' ዝተባህለ ማሕበረሰባዊ ትካል ትሰርሕ ነይራ።
እዚ፡ ኣብ ካምፓላ ኣብ ዝርከብ ጽዑቕ ህዝቢ ዘለዎ ሻውላት ንዝነብሩ ማሕበሰረብ ዝግልገልሉ ትካል እዩ።
ብማእከላይ ገምጋም መዓልታዊ ን200 ሕሙማት ኤችኣይቪ/ኤይድስን ዓሶን ትከታተል ነይራ።
ትእዛዝ ትራምፕ ስዒቡ እቲ ንጥፈታት ደው ብምባሉ ግን ኵሎም በቲ ትካል ዝድገፉ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ጥዕና ካብ ስራሕ ተባሪሮም።
እታ ኣብ ሕማም ዓባይ ሰዓት እትሰርሕ ዝነበረት ኣሃዱ'ዉን ደዉ ኢላ፤ ክፍሊ ዘኽታማትን ተቓላዕቲ ህጻናትን እውን ተዓጽዩ።
"እተን 90 መዓልታት ክሳብ ዝዉድኣ ንጽበ ኣለና። ነዚ ግዴታዊ ዕረፍቲ ግን ኣይተዳለኹሉን ነይረ። ሃንደበታዊ'ዩ ነይሩ። ኣብቲ መሳለጥያ ግቡእ ምርኽኻብ ኣይተገብረን፡ ስራሕ ጥራይ ኢና ኣቋሪጽና፡" ኢላ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ዩጋንዳ፡ ክስዕብ ንዝኽእል ምስንኻላት ንምንካይ ዝሕግዙ መገድታት ይምርምር ከም ዘሎ ገሊጹ።
ሰራሕተኛ እቲ ሚኒስትሪ ዶክተር ዲያና ኣትዊን፡ ሰራሕተኛታት "ብመንፈስ ሃገራውነት ወለንታዊ ኣገልግሎት ንምሃብ ድልየት ከርእዩ፡" ኣተሓሳሲባ።

ስግር ማላዊ
ኣብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ - ማላዊ'ዉን፡ ብዩኤስኤይድ ዝምወል ንጥፈታት ደው ኢሉ ኣሎ።
እታ ሃገር ኣብ 2023 ካብ ባጀት ጥዕና ዩኤስኤኣይዲ 154 ሚልዮን ዶላር ብምርካብ፡ ኣብ ኣፍሪቃ መበል 10ይቲ ተቐባሊት ረድኤት እቲ ኤጀንሲ ኰይና ኣላ።
ኣብ ሰሜናዊት ከተማ ምዙዙ፡ ኣፍ-ደገታት ኣብቲ ዞባ ኣገዳሲ ወሃቢ ኣገልግሎት ኤችኣይቪ ዝህብ ዝነበረ ክሊኒክ ተዓጽዮም ኣለዉ።
ተሽከርከርቲ ስራሕ ፈቲሐን፤ ኣብ ክሊኒክ ማክሮ ምዙዙ ዝርአ ምንቅስቓስ የለን። ሰራሕተኛታት ማዕጾታት ዓጽዮም፡ መብራህቲ ኣጥፊኦም፡ ቅድሚ 18 መዓልታት ናብ ገዝኦም ተመሊሶም።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብ28 ጥሪ 2025፡ ከም ኤ.ኣር.ቪ ዝኣመሰሉ መድሃኒት ንምቕራብ'ኳ እንተኣፍቀደ፡ ንንጥፈታት ዩኤስኤይድ ዘወሃህዱ ሰራሕተኛታት እንተዘይሃልዮም ግን መድሃኒታት ምክፍፋል ኣጸጋሚ ብምዃኑ ብዙሓት ክሊኒካት ተዓጽየን።
ኣገልግሎት ዳግማይ ክጅመር ዝፍቀደሉ ኵነታት'ኳ እንተሃለወ፡ ብዙሓት ውዕላት ተንሳፊፎም እዮም ዝርከቡ።
ሰራሕተኛታት ጥዕና እንታይ ክገብሩ ከም ዝኽእሉን ከም ዘይክእሉን ርግጸኛታት ኣይኰኑን።
ምምሕዳር ትራምፕ ሰራሕተኛታት ተራድኦ ኣመሪካ ብልዕሊ 90% ክንኪ መደብ ኣለዎ።
ዓለምለኻዊ ተሓጋጋዚ ኣመሓዳሪ ጥዕና ዩኤስኤኣይዲ ነበር ኣቱል ጋዋንደ፡ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ካብ 14 ሽሕ ናብ 294 ክንኪ ምዃኑ ኣብ ኤክስ ጽሒፉ - ናብ ኣፍሪቃ ድማ 12 ሰራሕተኛታት ጥራይ እዮም ተመዲቦም።
ኣብ ማላዊ ዝርከባ ልዕሊ 30 ዘይመንግስታዊ ትካላት እውን በቲ ምቁራጽ ምወላ ኣዝዩ ተጸልየን።
ብሕርሻ እትመሓደር ጓል 32 ዓመት ኤዳ ሲምፉክዌ ባንዳ፡ ካብ 2017 ጀሚሩ እቲ ብትካላት ረድኤት ዝቐርብ መድሃኒት ኤችኣይቪ ዝዀነ ኤ.ኣር.ቪ. ክትጥቀም ጸኒሓ።
ሕጂ ብዛዕባ መጻኢ ዕጫኣ - ከምኡ'ውን ብዛዕባ ዕጫ ናይታ ካብ ለገስቲ ብዝርከብ መድሃኒት እትናበር ንልዕልታ - ትጭነቕ ኣላ።
ካብ ጾሎት ወጻእ ካልእ ኣማራጺ የብልናን ትብል።
"ከም ማላዊያውያን ክንጽሊ ኣለና። እምነትና ኣብ ኣምላኽ ዝገበርና በቲ ዝተዓጽወ ማዕጾ ዝኸፍት ኣምላኽ ኢና ንምርኰስ፡" ኢላ።
እታ ንሰለስተ ሰሙን ዝኸውን ቀረብ ኤ.ኣር.ቪ ዝተረፋ ኣደ ሰለስተ ቈልዑ፡ "ከም ማላዊውያን፡ ጽግዕተኛ ሓገዝ ኰይንና ኢና ጸኒሕና፤ ሓሓሊፉ ብስንፍና ግዜና እናባኸንና ረድኤት ካልኦት ሃገራት ንጽበ። እዚ ሕጂ ኣጋጢሙ ዘሎ ኵነታት ድማ ካብዚ ንክንናገፍ ትምህርቲ ይዅነና፡" ትብል።
እዚ ግን ንሓንቲ ካብተን ዝደኸያን ኣብ ረድኤት ዝምርኰሳ ሃገራት ዓለም ከቢድ እዩ።
ብመሰረት ጸብጻብ ባንኪ ዓለም፡ ማላዊ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ድርቂ፡ ህቦብላን ዘይንቡር ዝናብን ሓዊሱ ንዝተፈላለዩ ቅልዉላዋት ተቓላዒት እያ።
ኣብ ስርዓተ ክንክን ጥዕና ክሳብ ክንድዚ ዝኣክል ምስንኻል ከጋጥም እንከሎ ክኣ ዓብዪ ብድሆ የስዕብ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣመሪካ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ኣፍሪቃ እታ ዝዓበየት መሻርኽቲ ጥዕና ኰይና'ያ ጸኒሓ - ብፍላይ ድማ በቲ ኣብ 2003 ዓለማዊ ዝርግሐ ኤችኣይቪ ንምምካት ዝተጀመረ ፕሮግራም።
እዚ ፕረዚደንታት ኣመሪካ ህጹጽ ውጥን ረድኤት ኤይድስ (Pepfar) ኢሎም ዝጽዉዑዎ መደብ፡ ህይወት ልዕሊ 25 ሚልዮን ሰባት ኣድሒኑ'ዩ።
ብመሰረት ሓበሬታ ሓላፊ ማእከላት ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃ (ኣፍሪቃ ሲዲሲ)፡ ዩኤስኤይድ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንኣፍሪቃ ሸሞንተ ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ሂቡ።
ጂን ካሴያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "73 ሚእታዊት ናብ ክንክን ጥዕና እዩ ከይዱ፡" ኢሉ።
ነዚ ምወላ ምትካእ ኣዝዩ ከቢድ ከም ዝኸዉን ክኢላታት ጥዕና የጠንቅቑ።
መንግስታት ኣፍሪቃ ጽግዕተኛነት ረድኤት ኣብ ምንካይ ስጕምትታት ኣርእዮም እዮም።
ኣብዚ እዋን፡ ኬንያ ኣስታት 60 ሚእታዊት ንኤችኣይቪ እትህቦ ምላሽ ትምውል። ደቡብ ኣፍሪቃ ኣስታት 80 ሚእታዊት ትሽፍን።
ንብዙሓት ትሑት እቶት ዘለወን ሃገራት ግን፡ ጾር ዕዳ፡ ሓደጋታት ክሊማን ቍጠባዊ ስንባደን፡ ዓርሰ- ምርኰሳ ኣጸጋሚ ኰይኑወን ኣሎ።
ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዉ ኣገደስቲ ዘይንግስታዊ ትካላት ጥዕና ሓደ ዝዀነ 'ኣምረፍ ሄልዝ ኣፍሪቃ'፡ ህጹጽ ስጉምቲ እንተዘይተወሲዱ፡ ዓለማዊ ድሕነት ጥዕና ኣብ ሓደጋ ከም ዝወድቕ የጠንቅቕ።
"እዚ ድማ መንግስታት ኣፍሪቃን ኣፍሪቃ ሲዲሲን ናይ ገዛእ ርእሶም ምወላ ሓፍ ከብሉ ዝጠልብ'ዩ፡ እዚ ግን ኣብ ትሕቲ እዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ጸቕጢ ዕዳ ዳርጋ ዝከኣል ኣይኰነን፡" ክብል ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ትካል ዶክተር ጊቲንጂ ጊታሂ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ካብ ለውጢ ክሊማን ግጭት ሰብን ከባብን ዝመጽእ ለበዳታት ይቀላጠፍ ብምህላዉ፡ እዚ ዓለም ዘይርግእትን ዘይውሕስትን ክገብራ'ዩ - ንኣፍሪቃ ጥራይ ዘይኰነ ንዅሉ፡"።
ብደረጃ ዓለም ኣብ 2023፡ ምስ ኤይድስ ብዝተሓሓዝ 630 ሽሕ ሰባት ሞይቶም፡ 1.5 ሚልዮን ድማ ሓድሽ መልከፍቲ ኣጋጢሙ።
ኣብተን ኣዝየን ዝተሃስያ ሃገራት መጠን መልከፍቲ እናነከየ ክኸይድ እንከሎ፡ ጽልዋ ምዕጻው ዩኤስኤይድ ነዚ መኽሰብ ንድሕሪት ክመልሶ ይኽእል እዩ።
ሓላፊት ዩኤንኤይድስ ዊኒ ብያኒማ ኣብዚ ሰሙን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ነዚ ዓቢ ኣበርክቶ መንግስቲ ኣመሪካ እንተኣልጊስኻዮ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት፡ ምስ ኤይድስ ዝተሓሓዝ ተወሳኺ ሞት 6.3 ሚልዮን ሰባት ክህሉ እዩ ኢልና ንግምት። 8.7 ሚልዮን ሓድሽ መልከፍቲ፡ 3.4 ሚልዮን ተወሳኺ ዘኽታማት ኤይድስ ክህልዉ እዮም። ከም ነብዪ ጥፍኣት ክዉሰድ ኣይደልን'የ፤ ግን ከምቲ ንርእዮ ዘለና ሓቅታት ክህብ ግዴታ ኣለኒ፡" ኢላ።
ገባሪ ሰናይ ሕክምና ኤምኤስኤፍ (MSF) እውን፡ ሕክምና ኤችኣይቪ ምቁራጽ ዘስዕቦ ሓደጋታት ዝምልከት ኣጠንቂቑ ኣሎ።
"መድሃኒታት ኤችኣይቪ መዓልታዊ ክውሰዱ ኣለዎም፡ እንተዘይኰይኑ ሰባት ጸገማት ተጻዋርነት ወይ ሓደጋ ሞት ከማዕብሉ'ዮም፡" ኢሉ።
ናብ ዩጋንዳ ምስ እንምለስ፡ ማይክ ብዛዕባ መጻኢኡ ጽልምት ዝበለ ስምዒት ይስምዖ።
ሕጂ ን30 መዓልቲታት ዝኸዉን መድሃኒት ኤ.ኣር.ቪ ጥራይ ተሪፉዎ ኣሎ - ድሕሪኡ ድማ ካብ ካምፓላ ወጺኡ ናብ ገጠር ክኸይድ ክግደድ እዩ።
"ብውሑዱ ኣብኡ ይቐለኒ፤ እንተሞይተ ኣብኡ እዮም ዝቐብሩኒ፡ ኣብዚ ብዘይ ኣገልግሎት ኤ.ኣር.ቪ ዝነብረሉ መገዲ የብለይን፡"።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







