ኣፍሪቃ፡ ዝግርሐ ኤችኣይቪ/ኤይድስ ኣብ ምክልኻል ትዕወት'ዶ ኣላ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መላእ ዓለም ብዝሒ ብኤችኣይቪ ዝልከፉ ሰባት ካብ 2010 ጀሚሩ ብ39 ሚእታዊት ከም ዝነከየን ብሰንኪ ኤይድስ ዝስዕብ ሞት’ውን ብፍርቂ ከም ዝጐደለን ተገሊጹ።
ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ግን ልዕሊ'ዚ ስጕሚ ተራእዩ ኣሎ።
ከም በዓል ኬንያ፡ ማላዊን ዙምባብወን ዝኣመሰላ ሃገራት ካብ 2010 ጀሚረን መልከፍቲ ኤችኣይቪ ብ75 ሚኢታዊት ክጐድል ገይረን ኣለዋ።
ማእከላይ ብህይወት ናይ ምጽናሕ ዕድመ’ውን ኣብ 2010 ካብ ዝነበረ 56 ዓመት ኣብ 2023 ናብ 61 ዓመት ሓፍ ኢሉ።
እዚ ድማ ኣብ ምምካት ረኽስታትን ተበጻሕነት ሕክምናን ዝተራእየ ምዕባለታት ስዒቡ ዝመጽአ እዩ።
ይኹን’ምበር፡ ዋላ’ኳ ብዝሒ ሓድሽ መልከፍቲን ብሰንኪ ኤችኣይቪ ዘጋጥም ሞትን ብዓብይኡ እንተነከየ፡ ኤድስ ስግኣት ኣብ ዘይኰነሉ ብርኪ ከም ዘይተበጽሐ ዩኤንኤድስ የጠንቅቕ።
እዚ ድማ ብሰንኪ’ቲ ንጾታዊ ርክብ ሕደ-ጾታውያንን ኣጠቓቕማ እጻትን ከም ገበን ዝቘጽር ሕጋጋት ምህላዎም ዝስዓበ ኰይኑ፡ ተቓላዕቲ ሰባት ኣገልግሎት ምክልኻል ንኸይረኽቡ ከም ዝሓልኽ ይግለጽ።
ኣሃዛት እንታይ ይነግሩና?
ኤችኣይቪን ኤይድስን ኣብ 1980ታት [ኣ.ኤ] ኣቓልቦ ዓለም ክረክብ እንከሎ፡ ንኣስታት 75 ሚልዮን ሰባት ለኺፉ ኣሎ።
ኬንያ፡ ማላዊን ዙምባብወን ዓመታዊ ዝኽሰት ሓድሽ መልከፍቲ ኤችኣይቪ ብ75 ሚኢታዊት ኣጉዲለን፡ ክሳብ 2030 ድማ 90 ሚኢታዊት ንምጕዳል ይእምታ።
ዳርጋ ፍርቂ ካብቶም ኣብ 2023 ብኤችኣይቪ ዝተለኸፉ ሰባት ኣብ ምብራቓውን ደቡባውን ከምኡ’ውን ምዕራብን ማእከላይን ኣፍሪቃ ዝነብሩ እዮም።
እዚአን ካብ 2010 ጀሚሩ ዝለዓለ ምንቍልቋል ሓድሽ መልከፍቲ (56%) ዘመዝገባ ዞባታት እየን።
ቤኒን፡ ዛምብያን ኡጋንዳን ዝርከብአን ካልኦት 15 ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ፡ ካብ 2010 ጀሚሩ ነፍሲ ወከፈን ዓመታዊ ሓድሽ መልከፍቲ ኤችኣይቪ ብልዕሊ 60 ሚኢታዊት ከም ዝነከያ ይንገር።
ኣብ መላእ ዓለም ምስ ኤድስ ዝተኣሳሰር ሞት ካብቲ ኣብ 2004 ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሐሉ እዋን ብ69 ሚኢታዊት፡ ካብ 2010 ጀሚሩ ድማ ብ51 ሚኢታኢት ነክዩ።
ኣብ 2023 ኣስታት 630 ሽሕ ሰባት ምስ ኤይድስ ብዝተኣሳሰሩ ሕማማት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣብ 2004 ዓ.ም 2.1 ሚልዮን ሰባት ሞይቶም ነይሮም።
ኣብ 2025 በዚ ምኽንያት ዘጋጥም ሞት ትሕቲ 250 ሽሕ ንምብጻሕ መደብ ተታሒዙ ይርከብ።
እንተዀነ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን፡ ምብራቕ ኤውሮጳን ማእከላይ ኤስያን ከምኡ’ውን ላቲን ኣመሪካ ሓድሽ መልከፍቲ ይውስኽ ኣሎ።
እዚ ለበዳ ዘብቅዓሉ ግዜ ቀረባ’ኳ እንተዀነ፡ ሕጽረት ጸጋታትን ምወላን ግን ነቲ ገስጋስ ይዓግቶ ኣሎ።
ካብቶም ብደረጃ ዓለም ምስ ኤችኣይቪ ዝነብሩ 39.9 ሚልዮን ሰባት - ፍርቈም ኣብ ደቡባውን ምብራቓውን ኣፍሪቃ ዝርከቡ - እቶም 9.3 ሚልዮን ግቡእ ሕክምና ኣይረኽቡን ዘለው።
ከም ሳዕቤኑ ድማ ብሰንኪ ኤይድስ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ ሓደ ሰብ ይመውት።
መድሃኒት ንምርካብ ዝግበሩ ዘለው ጻዕሪታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት [2023 ዓ.ም] ኣብ ዌልስ ኣብ መርመራ ዝጸንሐን ኣብ ውሽጢ ሰብነትና ዝርግሐ ቫይረስ ኤችኣይቪ ዝዓግትን መድሃኒት 'ፒኣርኢፒ' ውጽኢታውን “ዘተኣማምንን” ምዃኑ ብመጽናዕቲ ከም ዝተረጋገጸ ወግዓዊ ኰይኑ ነይሩ።
እዚ ኣብ ሜዲካል መጽሔት ላንሴት ኤችኣይቪ ዝተሓተመ ርኽበት መጽናዕቲ፡ እቲ መድሃኒት መልከፍቲ ኤችኣይቪ ብ86 ሚእታዊት ከም ዝከላለኸል የርኢ።
ክሊኒካዊ ፈተነታት ድማ፡ 99 ሚእታዊት ውጽኢታዊ ከም ዝዀነ ኣመልኪቶም።
እዚ ፒ-ኣር-ኢ-ፒ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መድሃኒት፡ ቫይረስ ኤች-ኣይ-ቪ ናብ ሰብነትና ከይኣቱን ኣብ ውሽጢ ሰብነትና ድሕሪ ምእታው ንኸይራባሕን ከም ዝከላኸል እቲ መጽናዕቲ ወሲኹ የረድእ።
ውጽኢታውነት እቲ መድሃኒት ካብ መላእ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ዝተጽዋኡን ኣብቲ መጽናዕቲ ኣብ ዝተኻተቱን ልዕሊ 24 ሽሕ ተጠቀምቲ እቲ መድሃኒት ድሕሪ ዝተኻየደ መርመራ እዩ ክረጋገጽ ክኢሉ።
እቲ መጽናዕቲ ድማ፡ ካብ ጥቅምቲ 2017 ክሳብ ሓምለ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝርከባ 157 ትካላት ጥዕና ስነ-ተዋልዶ ተኻይዱ።
ይዅን'ምበር፡ ዕላማ እዚ መድሃኒት እንታይ'ዩ? ብመንከ ይውሰድ? ዝብሉን ካልኦት ኣገደስቲ ሕቶታትን ልዑል ትኹረት ዘድልዮም እዮም።
እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት እዚ ዓመት ተመራመርቲ ብኤችኣይቪ ካብ ዝተለኽፈ ዋህዮ፡ ነቲ ቫይረስ ከኣልዩ ምኽኣሎም ገሊጾም።
እቲ መስርሕ ሽልማቶ ኖቤል ብዝተዓወተ ቴክኖሎጂ ‘ጂን-ኤዲቲን’ ከም ዝተኻየደ እቶም ተመራመርቲ ይሕብሩ።
ኣዝዩ ረቂቕ እኳ እንተኾነ ልክዕ መቐስ ዝመስል መሳርሒ ብምጥቃም፡ ነቲ “ዘየድሊ” ዲኤንኤ ከምዝእለ ወይ ከም ዝለምስ ይግበር።
ኣብ መወዳእታ እቲ ዕላማ፡ ንመላእ እቲ ኣካል ካብቲ ቫይረስ ነጻ ምግባር ኰይኑ ውሑስን ውጽኢታውን ምዃኑ ንምርግጋጽ ብዙሕ ስራሕ የድሊ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ኣገልግሎት ዝርከቡ መድሃኒታት ነቲ ቫይረስ ደው ከብልዎ እኳ እንተከኣሉ፡ ከወግድዎ ግና ዓቕሚ የብሎምን።
ኣብ ቀዳማይ ዙር ፈተነኡ ነዚ ከዕውት ዝኸኣለ፡ እቲ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣምስተርዳም ዝርከብ ጉጅለ ንርኽበቱ ኣመልኪቱ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ኣብ ዘቕረቦ ጽሑፍ፡ እቲ መስርሕ ብዙሕ ከም ዝጐድሎን ንኤችኣይቪ ዝፍውስ መድሃኒት ንክኸውን ጌና ምዃኑ ሓቢሩ።
ለንደን ኣብ ዝርከብ ኢንስቲትዩት ፍራንሲስ ተመራማሪ ዝኾነ ዶክተር ጆናታን ስቶይ ብወገኑ ንኤችኣይቪ ካብ ዝተበከለ ዋህዮ ምፍልላይ “ኣዝዩ ከቢድ” ስራሕ እዩ ይብል።
ወሲኹ ከኣ “ሕጂ’ውን እቲ ዘሰክፍ፡ ጐድናዊ ሳዕቤናቱ እንታይ ክኸውን ይኽእል ዝብል እዩ፡” ኢሉ።
ኤችኣይቪ ኣብ ደም ምስ ዝኣቱ ብቕልጡፍ ብምዝርጋሕ፡ ኣካላትና ንሕማማት ናይ ምክልኻል ዓቕሙ የዳኽም።
ብኤችኣይቪ ዝተጠቕዑ መብዛሕትኦም ሰባት፡ ተረፍ ዘመን ህይወቶም ጸረ-ኤችኣይቪ መድሃኒት ክወስዱ የድልዮም።
ነቲ መድሃኒት ምውሳድ ምስ ዘቋርጹ፡ እቲ ምስፍሕፋሕ ኣቋሪጹ ዝነበረ ቫይረስ ተበራቢሩ ጸገም ከስዕበሎም ይኽእል።
ካብ ኤችኣይቪ ምሉእ ብምሉእ ነጻ ክኾኑ ዝኸኣሉ ሰባት ኣዝዮም ሒደት እዮም።
እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ከኣ ነቲ ከቢድ ሕክምና መንሽሮ ኣብ ዝገበሩሉ እቲ ቫይረስ ብምጥፍኡ እዩ።
እንተዀነ ኤችኣይቪ ንምጥፋእ እዚ መገዲ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ሞያውያን ኣይመኽሩን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







