ያሕያ ሲንዋር መራሒ ሓማስ ኰይኑ ምምራጹ ንቓዛን እስራኤልን እንታይ ትርጕም ኣለዎ?

ያሕያ ሲንዋር

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሓማስ፡ ድሕሪ ቅትለት መራሒኡ ኢስማዒል ሃንየ፡ ያሕያ ሲንዋር ሓድሽ ጠቕላላ መራሒ ክኸውን ምሻሙ ንገለ ዘስደምም ክስተት ኰይኑዎም።

ኣቡ ኢብራሂም ብዝብል ዝፍለጥ ያሕያ ሲንዋር፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ 07 ጥቅምቲ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ዝተፈፀመ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ቀንዲ ሃንዳሲ ከምዝነበረ ይንገር፤ እታ ሃገር ድማ ንነዊሕ እዋን ሃዲና ከምተወግዶ ክትሕነ ፀኒሓ እያ።

ኣብ ወሽመጥ ቓዛ መራሒ ሓማስ ዝነበረ ያሕያ ሲንዋር፡ ኣብዚ እዋን ድማ መራሒ ፖለቲካዊ ክንፊ እቲ ምንቅስቓስ ክኸውን እዩ።

ሓማስ፡ ሲንዋር ነቲ ምንቅስቓስ ክመርሖ ምውሳኑ፡ ነቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ይካየድ ንዘሎ ኲናት እንታይ ትርጕም ይህልዎ?

ነቲ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ምቍራጽ ተጻብኦ ንምግባር ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪኸ ብኸመይ ይጸልዎ?

ተስፋን ስግኣትን

ሓማስ፡ ንየሕያ ሲንዋር ከም መራሒኡ ምምዛዙ፡ ካብቲ ንነዊሕ እዋን መጓንጽቱ ንዝዀነ ፋታሕ ሓዊሱ ካብ ፍልስጤማውያን ጕጅለታት መልእኽቲ ዮሃና ተቐቢሉ።

ጸሓፊ ማእከላይ ሽማግለ ሓማስ ጂብሪል ራጁብ፡ እቲ ውሳነ ምኽንያታዊ’ዩ፤ ንቅትለት ስዉእ ኢስማዒል ሃንየ ትጽቢት ዝግበረሉ ግብረመልሲ እዩ” ኢሉ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል፡ እስራኤል ካትዝ፡ ሽመት ሲንዋር ብቕልጡፍ ንክነጥፍኦ ካልእ ተወሳኺ ምኽንያት’ዩ” ክብል ብመገዲ ኤክስ ኣፍሊጡ።

ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እስራኤል ሌተናል ጀነራል ሄርዚ ሃልቪ፡ “ሽም ሲንዋር ምቕያር ንዕኡ ሃዲንና ካብ ምጥቃዕ ኣይግድበናን’ዩ” ኢሉ።

በዚ ኲናት ዝተሃሰዩ ፍልስጤማውያን ንሽመት ሲንዋር ስዒቡ ስክፍታኦምን ገለ ተስፋ ምቕባጾምን ገሊጾም’ዮም።

ካብ ከተማ ቓዛ ዝተመዛበለን ኣብዚ እዋን ኣብ ደይር ኣል-ባላሕ ተዓቚቡ ዝርከብን መሓመድ ኣል-ሸሪፍ፡ “ተቓላሲ’ዩ፣ እቶም ዝርርባት ብኸመይ’ዮም ክካየዱ?” ክብል ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ።

እስራኤላውያን’ውን ንዜና ሽመት ሲንዋር ብሕርቃን’ዮም ተቐቢሎሞ። ዳሕራዋይ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ኣካያዲ ስራሕ ሓደ ትካል ዝዀነ ሓናን፡ “እቲ ሕርያ ባዕሉ ይዛረብ’ዩ፤ ንሲንዋር መሪጾም ማለት ዘይ ኣኽራሪ ደማዊ ዘይኰነ ኣቀራርባ ዘለዎ ሰብ ክደልዩ ኣይረኣዩን” ይብል ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል።

ሰለስተ መልእኽቲታት ሓማስ ንእስራኤል

ሓማስ፡ ንያሕያ ሲንዋር ብምምራጽ ናብ እስራኤልን ማሕበረሰብ ዓለምን መልእኽቲ ከሕልፍ’ዩ ደልዩ።

በዓልስልጣን ሓማስ ዑስማን ሓምዳን፡ ኣብ ድሕሪ ሽመት ሲንዋር ሰለስተ መልእኽትታት ከም ዝነበሩ ንቢቢሲ ዓረብኛ ገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ሓማስ ኣብ ከቢድ ህሞት ኰይኑ’ውን “ብቝዕ ውሳነ” ክውስን ከም ዝኽእልን እቲ ምንቅስቓስ ብሕብረት ደው ከም ዝበለን” ንምርኣይ’ዩ ብምባል፡ ሲንዋር “ብምሉእ ድምጺ’ዩ” ተመሪጹ ይብል።

እቲ ካልኣይ፡ “እቲ ምንቅስቓስ ንቕድሚት ክምርሽ’ዩ፣ ነቲ ግስጋሰ ንምቕጻል ዓቕሚ ዘለዎም መራሕቲ ከም ዘለዉ” እቲ ሳልሳይ ድማ “ጸቕጥታት፡ ንሓማስ ካብ መትከላቱን ነቕ ዘይብሉ መርገጺታቱን ከጐናድብዎ ኣይክእሉን” ዝብሉ እዮም።

ኣብ ማእከል ፖለቲካውን ስትራተጂያውን መጽናዕቲ ኣልኣህራም ጸሓፍን ተመራማርን ዝዀነ ባሽር ዓብደል ፋታሕ፡ “ሰማይ ዘዕርግ መልእኽቲ’ዩ” ኢሉ ይኣምን።

ንቢቢሲ ዓረብኛ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ምስ ኢራን ቅርበት ዘለዎን ኣንጻር እስራኤል ተሪር መርገጺ ብምሓዝን ዝፍለጥ መራሒ ወተሃደራዊ ክንፊ ምምራጽ፡ ሓማስ ብወተሃደራዊ ቃልሱ ከም ዝቕጽልን በቲ ዝወረዶ ጸቕጢን መጥቃዕቲን ንድሕሪት ከም ዘይብል ዘርኢ’ዩ” ይብል።

ካብ ውሽጢ ቓዛ ዝመርሕ

ያሕያ ሲንዋር ኣብ ከተማ ጋዛ ብ2022 ኣብ ዝተኻየደ ፅምብል ምስረታ መበል 35 ዓመት ሓማስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ያሕያ ሲንዋር ኣብ ከተማ ቓዛ ብ2022 ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል ምስረታ መበል 35 ዓመት ሓማስ

ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝነብር ሰብ መራሒ ሓማስ ኰይኑ ክምረጽ እዚ ፈላማይ ኣይኰነን።

ኢስማዒል ሃንየ ቅድሚ ናብ ቐጠር ምኻዱ ኣስታት ክልተ ዓመት ካብ ዕድመ ስልጣኑ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ እዩ ኣሕሊፍዎ።

ዑስማን ሓምዳን፡ "ምምሕዳር ሓማስ መራሕቲ ኣብ ውሽጢ ወሽመጥ ቓዛ ይዅን ካብ ቓዛ ወጻኢ ኣብ ዝዀነ እዋን ኣይተደናገረን” ይብል።

እንተዀነ ሲንዋር ካብ እስማዔል ሃንየ ዝተፈለየ እዩ።

እስራኤል ንሲንዋር ብ07 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊኣ ንዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብምኽሳስ “ከም ትሃድኖ” ተሓንያ።

ሰራዊት እስራኤል ድማ ያሕያ ሲንዋር ንኽተሓዝ ንዝተሓባበር ሽልማት 400 ሽሕ ዶላር ኣዳልዩ ኣሎ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣን-ናጃህ ምሁር ፕሮፌሰር ፖለቲካል ሳይንስ ሓሰን ኣዩብ፡ “ሲንዋር ንግብራዊ ውጽኢት’ዩ ተመሪጹ” ይብል።

“እስራኤል ከምቲ ንሃንየ ዒላማ ዝገበረቶ፡ ካብ ወሽመጥ ጋዛ ወጻኢ ንዝነብር ዝዀነ መራሒ ዒላማ ክትገብር ትኽእል እያ። ብዝዀነ ኣጋጣሚ ሲንዋር ኣብ ቓዛ’ዩ ዘሎ፡ እስራኤል ድማ ንክተውግዶ ንነዊሕ እዋን ክትደልዮ ጸኒሓ’ያ

ያሕያ ሲንዋር ካብ 07 ጥቅምቲ ንደሓር ተራእዩ ኣይፈልጥን።

ትጽቢት ዘይተገበሮ መረጻ

ድሕሪ ቅትለት ኢስማዒል ሃንየ፡ ገለ ተንተንቲ፡ ሲንዋር ኣብ ምምራጽ ሓድሽ መራሒ ሓማስ ዕዙዝ ግደ ክህልዎ’ዩ ብምባል ይምጕቱ ነይሮም።

እንተዀነ፡ ምርጫ ያሕያ ኣል-ሲንዋር ሓማስ ብህጹጽ ድዩ ወሲኑ? ዝብል ሕቶ ንኽለዓል ደሪኹ ኣሎ።

ካብዚ ብዝብገስ ድማ ገለ ተንተንቲ ሲንዋር “ንግዚኡ” ኣብ ስልጣን ክጸንሕን ኲናት ቓዛ ምስ ኣብቀዐ ብኻልእ ሰብ ክትካእን ሓሳብ የቕርቡ።

በዓልስልጣን ሓማስ ዑስማን ሓምዳን ነዞም ክስታት እዚኦም ብምፍሻል፡ “ዓሙቕ መጽናዕቲ ኵሉ ሰብ (ንሲንዋር) ተኣመንቲ ክዀኑ ከም ዝደረኸ” ይገልፅ።

ፀሓፍን ተመራማሪ ፖለቲካን ባሽር ዓብደል ፋታሕ፡ ሓማስ “እቲ ዝተፈጠረ ናይ መሪሕነት ሓጓፍ ብቅልጡፍ ክመልኦ ከም ዝኽእል ምልክት ክህብ’ዩ ደልዩ ይብል።

ፕሮፌሰር ኣዩብ ድማ፡ ሹመት ሲንዋር ኣብ ዌስት ባንክ ፅልዋ ከም ዝህልዎ ይገልፅ።

“ምስ ኵሎም ፍልስጤማውያን ሓይልታት ዝረዳዳእ’ዩ። ኣብ መንጐ ብፋታሕ ዝምራሕ ምምሕዳር ፍልስጤምን ሓማስን ዘሎ ርክባት ክጽግን ድማ ፈቲኑ’ዩ” ይብል።

ሲንዋር ኣብ ወሽመጥ ቓዛ መራሒ ቤት-ጽሕፈት ሓማስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ውሽጣውን ዞባውን ጉዳያት ደረጃ “ዜሮ ኣፋላላይ” ዝብል ኣምር ይኽተል ከም ዝነበረ ተንተንቲ ይገልጹ።

በዚ ድማ ምስ ግብጺን ሶርያን ዝነበረ ናይ ዓመታት ተነጽሎ ክፍታሕ ዝገበረ ኰይኑ፡ ሓማስ ምስ ስዑድ ዓረብ ዳግማይ ክቀራረብ’ውን ፈቲኑ።

ጠቕላላ ሓላፊ ፖለቲካዊ ቢሮ፡ ኣብቲ ምንቅስቓስ እቲ ዝዓበየ ትካላዊ መዓርግ ተገይሩ ይረአይ።

ሓማስ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ግዜ ኣብ ዘካይዶ መረጻ፡ ንፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ዝሓወሰ ባይቶ ሹራ ይመርጽ።

ንሳቶም ድማ ጠቕላላ ሓላፍን ምክትል ሓላፍን እቲ ቤት ጽሕፈት ይመርጹ።

መሪር ተጓንፎ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እስራኤል፡ ንሲንዋር “እቲ ኣዝዩ ከቢድን ጥሩፍን” ብምባል’ያ ትገልፆ።

ያሕያ ሲንዋር ብእስራኤል ኣብ ዝተኣሰረሉ እዋን ን150 ሰዓታት ምርመራ ዝገበረሉ ሓላፊ ኤጀንሲ ውሽጣዊ ጉዳያት ፀጥታ ነበር ሚቻ ኮቢ “ተሪርን ስምዒት ኣልቦን’ዩ። ወፈፌ ግን ኣይኰነን” ከም ዝበለ ጸብጻብ ዋሽንግተን ፖስት የመልክት።

ምስ ቅትለት እቲ “ለዘብተኛ” እስማዒል ሃንየ ብዝዛመድ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ ምስቲ ንእስራኤላዊ ኣተሓሳስባ ዝርዳእ ያሕያ ሲንዋር “ኣብ ናይ መዛኑ ጐንጺ” ተሸሚሙ ይርከብ። ስለ ዝዀነ ድማ፡ “ጐደና እስራኤል ነዚ ምዕሪት እዚ ክጽጻወሮ ኣለዎ” ይብል ኣብ ጉዳይ እስራኤል ዝነጥፍ ጸሓፊ ኢሃብ ጃባሪን።

ጃባሪን “ናይ ተቓወምቲ መራኸብቲ ሓፋሽ እስራኤል፡ ኔታንያሁን ሲንዋርን ጠንቂ እዚ ኲናት ከም ዝዀኑ ንነዊሕ እዋን ከቃልሓ ጸኒሐን እየን፤ እዚ ትምቢት ተፈጺሙ ኣሎ” ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

ማዕከናት ዜና እስራኤል፡ ሽመት ሲንዋር “ዘስደምም፣ ብሂወት ከም ዘሎን ኣብ ቓዛ ዘሎ መሪሕነት ሓማስ፡ ሓያልን ዝቕጽልን ምዃኑ ንእስራኤል መልእኽቲ ዘሕልፍ’ዩ” ብምባል ኣቃሊሑ።

ጃባሪን ገለ ኣብ እስራኤል ካብ ዝግበሩ ዝርርባት ብምልዓል፡ “ሲንዋር ኣብ 2011 ካብ ቤት ማእሰርቲ እስራኤል ንምፍትሑ፣ መጥቃዕቲ 07 ጥቅምትን ሲንዋር መራሒ እቲ ምንቅስቓስ ንክኸውን ዝደረኸ ቅትለት ኢስማዒል ሃንየ” ብቐዳምነት ንነታንያሁ ዝነቕፉ ሓሳባት የልዕል።

ከም ኣገላልጻ ኢሃብ ጃባሪን፡ ሽመት ያሕያ ሲንዋር፡ ነቶም ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ጅሆ ታተሒዞም ዘለዉ እስራኤላውያን “ቀታሊ መውቃዕቲ’ዩ።

ሓማስ ኣብ 07 ጥቅምቲ፡ 251 እስራኤላውያን ጅሆ ዝሓዘ ኰይኑ፡ ካብዚኦም እተን 111 ደቂኣንስትዮ ሕጂ’ውን ኣብ ቓዛ ይርከባ፤ ሰራዊት እስራኤል ካብቶም ግዳያት ህይወት 39 ሰባት ከም ዝሓለፈ ይገልጽ።

ነቲ ሓማስ ብ07 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድሕሪ ዝፈነዎ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ፡ ኲናት እስራኤል ቓዛ ዝተወልዐ ኰይኑ፡ ዛጊድ ብውሑዱ 39 ሽሕ ፍልስጤማውያን ከም ዝተቐተሉ ሚኒስተር ጥዕና ቓዛ ኣፍሊጡ’ዩ።

ዕድል ዘተ ምቍራጽ ተጻብኦ እንታይ’ዩ ክኸውን?

ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ
መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ

መራሒ ሓማስ ዝነበረን ኣብ ቴህራን ዝተቐተለን ኢስማዒል ሃንየ፡ ኣብ ቓዛ ምቍራጽ ተጻብኦ ንምግባር ኣብቲ ንኣዋርሕ ዝቐፀለ ዘይቀጥታዊ ልዝብ ከም ተዛታዪ ዕዙዝ ግደ እዩ ነይርዎ።

ሓምዳን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ከም ያሕያ ሲንዋር “ካብቶም ድርድራት ርሑቕ ኣይነበረን፣ ኣብ ዝርዝር ጉዳያት ነይሩ’ዩ” ይብል።

ንሱ ወሲኹ፡ “ልዝባት ክቕጽሉ እዮም፤ እቲ ምድንጓያትን ዕንክሊልን ካብ ወገን እስራኤል’ዩ ዘጋጥም ዘሎ” ኢሉ።

ጸሓፊ ኢሃብ ጃባሪን ድማ፡ ቀዳማይ ዓመት መጥቃዕቲ 07 ጥቅምቲ 2023 ይቃረብ ብምህላዉን እስራኤላውያን ጅሆታት ሕጂ’ውን ኣብ ቓዛ ምህላዎምን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ናብ ድርድር ተመሊሱ ምስ ሲንዋር ክገጥም’ዩ” ይብል።

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መራሒ እስራኤል ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ ክትገብር ድማ ትጽቢት ይገብር።

ድሮ ዋሽንግተን ዓበይቲ መራኽብ ኲናት ናብቲ ዞባ ከምዝለኣኸት ኣፍሊጣ'ላ። እታ ቀንዲ መሓዛ እስራኤል ዝኾነት ኣመሪካ፡ ዛጊት ሓንቲ ውስጠ-ማያዊት (ሳብማሪን) ከምኡ'ውን ነፍርቲ ውግእ እትስከም (ኬረር) ናብ ማእከላይ ባሕሪ ክዋፈራ ኣዚዛ'ላ።

እስራኤል፡ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ክንፊ ሓማስ ምድምሳስን ጅሆታት ምልቃቕን ዝብል ሓዊሱ፡ ዕላማታት እቲ ኲናት ክሳብ ዘየዐወተት ኲናት ደው ከም ዘይተብል እያ ትገልጽ።

ድሕሪ ቅትለት ኢስማዒል ሃንየ ኣብቲ ዞባ ወጥሪ ክነግስ’ዩ ዝብል ሻቕሎት ኣብ ዝሓየለሉ፡ ዋይትሃውስ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እስራኤልን ሓማስን ሕጂ’ውን ተዅሲ ደው ንምባል ከም ዝተቓረቡ ሓቢሩ።

ክልቲኦም ተጻባእቲ ኣካላት ንምልዛብ ይካየዱ ካብ ዘለዉ ጻዕርታት ሓደ ግዜ ጥራይ’ዩ ተዓዊቱ።

ኣብ 2023 ንተወሳኺ ክልተ መዓልታት ዝተናውሐ ንኣርባዕተ መዓልታት ሰብኣዊ ተዅሲ ደው ምባል ክገብሩ ክልቲኦም ኣካላት ተሰማሚዖም።

እዚ ድማ ብሓማስ ተታሒዘን ዝነበራ ትሕቲ 19 ዓመት ዝዀና 50 ደቂኣንስትዮን ብእስራኤል ዝተኣሰሩ 150 ፍልስጤማውያን ንኽፍትሑን ኣኽኢሉ።