83 ኣይሁዳውያን ህጻናት ዘድሓነት ደፋር ፈላሲት

ቅድሚ 80 ዓመት ጀርመን ንፈረንሳ ምስ ወረረት ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ፈረንሳ ዝርከባ ክልተ ኣይሁዳውያን ኣዋልድ ኣብ ዓቢ ሓደጋ ወዲቐን ነይረን።
ወለደንን ንእሽቶ ሓፍተንን ተታሒዞም ተቐቲሎም፤ ሳላ ጅግንነት ሓንቲ ኣብ ጥቓ ቱሉዝ ኣብ ዝርከብ ገዳም ዝነበረት ፈላሲት ግን እተን ኣዋልድ ምስ ካልኦት 81 ኣይሁዳውያን ህጻናት ክተርፋ ክኢለን።
ጓል 12 ዓመት ሄለን ባክ ምስ ንእሽቶ ሓፍታ ኣይዳ ናብ ደገ ክወጻ እንከለዋ፡ ሓንቲ ወተሃደራዊት ናይ ጽዕነት መኪና ክትመጽእ ርእየን ብጉያ ተመሊሰን ኣትየን።
እተን ክልተ ኣዋልድን ኣዲኣተንን ድሕሪ ወራር ጀርመን ኣብ ግንቦት 1940 ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣብ ሎረይን ዝርከብ ገዝአን ገዲፈን ናብቲ ኣብ ደቡብ እታ ሃገር ዝርከብ "ናጻ ዞባ" ገጸን ክጓዓዛ ጀሚረን ነይረን።
ምእንቲ እታ ስድራቤት ብምልእታ ከይትተሓዝ፡ ኣቦአን ኣሮንን ቦኽሪ እታ ስድራ ዝዀነት ኣኒን ንበይኖም ክጓዓዙ’ዩ ተወሲኑ። እንተዀነ ኣሮንን ኣኒን ብ1941 ተታሒዞም ናብ ኣብ ጥቓ ቱርስ ዝርከብ መዳጎኒ መዓስከር ተወሲዶም። ነዚ ስዒቡ ኣዲአን ኣብ ጥቓ እቲ መዳጎኒ ገዛ ተኻርያ።
ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ ሓንቲ ወተሃደራዊት ናይ ጽዕነት መኪና ናብ ገዝአን ገጽ ክትመጽእ ምስ ረኣያ፡ ሄለንን ሓፍታን ንኣዲአን ከጠንቅቓ ናብ ክሽነ ጎይየን።
"ኣደይ ጎይና ኣብ ጫካ ክንሕባእ ነጊራትና" ትብል ሄለን። "ንእሽቶ ሓፍተይ ብኢዳ ሒዘያ ወጺአ። ንሳ ግን ምሳይ ክትመጽእ ኣይደለየትን። ናብ ኣደይ ክትምለስ ደልያ። ነቶም ጀርመናውያን ይሰምዖም ነይረ። ኢዳ ምስ ሰደድክዋ ድማ እናጎየየት ተመሊሳ።"
እቲ ከባቢ ካብ ስግኣት ነጻ ክሳዕ ዝኸውን ኣብቲ ጫካ ተሓቢኣ ዝጸንሐት ሄለን፡ ቀስ ኢላ ናብ ገዛ ምስ ተመልሰት ኣዲኣ ኣብ ጠረጴዛ ዝገደፈቶ ገንዘብ ረኺባ።
"ከም ዝምለስ ፈሊጣ ነይራ" ትብል።
ሄለን ምስ ሓንቲ ዓርካ ክትሓድር ናብ እንዳ ዓርካ ከይዳ። ብድሕሪኡ ንኣዲኣን ንእሽቶ ሓፍታን ዳግማይ ርእያተን ኣይትፈልጥን።

ዓባይ ሓፍቲ ሄለን ዝዀነት ኣኒ፡ ኣብቲ ዝተኣሰረትሉ መዓስከር ንሓደ ዓመት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብገለ ሓጹር ኣቢላ ክትሃድምን ክተምልጥን ክኢላ።
እታ ጓል 16 ዓመት ኣኒ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ በይና ናብቲ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ቱሉዝ ዝርከብ ገዛ ሓትኖኣ ከይዳ፤ ግን ኣብኡ’ውን እንተዀነ ውሕስቲ ኣይነበረትን። ስድራቤት ሓትኖኣ ብወግዒ ከም ኣይሁዳውያን ስለዘይተመዝገቡ ካቶሊካውያን ከም ዝዀኑ ክመስሉ ይኽእሉ’ዮም፤ እዚ ግን ንኣኒ ዝከኣል ኣማራጺ ኣይነበረን።
ሓደ መዓልቲ ኣብ 1942 ፖሊስ መጺኦም "'መጽሓፍ ስድራቤትኪን ኹሎም ደቅኽን ኣርእይና፡ ክንፍትሽ ኢና!'" ኢሎም ንሓትኖኣ ኣዚዞምዋ።
"ዕድለይ ኰይኑ፡ ጓል ሓትኖይ ኣይዳ ባኒ ክትገዝእ ወጺኣ ነይራ - ነዚ’ዩ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ተኣምራት ዝኣምን። ስለዚ ሓትኖይ ‘እዚኦም ኤስተል፡ ሄንሪ፡ ሄለንን’ ከምኡ’ውን ናባይ እናኣመልከተት ‘ኣይዳን እዮም’ ኢላ።"
ኣኒ ናብ ቱሉዝ ምስ በጽሐት ነዊሕ ከይጸንሐት፡ ሓትኖኣ ካብ ሄለን፡ ካብቲ ኣብ ጥቓ ቱርስ እትሕብኣትሉ ቦታ፡ ደብዳበ መጺዋ። ብድሕሪኡ ንኽትድሕን ምድላዋት ገይራ።
ስለዚ፡ ሓደ ለይቲ ሓንቲ ካብ ተቓለስቲ ፈረንሳ ዝዀነት ማኪስ እትበሃል መንእሰይ፡ ማዕጾ ናይቲ ሄለን እትሓድረሉ ዝነበረት ገዛ ኣንኳሕኲሓ።
"ንዓይ ክትረኽበኒን ናብቲ ነጻ ዞባ ክተስግረኒን ከም ዝመጸት ነጊራትኒ" ትብል ሄለን።
ከቢድ ጉዕዞ እዩ ነይሩ። እታ መንእሰይ ዋላ እኳ ሄለን ኣዝያ ንእሽቶ እንተነበረት፡ ንሳን ሄለንን ተማሃሮ ምዃነን ዝገልጽ ናይ ሓሶት ወረቓቕቲ ነይርዋ። ብዙሕ ግዜ ደው ክብላ እናተገበራ ይሕተታ ነይረን።
እቲ ኣብ ደቡብ ፈረንሳ ዝርከብ "ነጻ ዞባ" ከም ስሙ ኣይነበረን። ኣብ ቪቺ ዝመደበሩ መንግስቲ ማርሻል ፊሊፕ ፔታን፡ ጸረ ኣይሁድ ሕግታት ኣጽዲቑ። ኣብ ባደንን ኣልሳስ ሎረይንን ኣይሁድ ክእሰሩን ንብረቶም ክውረስን ፈቒዱ።
ብ23 ነሓሰ 1942 ሊቀ ጳጳስ ቱሉዝ ጁልስ-ጀራውድ ሳሊየጅ ናብ ኣቕሽቱ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ከንብቡ፡ "ኣብ ሃገረ ስብከትና፡ ዘሕዝን ፍጻመታት የጋጥም ኣሎ" ክብል ገሊጹ።
"ቆልዑ፣ ደቂ ኣንስትዮ፣ ደቂ ተባዕትዮ፣ ኣቦታትን ኣዴታትን ከም ትሑት መጓሰ ተቖጺሮም። ኣባላት ስድራቤት ካብ ነንሕድሕዶም ተፈላልዮም ናብ ዘይፍለጥ ቦታ ብዓረብያ ይውሰዱ ኣለዉ። ኣይሁድ ደቂ ተባዕትዮ እዮም፡ ኣይሁዳውያን ደቂ ኣንስትዮ እየን። ኣካል ዘርኢ ወዲ ሰብ፡ ከም ብዙሓት ካልኦት ኣሕዋትና እዮም። ክርስትያን ነዚ ክርስዖ ኣይክእልን እዩ።"
ንሱ ንሰበስልጣን ቪቺ ብዛዕባ ኣይሁዳዊ ፖሊሲኦም ተቓውሞኡ ከስምዕ እንከሎ፡ መብዛሕትኦም ናይ ፈረንሳ ካቶሊካውያን ስርዓተ ምምሕዳር ግን ስቕ እዮም ኢሎም። ካብቶም 100 ፈረንሳውያን ጳጳሳት ሽዱሽተ ጥራይ ኣንጻር ስርዓት ናዚ ድምጾም ኣስሚዖም።
ኣብ ገዳም ኖትረ ዳም ደ ማሲፕ እትነብር ደኒስ በርጎን እትበሃል ሓላፊት ፈላሲት፡ መልእኽቲ እቲ ጳጳስ ኣዝዩ ተሰሚዕዋ።
"እዚ ጻውዒቱ ብዕምቆት ተንኪፉና። ነታ ደብዳበ ዝኸውን ቅኑዕ ምላሽ ድማ ንሓይሊ ሃይማኖትና፡ ልዕሊ ኩሎም ወገናት፡ ኩሎም ዓሌታት ምስክር እዩ ነይሩ" ክትብል ድሕሪ ኲናት ኣብ 1946 ጽሒፋ።
"ንውጹዓት ብምክልኻል ነቶም ቀተልቲ ንጻረር ስለ ዝነበርና፡ ናይ ሃገራውነት ተግባር'ውን እዩ ነይሩ።"
እቲ ገዳም ዘመሓድሮ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ነይርዎ። እማሆይ ደኒስ ድማ ንኣይሁዳውያን ህጻናት ኣብ መንጎ ካቶሊካውያን ተማሃሮኣ ክትሓብኦም ከም እትኽእል ፈሊጣ’ኳ እንተነበረት ንብጾታ መነኮሳት ኣብ ሓደጋ ከይተእቱ ተጨኒቓ።
ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ጳጳስ ንመንግስቲ ማርሻል ፊሊፕ ፔታን ስለዝድግፍ ምኽሪ ክትረክብ ናብ ሊቀ ጳጳስ ሳሊየጅ ጽሒፋ። ንሱ "ንሓሱ፡ ህይወት ደቂ ሰባት ክሳብ ነድሕን ዘለና ንሓሱ እዛ ጓለይ" ዝብል ምላሽ ከም ዝሃባ ትገልጽ።
ኣብ ክረምቲ 1942 ድማ ኣብ ከባቢ ካፕዴናክ ኣብ ዝርከብ ጫካ ዝበዝሖ ጎላጉልን ተሓቢኦም ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ህጻናት ክትእክብ ጀሚራ።
ወተሃደራት ጀርመንን ካብ 1943 ጀሚሩ ድማ ፋሽሽታዊ ምልሻን ንኣይሁድ ምእሳር እናሓየሉ ምስ ከዱ፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብቲ ገዳም ዝዕቆቡ ህጻናት ኣይሁድ ኣብ መወዳእታ 83 በጺሑ።
ካብኣቶም ሓንቲ ኣኒ ቤክ እያ ነይራ፤ ሓፍታ ሄለን’ውን ድሕሪ ቁሩብ ግዜ በታ መንእሰይ ተመሪሓ ናብቲ ገዳም ኣትያ።

ሄለን ኣብ መወዳእታ ውሕስነት ተሰሚዕዋ።
እማሆይ ደኒስ "ብሓቂ ከም ኣደ እያ ነይራ" ትብል።
ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ዕጫ ንእሽቶ ሓፍታ ኣይዳ የተሓሳስባ ነይሩ።
"ኢዳ እንተዘይሰዳ ነይረ ምሳይ ኣብቲ ገዳም ምሃለወት ነይራ ኢለ ይሓስብ ነይረ" ትብል።

ወለድን ኣላይትን፡ ካብ ፈረንሳ ንምህዳም ዝከኣሎም ቅድሚ ምግባሮም፡ ንመዕበዪ ደቆም ዝኸውን ገንዘብ፡ ስልማት ወይ ካልእ ክቡር ነገራት ይልእኹ ነይሮም። እማሆይ ደኒስ እውን ብጥንቃቐ መዛግብቲ ትሕዝ ከም ዝነበረት ትዝክር።
ንሳ፡ እቶም ህጻናት "ደቅና ኰይኖም ነይሮም፡ ንሕና ድማ ብሰላም ናብ ስድራቤቶም ንምምላስ ኩሉ ስቓይ ክንቅበል ቃል ኣቲና ኔርና" ኢላ።
ብዛዕባ መበቆል እቶም ቈልዑ ዝፈልጡ፡ እማሆይ ደኒስ፡ ዳይረክተር ናይቲ ቤት ትምህርቲ ማርገሪት ሮክስ፡ እቲ ካህንን ካልኦት ክልተ ኣሓትን ጥራይ እዮም። እተን ካልኦት 11 መነኮሳት፡ ብዙሓት ካብቶም ህጻናት ካብ ኣልሳስ-ሎረይን ዝመጹ ስደተኛታት ምዃኖም ይፈልጣ እኳ እንተነበራ፡ ኣይሁዳውያን ምዃኖም ግን ኣይፈልጣን ነይረን። እማሆይ ደኒስ ዝያዳ መጻሕፍቲ ራሽን ንክህብዋ ኣሓይላ ትሓቶም ዝነበረት ሰበስልጣን እውን ኣይፈለጡን።

እቲ ኲናት ብዝቐጸለ መጠን፡ ኵነታት እቶም ህጻናት ዝያዳ ሓደገኛ እናዀነ ስለ ዝኸደ፡ እማሆይ እንታይ ክግበር ከም ዝኽእል ክትጭነቕ ጀሚራ።
"ሓደ ምሸት፡ ኩሉ ሰብ ኣብ ዝደቀሰሉ እዋን፡ ብዛዕባ እቶም ህጻናት ከቃልዕ ዝኽእል ዝዀነ ነገር ኣብ ጀርዲን ናይቲ ገዳም ጉድጓድ ኣዕሚቕና ኰዒትና ቀቢርናዮ" ትብል።
ኣብ ግንቦት 1944 ናይ ውግእ ተመኩሮ ዘለዎ ብዳስ ራይክ ዝፍለጥ ክፍሊ ሚስጥራዊ ኣገልግሎት ጀርመን ናብቲ ከባቢ መጺኡ።
ኣብዚ እዋን እዚ ኣኒ ሓደ ኣባል ተቓውሞ፡ "እቲ ገዳም፡ ህጻናት ኣይሁድ ከም ዝሓብአ” ዝገልጽ ወረ ከም ዝተዘርገሐ ኣጠንቂቕወን።
እማሆይ ደኒስ ምስቶም ተቓወምቲ ኰይና መደብ ኣውጺኣ፡ ንሳቶም እውን ጸላኢ እንተቐሪቡ ናይ መጠንቀቕታ ተኹሲ ክተኩሱ ተሰማሚዖም።
እቲ መደብ፡ "እቶም ህጻናት፡ ሓደ ዓቢ ምስ ሓደ ንኣሽቶ ብጽምዲ ክድቅሱን፡ ለይቲ ተኹሲ እንተተሰሚዑ፡ ድምጺ ከየስምዑ ብቅልጡፍ ናብ ጫካ ክከዱ ኣለዎም" ዝብል ከም ዝነበረ እታ ፈላሲት ትገልጽ።
ግን ነዊሕ ከይጸንሐት እቶም ወረርቲ ክሳብ ዝመጹ ካብ ምጽባይ ብኣግኡ ነቶም ህጻናት ክትሓብኦም ወሲና። ኣኒ እትርከቦ ሓንቲ ጉጅለ ናብ ቤተ ጸሎት ተወሲዳ።
ኣብቲ ቤተ ጸሎት ኣብ ትሕቲ መሬት ንውሓቱ 2.5 ሜትሮ ቁመቱ ድማ ትሕቲ 1.5 ሜትር ኣብ ዝዀነ ቦታ ተሓቢኦም።

ሸውዓተ ቆልዑ ኣብ ትሕቲ መሬት ንሓሙሽተ መዓልቲ ተዓቚቦም። ደው ክብሉ ወይ ክድቅሱ ስለዘይኽእሉ እተን ለይቲ ነዋሕቲ’ዮም ኣሕሊፎም። ንግሆ ንግሆ ግን ንሓጺር ግዜ ወጺኦም ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክገብሩ፡ ክበልዑ፡ ክሰትዩን ሽቓቕ ክጥቀሙን ይፍቀደሎም ነይሩ።
"ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልታት ኣብኡ ምቕጻል ኣይተኻእለን" ትብል ኣኒ።
እተን ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተሓብኣላ መዓልታት ንህይወታ ኣኒ ዝጸለዋ እየን - ካብ ሽዑ ጀሚራ ለይቲ ብዘይ መብራህቲ ኣይትድቅስን። ሄለን ዕድለኛ ኰይና ኣብ ክንድኡ ምስ ሓንቲ ኣብቲ ከባቢ እትርከብ ስድራቤት እያ ክትነብር ተገይራ።
እቶም ጀርመናውያን ናብቲ ገዳም እኳ እንተዘይኣተዉ፡ ኣብ ኣፍደገ እቲ ገዳም ግን ብዙሓት ሰባት ቀቲሎም።
ኣብ ሰነ 1944 ዳስ ራይክ ነቲ ኣብ ኖርማንዲ ዝዓለበ ሰራዊት ሃገራት ኪዳን ንምምካት ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ክጽንበር ናብ ሰሜን ክግዕዝ ተኣዚዙ። ኣብ ኖርማንዲ ምስ በጽሐት ብ2ይ ክፍለ ሰራዊት ኣመሪካ ተኸቢባ፤ ኣብኡ 5000 ኣባላት፡ ልዕሊ 200 ታንክታትን ካልኦት ናይ ውግእ መካይንን ተደምሲሶም።

ደቡባዊ ፈረንሳ ሓራ ምስ ወጸት፡ ኣብ ነሓሰ 1944፡ እቶም ኣይሁዳውያን ህጻናት ቀስ ብቐስ ካብቲ ገዳም ወጺኦም። ኣልበርት ሳይፈር ምስቲ ካብ ኦሽዊትዝ ብህይወት ዝወጸ ኣቡኡን ምስ ስድርኡ ተራኺቡ።
ኣኒን ሄለንን ከምኡ ዕድለኛታት ኣይነበራን።
ሓትኖአን ብህይወት’ኳ እንተ ተረፈት፡ ወለደንን ንእሽቶ ሓፍተን ኣይዳን ግን ኣብ ኦሽዊትዝ ተቐቲሎም።
ብድሕሪኡ ኣኒን ሄለንን ተመርዕየን ቆልዑ ወሊደን እየን።
እተን 94ን 90ን ዓመት ዝዕድሚአን ኣሓት፡ ሕጂ’ውን ብዝተኻእለን መጠን እናተራኸበ ብሓባር ግዜ የሕልፋ ኣለዋ።
ንእማሆይ ደኒስ ናይ ኲናት እመቤትና ኢለን ይጽውዕኣ።
ኣብ ምሉእ ህይወታ ብቐጻሊ ይበጽሕኣ ነይረን፤ ካብዛ ዓለም ክትፍለ ከላ ድማ መሪር ሓዘን ተሰሚዕወን’ዩ።
ኣኒ፡ ደቂ ንኣሽቱ ከለዉ ብዙሕ ግዜ ሒዛቶም ትኸይድ ነይራ፣ ነቲ ታሪኽ ህያው ንምግባር ህዝቢ ኣይሁድ እንታይ ከም ዝተጻወረ ብቀጻሊ ተዘኻኽሮም ከም ዝነበረት ኣይትርስዕን ።
እማሆይ ደኒስ፡ ድሒራ ኣብ ህይወታ ንዝተጸገሙ ህጻናትን ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝመጹ ስደተኛታት ሓጊዛ እያ። ክሳዕ ዕለተ ሞታ ኣብቲ ገዳም ድሕሪ ምጽናሓ ኣብ 2006 ኣብ መበል 94 ዓመት ዕድሚኣ ዓሪፋ።
ብ1980 ‘ኣብ መንጎ ኣህዛብ ዝነበረት ጻድቕ’ ተባሂላ ማእከል ዝኽሪ ህልቂት ያድ ቫሸም ተኸቢራ። ኣብ ካፕዴናክ ድማ ሓደ ጎደና ብስማ ተሰይሙ ኣሎ። ካብዚ ወጻኢ ግን እቲ እንኮ መዘከርታኣ ኣብ ቀጽሪ እቲ ገዳም ዝርከብ ሓወልቲ እዩ።

መዘከርታኣ ከምዚ ይብል: "83 ኣይሁዳውያን ህጻናት (ካብ ታሕሳስ 1942 ክሳዕ ሓምለ 1944) ...ብደኒስ በርጎን ምድሓኖም ንምዝካር ብሕቶ ሞንሲኞር ጁልስ-ጀራውድ ሳሊየጅ ሊቀ ጳጳስ ቱሉዝ ዝተተኽለ እዩ።"
ኣብ ጥቓ እቲ እማሆይ ደኒስ፡ ወለዲ እቶም ህጻናት ዝሃብዋ ስልማት፡ ገንዘብን ክቡር ኣቑሑትን ዝቐበረትሉ ቦታ ይርከብ።
እማሆይ ደኒስ፡ ድሕሪ ኲናት እቶም ስድራቤታት ዳግማይ ናብራ ንምጅማር ምእንቲ ክሕግዞም ነቶም ስልማትን ገንዘብን ክቡር ኣቑሑትን ከይተተንከፈት እያ መሊሳትሎም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







